12
መበል 27 ዓመት ቁ.86 ሰሉስ 12 ታሕሳስ 2017 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ ገጽ 3 ገጽ 5 ገጽ 6 ገጽ 8 ገጽ 9 ርዝነት ትርጉም ቃላት ገድሊ ኣመዓባብላ ካሜራን ፊልምን ዘተ ጥበብ ምትካኽ ሽጋራ ኣብ ቀዳማይገጽናይ’ቲኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ልምዓት ቀረብ ጸሓያዊ ጸዓት ንምውሓስ ተበጋጊሱ ዘሎ ንጥፈታት፡ ኣብ ዓዲ-ሃሎ - ንኡስ ዞባ ድባርዋ፡ 2 ሜጋ- ዋት ጸዓት ኤለክትሪክ ዘመንጩ መደበር ጸሓያዊ ጸዓት ተዋዲዱ። ኣካያዲ ስራሕ ነቲ መደበር ዝሃነጸ ኤርትራዊ ትካል “ኢ-ቴክ” ሜጀር ኣኽሊሉ ሃብተማርያም፡ እቲ ፕሮጀክት ብውሽጣዊ ዓቕሚ መንእሰያትና ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ ከምእተተኽለ ብምሕባር፡ ኣብ'ቲ ከባቢ ንዝሰላሰል ዘሎ ልምዓታዊ መደባትን ቀረብ ዝስተ ማይን ናይ ጸዓት ደገፍ ከምዝገብር ኣረዲኡ። እቲ ፕሮጀክት፡ ናይ መጀመርያ ተመኲሮ ዝተቐስመሉ፡ ኣብ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪን ገስጋሱን ዝተንጸባረቐሉ፡ ከምኡ'ውን ናይ ምግባር ዓቕሚ መንእሰያትና ዝያዳ ዝተጋህደሉ ምዃኑ ጠቒሱ ድማ፡ ተቐሲሙ ዘሎ ተመኲሮን ተጠርዩ ዘሎ ክእለትን፡ ተመሳሳሊ ፕሮጀክትታት ብስፍሓትን ብኣድማዕነትን ንምትግባር ዘኽእል ኣብ ዓዲ-ሃሎ፡ 2 ሜጋ-ዋት ዘመንጩ መደበር ጸሓያዊ ጸዓት ተተኺሉ ከምዝኾነ ገሊጹ። ነዚ ናይ ዓዲ-ሃሎ ፕሮጀክት ናብ 4 ሜጋ-ዋት ክብ ንምባሉ መደብ ከምዘሎ፡ ጐድኒ-ጐድኑ ድማ ኣብ ገርገራ ናይ 2 ሜጋ-ዋት ፕሮጀክት ተበጋጊሱ ምህላዉ ዝጠቐሰ ሜጀር ኣኽሊሉ፡ ዓቕሚ ምምንጫው ጸሓያዊ ጸዓት ብምምዕባል፡ ቀረብ ጸዓት በብመድረኹ ክብ ንምባል ብውጥንን በብገጹን ይስራሓሉ ከምዘሎ ሓቢሩ። ኣብ’ቲ ፕሮጀክት ካብ ዝተሳተፉ መንእሰያት፡ ብክልሰ-ሓሳብ ንዝቐሰምዎ ትምህርቲ ኣብ ተግባር ከውዕልዎ ምብቅዖም ፍናን ከምዝፈጠረሎም ብምጥቃስ፡ ኣብ ስራሕ ዝተራእየ ውህደትን ምምልላእን፡ ምስጢር ዓወት ናይ'ቲ ፕሮጀክት ምዃኑ ገሊጾም። ኣብ ካልኦት ዞባታት ልምዓት እውን ተመሳሳሊ ፕሮጀክትታት ጸሓያዊ ጸዓት ናይ ምውዳድ ውጥን ከምዘሎ፡ ኣብ ከርከበት ናይ 8 ሜጋ-ዋት ኣብ ገርገራ ድማ ናይ 4 ሜጋ-ዋት መደበራት ንምትካል ዝተበጋገሰ ዕማም ምህላዉ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ። ምምሕዳር ዞባ ደ/ቀ/ባሕሪ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ናይ ዘካየዶም ስራሓት ዝግምግም ርክብ ብ7 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ዓሰብ ኣካይዱ። ኣብቲ ሓለፍቲ ክፍልታት፡ ጨናፍር ሚንስትሪታት ሓለፍቲ ህግደፍን ማሕበራትን ዝተሳተፉዎ ገምጋም፡ መደባት ትምህርቲ፡ ጥዕና፡ ሕሪሻ፡ ቱሪዝም፡ ንግዲ፡ ባህልን ስፖርትን ንምዕዋት፡ ልዑል ዉህደት ኣካላት መንግስትን ህዝብን ከም እተንጸባረቐ ኣብ ዝቐረበ ጸብጻባት ተገሊጹ። ኣብዚ ዓመት ብዝዘነበ 195 ሚሊ- ሊትር ዝዓቐኑ ዝናብን ካብ ጐቦታት ብዝወረደ ዋሓይዝን 267 ሄክታር መሬት ክሕረስ ከሎ፡ 25 ሄክታር ናይ ሕርሻ መሬት ከም እተዳለወን ሰለስተ ዒላታት ከም እተዃዕታን፡ ካብ 99 ሄክታር ልዕሊ 7000 ኩንታል ኣሕምልትን ፍረታትን ከም ዝተረኽበ፡ ንመግቢ እንስሳ ኣብ 30 ሄክታር ብዝተኻየደ ናይ ምልማዕ ስራሓት 823 ኩንታል ቃንጫ ከም እተኣከበ፡ ብተማሃሮን ህዝብን ኣስታት 12000 ኣግራብ ከም እተተኽለ. . . ተፈሊጡ። ተሳታፍነት ተማሃሮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ብሓፈሻ ናይ ደቂ- ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ - ምስ’ቲ ብቐጻሊ ዝግበር ወፍሪ ኣብ ትምህርቲ ዘይዳረግ ምህላዉ ዝሓበረ እቲ ጸብጻብ፡ ብሕልፊ ኣብ ንኡስ ዞባ ደቡብ ደንከልያ ቆላሕታ ዝሓትት ትሑት ተሳታፍነት ከም ዝረአ ተገምጊሙ። ተሳተፍቲ፡ እርጋን ዘጋጠመን ኣብያተ-ትምህርቲ ቅልጡፍ ጽገና ክረኽባ፡ ጸገም መጓዓዝያ ፍታሕ ክረክብ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም። ኣማሓዳሪ ዞባ ደ/ቀ/ባሕሪ ኣምባሳደር መሓመድ ሲዒድ ማንታይ፡ ተጠርዩ ዘሎ ናይ ስራሕ ድሲፕልን ኣብ ዓወትን ኣሳልጦን ዕማማት ልዑል ግደ የበርክት ስለዘሎ፡ ንምዕቃቡ ኣብነታዊ ኣመራርሓን ምትብባዕን ሓለፍቲ ክሕወሶ ኣዘኻኺሩ። ኣብ ደ/ቀ/ባሕሪ ዓመታዊ ገምጋም ስራሕ ተኻይዱ ሞሳና፣ ድምቕቲ ኮኾብ ኮይና ውዒላ

ኣብ ዓዲ-ሃሎ፡ 2 ሜጋ-ዋት ዘመንጩ መደበር ጸሓያዊ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_12122017.pdf12፡50 ልዝብ መንእሰያት 13፡30 ዜና

  • Upload
    others

  • View
    6

  • Download
    0

Embed Size (px)

Citation preview

Page 1: ኣብ ዓዲ-ሃሎ፡ 2 ሜጋ-ዋት ዘመንጩ መደበር ጸሓያዊ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_12122017.pdf12፡50 ልዝብ መንእሰያት 13፡30 ዜና

መበል 27 ዓመት ቁ.86 ሰሉስ 12 ታሕሳስ 2017 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ

ገጽ 3 ገጽ 5 ገጽ 6 ገጽ 8 ገጽ 9

ርዝነት ትርጉም ቃላት ገድሊ ኣመዓባብላ ካሜራን ፊልምን ዘተ ጥበብ

ምትካኽ ሽጋራ

ኣብ ቀዳማይ ገጽ ናይ’ቲ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ልምዓት ቀረብ ጸሓያዊ ጸዓት ንምውሓስ ተበጋጊሱ ዘሎ ንጥፈታት፡ ኣብ ዓዲ-ሃሎ - ንኡስ ዞባ ድባርዋ፡ 2 ሜጋ-ዋት ጸዓት ኤለክትሪክ ዘመንጩ መደበር ጸሓያዊ ጸዓት ተዋዲዱ።ኣካያዲ ስራሕ ነቲ መደበር ዝሃነጸ

ኤርትራዊ ትካል “ኢ-ቴክ” ሜጀር ኣኽሊሉ ሃብተማርያም፡ እቲ ፕሮጀክት ብውሽጣዊ ዓቕሚ መንእሰያትና ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ ከምእተተኽለ ብምሕባር፡ ኣብ'ቲ ከባቢ ንዝሰላሰል ዘሎ ልምዓታዊ መደባትን ቀረብ ዝስተ ማይን ናይ ጸዓት ደገፍ ከምዝገብር ኣረዲኡ።እቲ ፕሮጀክት፡ ናይ መጀመርያ

ተመኲሮ ዝተቐስመሉ፡ ኣብ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪን ገስጋሱን ዝተንጸባረቐሉ፡ ከምኡ'ውን ናይ ምግባር ዓቕሚ መንእሰያትና ዝያዳ ዝተጋህደሉ ምዃኑ ጠቒሱ ድማ፡ ተቐሲሙ ዘሎ ተመኲሮን ተጠርዩ ዘሎ ክእለትን፡ ተመሳሳሊ ፕሮጀክትታት ብስፍሓትን ብኣድማዕነትን ንምትግባር ዘኽእል

ኣብ ዓዲ-ሃሎ፡ 2 ሜጋ-ዋት ዘመንጩ መደበር ጸሓያዊ ጸዓት ተተኺሉ

ከምዝኾነ ገሊጹ።ነዚ ናይ ዓዲ-ሃሎ ፕሮጀክት ናብ 4

ሜጋ-ዋት ክብ ንምባሉ መደብ ከምዘሎ፡ ጐድኒ-ጐድኑ ድማ ኣብ ገርገራ ናይ 2 ሜጋ-ዋት ፕሮጀክት ተበጋጊሱ ምህላዉ ዝጠቐሰ ሜጀር ኣኽሊሉ፡ ዓቕሚ

ምምንጫው ጸሓያዊ ጸዓት ብምምዕባል፡ ቀረብ ጸዓት በብመድረኹ ክብ ንምባል ብውጥንን በብገጹን ይስራሓሉ ከምዘሎ ሓቢሩ።ኣብ’ቲ ፕሮጀክት ካብ ዝተሳተፉ

መንእሰያት፡ ብክልሰ-ሓሳብ ንዝቐሰምዎ

ትምህርቲ ኣብ ተግባር ከውዕልዎ ምብቅዖም ፍናን ከምዝፈጠረሎም ብምጥቃስ፡ ኣብ ስራሕ ዝተራእየ ውህደትን ምምልላእን፡ ምስጢር ዓወት ናይ'ቲ ፕሮጀክት ምዃኑ ገሊጾም።ኣብ ካልኦት ዞባታት ልምዓት እውን

ተመሳሳሊ ፕሮጀክትታት ጸሓያዊ ጸዓት ናይ ምውዳድ ውጥን ከምዘሎ፡ ኣብ ከርከበት ናይ 8 ሜጋ-ዋት ኣብ ገርገራ ድማ ናይ 4 ሜጋ-ዋት መደበራት ንምትካል ዝተበጋገሰ ዕማም ምህላዉ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ምምሕዳር ዞባ ደ/ቀ/ባሕሪ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ናይ ዘካየዶም ስራሓት ዝግምግም ርክብ ብ7 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ዓሰብ ኣካይዱ።ኣብቲ ሓለፍቲ ክፍልታት፡ ጨናፍር

ሚንስትሪታት ሓለፍቲ ህግደፍን

ማሕበራትን ዝተሳተፉዎ ገምጋም፡ መደባት ትምህርቲ፡ ጥዕና፡ ሕሪሻ፡ ቱሪዝም፡ ንግዲ፡ ባህልን ስፖርትን ንምዕዋት፡ ልዑል ዉህደት ኣካላት መንግስትን ህዝብን ከም እተንጸባረቐ ኣብ ዝቐረበ ጸብጻባት ተገሊጹ።

ኣብዚ ዓመት ብዝዘነበ 195 ሚሊ-ሊትር ዝዓቐኑ ዝናብን ካብ ጐቦታት ብዝወረደ ዋሓይዝን 267 ሄክታር መሬት ክሕረስ ከሎ፡ 25 ሄክታር ናይ ሕርሻ መሬት ከም እተዳለወን ሰለስተ ዒላታት ከም እተዃዕታን፡

ካብ 99 ሄክታር ልዕሊ 7000 ኩንታል ኣሕምልትን ፍረታትን ከም ዝተረኽበ፡ ንመግቢ እንስሳ ኣብ 30 ሄክታር ብዝተኻየደ ናይ ምልማዕ ስራሓት 823 ኩንታል ቃንጫ ከም እተኣከበ፡ ብተማሃሮን ህዝብን ኣስታት

12000 ኣግራብ ከም እተተኽለ. . . ተፈሊጡ።ተሳታፍነት ተማሃሮ ኣብ መኣዲ

ትምህርቲ ብሓፈሻ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ - ምስ’ቲ ብቐጻሊ ዝግበር ወፍሪ ኣብ ትምህርቲ ዘይዳረግ ምህላዉ ዝሓበረ እቲ ጸብጻብ፡ ብሕልፊ ኣብ ንኡስ ዞባ ደቡብ ደንከልያ ቆላሕታ ዝሓትት ትሑት ተሳታፍነት ከም ዝረአ ተገምጊሙ።ተሳተፍቲ፡ እርጋን ዘጋጠመን

ኣብያተ-ትምህርቲ ቅልጡፍ ጽገና ክረኽባ፡ ጸገም መጓዓዝያ ፍታሕ ክረክብ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።ኣማሓዳሪ ዞባ ደ/ቀ/ባሕሪ ኣምባሳደር

መሓመድ ሲዒድ ማንታይ፡ ተጠርዩ ዘሎ ናይ ስራሕ ድሲፕልን ኣብ ዓወትን ኣሳልጦን ዕማማት ልዑል ግደ የበርክት ስለዘሎ፡ ንምዕቃቡ ኣብነታዊ ኣመራርሓን ምትብባዕን ሓለፍቲ ክሕወሶ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ደ/ቀ/ባሕሪ ዓመታዊ ገምጋም ስራሕ ተኻይዱ

ሞሳና፣ ድምቕቲ ኮኾብ ኮይና ውዒላ

Page 2: ኣብ ዓዲ-ሃሎ፡ 2 ሜጋ-ዋት ዘመንጩ መደበር ጸሓያዊ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_12122017.pdf12፡50 ልዝብ መንእሰያት 13፡30 ዜና

ሓዳስ ኤርትራ 12 ታሕሳስ 2017 - ገጽ 2መበል 27 ዓመት ቁ.86

\\\\\\\\\\\\\

ዋና ኣሰናዳኢ ኣስፍሃ ተኽለማርያም

ቍ.ስ 116266/201820(2220)ም/ ዋና ኣሰናዳኢብንያም ፍስሃጽዮንቍ.ስ 201820(2217)

ፋክስ። 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. 247ምዝርጋሕ ጋዜጣ

ቍ.ስ. 200454-07121322ምልክታ

ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

ብዘይካ ሰኑይ መዓልታዊ እትሕተም ጋዜጣ

ምስጋና ተዓገስኣስቴር ካሕሳይ

ሰማያዊት ሓይለኣብ

ኤደን ሃብተኣብሳምራዊት መለስበይሉል ገ/ሚካኤል

ለይ-ኣውት

ሎሚ ኣብ ERI-TVሰዓት መደብ12፡00 ካርቱን12፡30 ዜና ትግርኛ12፡50 ልዝብ መንእሰያት13፡30 ዜና ዓረብ13፡40 ዶክተራት14፡40 Sport Highlights15፡35 ኖሪት16፡10 DOC/FILM17፡25 ናትራን19፡30 ሄሎው ቆልዑ20፡00 ዜና ትግረ20፡10 ህድግ21፡00 ዜና ትግርኛ21፡25 መደብ ስፖርት22፡00 ዜና ዓረብ22፡10 ሙ/ድራማ22፡30 ዜና እንግሊዝ

ኣብ ማእከል ትምህርትን ስልጠናን ሳዋ፡ ጥዕናዊ ንቕሓት ክብ ብምባል ድሕነት ኣባላትን ሰልጠንትን ንምውሓስ

ሳዋ- ‘ቅነ ምክልኻል ሕማም ዓሶ’ ይካየድ ኣሎ

ዝዓለመ ‘ቅነ ምክልኻል ሕማም ዓሶ’ ብ8 ታሕሳስ ተጀሚሩ።ኣብ’ዚ “ካብ ሕማም ዓሶ ንምክልኻል

ከባቢና ነጽሪ” ብዝብል ቴማ ክሳብ 14 ታሕሳስ ዝቕጽልን ስፖርታዊ ንጥፈታትን ጥዕናዊ ጐስጓሳትን

ዘጠቓልልን ቅነ፡ ተመሃሮ ቤት-ትምህርቲ ዋርሳይ-ይከኣሎን ማእከል ሞያዊ ስልጠናታትን ዝሳተፍዎ ስፖርታዊ

ውድድራት ይካየድ ከምዘሎ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ። ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሃገራዊ

ኣገልግሎት ኮሎኔል ደበሳይ ግደ፡ እቲ ዕላማ - ንቕሓት ብምስራጽ ሕማም ዓሶ ንምቊጽጻርን ንምግታእን ምዃኑ፡ ኣብ ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎት ድማ ዓሶ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቊጽጻር ከም ዝኣተወን ኣብ ደረጃ ምእዋጅ “ናጻ ካብ ዓሶ” ተበጺሑ ከምዘሎን ኣረዲኡ።ወደብትን ኣካየድትን ናይ’ቲ መደብ፡

ነፍሲ-ወከፍ ኣባልን ተመሃራይን ብሰብ-ሞያ ጥዕና ንዝወሃቦ መምርሕን ሓበሬታን ክትግብር፡ ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ ጣንጡ ንኽፋረያ ዝዕድም ነገራት ክከታተልን ክኣልን፡ ላምስያ ብግቡእ ክጥቀምን ምልክታት ሕማም ዓሶ ምስ ዝስመዖ ብዝቐልጠፈ ናብ ትካል ጥዕና ከምርሕን ተላብዮም።

ንቈልዑ ብሓፈሻ፡ ክሳብ 4 ዓመት ንዝዕድመኦም ህጻናት ድማ ብፍላይ ዝግበር ግቡእ ናብዮትን ዝወሃቦም ስድራ-ቤታዊ ፍቕርን፡ ኣብ ዕቤቶም ወሳኒ ብምዃኑ፡ ሞያዊ መምርሒ ብምውጻእ ንቕሓት ሕብረተሰብ ክብ ምባል ኣገዳሲ ምዃኑ፡ ኣብ ከተማ ባረንቱ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ተገሊጹ።ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዳይረክተር

ጨንፈር ውጥንን ካሪክለምን ኣቶ ኣብርሃም ርእሶም፡ በቲ ሚኒስትሪ ተዳልዩ ክትግበር ተወጢኑ ብዛዕባ ዘሎ መምርሒ ኣኰሳዂሳ ቈልዑ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ መደብ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ብቕዓት ህጻናት ንምህናጽ፡ ኣብ ጉዕዞ ትምህርቶምን ዕቤቶምን ድማ እወታዊ ለውጢ ንምምጻእ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ንቕሓት ሕብረተሰብ ብሓፈሻ ናይ ወለዲ ድማ ብፍላይ ወሳኒ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ እቲ መደብ ኣብ

ባረንቱ - ናብ ኣተኣላልያ ቈልዑ ዝቐንዐ ዘተ ተኻዪዱ

ንኡሳን ዞባታት ኣቑርደት፡ ሞጎሎን ጎኜን ኣብ ዝርከባ 20 ነቑጣታት መደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ ከምዝተኣታቶ ዝሓበረ ኣቶ ኣብርሃም፡ ቀንዲ ጠመተ ናይ’ቲ ውጥን፡ ቈልዑ ብሓፈሻ፡ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ዝነብሩን ስንኩላንን ድማ ብፍላይ፡ ድሌታቶም ተማሊኡ ግቡእ ሓልዮትን ናብዮትን ዝረኽቡሉን ኩሉ-መዳያዊ ዕቤቶም ዝረጋገጸሉን ባይታ ንምጥጣሕ ከምዝኾነ ሓቢሩ።ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሓፈሻዊ

ትምህርቲ ኣቶ ሙሳ ሑሴን ናይብ፡ ቈልዑ ናብ መደብ ቅድመ-ትምህርትን ስሩዕ ኣካዳሚያዊ ትምህርትን ቅድሚ ምጽንባሮም፡ ብወለዲ ዝግበረሎም ናብዮትን ኣተኣላልያን መሰረት ኣካላውን ኣእምሮኣውን ዕቤቶምን ብስለቶምን ስለዝዀነ - ኣተኲሮ ክግበረሉ፡ ኣብ ምብራኽ ንቕሓት ዘተኰሩ መደባት እውን ክትግበሩ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ወሽጥን ወጻኢን ዝነብሩ ዜጋታት፡ ንመናበዪ ስድራ ስውኣትን መሰሰኒ ማዕከን ሕድሪ ሰማእታትን ዝውዕል፡ 150 ሽሕ ናቕፋ፡ 8 ሽሕን 700 ዩሮን 1 ሽሕን 820 ዶላር ኣመሪካን ኣታዊ ጌሮም።ብመሰረት ሓበሬታ ሚኒስትሪ ዕዮን

ሰብኣዊ ድሕነትን፡ ማሕበር ወነንቲ ኣውቶቡስ 150 ሽሕ ናቕፋ፡ ኣብ ከተማ ሚላኖ - ኢጣልያ ዝቕመጣ ኣባላት ማሕበር ሕልና ድማ 6 ሽሕ ዩሮ ንመናበዪ ስድራ ስዉኣት ኣበርኪቶም። ብዘይካ’ዚ፡ ማሕበር ምትሕግጋዝ

ኤርትራውያንን ቱቢንገንን ከባቢኣን - ጀርመንን፡ ንመሰሰኒ ማዕከን ሕድሪ ሰማእታት 2 ሽሕን 700 ዩሮ፡ ማሕበረ-ኮም ፍሪቡርግ - ስዊዘርላንድ ድማ ንመናበዪ ስድራ ስውኣት 1 ሽሕን 820 ዶላር ኣመሪካ ወፍዮም።

ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ - ኣቶ ሃይለ ተወልደብርሃን፡ ብ7 ታሕሳስ ተራ መንእሰያት ኣብ መደባት ልምዓት ዘተኰረ - ኣብ ከተማ ባጽዕ ንመንእሰያት

150 ሽሕ ናቕፋ፡ 8700 ዩሮን 1820 ዶላርን ተወፍዩ

ሰራሕተኛታት ሰሚናር ኣካዪዱ።ንዝመጽእ ክልተ ዓመታት ኣብ’ቲ ዞባ

ተወጢኑ ብዛዕባ ዘሎ ልምዓታዊ መደባት ከምኡ’ውን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ትሕተ-ቅርጽን መብርሂ ዝሃበ ኣቶ ሃይለ፡

እቲ መደብ ንኽዕወት መንእሰያት ብሞያኦምን ፍልጠቶምን ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ ኣዘኻኺሩ።ብቐዳምነት ክስርሑ ዘለዎም መደባት

ከምእተጸንዑ - ንሳቶም ከኣ ምስራሕ ዓግማት ዒን፡ ላባ፡ ገድገድ፡ ሸባሕን ፎሮን ከምዘጠቓልሉ ብምጥቃስ፡ ድሮ መንግስቲ ማሽነሪታት ኣዋፊሩ ከምዘጻፈፎን ውጽኢቱ ኣብ ባይታ ይርአ ከምዘሎን ኣብሪሁ።

ሰ/ቀ/ባሕሪ - መንእሰያት ልምዓታዊ ሰሚናር ተዋሂብዎም

Page 3: ኣብ ዓዲ-ሃሎ፡ 2 ሜጋ-ዋት ዘመንጩ መደበር ጸሓያዊ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_12122017.pdf12፡50 ልዝብ መንእሰያት 13፡30 ዜና

ሓዳስ ኤርትራ 12 ታሕሳስ 2017 - ገጽ 3መበል 27 ዓመት ቁ.86

ተራ ስድራ፡ ኣብ ምንካይ ምትካኽ ሽጋራ*ምንካይ ምትካኽ ሽጋራ ቈላሕታ የድልዮ ኣሎ!

ናይ ሎሚ ዓምዲ ስድራቤት ምትካኽ ሽጋራን ተራ ስድራቤትን ዝብል ኣርእስቲ ኣልዒላ ኣላ። እዚ ኒኮቲን ዝተባህለ ኣወላፍን ጎዳእን ቀመም ትሕዝቶ ዘለዎ ትምባኾ በብእዋኑ ጽልዋኡ ኣብ ከተማን ገጠርን ኣብ መንእሰያትን ዓበይትን እናስፋሕፍሐ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ። ተቐባልነቱ ክዛይድን ኣትከኽቱ ክውስኹን ይረኣዩ ስለዘለዉ፡ “ውሕጅ ከይመጸ፡ መገዲ ውሕጅ ጽረግ” ከምዝበሃል ብኣጋኡ ዓገብ ዘድልዩ ጕዳይ ኰይኑ ኣሎ። እቲ ዝያዳ ዅሉ ኣሰካፊ ዝገብሮ ድማ፡ ኣምዑት ዘይቆጸሩ ናእሽቱ መንእሰያት ይስዕብዎ ብምህላዎ’ዩ። “ተራ ስድራቤት ኣብ ምዕጋት ወልፊ ትምባኾ ንምሕያል እንታይ ክግበር ኣለዎ” ዝብል ሕቶ ኣበጊስካ ዘተ ምክያድ ግዜኡ ዝጠልቦ ስለዝዀነ፡ “ዓምዲ ስድራቤት” ኣብ’ዚ እዋናዊን ኣገዳሲን ዛዕባ ዘተ ብምኽፋት፡ ትዕዝብትኹምን ሓሳብኩምን ከተካፍሉ እናዓደመት፡ ግዱስ ካብ ኣስመራ ኣቐዲሙ ናይ ዝለኣኸልናኣ ትሕዝቶ ከነቕርበልኩም፦ እዚ ንሰታይኡ ይኹን ንሓላፊ

መገዲ ዘይተበሃግን ተጸላእን ጨና ዘለዎ ትምባኾ፡ ከመይ ኢሉ’ዩ ኣብ መንእሰያትን ዓበይቲን ክስዕርር ዕድል ረኺቡ ዘሎ? ዝብል ሕቶ ክለዓል ግድን’ዩ። እዚ ወልፊ’ዚ በዚ ዘለዎ ናህሪ እንተቐጺሉ፡ ኣብ ብዙሓት ኣባላት ስድራቤት ሃስያ ከውርድ ምዃኑ’ውን ኣየጠራጥርን። ስለዚ ቅድሚ ዝኣገረ እቶም ድሮ ኣብዚ ወልፊ’ዚ ዝኣተዉ መንእሰያት ይኹኑ ዓበይቲ ከቋርጽዎ፡ ንትሕቲ ዕድመ ደቅና ድማ ሰዓብቲ ናይዞም በዚ ወልፊ’ዚ ዝተታሕዙ ከይኰኑ ኩልና ስድራቤታት ብሓደ ቃል ‘’ኣይፋል ንወልፊ ትምባኾ’’ ዝብል ጭርሖ ከነልዕል ይግባእ ጥራይ ዘይኰነ፡ እዋን ዝጠልቦ ጕዳይ’ዩ። ከምኡ’ውን ካብ ገዛና ጀሚርና ንጹህ ኣከባቢ ብምፍጣር ድሕነት ስድራቤትና ንምዕቃብ ጻዕርታትና ከነሕይል ዘተ ከድልየና’ዩ።እዚ ጎዳኢ ቀመም ትሕዝቶ ዘለዎ

ትምባኾ፡ ኣብ ክንዲ ቁርሲ ወይ

ምሳሕ ከብድኻ መሊኡ ዕጽፍ ዝርግሕ እናበለካ ክትከይድ ዝሕግዝ ሓይሊ ክህብ ዝኽእል እንተዝኸውን እኮ ኣይምተጸልአን። ብኣንጻሩ ሳምቡእካ ኣሕሪሩ፡ ገጽካ ኣማሲኑ፡ ንሓሙሽተ ደቒቕ’ውን እንተዀነ ዘብዘብ ክትብል ከም ዘይትኽእል ገይሩ መሓውርካ ዝኣስርን’ዩ። ኣብ መወዳእታኡ ድማ ናብ ሞት ዘብጽሕ ባህሪ ዘማዕብል ምዃኑ ሰብ ሞያ ጥዕና በብእዋኑ ክገልጽዎ ጸኒሖም’ዮም።ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ ከም ስድራቤት

ከነተኩረሉ ዘለና ጉዳይ እንተሃልዩ፡ ደቅና ካብ ትካላት ትምህርቲ ወጻኢ፡ ኣካዳምያዊ ዓቕሞም ዘበርኽሉን ሞያ ዘማዕብልሉን ካልእ ስነ-ፍልጠታዊ ምህዞታት ንምርካብ ዘይሽገርሉን ግዜ ንርከብ ምህላውና’ዩ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ብመንጽር ናይዚ ዝተጠቕሰ ንባህርን ልምድን ሕብረተሰብ ክብክሉ ዝኽእሉ ጸለውቲን ኣነወርቲን ልምድታት ተሰሪዖም ኣለዉ። ኣብዚ እቲ መንእሰይ እንታይ ከም ዝመርጽን በየናይ መገዲ ከም ዝጓዓዝን ኣብ ምውሳእ፡ ተራ ስድራቤትን ሕብረተሰብን ወሳኒ ይኸውን ማለት’ዩ።ንምዃኑ፡ ንሕና

ከም ወለዲ ኣብዚ ንጥዕና ኣዝዩ ጎዳኢ ዝዀነ ወልፊ’ዚ ዘለና ትዕዝብቲ እንታይ’ዩ? ናህሪኣ ት ከ ኽ ቱ

ንምግማት ካብ ገዛና ተበጊስና ኣብ ከባቢና፡ ከምኡ’ውን ኣብ መዘናግዒ ቦታታት ኣብ እንገብሮ ምንቅስቓስ ምስ እንዕዘብ፡ ምትካኽ ሽጋራ ብሓያል ናህሪ እናስፋሕፍሐ ይኸይድ ከም ዘሎ ንምርድኡ ዘጸግም ኣይኰነን። እቲ ዘገርም ድማ ኣብ ርእሲ’ቲ ዘስዕቦ ጥዕናዊ ጉድኣት፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ዋጋ ሓደ ሽጋራ ልዕሊ ዋጋ ሓደ ባኒ ምብጽሑ’ዩ። ስለዚ፡ ጥዕናኻን ገንዘብካን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ እናኣእተኻ ምጉዓዝ ግን ኣበይ’ዩ ከብጽሓና? ኩልና ክንምልሶ ዘለና ሕቶ’ዩ።

ሰብ ሞያ ጥዕና ኣብዚ ኣርእስቲ’ዚ ብምትኳር በብእዋኑ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ቀሪቦም ምትካኽ ሽጋራን ሳዕቤናቱን ምስ ዝተፈላለዩ ዓይነት ሕማም ብምዝማድ ሰፊሕ ጥዕናዊ ኣስተምህሮ ንህዝቢ ክህቡ ጸኒሖም ኣለዉ። ከም ውጽኢቱ ድማ ናህሪ ኣትክኽቲ ክጎድል ኢኻ ትጽቢት ትገብር። እንተዀነ ኣብ ባይታስ ከምኡ የለን። ስለዚ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ብሰብ ሞያ ጥዕና በብእዋኑ ዝወሃብ ምኽሪ፡ ኵሉ ዝምልከቶ ኣካል ናይቲ ሕብረተሰብ ዓገብ ክብልን ከባቢኡ ካብዚ መርዛም ትኪ ከውሕስን ግቡእን ኣማራጺ ዘይርከቦን ይኸውን። ወልፊ ምትካኽ ሽጋራ፡ ኣብ ግዜ

ንእስነትካ ማለት፡ ሕማቕን ጽቡቕን ናይ ምልላይ ዓቕሚ ኣብ ዘየማዕበልካሉ፡ ካብ ስድራቤትካን ጎረባብትኻን እናተሓባእኻ ዝበጋገስ ወልፊ’ምበር፡ ንእስነት ወዲእካ ምስ ዓበኻን እርጋን ምስ ተቐላቐለካን ዝጅምር ወልፊ ከም ዘይኰነ ኩልና እንሰማምዓሉ’ዩ። ስለዚ፡ ኣብ ግዜ ንእስነትካ ካብ ጎዳእቲ ወልፍታት ናጻ ኰይንካ ክትዓቢ ኢድካ ሒዙ በቲ ቅኑዕ መኣዝን ክትጐዓዝ ደገፍ ዝገብረልካ ሰብ እንተዘይረኺብካ ካብ ትምህርትን ሞያን ርሒቕካ ግዙእ ናይ ዝተፈላለዩ ወልፍታት ክትከውን ቀሊል’ዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ በብቕሩብ ካብቲ ስነ-

ምግባር

ና ይ ቲ ስድራቤትን ሕብረተሰብን እናወጻእካ ካልኦት ልምድታት እናኣማዕበልካ ትኸይድ’ሞ ግዳይ ናይቲ ‘ምስ መዕበይኻ ጥፋእ’’ ዝብል መርገም ተዓዛቢ ትኸውን። ከም መንእሰይን በዓል ሕማቕ ልምድን ድማ ኣብ ስድራኻን መቕርብካን ዝነበረካ ተቐባልነት ስለዝጎድለካ ርእሰ ምትሓትን ተነጽሎን ክስምዓካ ዘሎ ተኽእሎ ልዑል’ዩ።ንምዃኑ ሓደ መንእሰይ ልምዲ

ምትካኽ ሽጋራ ከማዕብል ዝደፋፋእዎ ነገራት እንታይ ክዀኑ ይኽእሉ? ንዝብል ሕቶ፡ ዋላ’ኳ ብመጽናዕቲ ዝተሰነየ ኣገላልጻ ኣይኹን፡ ዝበዝሕ መንእሰይ ምትካኽ ሽጋራ ንኽጅምር ብቐረባ ክጸልውዎ ካብ ዝኽእሉ ቀንዲ ረቛሒታት ኣብ’ዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ክጠቓለሉ ዝኽእሉ’ዮም።• ካብ ስድራቤት፡ ኣቦ ወይ

ዓቢ ሓው ግዙእ ናይ’ዚ ወልፊ’ዚ ምስ ዝህሉ፡ ብቐረባ ጽልዋ ክሓድሮ ዘሎ ተኽእሎ ልዑል ምዃኑ።• ኣብቲ ዝነብረሉ ከባቢ ዘለዉ

መዛኑ መታዓብይትን መማህርትን በዚ ወልፊ’ዚ ዝተለኽፉ ምስ ዝህልዉ፡ ካብ ተነጽሎ ክድሕን ዝገብሮ ፈተነ ናብ ወልፊ ከእትዎ ዝኽእል ምዃኑ።• ኣዝዮም ህቡባት ወይ ዝተፈላለዩ

ድንቂ ሞያ ዘለዎም ደረፍቲን ሳዕሳዕቲን

ተዋሳእቲን ኰይኖም ንወልፊ ሽጋራ ከም መዳምቕቲ ዝጥቀምሉ ምስ ዝዀኑ፡ እቲ መንእሰይ ናቶም ቅዲ ክሕዝ ዝገብሮ ጻዕሪ ምስ ዝህሉ።• ኣብ ግዜ ንእስነትካ ብዝተፈላለየ

መገዲ ኣብ መሸጣ ንግድ ከም ሽጋራን ማስቲካን ምስታፍ’ውን ናቱ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል።• ኣብ ንኡስ ዕድመኻ ምስ ኣዝዮም

ተስፋ ዝቖረጹን ካብ ስራሕን ትምህርቲን ወጺኦም ነብሶም ብምውዳቕ ንዝዀነ ወልፊ ናብ ምምዕባል ጠባያት ዘማዕብሉን ሰባት ብእትገብሮ ዕርክነት

ከም ጠንቂ ክኸውን ዘለዎ ተኽእሎ ልዑል ምዃኑ።

• ከም መንእሰይ መጠን ዝዀነ ነገር ናይ ምፍታን ወይ ምጥዓም ድልየት ምስ እተማዕብልን ብቐረባ

ክኣልየካ ዝኽእል ሰብ ምስ ዘይትረክብን።• በብእዋኑ ንዘጋጥሙኻ ጸቕጢ

ንምጉዳል ምትካኽ ሽጋራ ከም ኣማራጺ ምስ ትወስዶ።• ገለ መንእሰያት ድማ ከም መፈስሒ

(fashion) ኢሎም ክኣትውዎ ዝኽእሉ ምዃኖም፣ ወዘተ ክጥቀሱ ይኽእሉ።

ንምግታኡ ደኣ እንታይ ይገበር?

ትጽቢት ህዝብን መንግስትን፡ መንእሰያት ብስነ-ምግባር ናይቲ ሕብረተሰብ እናተዀስኰሱ ካብ ኵሉ ሕማቕ ልምድታት ርሒቖም ኣካዳሚያውን ሞያውን ዓቕሚ ኣዕሚቖም ኣብ ህንጸት ሃገሮም መሪሕ ተራ ክጻወቱ’ዩ። ኣብዚ ደረጃ’ዚ ንምብጽሖም ድማ ተራ ወለዲ ቀዳማይ ቦታ ዝሕዝ’ኳ እንተዀነ፡ ብዘይ ምትሕብባር ትካላት ኣብያተ ትምህርቲ፡ ሃገራውያን ማሕበራት፡ ክኢላታት ጥዕናን መራኸቢ ብዙሓንን . . . ብቑዕ መንእሰይ ምፍራይ ስለዘይከኣል፡ ዝተወሃሃደ ጻዕሪ ዝሓትት’ዩ።

ተራ ኣትካኺ ኣባል ስድራቤት• ቅድም ቀዳድም፡ ነፍሲ-ወከፍ

ኣትካኺ ኣባል ስድራ-ቤት ኣቦ ይኹን ሓው፡ ኣብ’ዚ ተላዒሉ ዘሎ ኣርእሰቲ እንታይ ርእይቶ ኣለዎ? እንተደኣ ኢልና፡ ካብ ዘለዎ ናይ ነዊሕ ዓመታት ልምዲ ምትካኽ ሽጋራ ምርኩስ ብምግባር፡ ኣብ ጥዕናኡን ገንዘቡን ዝወረደ ሃስያ ንኣባላት እታ ስድራ-ቤትን ካልኦትን ምኽሪ ክህብ ትጽቢት

ይግበረሉ።• ኣቦ ይኹን ሓው ሳዕቤን ናይ

ምትካኽ ወልፈ ብምርዳእ ከቋርጾ፡ ኣብ ዝነብረሉ ከባቢ ይኹን ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ከም ጽቡቕ ኣብነት (Model) ኰይኑ ክረአ፡ ከምኡ’ውን ዘይተበከለ ኣከባቢ ክፈጥር ጻዕርታት ከካይድ ሓላፍነት ኣለዎ። • ኣትከኽቲ - ወለዲ ይኹኑ ኣሕዋት

- ንደቆም ወይ ነሕዋቶም ሽጋራ ክገዝኡሎም፡ ክርቢት ከቐብሉዎም ጥራይ ዘይኰነ ወሊዖም ከምጽኡሎም ዝእዝዙ እንተዀይኖም፡ ዘለዎ ጽልዋ ቀሊል ሰለዘይኰነ፡ ንውልቆም ባዕሎም ክግልገሉ ጻዕርታት ከካይዱ ይግባእ።• ወለዲ ንድሕነት ስድራቤት

ኢሎም ንገዛእ ርእሶም ካብ ምትካኽ ሽጋራ ናጻ ክገብሩ፡ ምስ ዘይክእሉ ድማ ካብ ስድራቤቶምን ካልኦትን ርሒቖምን ተኸዊሎምን ከትክኹ፡ ነብሶም ክመኽሩ ወዘተ ትጽቢት ይግበር።

ተራ ኣብያተ ትምህርቲ• ብዙሓት መንእሰያት ተመሃሮ

ንሽጋራ ኣብ ግዜ ንእስነቶም - ኣብ ማእከላይ ወይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ምስ በጽሑ‘ዮም ዝጅምርዎ። እዚ ከኣ፡ ስኣን ምስትውዓል ሳዕቤን ናይቲ ወልፊ ዝመጽእ’ዩ። ስለዚ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ነዚ ተረዲአን ኣብ ወርቃዊ ሕጋጋት ተመሃሮኣን ምርኩስ ብምግባር ኣብ’ዚ ተላዒሉ ዘሎ ኣርእሰቲ ሞያዊ ምኽረን ክልግሳ በቲ ሓደ፡ ካብ መማህራን ጀሚረን ንተመሃሮአን ኣብነታውያን ኰይነን ክረኣያ ድማ በቲ ካልእ፡ ሓላፍነተን ልዑል እዩ።• ኣብ መወዳእታ ነዚ ተላዒሉ ዘሎ

ኣርእስቲ ሓጋዝን ዕዉትን ክገብሮ ዝኽእል ተወሳኺ ርእይቶ ካብ ኣንበብቲ ክስዕቦ እናተጸበኹ፡ ነቲ በብእዋኑ ብደረጃ ሃገር ሽጋራ ዝትከኸሉን ዘይትከኸሉን ከባቢታት ንምንጻርን ዝግበር ዝነበረ ጻዕሪን ዳግማይ ብምርኣይ፡ ኣብ ስራሕ ዝውዕለሉ ባይታ ፈጢርካ ብሰንኪ ምትካኽ ሽጋራ ኣብ ጥዕና ዝወርድ ዘሎ ማህሰይቲ ንምጉዳሉ ኵለን ኣካላት መንግስትን ሕብረተ-ሰብን ብቐንዱ ድማ ስድራቤትን ኣትከኽቲን ናይ ሓባር ሰራሕ ክንሰርሕ፡ ከምኡ’ውን ጻዕርታትና ከነሐይል እጽውዕ። ብምትካኽ ሽጋራ ክመጽእ ንዝኽእል

ሞት፡ ተጻዋርነትና ዜሮ ይኹን!

ዮሴፍ ሃይለማርያም [email protected]

Page 4: ኣብ ዓዲ-ሃሎ፡ 2 ሜጋ-ዋት ዘመንጩ መደበር ጸሓያዊ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_12122017.pdf12፡50 ልዝብ መንእሰያት 13፡30 ዜና

ሓዳስ ኤርትራ 12 ታሕሳስ 2017 - ገጽ 4መበል 27 ዓመት ቁ.86

ንሕና ከም ሕ/ሰብ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ፡ ከልቢ ከም ምልኣት ስድራና ኢና ንርእዮን ንሕብሕቦን። ኣብ ግራትና፡ መጓሰና፡ ቀጽርናን ገበላናን ከልብና ኣሎ። እኳ ደኣ ምስ ጥዑም ስሙ - ኩሉ ይሓልፍ፡ ጐፋር፡ ታርዛን፡ እማኑ. . ። ደንበና፡ ቀጽርና፡ በረኻናን ግራትናን ይሕሉ። ብመንጽሩ ድማ መግቡ ፍሉጥ መደቀሲኡ ፍሉጥ’ዩ

ኔሩ። ክሳብ ሕጂ’ውን ኣብ ገጠራትና ምስ ደረጅኡን ክብረቱን ኣሎ። ከተማ ዘለና እውን ኣብ ካንቸሎና ከልቢ ከነንብር እንተዀይንና፡ ፈለማ ጋቢያኡ ነዳልወሉ፡ ሰብ ከይነክስ ሰንሰለት ንገብረሉ፡ መግቡን መመገቢኡን ድማ ፍሉጥ ይኸውን። ሕጂ ሕጂ ግና፡ ፍሉጥ ዋና ዘይብሎም

ፈቐድኡ ተዘርዮም፡ ብፍላይ እዞም

ወይ ንሓብሕቦም ወይ ነረክቦም

ክብሎ ደልየ ዘለኹ፡ ብዛዕባ ኣብ ከተማ ደቀምሓረን ከባቢኣን ዝግበር ዘሎ ምብራስ ኣግራብ ኢዩ። ቀይዲ ዝበተኸ ብቐትርን ለይትን ኣብ ከባቢታት መጻሉን ሃዳሙን ዝረአ ዘሎ ምጉራት ጥሉል ዕንጨይትን ፈሓምን፡ ጉድ ዘብል ኢዩ።ከም ሓደ ሕጋዊ ስራሕ ዝሰርሑ ዘለዉ

ስኽፍ ከይበሎም ብጋህዲ ጥሉል ኣዕጻው ናይ ዝተቖርጸ ኣግራብ ክሻየጡን ክጽዕኑን ከራግፉን እንክትርኢ፡ የለዉን ዲዮም

ፍሩስታለ? የለዉን ዲዮም ሚኒስትሪ ሕርሻ ዘብል ኢዩ። ቅድሚ ሕጂ ኣብቲ ዞባ (ዞባ ደቡብ) ተሪር መቕጻዕቲ ናይ ምብራስ ኣግራብ ምንባሩ እፈልጥ። ሕጂ እውን እቲ ኣራሚ ሕጊ ይሰርሕ ኣሎ። ግና ኣነ ከምዝመስለኒ፡ ዝምልከቶም ኣባላት ሓለዋ ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ሓላፍነቶም ይዝንግዑ ከይህልዉ እስከፍ። ምኽንያቱ እቶም ዘይሓላፍነታውያን ኣዳዕዲዖም ድላዮም ክገብሩ ዘድፍሮም

ዘሎ ሸለልትነት ናይ ኣባላት ፍሩስታለ ክኸውን ስለዝኽእል።ብኸምዚ እንተደኣ ቀጺሉ ሳዕቤኑ ከቢድ

ስለዝኾነ፡ ምምሕዳር፡ በዓል መዚ ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ፖሊስን ሓፋሽ ህዝብን ዝተወሃሃደ ክትትልን ስጉምትን ክወስዱ ይግባእ። ኣማኑኤል ሃይለ - ከተማ ደቀምሓረ

ብርሰት ኣግራብ ኣብ ከተማ ደቀምሓረን ከባቢኣን. . ?

ኣቡበከር ዓብደልኣወል

ፌስታል፡ ጥቕሚ ይሃልዎ ደኣ’ምበር ኣብ ምጉሓፉ ጥንቃቐ እንተዘይ ገይርና ግና ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ይበዝሕ። ጉድኣቱ ተደጋጊሙ ከምዝተገልጸ ኣዝዩ ብዙሕን ሓደገኛን ኢዩ። ጽርየት ዓዲን ከተማን የባላሹ። ኣብ ጥሪትን እንስሳ ዘገዳምን ከኣ ክሳብ ሞት ዘብጽሕ ጉድኣት የውርድ። ፌስታል ምስ ተጠቐምካሉ፡

ካብ ስራሕ ወጻኢ ምስ ዝኸውን ክትቀብሮ ወይ ንዳግማይ ምምስራሕ (recycling) ክትእክቦ ኢዩ ዘለካ። ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ጎልጎል ትጉሕፎ እንተዄንካ፡ ዘይሩ ዘይሩ ተሃሳዪ ንስኻ ባዕልኻ ኢኻ። ፌስታል ብቐሊሉ ብንፋስ

ስለዝውሰድ ኣብ ኣግራብን ታቤላታትን ዓንድታት መብራህትን ከም ባንዴራ የንበልብል። በዚ ከኣ መልክዕ ከተማን ዓድን ይድውን። ኣብ ዝበዝሕ ከተማታት ዓለምና፡ ብፍላይ ኣብ ከተማታት ሳልሳይ ዓለም ኣዛራቢ ዛዕባ ኮይኑ ዘሎ፡ ጉዳይ ፌስታል ኢዩ። ካብ ምድሪ ሓሊፉ ኣብ ባህሪን ውቅያኖስን ኣትዩ ብዙሓት ሂወታውያን ይቐዝፍ ኣሎ። ኣብ ሃገርና እውን ኣብ ንኡስ

ዞባ ገልዓሎ፡ ኣብ ውሽጢ ከተማን ገማግም ባህርን ተመሳሳሊ ናይ ፌስታል ብከላ የጋጥም ስለዘሎ’የ ክጽሕፍ ተደፋፊአ።

ፌስታል ከም ባንዴራ. . .‘መጉሓፊ ቦታ ናይታ ከተማ፡ ንሸነኽ ባሕሪ ናይ 200-300 ሜትሮ ርሒቑ ይርከብ። እቲ ፌስታላት ኣብኡ ምስ ተጓሕፈ፡ ኣይቅበር ኣይነድድ። መሸምዑን ፌስታሉን ብንፋስ ተሓጊዙ ገሊኡ ኣብ ኣግራብ የንበልብል፡ ዝበዝሕ ናብ ባሕሪ ይኣቱ፡ ገለ ከኣ ናብታ ከተማ ኣትዩ ፈቖዶ ገዛውቲ ተወቲፉ ክትርኢ ንቡር ኮይኑ። ገለ ገዛውቲስ አረ ዋና ዘይብሉ ዝዓነወ ኮይኑ እታ ገዛ ብፌስታላትን መሸማዓትን ጐማ ናይ ኮካን ኣይትርአን እያ። ምኽንያቱ፡ ጐረባብቲ እውን ንከምኡታት ገዛውቲ ከም እንዳጓሓፍ ይጥቀሙሉ ኢዮም። ዝምልከቶ ኣካል ይኹን

ምምሕዳር ሓውሲ ከተማ ገልዓሎ ከምዘይርኣዩዎ ክሳብ ሕጂ ነቲ ብፌስታላትን ካልእን ነታ ከተማ ኣጋዕዝይዋ ዘሎ ዝዓነወ ገዛውቲ ቆላሕታ ኣይገበሩሉን። ብፍላይ ንሸነኽ ባሕሪ ዝርከብ ኣግራብ ነፍሲ-ወከፍ ገረብ ብፌስታል ወይ ብመሸማዕ ተሸፊና ብንፋስ ከተንበልብል ኢኻ ትርኢ። ዝበዝሐ ፌስታል ኣብ ባሕርና ይኣቱ ከምዘሎ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ብኸምዚ እንተቐጺሉ፡ እቲ ብጽርየቱ እንምከሓሉ ቀይሕ ባሕርና ክብከል ስለዝኾነ፡ ዝምልከቶ ኣካል ወይ ምምሕዳር ከተማ ገልዓሎ ቆላሕታ ክገብረሉ በዚ መንገዲ ይሕብር። ካብ ሃንደሳ ክ/ሰ15 ዑቕባሚካኤል

ተኽለ - ገልዓሎ

ርእይቶይ ክህበሉ ደልየ ዘለኹ፡ ብዛዕባ መስመር ኣስመራ - ባጽዕ ኢዩ። ኣብዚ ወቕቲ’ዚ መስመር ኣስመራ - ባጽዕ ብግመ ተሸፊኑ በቲ መስመር ንዝጓዓዙ መራሕቲ መካይን ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ግመ ዳርጋ ምሉእ መዓልቲ ኣይለግስን ኢዩ። እዚ ባህሪያዊ ስለዝኾነ ዝግበር ነገር የለን። ግና ቅድሚ ሕጂ ኣብቲ መስመር ተዘርጊሖም ዝነበሩ ብማዕዶ ዝረኣዩ ጸዓዱ ምልክታት ድሕነት ትራፊክ፡ በብሓደ እናተሸረፉ ኩሎም ስለዘየለዉ፡ ነቲ ባህሪያዊ

ምልክታት ትራፊክ ኣብ መስመር ኣስመራ - ባጽዕ. . .ግመ ዝያዳ ሓደገኛ ገይሮሙዎ።እቶም ኣንጸባረቕቲ ምልክታት ድሕነት

ትራፊክ ኣብ ቦታኦም እንከለዉ፡ መራሕቲ መካይን ጥንቃቐ ንኽገብሩ ኣዝዩ ይሕግዞም ነይሩ። ስለምንታይን ብመንን ተኣልዩ ካልእ ሕቶ ኮይኑ፡ ምትክኡ ግና ዕማም ናይ ሚኒስትሪ መጓዓዝያን መራኸቢታትን ክፍሊ መጓዓዝያ ምድሪ ስለዝኾነ ንምዝኽኻር ኢየ ርእይቶይ ዘፍስስ ዘለኹ።

ብዛዕባ’ቲ ሰብ ታክሲ ኣብ ልዕሊ ተገልጋላይ ዘውርድዎ ዘለዉ ሃስያ ኢየ ክዛረብ ደልየ ዘለኹ። ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ብተደጋጋሚ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ሃገርና ተዘሪቡ ክንሱ፡ ዛጊት ዝመጸ ለውጢ የለን። ኣብ ቀረባ ሳምንታት ንኣብነት ሓንቲ ግድስቲ ዜጋ፡ ኣብ መድረኽ ሰማዕቲ ድምጺ ሓፋሽ፡ ሰብ ታክሲ 20 ናቕፋ ኣኽፊሎም ከይኣኽሎም፡ 5-6 ሰብ ብሓንሳብ ይጽዕኑ ከምዘለዉ ሓቢራ ነይራ። ሓበሬታኣ ሓቂ ኢዩ። መስኩረለይ ዘየድልዮ እቶም ቀጻሊ ብምሸት ታክሲ እንጥቀም እነረጋግጾ ሓቂ ኢዩ።ብተመሳሳሊ፡ ካልእ ግዱስ ዜጋ እውን

ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዓምዲ ልዝብ፡ ፍቓድ መምርሒ ዘይብሎም ኮተቴታት ናይ ስድራኦም ታክሲ ይዝውሩ ከምዘለዉ ኣተንቢሁ ኔሩ። እዚ እውን ሓቁ ኢዩ። ናይ’ዚ መረጋገጺ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ከባቢ ሰዓት 10፡00 ምሸት፡ ሰብ ሞተር

ስሰዐ ሰብ ታክሲ ናበይ ገጹ?ሳይክል ፖሊስ ትራፊክ ኣብ ከባቢ ማይ በላ ነዚታት ቁጽጽር ክገብሩ ምስ ጀመሩ፡ ሰብ ታክሲ ተነጋጊሮም መገዲ ቀዪሮም ንዓዲ ኣበይቶ ጥራሕ ይጽዕኑ ኔሮም። ንምንታይ? እንተተባህለ፡ መብዛሕትኦም ናይ ምሸት ታክሲስታት ዘይሕጋውያን ኣብ ርእሲ ምዃኖም ገሊአን ታክሲ እውን ቦሎ ዘይገበራ ስለዝኾና ኢዩ።ብዓቢኡ ክዛረበሉ ደልየ ዘለኹ፡ እቶም

ስሱዓት ሰብ ታክሲ መን ኣጆኹም ከምዝበሎም 20 ናቕፋ ምኽፋል ካብ ከባቢ ማይ ኣባሻውል ሰዓት 6፡00 ኢዮም ዝጅምሩዎ። ሰዓት 11፡00 ምስ ኮነ ናብ 30 ናቕፋ ትድይብ። ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ከኣ ናብ 40። ምኽንያት ምስ እትሓትት፡ ተመላሲ ስለዘየለ፡ ቁሪ ስለዝኾነ፡ ኣስራሕትና ብኪሎ-ሜተር ስለዝቈጻጸሩና. . . እናበሉ ኣይ ምስኡ ኣይ ምስ ጥቓኡ መልሲ ይህቡኻ።በዚ ኮነ በቲ፡ ተገልጋላይ ይውጻዕ ኣሎ።

ነዚ ዝምልከቶ ኣካል ሓበሬታ የብሉን

ዲዩ ኮይኑ ወይሲ የለን? ሓበሬታ የብሉን ከይንብል፡ ቅድሚ ኣዋርሕ ባዕላቶም ሰብ ታክሲ ኣብ ኤሪ ቲቪ ቀሪቦም ምሸት ተመላሲ ስለዘይንረክብ 20 ናቕፋ ነኽፍል ኢሎም ኢዮም። ኣብ ጋዜጣ ድማ ዋጋ ታሪፍ ምሸት ይኹን ቀትሪ 10 ናቕፋ ምዃኑ ተቓሊሑ ኢዩ። ግና ንተገልጋሊ እናበዝበዙ ከለዉ ዛጊት ዝተወስደ ስጉምቲ የለን።ብኣንጻሩ ብሕግን ኣገባብን ዝሰርሑ

ሰብ ታክሲ ከምዘለዉ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ከም ልሙድ ንጽቡቕ ንጐድኒ ገዲፍካ ንኣበርን ጉድለታትን ምግላጽ ከም ልሙድ ስለዝተወስደ ደኣ’ምበር። ኣብ መወዳኣታ፡ ፖሊስ ትራፊክ ኣብ

ክንዲ ኣብ መስመር ጥራይ ዝቆጻጸሩ፡ ኣብ መበገሲ ታክሲታት እናመጹ ቁጽጽሮም እንተዘካይዱ ውጽኢታዊ ምኾነ ዝብል ሓሳብ ኣለኒ። ኤርሚያስ ተክለ - ቪላጆ

ኣቕርቦት ዓሳ ኣይከም ኣጀማምራኡንዓሳ ሓደ ካብ’ቶም እንሕበነሎም

ባህሪያውያን ሃብትና ኢዩ። ኣብ ዕለታዊ ሜኑ መግብና ዘለዎ ኣገዳስነት ኣብ ግምት ብምእታው ድማ ወትሩ ምስ በሃግናዮ ኢና። ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪን ኮርፖረሽን ዓሳ ኤርትራን ተወሃሂዶም ብምስራሕ ኣብ ኩሉ ቦታታት ኤርትራ ከምዝባጻሕ ይገብሩ ስለዝነበሩ፡ መብዛሕትና ተቛደስቲ ባህሪያዊ ሃብትና ክንከውን በቒዕና ኔርና። እንተኾነ ግን፡ ከምቲ ዝጀመሮ ኣይቀጸለን።ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሓደ፡

ሎሚ ዳርጋ ናብ ዝርስዓሉ ደረጃ በጺሑ እንተተባህለ ኣይተጋነነን። መካይን ዓሳ ኣብ ከተማታትን ሓውሲ ከተማታትን ሃገርና ኣብ

ቀንዲ ጐደናታት ደው ኢለን ምዙንን ዝተጻረየን ዓሳ ከከም ዓቕምኻ ይሸጣ ነይረን። ሕጂ የለዋን። ምኽንያት መውሓዲአን ከኣ ኣይተሓበረን። ስለዚ ድማ ዓሳታትና፡ ከም ካብ

ወጻኢ ዝኣቱ ክቡር ኣቕሓ ኣብ ዝተወሰና ሱፐር ማርኬታትን ዓበይቲ ኣብያተ-መግብን ጥራይ ኮይኑ ሰፈሮም። ካብ ምንታይ ኢዩ እቲ ጸገም? ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ወይ ኮርፐረሽን ዓሳ ኤርትራ መብርሂ ክህበና እናተጸበና፡ ከም ቀደሙ ዓሳና ኣብ ኩሉ ክንርኽቦን ኩላትና ክንምገቦን ንትስፎ። ወዲ ጋርዛ - ካብ ከባቢ

ማርካቶ

ድሕነት መጓዓዝያ ድሕነት ኩሉ ተሳፋራይን ኣሳፈርትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስቶም ተጓዓዝትን ኣጓዓዝትን ናይ ርሑቕን ቀረባን ምትእስሳር ዘለዎም እውን ስለዝኾኑ፡ ዘይሩ ዘይሩ ናይ መላእ ሕ/ሰብን ሃገርን መንግስትን ጉዳይ ስለዝኾነ፡ ነዚ ንቕሓት’ዚ ተዓጢቕና ኣብ ምክንኻን ምልክታት ድሕነት ትራፊክ ኩላትና ዋናታት ክንከውን ሓላፍነትና ኢዩ። ረዘነ ሓጐስ - ኣስመራ

ድንኪታት ከልቢ ዓረብ እንብሎም። ስለ’ዚ፡ ኣቱም ናትና ኢዮም እትብሉ ወይ ሓብሕብዎም ወይ ንምምሓር ከተማ ኣረክብዎም። ምምሕዳር ከተማን ኣሃዱ ሳኒተሽን ሚኒስትሪ ጥዕናን ከኣ ዕቱብ ስጉምቲ ክትወስዱ ኣዘኻክር። መምህር ኢዮብ ተስፋይ

ክህብ ከሎ፡ ከምኡ ከም ዝኸውን ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ እዩ። ማህጸንካ ምዅናን፡ ካብ’ቲ ሰብ

ክጸሮ ዘይከኣሎ መስዋእትነት ገድሊ ኰይኑ እዩ ሓሊፉ። እታ ወላድ ጓል-ኣንስተይቲ ኤርትራ፡ ካብ ማህጸና ፍረ ኣይተጸበየትን። ከም ተፈጥሮኣ - ከም ሰባ - ንዓኣ ዝመስል፡ ‘ናተይ - ውላደይ’ እትብሎ፡ እትሻቐለሉን እትናፍቖን፡ ኣብ ግዜ እርጋና ምርኩስ ዝዀናን ዘሐብናን ውላድ ዘይትብህግ

ኣይነበረትን። ዘርኢ ማህጸና ክመክን ከሎ፡ ጥርዓን ማህጸና ዘይትሰምዕ ስለ ዝነበረት ኣይኰነትን። ፍረ ከርሳ ዝዀነ ቈልዓ ክትስዕም ባህጊ ስለ ዘይነበራ ኣይኰነን። እንታይ ደኣ፡ ሓንሳብ ኩለንትናኣ ንሃገርን ናጽነትን ምስ ኣወፈየት፡ እናበሃገቶ ከም ዘይናታ ክትርእዮ ተቢዓ። ተጋዳሊት ኤርትራ፡ ወይዘሪትን መርዓን፡ ወይዘሮን ውላድን፡ ኣደነትን ስድራን. . . ኣካል ተፈጥሮኣዊ ሂወታ እናሃለወ፡

ንተፈጥሮ ኣሕሚቓ፡ “ተጋዳሊት” ዝብል ስም ጥራይ ሒዛ፡ ኣብ ረመጽን ሓባጥ ጐባጥን ዕማማ ተሳልጥ ነይራ። ልዕሊ ኩሉ ዘርምም ከኣ፡ ተጋዳላይ፡ ነታ ሓመድ ድፋጫኡ ዝሰተየላ ናጽነት ክነብራ ኢሉ ዘይምግዳሉ እዩ። ንሱ ብኣጋ “ነብሰይ ንናጽነት ወገናተይ” ኢሉ ተወፍዩ - ብኣጋ ተሰዊኡ እዩ። እቲ ምንታይ’ሲ፡ ናጽነት ብዘይመስዋእቲን ተወፋይነትን ከም ዘይትርከብ ብኣጋ ስለ ዘረጋገጸ።

ርዝነት ትርጉም ቃላት...ካብ 5ይ ገጽ ዝቐጸለ

Page 5: ኣብ ዓዲ-ሃሎ፡ 2 ሜጋ-ዋት ዘመንጩ መደበር ጸሓያዊ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_12122017.pdf12፡50 ልዝብ መንእሰያት 13፡30 ዜና

ሓዳስ ኤርትራ 12 ታሕሳስ 2017 - ገጽ 5መበል 27 ዓመት ቁ.86

ጥዑምዝጊ ተስፋይ

ሰብ ምእንቲ ሰብ ኢሉ መስዋእቲ ይኸፍል ወይ ይውፈ እዩ። ሓያሎ ሰባት ምእንቲ ጽጉማትን ውጹዓትን ገለ ካብ ግዜኦም፡ ገንዘቦም፡ ንብረቶምን ዕድላቶምን ከወፍዩ ምርኣይ እውን ሓድሽ ነገር ኣይኰነን። ኣብ ሓደ ስሩዕን እወታዊ ክብርታቱ ዝሓለወን ሕበረተሰብ፡ ምስ ጽጉም ምድንጋጽን ንደላዪ ምሕጋዝን መንፈሳዊ ዕግበት ዝህብን መለለይ ክብርታትን እዩ። እዚ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ኣብ ታሪኽ ደቂ-ሰብ፡ ንዓለም ከይተረፈ ዘዛረቡ ለዋሃትን ሓለይቲ ህዝቢን ሓሊፎምን ኣለዉን። ገሊኣቶም ነታ ነብሶም ንጽባሕ ክሓዝኣላ ከይበሉ፡ ካብ ዝርካቦም ዘማቕሉ ክዀኑ ከለዉ፡ ገሊኣቶም ግን ብሃብቲ ምስ ኣዕለቕለቑ፡ ካብ ብርኩት ምህርቲ ቀሪም ብዝዀነ መጠን ዘወፍዩን ዝውፈዩን እዮም። ብሓቂ እንተ መስኪርና፡ ወዲ-

ሰብ ብስስዐ ዝተጎብአ ፍጡር ምዃኑ ኣይተርፎን እዩ። ምእንቲ ካልኦት ኢሉ ነብሱ ኣመና ክሓስማ ከምኡ’ውን ሂወቱ ክስእና ፍቓደኛ ዝኸውን እንተ ተረኽበ፡ ምናልባት ሳሕቲ ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል። ምእንቲ ወገናቱ ኢሉ፡ ምሉእ ናይ ንእስነት ዕድመኡ ኣብ ከርፋሕን ረመጽ ዝተነጽፎን ናብራ እናሕለፈ፡ ኣካላቱ ክጎድል፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ሂወቱ ክስእን ፍቓደኛ ዝኸውን እንተ ተረኽበ እውን፡ ሳሕቲን መዛረቢ ዓለምን እዩ።ተጋዳላይ፡ ካብ ፈለማ ኣትሒዙ

ምስ ተሰወአ እዩ። ብኣተረጓጕማ ወዲ-ሰብ፡ ኣብ ዓለም ምንባር ማለት፡ ምቹእ ሂወት ምሕላፍ፡ ፍረ ኣብራኽካ ምርኣይ፡ ዘዘክረካ ጽቡቕ ነገር ምግዳፍ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ብኣእላፍ ቀባሮ ተሰኒኻ ጉዕዞ ሂወትካ ምዝዛም እዩ። ብኣተረጓጕማ ተጋዳላይ ግን፡ ምእንቲ

ርዝነት ትርጉም ቃላት ገድሊ

ዕላማ፡ ብድሆታትን ሰሃሮን ምጽዋር፡ ንመትከልን ዕላማን ኣካልካ ምጕዳልን ሂወትካ ምሃብን፡ እቲ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ህያብ ንደቂ-ሰብ ዝዀነ ናጽነት ኣረጋጊጽካ፡ ብዘይዋዕዋዕ ካብ ዓለም ምፍናው. . . እዩ ነይሩ። ርዝነት ትርጕም ቃላት ገድሊ፡

በዚ ናይ ተጋዳላይ ናይ ተወፋይነትን መስዋእትነትን ግብራዊ ኣተሓሳስባ ከቢዱ እዩ። ተጋዳላይ፡ ንተወፋይነትን መስዋእትነትን፡ ኣብ ግብሪ እዩ ትርጕሞም ዝፈልጦም። ብግብሪ እዩ ዝጽሕፎም ዝነበረ። ኣብ ረመጽ ቃልሲ ንናጽነት ንሓዋሩ ምስ ወደቐ እዩ “መስዋእትነት - ተወፋይነት” ዝብሎ።

ስጋኡን ዓጽሙን ተቖሪጹ ካብ ኣካላቱ ምስ ተፈልየ እዩ “መስዋእትነት - ተወፋይነት” ዝብሉ ቃላት ዘድምጾም። ኣብ’ቲ ይትረፍ ንሰብ፡ ንሓጺን ዘምክኽ መግሃር ጠኒኑ ምስ ኣተወን መኺኹ ምስ ተረፈን እዩ “ተወፍዩ - ተሰዊኡ ተባሂሉ። ምእንቲ ብጾቱ፡ ምእንቲ ሃገርን ናጽነትን፡ ምእንቲ ህዝቢ፡ ምእንቲ ሰብኣዊ ክብሩን መሰሉን፡ ብዘይንቡር ቀብሪ ጉዕዞ ሂወት ምስ ዛዘመ እዩ “ተበጅዩ - ተሰዊኡ” ተባሂሉ። መስዋእትነትን ተወፋይነትን ኣብ

ገድሊ፡ ክንዮ’ቲ ንወዲ-ሰብ ዘደንቕ ልግሲን ለውሃትን ዝኸደ እዩ። ተዋፋይነትን መስዋእትነትን ተጋዳላይ ደረት ዝርከቦ ኣይኰነን። ኩሉ ጕዕዞኡ ኣብ ሓዲድ መስዋእትነት ዝኽየድ ብምንባሩ፡ ተጋዳላይን ስዉእን ምስ ምህላውን ዘይምህላውን ትንፋስ ጥራይ ዝተኣሳሰር ኣይኰነን። ካብ’ታ ፈለማ

ናብ ገድሊ ዘንቀደላ እዋን ኣትሒዙ፡ ብተዋፍይነትን መስዋእቲን እዩ ንሂወት ክጐዓዛ ጀሚሩ። ከመይ ኣቢሉ ከም ዝኸኣሎ፡ ከመይ ኣቢሉ ንተፈጥሮ ዝጥሕስ ሓይሊ ከም ዝወነነ፡ ብዘይካኡ ዝፈልጦ ፍጡር ክንደየናይ ከይህሉ - ግን፡ ክንዮ ሰብ፡ ካልእ ፍጡር ክሳብ ዝመስል እዩ ንተወፋይነትን መስዋእትን ኣብ ግብሪ ተርጒሙዎም። ሰብ፡ ሂወቱ ንኸድሕንን ገንዘብን

ንዋይን ንኽመናጠልን ክጓየ እምበር፡

ሞትን መውጋእትን ከይሓልፎ ክቀዳደም ተራእዩ ኣይፈልጥን። እሞ ድማ ነብሱ ንኽጥዕማ ዘይኰነስ፡ ወገናቱ ንኽጥዕሞም። ንገዛእ-ነብሱ ንመስዋእቲ ሂቡዋ እናሃለወ፡ ብጻዩ ዝያዳኡ ንኽነብር፡ ቅድሚ ኩሉ ንመስዋእቲ ህሩግ ይብላ። ኣብ ጽንኩር እዋን ተወጊኡ ምስ ወደቐ፡ ብጾቱ ንኸድሕንዎ እንተ ተጓየዩ “ንዓይ ግደፉኒ - ንስኻትኩም ጥራይ ከይትጕድኡ - ተኣለዩ . . .” እናበለ፡ ክሳብ ዝስዋእ ንብጾቱ ይሓልየሎም። ‘ዘየድሓኑኒ’ ኢሉ እናተጣርዐ ዘይኰነስ፡ “ብጾተይ ድሒኖምዶ ይዀኑ! ዓኽኽኽኽኽኽ. . . ሃስየናኦም ጥራይ ከይኰና. . .” ኢሉ እናተሻቐለን እናሓለየሎምን ይሰናበት። ኣብ ጥርዚ ሓደጋን ሰብ ክጸሮ ኣብ ዘይክእል ቃንዛን ከሎ፡ “ኣጀኹም ተዓዊትና ኢና፡ እዚአን ዋላ ሓንቲ የብለንን፡ ስቕ ኢለን ፈንጠርጠር ይብላ ኣለዋ እምበር ኣብቂዐን እንድየን. . .ኢደይ ኢድካ ጥራይ ንበለን” እናበለ፡ ሞራልን ትብዓትን የስንቕ። ኣብ’ቲ ንኣብራኽ በቃ ዘብል ነዊሕ መንገዲ፡ ድኻሙን ቃንዛኡ ውሒጡ “ሕጂ ደኣ ኣቲና እንዲና፡ ዝተረፈና ዘይብልና. . .” እናበለ፡ መንፈሳዊ ሓይሊ ብጾቱ ሰማይ ከም ዝዓርግ ይገብር። ብጽምኢ ማይ ከረው ኢሉ ከሎ፡ ክሰግሮ ዝግበኦ ፈተና ምዃኑ ስለ ዝኣምን “ጸሚአ” ዝብል ቃል ኣየውጽእን። ብጥሜት እናተፋሕሰ ‘እንተ ዘይበላዕኩ” ኢሉ ዕማሙ ካብ ምፍጻም ሰጋእ ኣይብልን። ወለዱን ስድራ-ቤቱን፡ ምቾቱን

ትሕዝቶኡን፡ ዕድላቱን ንእስነቱን. . . ፍጹም ከም ዘይናቱ ቈጺሩ፡ ምሉእ ብምሉእ ናይ ሃገርን ቃልሲን እዩ ኰይኑ ተጋዳላይ። ብዘይካ ብዛዕባ ናጽነትን ሃገርን፡ ብዛዕባ ካልእ ምሕሳብ ካብ ኣእምሮኡ ኣርሒቑ ኣቐሚጡዎ። ሓንቲ መትከልን መንገዲን ምስ ፈለመ፡ ናብ ካልእ መንገዲ ኣይጠመተን - ናብ ካልእ መትከል ኣይሰጐመን። ንነብሱ ሓንሳብ ንህዝቢ ምስ ሃባ፡ ንስምዒታቱ ኣብ መዓሙቝ ቀቢሩዎም። ንቡር ናብራ፡ ምምስራት ስድራ-ቤት፡ ቤትን ምቾትን፡ ክዳንን ምቘትን፡ ጽጋብን ርውየትን. . . ካብ መዝገበ-ቃላቱ ከም ዝተሓኸኹ፡ ካብ ዝኽሪ ኣእምሮ ሓኺኹዎም።

ንሓወይ ሓውኻ፡ ዘመደይ ዘመድካ፡ ስድራይ ስድራኻ. . . ከም ዘይፈልጦም ገጽ ከሊእዎም። ነታ ኣደ - ኣደ’ታ ወላዲት፡ እታ ንነብሳ እናሓሰማ ጸይራን ወሊዳን ዘዕኰዀትን ዘዕበየትን’ኳ፡ ቅድሚ ሃገርን ናጽነትን ቍሊሕ ከይብላ ምስ ነብሱ ቃል እዩ ኣትዩ። ምስ ወላዲቱ ዘለዎ ጽኑዕ ፍቕራዊ ምትእስሳር ስለ ዝበተኸ ኣይነበረን። እንታይ ደኣ፡ ንነብሱ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንሰሃሮን ንመስዋእትን ስለ ዘወፈያ እምበር። ምኡዝ ናብራ ውሉድን ወላዲትን፡ ስድራን ኣቦነትን ኣደነትን ሃረር ዘይብሎ ስለ ዝነበረ ኣይኰነን። እንታይ ደኣ፡ ኩሉ ነገር ብዘይናጽነትን ሃገርን ክብሪ ዘየውህብ ምዃኑ ስለ ዝኣመነ ደኣ’ምበር። ከም ሰብ ተፈጥሮኣዊ ድልየታቱ ስለ ዘይርብጾ ኣይነበረን። እንታይ ደኣ፡ ሓዲድ ገድሊ የማን ጸጋም ዘየፍቅድ ምዃኑ ስለ ዝተገንዘቦ እምበር። ተጋዳላይ “ኣደኻ መጺኣ - ንዓ ርኸባ፡ በዓልቲ ቤትካ ትደሀ ኣላ - ይሀ በላ. . .” እናበተባህለ፡ ኣብ ከብዱ ሓጺን ኣእትዩ፡ “የለን በሉዋ. . .” ኢሉ’ዩ እኮ ኣብ ዋኒኑ ጥራይ ዝጸንዕ። እቲ ዝባላዕ ናፍቖትን ዝዀነ ይኹን ጽቡቕ ነገር ዘይዳረጎ ፍቕርን ኣደ እናረበጾ፡ ብጻዕ-ረሞት ተጻዊሩ ናብ መስዋእቲ ይጐዪ። ብተወፋይነትን መስዋእትን ፈሊሙ፡ ብተወፋይነትን መስዋእትነትን ዝዛዝም ምሩጽ ፍጥረት!ተወፋይነትን መስዋእትነትን

ተጋዳላይ፡ ካብ ጽፍሪ እግሪ ክሳብ ጸጉሪ ርእሲ እዩ። ነቲ ኣብ ኩሉ ጕዕዞ ገድሊ ዝውፈዮን ዝስወኦን፡ ከም ንቡር ወሲዱ ኣይጽብጽቦን። በቃ - ምእንቲ ናጽነትን ሃገርን፡ ኣካላቱ ምልዕስዕስ ኢሉ ከሎ፡ ትንፋሱ ክሳብ እትሓልፍ፡ ኣብ መትከሉ ሓኾት ይብል። ኣብ ቃልሲ ክሳብ ዝሃለወ፡ ዝዀነ እንተ ዀነ፡ ጉዕዞ ኣየቋርጽን። ሓንቲ ኢዱ ምስ ሰኣነ፡ በታ ሓንቲ ኢዱ ዕማሙ ይቕጽል። ሓንቲ ዓይኑ ምስ ከደት፡ በታ ካልኣይቲ ዓይኑ ይጋደል። ሓንቲ እግሩ ምስ ተሰልዐት፡ በታ ሓንቲ እግሩ ይስጕም. . .። ልዕሊኡ እንተ ሰንከለ እውን፡ ዝከኣሎ ዕማም ካብ ምፍጻም ኣየቋርጽን። ምኽንያቱስ፡ ካብ ክፍሊ ኣካላቱ ክሳብ ትንፋሱ ንገድሊ

ናብ 4ይ ገጽ ይቕጽል...

Page 6: ኣብ ዓዲ-ሃሎ፡ 2 ሜጋ-ዋት ዘመንጩ መደበር ጸሓያዊ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_12122017.pdf12፡50 ልዝብ መንእሰያት 13፡30 ዜና

ሓዳስ ኤርትራ 12 ታሕሳስ 2017 - ገጽ 6መበል 27 ዓመት ቁ.86

ደብዳበ ፍቕሪ

ጆሜ/ ደጀን ተኽለ

ናኦድ፡ ኣብ ልበይ ዘይሃስስ ዝኽርን ናፍቖትን ዝተኸልካ ጐበዝ ኢኻ። ዝጀመርናዮ ጒዕዞ ፍቕሪ ከምቲ ቃል ዝኣተናዮን ንስኻ ትምነዮን ከይንኸይድ ኣነ ከም ዝዓንቀጽክዎ ይፈልጥ’የ። ስለምንታይ ከምኡ ይገብር ምንባረይ ግና፡ ሕጂ እዚ ክብለካ ኣይደፍርን’የ። ኩሉ ንግዜ ገዲፍና ሓሳበይ ክትሰምዓኒ ግን ይደሊ ኣለኹ። ኣብ ዘለኽዎ ክትህሉን ዝፈተኽዎ ክትፈቱን፡ ከተሐጒሰኒ ለይትን ቀትርን እናተቓለስካ፡

ኣነ ግና ምሳኻ ኣይነበርኩን። እኳ ደኣ ምስ መሓዙተይ ኰይነ፡ ነቲ ትገብረለይ ዝነበርካ ሓልዮትን ኣኽብሮትን እናቃጨጭኩ የንኣእሰካ ነይረ። ግዜ ዋጋ ዕንደራይ ምስ ሃበኒ’ዩ ትሕትናኻን ፍቕርኻን በሪሁለይ። ንነብሰይ ስለ

ዘይፈለጥክዋ ግና፡ ንቕንዕናኻ’ውን ክፈልጦ ኣይክኣልኩን። ንዓኻ ዘይኰንኩ ብዓቢኡ ንነብሰይ’የ ሃስየ ነይረ። ንዘሐንቅቐንን ዘቃባጥረለይን ልቢ ገጽ ምኽልአይ ዓቕመይ’ዩ ነይሩ።ኣብ ፍቕሪ ድኻም ከም ዘየለ፡ በቲ ንትዕቢተይን ንዕቐተይን ስዒርካ ኣብ ጐነይ

ክትህሉ ትገብሮ ዝነበርካ ቃልሲ ‘ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ’ ደኣ ኰይኑ’ምበር፡ ኣዒንትኻ ካባይ ምስ ተኸወለስ ንዓይ’ውን ፍቕርኻ ተራእዩኒ’ዩ። በቃ! ከምቲ ካባኻ ክኽወል

ሸበድበድ ዝብል ዝነበርኩ፡ ሕጂ’ውን ንኽርእየካን ንኽረኽበካን ኣመና’የ ዝሃርፍ ዘለኹ።ሓልዮትካን ፍቕርኻን ንዝቐነነ

ልበይ ድኻሙ ከይጸብጸበ ትኽ ኣቢልዎ’ዩ። ንህይወት ብኹሉ መኣዝን ምስ ተዓዘብክዋ፡ ኣካይዳይ ከንቱ ከም ዝነበረ ኣስተውዒለ። በቃ! ትዕግስትኻ ስዒሩኒ ከም ዊንታኻ ክኸውን ተበጊሰ ኣለኹ’ሞ፡ ምእንቲ ፍቕሪ ሕድገት ገይርካ ክትቅበለኒ በዓልቲ ምልእቲ ተስፋ’የ።

ትዕግስትኻ ስዒሩኒ

ከም በዓል ሊዮናርዶ ዳቪንቺ ዝኣመሰሉ ሰባት፡ ሓደ ካብ ሕልሞም ኣብ ምንቅስቓስ ከለው ነገራት ምስኣል’ዩ ነይሩ። ነዚ ሕልሚ’ዚ ንምትግባር ካብ ዝጸዓሩ ሓደ ለላንድ ስታንፎርድ’ዩ። ስታንፎርድ ኣፍራስ ኣብ ጉያ ከለው ከጽንዕ ኩቱር ድሌት ስለ ዝነበሮ ንዓርኩ ተኸታተልቲ ደረቕ ስእልታት፡ ፈረስ ኣብ ምንቅስቓስ እንከሎ ክስእለሉ ሓቲትዎ። ቀንዲ ዕላማ ስታንፎርድ ፈረስ ኣርባዕተ መሓውሩ ካብ መሬት ኣልዒሉ እንከሎ ተሳኢሉ ክርኢ’ዩ ነይሩ ባህጉ።ሓድሽ ሓሳብ ክትፈትሕ ኣጸጋሚ’ዩ። ናይ

ስታንፎርድ መደብ’ውን ቀሊል ኣይነበረን። ዓርኩ ንስታፎርድ ድማ 24 ካሜራታት ቀሪቡ ሓደ ድሕሪ ካልእ ብምስኣል ነቲ ስእሊ ኣቀናበሮ። ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ ኣብ መወዳእታ ስታንፎርድ ዝደልዮ ዕላማ ወቂዑ። ፈረስ መሓውሩ ኣብ መሬት ከይረገጸ ዘርኢ ደረቕ ስእሊ ስኢሉ። በዚ ሓሳብ’ዚ ዝጀመረ ኸኣ ንእሽቶይ ቪድዮ ካሜራ ተማሂዛ።ብድሕሪ’ዚ ስታንፎርድ ንቶማስ ኤዲሰን

ዝተባህለ መሃዚ ስእሊ ኣርኣዮን ምስቲ ዝሰኣለሉ ሰብ’ውን ኣላለዮን። ካብ’ዛ ርክብ እዚኣ ኤዲሰን ናይ መጀመርታ ተንቀሳቓሲ ፊልም ናይ ምስራሕ ሓሳብ ክርብሾ ጀመረ። እዚ ሓሳብ ድማ ንዝተፈላለዩ ሰባት ኣካላፈሎም። ኩላቶም’ውን ንሓሳብ ኤዲሰን ብምድጋፍ ኣብቲ ስራሕ ምስኡ ተጸምዱ።እታ ናይ መጀመርታ ብቪድዮ ካሜራ

ዝተቐርጸት ኮሜዲ (Comedy)፡ ኣብ ኒው-ጀርሲ ብ1891 ብኤዲሰን ዝተዳለወት ኰይና፡ ፍሽኽ ክብልን ቆቢዑ ክለብስን

ኣመዓባብላ ካሜራን ፊልምንከውጽእን ጥራይ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ፊልም’ያ ነይራ። እዛ ሓጻር ምንቅስቓስ ዝተዓዘቡ ናይቲ ግዜ’ቲ ሰባት፡ ኣዝዮም ተገሪሞምን ኣድናቖቶም ገሊጾምን። ብድሕሪ’ዚ ኣብ 1896 ሎማረ ብራዘርስ (Lumiere Brothers) ዝተባህሉ ኣሕዋት ብኻልኣይ ደርጃ ዝሰርዓ 3 ግዜ’ቲ በብዓይነቱ ጽቡቕ ስእሊ ዘለዎም ፊልምታት ክትሰርሕ ኣጸጋሚ’ዩ ነይሩ። ስለዝዀነ ድማ፡ እንዘን 3 ፊልምታት ካብ 30 ክሳብ 60 ደቓይቕ’የን ነይረን። ኣብዚ እዋን’ዚ ዝሰርሑ ዝነበሩ ፊልምታት ቀንዲ መልእኽቶም ብዛዕባ ኣሰራርሓ ፊልምን ስርሓቱን ዝገልጹ ነበሩ። ግና ተደጋገምትን ኣሰልከይትን ነበሩ።ኣብ መበል 20 ክ/ዘ ግን ዛንታታት

ሓዘል ፊልምታት ምስራሕ ኣገዳስን ሰሓብን ኰነ። እተን ናይ መጀመርታ ዛንታ ሓዘል ፊልምታት ድማ ኤ ትሪች ቱ ዘ ሙን (A Trip To The Moon) ብጆርጅ መሊስ፡ ዘ ላይፍ ኦፍ ኣን ኣመሪካን ፋየርማን (The Life Of An American Fireman)፡ ዘ ግሬት ትረይን ሮበሪ (The Great Train Robbery) ብኢድዊን ፔተር ዝብላ

ነበራ። እዘን ፊልምታት ን10 ደቒቕ ዝጸንሓ ኣደነቕትን ነበራ። ኣይደንጐያን ከኣ ብድሕሪ’ዚ ብዙሓት ዝተፈላለያ ካሜራታት ተቐልቀላ። ኣብ ውሽጢ 20 ዓመታት ድማ ፊልም ምስራሕ ቀንድን ኣገዳስን ኢንዱስትሪ ኰነ።ኣብዚ ዘለናዮ ብቴክኖሎጂ ዝማዕበለ

ዘመን’ውን ናህሪ ኣሰራርሓ ፊልም ክዓብን ረቂቕነት ካሜራታት ካብ ዕለት ናብ ዕለት ክብ ክብልን ንርእዮ ኣለና። እዚ ዘይሕለል ጻዕሪ መሃዝቲ ድማ ኣብ ምዕባለ ወዲ-ሰብ ዘይንዓቕ ኣበርክቶ ተጻዊቱን ይጻወት ኣሎን።

ኣብ ኖርወይ 13 ታሕሳስ፡ ብኖርወጃውያን ደቀንስትዮ ከም ጽቡቕ ፋልን ናይ ተስፋ መዓልትን’ያ እትቚጸር። ኣብዛ ዝተጠቕሰት ዕለት፡ እታ ካብ ኣባል ናይቲ ስድራ ዝዓበየት ጐርዞ፡ ኣንጊሃ ብምትንሳእ

ንኣፍልጦልቢ ናይ ሰብ ምስ ናይ ሓሰማ ኣብ

ዓቐን ይኹን ኣቃውማ ዓቢ ምምስሳል ኣለዋ። ምስዚ ንናይ ሰብ ደም ንምንጭንጓዕ’ውን ብቕዓት ኣለዋ። ሻንብቆ ልቢ ሓሰማ ንዝሓመሙ ሻንብቆ ደም ሰባት ንምትካእ ኣብ ጥቕሚ ይውዕሉ እዮም። እቲ ምኽንያት ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ምምስሳል ስለዘለዎምን ሳሕቲ ኣብ ሰብ ጥዕናዊ ጸገም ስለዘምጽኡን እዩ።ዋላ’ኳ ኣብ ምስግጋር ቲሹ ካብ ሓሰማ

ናብ ሰብ ዕዉት ስራሕ እንተተፈጸመ፡ ገለ ሊቃውንቲ ምሉእ ምስግጋር ናይ ልቢ ኣብ ክልተ ዝተፈላለዩ ዓሌት (species) እንስሳ ክካየድ ኣይክእልን’ዩ ይብሉ። እንተዀነ፡ ብምኽንያት ምዕባለ ኣብ ጀነቲካዊ ምህንድስና ዕዉት ናይ ልቢ ምስግጋር ካብ ሓሰማ ናብ ሰብ ተኻይዱ’ዩ። ናይ ሰብ ተውርሶኣዊ ባእታታት (genes) ናብቲ ዝተሰጋገረ ልቢ ሓሰማ ብምትሕንፋጽ እቲ ምስግጋር ዕዉት ይኸውን። እዚ መስርሕ እቲ ልቢ ብኣካል እቲ ተቐባሊ ከይንጸግ ይሕግዝ። ብዛዕባ ጥቕምን ጉድኣትን እዚ ኣገባብ ብዙሕ ክትዓት ኣለዓዒሉ እዩ። ሓደ ካብቲ ኣካታዒ ጉዳያት ምስቲ ዝሰጋገር ልቢ ሓሰማ ገለ ቫይረሳት ኣብ ኣካላት ሰባት ኣትዮም ዘይተሓስበ ከቢድ ጥዕናዊ ሽግር ከየምጽኡ’ዩ። እቲ ካልእ ጉዳይ ከኣ ምስ እምነትን ሞራላዊ ኣተሓሳስባን ሰባት ዝተኣሳሰር ኮይኑ፡ ተቐባልነት ምስግጋር ልቢ ካብ ሰብ ዘይኮነ እንስሳ ኣብ ሕብረተ-ሰብ እዩ።

ምንጪ፡- Advanced Biologyመም/ ስምኦን ታደሰ

ዝተመሳቐለ ቃላት ስርሑመም ያቆብ መርሃዊ (ጃክ)

ኣገባብ ኣጸዋውታኣብ ታሕቲ

ናይ ጋድምን ናይ ትኹልን ቃላት ተዋሂቦም ኣለዉ። ከም መጀመሪ ድማ ፊደል ‘መ’ ተዋሂባ ኣላ። ስለዚ ካብዛ ፊደል ብምብጋስ ነዛ ዝተመሳቐለት ቃላት ስርሕዋ። ናይ ጋድም ቃላት ንጋድም፡ ናይ ትኹል ቃላት ድማ ንትኹል ጥራይ ክምልኡ ይግብኦም።

ናይ ትኹል ቃላትክሳድስተመስፈእመንልቢአረማሰስልሲኣመልተርታንስሓዲሲመቐስመስጣኣወል

ናይ ጋድም ቃላትመስተታክሲመዲድመንፈረሰኛኣሓስተርእወልቢመልሲስልጣንመልአወስስገም

13 ታሕሳስ ኣብ ባህሊ ኖርወጃውያን

ጻዕዳ ግርምብያለ ተኸዲና ሻሂ ብምፍላሕ፡ ብሕሩጭ ገይራ ቢስኩት ተዳሉ። ነቲ ዘዳለወቶ ብስኩት፡ ሻህን ብዕንባባታትን ሽምዓን ኣመላኺዓ ብምቕራብ ናብቶም ኣብ መደቀሲኦም ዝርከቡ ኣባላት ስድራ-ቤታ ብምውሳድ ተቑርሰላ ዕለት’ያ። እዚ ነታ ጐርዞ - እትቕጽል ዓመት ተስፋ ዘለዋ ዓመት ክዀነላ ተባሂሉ ዝግበር’ዩ። ስለዚ፡ ኣብ ባህሊ ኖርወጃውያን፡

እታ ዝዓበየት ጐርዞ እናሃለወት ዋላ’ውን ካልእ እኽልቲ ጐርዞ ኣብቲ ቤት ትሃሉ፡ ኣብዛ ዝተጠቕሰት ዕለት ቁርሲ ከተዳሉ ኣይፍቀደላን። እዚ፡ ዕድል ናይ’ታ ዝዓበየት ጐርዞ እታ ዝነኣሰት ከይትወስዶ ተባሂሉ ዝግበር’ዩ።

እዚ ሰማይ-ጠቀስ ቢንቶ’ዚ፡ ካብ ላንካዊ ማለይዥያ ኣብ ልዕሊ’ታ ዝዓበየት ደሴት ፑላው ላንካዊ ዝርከብ ስንጭሮ’ዩ ተዘርጊሑ ዘሎ። ካብ ጽፍሒ ባሕሪ 687 ሜትሮ በሪኹ ዝርከብ ምዃኑ ድማ ኣብዚ ቢንቶ መሳጢ ትርኢት ባሕሪ ኣንዳማንን ደሴት ታሩታኦ ናይ ታይላንድን ክትዕዘብ ትኽእል። ብሓቂ ዘገርም ትርኢት’ዩ ዘለዎ። ዝተፈላለየ ቅርጺ መሬት ክትዕዘበሉ ዘኽእል ፍሉይ መድረኽ’ዩ። ከይሓሰብካዮ ኣድሬናሊንካ ክነዝዕ ዘገድድ ዘደንቕ ትርኢት ካብ ዘለዎም ናይ ዓለምና ቢንቶታት ሓደ’ዩ።

ቢንቶ ፑላው ላንካዊ

እዚ ብመዳወር (cable) ተወጢሩ ዝተሰርሐ ፍሉይ ቢንቶ’ዚ ሓደ ደጋፊ ዓንዲ ጥራይ’ዩ ዘለዎ። እዚ ኣስታት 87 ሜትሮ ዝምንውሑ ዓንዲ ንባዕሉ፡ ሚዛኑ ሓልዩ ደው ንኽብል ገቲሮም ዝሓዝዎ 8 መዳወራት (ረጐድቲ ናይ ስልኪ ገመድ) ኣለውዎ። ንውሓት ናይዚ ለዋይ ቅርጺ ዘለዎ ንመሳገሪ ኣጋር ጥራይ ዘገልግል ቢንቶ ከኣ 125 ሜትሮ እዩ። እዚ 1.8 ሜትሮ ጐድኒ ዘለዎ ቢንቶ፡ ነፍሲ-ወከፍ 3.8 ሜትሮ ጐድኒ ዘለዎም ክልተ ስሉስ ኩርናዓዊ መዐዘቢ መድረኻት ኣለውዎ።

Page 7: ኣብ ዓዲ-ሃሎ፡ 2 ሜጋ-ዋት ዘመንጩ መደበር ጸሓያዊ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_12122017.pdf12፡50 ልዝብ መንእሰያት 13፡30 ዜና

ሓዳስ ኤርትራ 12 ታሕሳስ 2017 - ገጽ 7መበል 27 ዓመት ቁ.86

Page 8: ኣብ ዓዲ-ሃሎ፡ 2 ሜጋ-ዋት ዘመንጩ መደበር ጸሓያዊ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_12122017.pdf12፡50 ልዝብ መንእሰያት 13፡30 ዜና

ሓዳስ ኤርትራ 12 ታሕሳስ 2017 - ገጽ 8መበል 27 ዓመት ቁ.86

ኣማኑኤል በርሀ

ሓደ ወዲ 80 ዓመት ኣቦ ምስ ሕሳስ ልደ ወዱ ኣብ ኣፍ ደገ ገዛኦም ኮፍ ኢሎም ነበሩ። እቲ ኣቦ ምስ ወዱ ከዕልል’ኳ ደስ ኢልዎ እንተነበረ፡ እቲ መንእሰይ ግን ካብ ኣቦኡ ፍንትት ኢሉ መጽሓፉ ገንጺሉ የንብብ ነበረ። ሓደ ዑፍ መጺኡ ኣብ’ታ ኣብ ዛሬባኦም ዝነበረት ገረብ ምስ ዓለበ ግን፡ እቲ ኣቦ “እንታይ ዓይነት ዑፍ ደኣሉ እዚ?” ክብል ንወዱ ሓተቶ። “ኩምብራዛ እያ” ኢልዎ ምንባቡ ቀጸለ። ድሕሪ ውሑዳት ደቓይቕ፡ “እንታይ ሽሙ እዚ ዑፍ?” ክብል እንደገና ሓተቶ። እቲ መንእሰይ ድማ ከም ሕርቕ ኢሉ፡ “ሕጂ ሕጂ ምሽ ኩምብራዛ ምዃና ነጊረካ” በሎ። እቲ ኣቦ ኣብ ናይ በይኑ ሓሳባት ጸኒሑ፡ “ኣብ’ዚ ከባቢ ርእየዮ ዘይፈልጥ ዑፍ ደኣ እንታይ እዩ?” ክብል ንሳልሳይ ግዜ ንወዱ ሓተቶ። “ሳልሳይ ግዜ እኳ ኢኻ ትሓተኒ ዘለኻ። ክንደይ ግዜ ድየ ኩምብራዛ ምዃና ክነግረካ” እናበለ ጸርጸር በለሉ። ወዱ ከምዝተቘጥዐ ዘስተብሃለ ኣቦ ሓደ ነገር ዘከረ። “ኣብ ሞንጎ ንባብካዶ ረብሸካ፡ ንዓ በል እታ ጥራዘይ ኣምጽኣለይ” በሎ። ሓደ ገጽ ገንጺሉ ድማ ናይ ቅድሚ 30 ዓመታት ዳየሪኡ ከንብቦ ሃቦ።

“ሎሚ ንጕሆ ምስ ሕሳስ ልደ ወደይ ኣብ ቀጽሪ ገዛና ኮፍ ኢልና ከለና ሓደ ዑፍ መጺኡ ኣብ ቅድሜና ዓለበ። ወደይ ሽም ናይ’ቲ ዑፍ ክነግሮ ሓቲቱኒ። ኳኽ ምዃኑ ነጊረዮ። ነዊሕ ከይጸንሐ እንደገና ሓቲቱኒ፣ ኳኽ ምዃኑ ከኣ ደጊመ ነጊረዮ። ጸጸኒሑ ነታ ሕቶ ከም ሓድሽ እናደጋገመ ትሽዓተ ግዜ ሓቲቱኒ፣ ትሽዓተ ግዜ ድማ ሓደ ዓይነት መልሲ ነጊረዮ። ወደይ ኣባይ ክንድኡ ዝኣክል እምነት ምሕዳሩ ብሓቂ ተሓጒሰ። ዋላ’ኳ እታ ካባይ ዝረኸባ መልሲ ወይ ፍልጠት ሓንቲ ጥራይ እንተዀነት፡ ኣብ ውሽጢ ውሑዳት ደቓይቕ ጥራይ ትሽዓተ ግዜ ዝሓገዝክዎ ኰይኑ ስለ ዝተሰምዓኒ ገለ ዕግበት ተሰሚዑኒ። ንሱ’ውን ዓቕለይ ከይወዳእኩ ደጋጊመ ስም ናይ’ቲ ዑፍ ክነግሮ ከለኹ ይሕጐስ ምንባሩ ኣስተብሂለ። ዕዉት ሰብኣይ ክሳብ ዝኸውን ብሕጂ ብዙሕ ክሕግዞ’የ። ብዙሕ ግዜ ድማ ዕግበት ክስምዓኒ እዩ ማለት’ዩ። እዚ ንዓይ ዓቢ ጸጋ’ዩ።”እቲ መንእሰይ ንዳየሪ ናይ ኣቦኡ

ምስ ኣንበበ፡ ንፍቕሪ ወላዲ ብፍቕሪ ውላድ ክኽሕስ ዘይክኣለ ድኹም ፍጥረት ምዃኑ ኣስተብሃለ። መጽሓፉ ዓጺፉ ድማ ስምዒታት ኣቦኡ ከንብብ ጀመረ።

ካብ ደረኽቲ ዛንታታት

=ገያሻይ ከመይ ቀኒኻ?=ኣንቲ ኣበይ ደኣ ወሪሕኪ?=ዕላልካ ስለ ዘሰልቸወኒ’ንድየ ጠፊአካ።

ናብ’ዚ ገሽኩ፡ ካብ’ዚ ተመለስኩ ጥራይ ኰይኑ ዘረባኻ።=መገሻ ስለ ዘይትፈትዊ ዲኺ

ተማኻንዪ ዘለኺ?=መገሻ ብመጓዓዝያ ጥራይ ዝኽየድ

ስለ ዝመስለካ እኳ’ዩ። እስከ ሓንቲ መዓልቲ’ውን ትኹን ካብ መገሻኻ እንታይ ሒዝካ ተመሊስካ ትፈልጥ?=ብዘይካ ስእሊ’ሞ እንታይ ክማላእ

ደሊኽኒ?=ሃሃሃ. . . “ዋላ ሓንቲ ኣይትግደፍ

ብዘይካ ኣሰር እግሪ፣ ዋላ ሓንቲ ኣይትማላእ ብዘይካ ስእሊ” ትብል ጭርሖ ዲኻ ክትደግመለይ። ነዚኣ እኳ ኢኹም ብዝግባእ ዘይትርድእዋ ዘለኹም። እዛ ቴማ’ኳ፡ ከባቢ ንኸይትብክልን ንኸይተዕኑን ደኣ’ምበር፡ ስእሊ ጥራይ ሒዝካ ምጻእ ማለት ኣይኰነትን። ንስኻ ግን ስእልን ቃላትን ጥራይ ኢኻ ሒዝካ ትመጽእ። “እቲ ቦታ ከም’ዚ ይመስል፡ ከምዚ ኣለዎ” ዝብሉ ቃላት እንታይ’ዮም ክዓብሱልካ? በለውከለው ኬድካ ሓንቲ ዓንዲ ርኢኻ ናይ ዝመጻእካ እንታይ ፋይዳ’ለዎ?=እንታይ ዘይርኣኹ ኢኺ

ደሊኺ’ሞ?=ቅርስን ታሪኽን፣ ሰብን ስነ ሰብን

ዘይትርኢ እንተዄንካ፡ ነዋሕ እምኒ ደኣ’ሞ ኣብ ስእሊ ምርኣያ’ንዶ ምሓሸካ። ኣነ ግን መሓውር ብዘየድልዮ መገሻ ኣቢለ ብዛዕባኣ ብዙሕ መዕለልኩኻ።=ኣባሃህላኺ?=መጽሓፍ ምንባብ’ውን እኮ ናብ መላእ

ዓለም የግሸካ’ዩ። ብኣካል በጺሕካዮ፡ ኪኖ

ኣዒንትኻ ልብኻን ኣእምሮኻን ዘይገሻ ኣንተዀይነን ግን ጣቋ የብሉን። እቲ እትበጽሖ ቦታ’ውን ይቕየመካ’ዩ። ቀይሕ ባሕሪ ቀኒኻ፡ ሰፊሕ ማያት ርኢኻ ጥራይ እንተተመለስካ ምስ መገሻ ዝሕሰበልካዶ ይመስለካ?=ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኰይነ እምባ ሶይራ

ክርኢ ክኽእል ኣለኒ ማለትኪ ድዩ?=እዚ ናይ ብዓል ናትካ መጸጸጽ ናይ

ቃላት’ዩ። ብቓላት ዘይኰነ፡ ብሓሳባት ንዛረብ። ጽላሎት ስለምንታይ ክትቀርቦ ከለኻ ከም ዝሃድም ትፈልጥዶ? ከም’ዚ ከማኻ ረገጽቲ ምስ በዝሕዎ’ዩ ክትመጽኦ ከለኻ ዝሃድም። እምበር ነቶም ወትሩ ኣብ ምሉእ-ብርሃን ዝነብሩስ ነዛ ክርእዮም’ውን ይስከፍ’ዩ። እቶም ወትሩ ኣብ ጸልማትን ድነን ዝነብሩ ድማ ክርእይዎ ኣይክእሉን’ዮም። ጽባቐ ተቐያማይ’ዩ፡ ተጠንቀቐሉ በጃኻ።=ብኸመይ ደኣ ተቐያማይ ኢልክዮ?=ጽባቐ ንምንታይ ድዩ ዝድወን?

ፍቕሩ ዘይብሎም ሰባት ምትንኻፍ ከብዝሕሉ ከለዉ፡ ኮርዩ’ዩ ድውን ዝብል። ዘዋግዖ ክስእን ከሎ’ውን ይብለል’ዩ። ንስኻ ብዛዕባ ሓንቲ ዒላ እናሓለምካ ናብ ውቅያኖሳት እንተተጓዓዝካ፡ እቲ ማያት ጽባቐኡ ኣይሓብኣልካንዶ ትብል? ጽባቐኡ እንተዘይሓቢኡ ድማ ምስትውዓልካ ክደፍኖ’ዩ። ቅድም ናብ ሕልምታትካ ግሽ፣ ሕልሚ ሰኒቕካ’ዩ ናብ ካልእ ዝግየሽ። ናብ ህንጻታት ስለ ዝገሽካ ናብ ከተማታት ዝገሽካ ዝመስለካ እንተኾይኑ፡ ከመይ ኣቢሉ ምስ መገሻ ክቑጸረልካ ትጽበ!?=ህንጻ ዘይብሉ ከተማ ኣሎ ድዩ?=ብሪውሪው ዝብሉ ህንጻታት፡’

ከተማ ኣየቑሙን’ዮም። ሰብ’ዩ ከተማ፣

ኣነባብርኡን ምንቅስቓሳቱን’ዩ ከተማ። መግብኻ ጽዒንካ፡ ቋንቋኻ ጥራይ መሊኽካ፣ ክዳን ቀደምካ ተኸዲንካ ናብ ሓንቲ ከተማ እንተኼድካ፣ መግቦምን ኣለባብሳኦምን ምንቅስቓሳቶም ላህጃኦምን ክሳብ ዘይፈለጥካ፣ ህንጻ ርኢኻ ጥራይ ኢኻ ክትምለስ ትኽእል። ህንጻ ክትርኢ ዲኻ ሓደ መዓልቲ፡ “ታጅ መሃል ክበጽሕ ምደለኹ” ዝበልካ? ህንጻ ደኣ ኣብ ስእሊ ዘይትርእዮ። ምስ ስነ ህንጻኡን ታሪኹን፣ ምስ ቃንዛታቱን ሓበን ዋናታቱን ኣዕሊልካ ዘይትኽእሎ እንተዄንካ፣ ይትረፍካ ትኬት ኣይተባኽን።=ኣይትግሽ ድዩ ሕጂ መጎተኺ ዋላ

መገሻ ትርጉም የብሉን ኢኺ ትብሊ ዘለኺ? ከም’ዚ ናትኪ ኣብ ሓንቲ ከተማ ተዓብዒብካ ምንባርከ እንታይ ጽባቐኡ?=ክልተ ነገር ስሒትካ ኣለኻ። መጀመርያ

ኣነ ኣይትግሽ ዝብል ቃል ኣይወጽኣንን። እኹል ስንቂ ከይሓዝካ ኣይትጓዓዝ እየ ዝብለካ ዘለኹ። ስንቂ እንተበልኩኻ ግን ማይ ብሒቚ ዝበልኩኻ ከይመስለካ። ደሓር ድማ ስለዝተጓዓዝካ ጥራይ ድዩ መገሻ ዝበሃል? መሓውር ዘየድልዮ መገሻ ኣሎ እኳ’የ ዝብለካ ዘለኹ። ኣብ’ዛ ኣስመራ ኮይነ ነዛ ዓለም ክበጽሓ ኣይክእልን ድየ? ብዝኾነ፡ ድሕሪ ሕጂ ብዛዕባ ዝበጻሕካዮም ቦታታት ከተዕልለኒ እንተፈቲንካ ኣይክሰምዓካን’የ። ንሳቶም ዘዕለሉኻ ክትነግረኒ እንተኽኢልካ ግን ብሃርፎት ክጽበየካ’የ።=እሞ ቅሮራ ዘዕለለትኒ፡ ናኹራ

ዘዋግዓትኒ፡ እምባ ሳይም ዝበለኒዶ ክነግረኪ። =ከምኡ እንተኽኢልካ’ሞ መርሓባ።

ሕጂ ግን ቻው፡ መሓውር ዘየድልዮ መገሻ’ለኒ።

ጽባቐ ተቐያማይ እዩ

ኣፋዊ ግጥሚ ናይ ጥበብ ያታና ካብ ዝኸውን ኣማኢት ዓመታት ኣቝጺሩ ኣብ ዘለወሉ ግዜ፡ “ኩሉ ናዕታ ዘዝሃረመ ግጥሚ ድዩ?” ንዝብል ሕቶ ሰጊርና፣ ብዛዕባ ቅድታት ግጥምታትና ኢና ክንፍትሽ ዝግብኣና። ኣብ ብዙሓት ግጥምታትና ግን ገና ነቲ ቀዳማይ ሕቶ ክንሰግር ኣይክኣልናን ዘለና። ብጉሉሕ ንድሕሪት ንሕንበበሉ ወርሓት ወይ ዓመታት’ውን ንዕዘብ ኣለና። “ንምዃኑ ቅዲ ዘለዎ ግጥሚ ኣለና ድዩ?” ንእትብል ሕቶ ከኣ፡ ብዙሓት ተባዕ መልሲ ክስእኑላ ይስምዑ። ምናልባት ስም ገጣሚ ከይርኣና፡ ናይ መን ግጥሚ ምዃና ከነለልያ እንኽእለሉ ኣጋጣሚታት ይህሉ ይኸውን። እዚ ግን መዐቀኒ ቅዲ ድዩ? ቅዲ ክፍትሹ ዝኽእሉ ኣስተማቐርቲ ወይ ሃየስቲኸ ኣለዉና ድዮም? ቅዲ ተሰሪሑ እንከሎ፡ ሰኣን ብዕምቈት ዝፍትሾ ከይተለለየ ክነብር’ውን ይኽእል’ዩ። እዛ እትስዕብ ናይ ታጎር ዛንታ ንገጠምትናን ሃየስትናን ቅዱስ ቅንኢ ትፈጥር ትኸውን እያ’ሞ፡ ቅድም ንዕኣ ነስተማቕራ።ብ 7ግንቦት 1886 ዓ.ም ኣብ ካልካታ

ዝተወልደ ህቡብ ህንዳዊ ገጣማይ ራቢንድራናት ታጎር ኣብ ስነጽሑፍ ህንዲ ዓቢ ተራ ካብ ዝተጻወቱ ሰባት ሓደ’ዩ ኔሩ። ወዲ 8 ዓመት እንከሎ ምግጣም ዝጀመረ ታጎር፡ ወዲ 16 ክበጽሕ እንከሎ ፋልመይቲ ናይ ግጥሚ መጽሓፉ ከሕትም በቒዑ ነበረ። ታጎር ገጣማይ ጥራይ ዘይኰነ ጸሓፊ ልቢ ወለድን ደራሲ ሙዚቃን፡ መስራቲ ናይ’ቲ ሰብኣውነት ዝምህረሉ ካብ ልሙድ ትምህርቲ ወጻኢ

ዘተ ጥበብትምህርቲ ዝወሃበሉ ዩኒቨርሲቲ፡ ቀባኣይ፡ ፈላስፋን ሰውራውን ነበረ። ኣብ 1913 ዓ.ም ካብ ኣውሮጳውያን ወጻኢ ንፈለማ ግዜ ናይ ኖበል ተሸላሚ ዝዀነ ታጎር፡ ሽልማት ኖበል ዝወሰደሉ ብስነጽሑፍ

( literature) ኰይኑ፡ በታ ‘ጊታንጃሊ’ ዝተሰምየት ብቋንቋ ቤንጋሊ ዝጸሓፋ እኩብ ግጥምታት ዝሓዘት መጽሓፉ’ዩ። ነታ መጽሓፍ ናብ ቋንቋ እንግሊዝ’ውን ባዕሉ’ዩ ተርጒሙዋ። ይኹን እምበር እቲ

ትርጉም ቅኑዕ ኔሩዶ ኣይነበረን ርግጸኛ ኣይነበረን። ብፍላይ ግጥሚ ናብ ካልእ ቋንቋ ምትርጓም ከም ስዲ ንባብ ቀሊል ከም ዘይኰነ ኣስተውዒሉ ነበረ። ግጥሚ ካብ ናብ ሰዋስው ናብ ሙዚቃ፡ ካብ ናብ

ሓሳብ ናብ ስምዒት ከም ዝቐርብ ተዓዚቡ ኔሩ። ግጥሚ ዝዓቖረ ቀላይ ዘይኰነ ዝፈስስ ወሓዚ ከም ዝዀነ ተገሊጹሉ ነበረ።ታጎር ካብ መጽሓፉ ግጥምታት

መመሪጹ ክትርጉም ሓያሎ መዓልታት

ኣሕለፈ። ንኹሉ ግጥምታቱ ተርጒሙ ምስ ወደአ’ውን ምሉእ ብምሉእ ርግጸኛ ክኸውን ኣይከኣለን። ስለዚ ንሓደ ሲ ኤፍ ኣንድሪውስ ዝበሃል ካህን ነቲ ዝተርጎሞ ክርእየሉ ሃቦ። ኣንድሪውስ ንማህተማ ጋንዲ ናይ ቀረባ ዓርኩ፡ ንናጽነት ህንዲ’ውን ካብ ልቢ ዝተቓለሰ ሓርበኛ ነበረ። ነቲ ግጥምታት ኣጸቢቑ ርእዩ ምስ ኣንበቦ ኣብ ኣርባዕተ ቦታታት ጥራይ መሪጹ ንኸዐርዮ ከምዚ ዝብል መልእኽቲ ሰደደሉ። “እቲ ትርጉም ብምሉኡ ኣዝዩ ጽቡቕ

ኣሎ፡ እንተዀነ ኣብዘን ዝሕበረካ ዘለኹ ኣርባዕተ ነጥብታት ናይ ሰዋስው ሕጊ ኣይተኸተልካን ዘለኻ” በሎ።ታጎር ብመሰረት ምኽሪ እንግሊዛዊ

ቀሺ ነቶም ዝተባህልዎ ኣርባዕተ ቃላት ደምሲሱ ብካልእ ተከኦም ። ቅድሚ ናብ ማሕተም ምእታው ከኣ ናብ ለንደን ድሕሪ ምኻድ ን20 ዓበይቲ ገጠምቲ ዓዲሙ ነቲ ትርጉም ናይ’ታ ናይ ግጥሚ መጽሓፉ ከም ዝግምግምዎ ገበረ። ንኹለን ግጥምታት ኣንቢቡ ምስ ወደአ ከኣ፡“ዝጎደለ ነገር ዘሎዶ ይመስለኩም?”

ብምባል ነቶም ገጠምቲ ሓተቶም።ዊልያም በትለር ዩትስ ዝተባህለ

ውሩይ እንግሊዛዊ ገጣሚ ሃንደበት ሓፍ ብምባል፡“ኣብ ኣርባዕተ ቦታታት ዝተጋገየ

ነገራት ኣሎ” በለ።ታጎር ኣዝዩ ተገረመ። ብዘይካኡን ቀሺ

ኣንድሪውን ኣብ ኣርባዕተ ቦታታት ከም ዝቐየረ ዝፈልጥ ሰብ ኣይነበረን። ቀሺ ኣንድሪውስ ዝቐየሮም’ሞ በትለር ዩቱስ ዘይፈተዎም ቃላት ተመሳሰልቲ ነበሩ።ዩቱስ ኣስዒቡ ንታጎር ከምዚ በሎ፡

“ኣብ ኣርባዕተ ቦታታት እቲ ግጥሚ ዋሕዚ የብሉን፡ ኣይንቀሳቐስን’ዩ፡ እቶም ቃላት’ውን ንስኻ ዘይኰንካ ካልእ ሰብ’ዩ ሰዂዑዎም። ኣርባዕቲኦም ቃላት ነቲ ወሓዚ ከይውሕዝ ገዲቦም ዝሓዝዎ ደናጉላ’ዮም።”ታጎር ከኣ፡ “ጽቡቕ ኣለኻ። ኣርባዕቲኦም

ቃላት ዝመረጾም ኣንድሪውስ’ዩ። እንግሊዛዊ ስለዝዀነ ካባይ ንላዕሊ ንሱ ይፈልጥ። ንዓይ ግን እንግሊዝ ኣፈይ ዝኸፈትኩሉ ቋንቋ ኣይኰነን። ኣንድሪውስ ቅድሚ ምቕያሮም ዝነበሩ ቃላት እዚኦም’ዮም ኔሮም።” በሎዩቱስ ከኣ ትቕብል ኣቢሉ፡ “እቶም

ቃላት፡ ሕጊ ሰዋስው ኣይክተሉን’ዮም፡ ግን ቅኔ ኣለዎም። ሰዋስው ረሳዓዮ’ሞ ነቲ ዋሕዚ ተኸተል” በሎ።ታጎር ብነሐሰ 1941 ብሞት ክፍለ

እንከሎ ናይ መጀመርያ ህንዳዊን ናይ መጀመርያ እስያዊን ተሸላሚ ኖበል ብምዃን ኣብ መዝገብ ታሪኽ ዝሰፈረን ዕለተ ልደቱ ዓመታዊ ብክብ ዝበለ ድምቀት ዝበዓለሉን ገጣማይ’ዩ።እሞ ንሕናኸ መጠን ክንድ’ዚ ቅዲ

ክፈጥሩን ቅዲ ከስተማቕሩን ዝኽእሉ ጥበበኛታት ይህልዉናዶ? ልሉይ ቅዲ ዘይብልና እንተዀይኑ፡ እቲ ድኽመት ካብ ገጠምቲ ድዩ ወይሲ ካብ ኣስተማቐርቲ?

Page 9: ኣብ ዓዲ-ሃሎ፡ 2 ሜጋ-ዋት ዘመንጩ መደበር ጸሓያዊ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_12122017.pdf12፡50 ልዝብ መንእሰያት 13፡30 ዜና

ሓዳስ ኤርትራ 12 ታሕሳስ 2017 - ገጽ 9መበል 27 ዓመት ቁ.86

ተስፋኣለም

ገብረዮሃ

ንስ

ዕጫ ግጥማት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ዙር 16 ጐባልል ክለባት ኤውሮጳ ትማሊ ድሕሪ ቐትሪ ወዲቑ። ብመሰረት ዝወጸ ዕጫ ዝካየዱ ግጥማት ብኣግኡ ኣቓልቦ ስሒቦም ኣለዉ። ዓበይቲ ዝበሃላ ክለባት ኣብ ናይ ምድብ ግጥማት ካልኣይ ደረጃ ሒዘን ብምሕላፈን፡ ከምኡ ድማ ምስ ዕብየት ክለባት ኤውሮጳ ብዘርእያኦ ዘለዋ ዕብየት ዝካየዱ ግጥማት ኣውዲቕካ ምሕላፍ በዳህቲ ንኽኾኑ ዝደረኸ ረቛሒታት ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ። ናይ ነይማር ፒኤስጂ ምስ ናይ ክርስትያኖ ሮናልዶ ማድሪድ፡ ባርሰሎና ምስ ቸልሲ፡ ቶተንሃም ምስ ጁቬንቱስን ካልኦት ተሃረፍቲ ግጥማት ክህልዉ ብምዃኖም። ሻምፕዮን ዝሓለፈ ዓመት ሪያል ማድሪድ

ካብ ምድባ ካልኣይቲ ኮይና ብምሕላፋ’ያ ምስ ፓሪስ ሰይንት ጀርመይን ክትገጥም ዕጫኣ ኣልዒላ ዘላ። እዘን ክለባት ብታሪኽ ብዙሕ ዘይመጣጠና እኳ እንተኾና፡ ፒ ኤስጂ ኣብዚ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ብዝሃነጸቶ ተወዳዳሪ ብቕዓት ግጥም እዘን ክለባት ተሃራፊ ክኸውን ትጽቢት ኣሎ። ፒኤስጂ ዝሓለፈ ክረምቲ ንነይማር፡ ምባፐን ካልኦትን ምጽንባራ ንመሰለት ውድድር ሻምፕዮንስ ሊግ ቀይራቶ ትርከብ። ብመሰረት ተንተንቲ ሻምፕዮንስ ሊግ እዘን ክለባት ኣብ ግጥም ፍጻመ ክራኸባ ከም ዝነበረን ይግለጽ። ቸልሲ ምስ ባርሰሎና ዘካይደኦ ግጥም

እውን ሓደ ካብቲ ኣቓልቦ ዝስሕብ እዩ። ኣሰልጣኒ ቸልሲ ኣንቶንዮ ኮንተ ጋንታኡ ብቐዳም ኣብ ግጥም ፕሪመር ሊግ ብዌስትሃም ድሕሪ ዘጓነፋ ስዕረት፡ ጽዋእ ፕሪመር ሊግ ናይ ምልዓል ተስፋ ከም ዘይብሎም ተኣሚኑ እዩ። በዚ መሰረት ዝወሃብ ዘሎ ትንተናታት ከኣ ኮንተን ክለቡን ምሉእ ኣድህቦኦም ኣብ ውድድር ሻምፕዮንስ ሊግ ክገብሩ ከም ዝኽእሉ ይገልጽ። ኣብ ናይ ምድብ ግጥማት ንኣትለቲኮ ክትረትዓ ዝኸኣለት ቸልሲ፡ እቲ ግጥም ምስ ባርሳ ንእተካይዶ ጸወታ ቅድመ ምድላው ክኾና ከም ዝኽእል ይግለጽ ኣሎ። ባርሰሎና ኣብ ስጳኛን ኤውሮጳን ብእተመዝግቦ ዘላ ዓወታት ገና ምስ ሓይላ

ሪያል ማድሪድ ምስ ፒኤስጂ ከምኡ ድማ ቸልሲ ምስ ባርሳ በጺሕወን

ቀዳማይ መድረኽ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ፣ ብናይ በረኻ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ ብሰንበት ጀሚሩ። ልዕሊ 20 ተቐዳደምቲ’የን ሰዓት ሸሞንተ ቅድሚ ቀትሪ ኣብ መበገሲ ቦታ ባሕቲ መስከረም ተዳልየን። ታራ እምኒ በጺሐን ናብ ኣስመራ ንኽምለሳ 80 ኪሌ ሜተር ይጽበየን ነይሩ። ሰለስተ ርብዒ ማለት ኣስታት 60 ኪሎ ሜተር ኣካይደአን ዝነኣድ ኣይነበረን። ሽልማት ዘለዎ ክልተ ናይ ዓቐብ ቅጽበታዊ

ውድድራት ኣብዚ ናይ በረኻ ውድድር ተሰሪዑ ነይሩ። ኣብ ከባቢ ዓይኒ መረብ ኣብ ዝገበርኦ ቅጽበታዊ ውድድር ሞሳና ደበሳይ ካብ ዓራግ ቀዳመይቲ ክትወጽእ እንከላ፣ ወሓዚት ኪዳነ ካብ ጋላነፍሒ፣ ዝናብ ፍጹም ካብ ዓራግን ብስራት ገብረመስቀል ካብ ደንደንን ስዒበናኣ ነጥቢ ተማቒለን።ድሕሪ ናይ ዓይኒ መረብ ዘካየድኦ

ቅጽበታዊ ውድድር፣ ውድድረን ከማሓይሻ ትጽቢትኳ እንተተገብረ ሕጂ’ውን ወይ ከ!! ዓቐብ መንጕዳ ብሓባር እኳ እንተፈለምኦ፣ ሞሳና ደበሳይ ካብ ዓራግ ዕቑር ብቕዓታ ተጠቒማ ኣስናን ብሽክለታኣ ምስ ቀየረት፣ እታ ሓባራዊት ጉጅለ ንድሕሪት ዘርጠብጠብ ኢላ ፋሕ - ፋሕ በለት። ብስራትን ትዕግስትን ድማ ካብ እግራ ኣይተረፋን። ኣብ ዓቐብ መንጕዳ ድማ ቀዳመይቲ ሞሳና ደበሳይ ካብ ዓራግ፣ ካልኣይቲ ብስራት ገበረመስቀል ካብ ደንደን፣ ሳልሰይቲ ትዕግስቲ ገብረሂወት ካብ ጋላ ነፍሒ፣ ራብዓይቲ ድማ ኣለም በየነ ካብ ጋላ ነፍሒ ብምዃን ነጥቢ ተማቒለን። ኣብዚ ናይ ዓቐብ ብስም ሻምፕዮን 2017 ዞባ ማእከል ዝሽለማ ድማ ሞሳና ደበሳይ ካብ ዓራግ ቀዳመይቲ፣ ብስራት ገብረመስቀል ካብ ደንደን ካልአይቲ እየን።ካብ ዓቐብ መንጕዳ፣ ናብ ኣስመራ ብሎኮ

ጎዳይፍ ንናይ መድረኽ ዕውትቲ ንምርግጋጽ ጉዕዝአን ቀጺለን። እታ ካብ ዓቐብ መንጉዳ ኣትሒዛ ብብቕዓት ነቲ ውድድር ቀሊሳ ኣብ ረብሓኣ ዘውዓለቶ ሞሳና፣ እተን ምስኣ ዝነበራ ማለት ትዕግስቲ ካብ ጋላ ነፍሒ፣ ብስራት ካብ ደንደን ከየብረይኣ ኣብ ዝተጓዓዘትሉ ብቕዓታ ኣይቀነሰትን። ሞሳና፣ ንፋስ ከልኪላትለን ነዊሕ ስለ ዝተጓዓዛ፣ ኣብ ቅጽበታዊ ውድድር ከይስዕረኣ ስግኣት ነይሩ። መስመር ቅጽበታዊ ውድድር 30 ሜትሮ ምስ ተረፎ ብስራት ገብረመስቀል ብጸገም ሕማም ዓንዲ ሕቖ

ሞሳና፣ ድምቕቲ ኮኾብ ኮይና ውዒላንድሕሪት ዘልሓጥ ኢላ። ቅጽበታዊ ውድድር ድማ ኣብ መንጎ ሞሳናን ትዕግስትን ተሓጺሩ። ሞሳና ሕጂ’ውን ኣይተኻእለትን። ቀዳመይቲ ብምውጽኣ ናይ’ቲ ዕለት ድምቕቲ ኮኾብ ኮይና ውዒላ። ትዕግስቲ ገብረሂወት ካብ ጋላ ነፍሒ ካልኣይቲ፣ እታ ብሓቦ መስመር ቅጽበታዊ ውድድር ረጊጻ ካብ ውድድር ብኸቢድ ቃንዛ ሕቖ እናተሳቐየት ናብ ሆስፒታል ዘምርሐት ጽንዕቲ ተወዳዳሪት ብስራት ገብረመስቀል ድማ ሳልሰይቲ ክትወጽእ እንከላ፣ ካብታ ብገፊሕ ፍልልይ ማሕዲጋ ዝጸንሐት ጉጅለ ራብዐይቲ ዝወጽአት ወሓዚት ኪዳነ ካብ ጋላ ነፍሒ፣ ሓምሸይቲ ናይ ጋንታ ኤለክትሮላይት ኣድያም ተስፋኣለም፣ ሻድሸይቲ ድማ ዝናብ ፍጹም ካብ ዓራግ እየን ተዓዊተን።ነጃት ዑመር ካብ ደንደን፣ ወጋሕታ

ገብረሂወት ካብ ዓራግ፣ ጽገ ፍጹምን ፌቨን ፍጹምን ካብ ጋላነፍሒ ዳንነት ፈደረሽን ብመኪና ክሰሓባ ስለ ዝረኸበን፣ ናይቲ ዕለት ውድድረን ሰሪዝዎ። ሰሉስ 12 ታሕሳስ፣ ብጋንታ ናይ

ግዜ (ክሮኖ ሜተር)፣ ቀዳማይ ዲቪዝዮንን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ መስመር ሕምብርቲ ክህሉ እንከሎ፣ ሓሙስ 14 ታሕሳስ፣ ካብ ባሕቲ መስከረም ዝብገስ ውድድር 2ይ ዲቪዝዮን ኣስመራ - መንደፈራ - ኣስመራ ማለት ናይ 110 ኪሎ ሜተር ክካየድ እዩ።ብተወሳኺ፡ ተቐዳደምቲ ማውንቴን ባይክ፣

ውድድር ቀዳማይ መድረኽ ሻምፕዮን ኣብ ከባቢ ኤክስፖ ኣብ ዘካይደሉ፣ ልዕሊ 17 ዝዕድሚኦም ኣብ ዝገበርዎ ዝነኣድ ውድድር፣ ቀዳማይ ሙሴ ምስግና ካብ ናትና፣ ናሆም ሃይላይን ዮውሃንስ ኣፈወርቂን ብውልቂ ዝቀዳደሙ፣ ዳንኤል ኣፈወርቂ ካብ ጎዳይፍ፣ ሃኒባል ፍጹም ካብ ናትና፣ ኣኽሊሉ ኣተሽም ካብ ሓዳስ ካንታ ዲ.ኤች.ኤል (DHL)፣ ብምዃን ውድድሮም እኳ እንተዛዘሙ፣ ቀዳማይ ዝወጽአ ሙሴ ምስግናን፣ ሓምሻይ ዝወጽአ ሃኒባል ፍጹምን ካብ ክለብ ‘ናትና’ ዝኾኑ ተቐዳደምቲ፡ ብዝፈጸምዎ ጉድለት ስነ ምግባር፡ ፈደረሽን ብዝህቦም ውሳነ’ዩ ውጽኢቶም ክጸድቕ።ካብ ዕድመ 12 – 14፣ ቀዳማይ ሴም

ምሕረተኣብ ካብ ዋርሳይ ክወጽእ እንከሎ፣ ኢሰይያስ ሰመረን ዩኤል ሃብተኣብን ክልቲኦም ካብ ኣኽርያ፣ ሲራክ ይስሓቕን ሳሚ ጀማልን ካብ ጎዳይፍ፣ ኣይመን እድሪስ ካብ ናትና ተኸታቲሎም ክሳብ ሻድሻይ ብምውጻእ ተዓዊቶም።ኣብ ክሊ ዕድመ 15-16 ድማ፣ ሳሙኤል

ረዘነ ብውልቂ ዝወዳደር ቀዳማይ፣ ተመስገን ክፍላይን ኤስሮም ክብሮምን ካብ ጎዳይፍ፣ ኤቨን ዘካርያስ ካብ ናትና፣ ዳዊት ሳሚኤልን ያፌት ሚኪኤልን ካብ ዋርሳይ ተዓዊቶም።ብማውንቴን ዝወዳደራ ደቂኣንስትዮ፣ ኣብ

ቀዳማይ መድረኽ ዝነኣድ ብቕዓት ኣርእየን። ኣይዳ ዮሴፍ ካብ ጎዳይፍ ቀዳመይቲ ክትወጽእ እንከላ፣ ጓል ጋንትኣ ዳናይት ጸጋይ ስዒባታ፣ ኤደን ተስፋሚካኤል ካብ ናትና ሳልሰይቲ፣ እልልታ ኪዳነ ብውልቂ ትቀዳደም ራብዓይቲ፣ ኣርሴማ ምስግና ካብ ጋላ ነፍሒ ሓምሸይቲ፣ ብውልቂ ትቀዳደም ዳናይት ፍጹም ድማ ሻድሸይቲ ብምዃን ውድድረን ዛዚመን።ህዝባዊ ርክባት ፈደረሽን ብሽክለታ ዞባ

ማእከል

ከም ዘላ እዩ ዝግለጽ። ዋላ’ኳ ከምቲ ኣብ ግዜ ኤም ኤስ ኤን ዝነበራ ጽልዋ ኣይሃልዋ ንቸልሲ ክትብድሃ ከም እትኽእል ይንገር። ቶተንሃም ምስ ጁቬንቱስ ዘካይደኦ

ግጥም እውን ሓደ ካብቲ ሰሓቢ ክኽውን ዝግመት እዩ። ቶተንሃም ኣብ ናይ ምድብ ጸወታታት ኣንጻር ሪያል ማድሪድ፡ ቦርስያ ዶርትመንድን ዘመዝገበቶ ዓወታት እታ ክለብ ነዚ ውድድር ክሳብ ክንደይ ድልውቲ ምህላዋ ከም ዘመልክት እዩ ዝግለጽ። ዓሚ ኣብ መዛዘሚ ዝበጽሐት ጁቬንቱስ ካብ ምድባ ንኽትሓልፍ ክሳብ ናይ መወዳእታ ጸወታ ክትጽበ እያ ተገዲዳ። ምስ ናይ ዓቢ ብቕዓታ ብምዝማድ ከም ዝነከየት እትግለጽ ጁቬ ብዘለዋ ተመኩሮ ንቶተንሃም ከም እትፍትና ይንገር። ግጥማት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ዙር 16

ሻምፕዮንስ ሊግ፡ ዝመጽእ ወርሒ ለካቲት 2018 ክካየድ እዩ። ጁቬንቱስ ምስ ቶተንሃም (13 ለካቲትን

7 መጋቢትን)ባሰል ምስ ማንቸስተር ሲቲ (13 ለካቲትን

7 መጋቢትን)ፖርቶ ምስ ሊቨርፑል (14 ለካቲትን 6

መጋቢትን)ሰቪያ ምስ ማንቸስተር ዩናይትድ (21

ለካቲትን 13 መጋቢትን)ሪያል ማድሪድ ምስ ፒኤስጂ (14

ለካቲትን 6 መጋቢቲን)ሻክታር ዶነስክ ምስ ሮማ (21 ለካቲትን

13 መጋቢትን)ቸልሲ ምስ ባርሰሎና (20 ለካቲትን 14

መጋቢትን)ባየርሙኒኽ ምስ በሽኪታሽስ (20

ለካቲትን 14 መጋቢትን)

መደብ ጸወታ ፕሪመር ሊግ

በርንለይ ምስ ስቶክሲቲ ሰዓት 10፡45

ክሪስታል ፓላስ ምስ ዋትፎርድ ሰዓት 11፡00

ሀደርስፊልድ ምስ ቸልሲ ሰዓት 11፡00

ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ዩናይትድ ጆዜ ሞሪኖ፡ ማይን ጸባን ብዝመልአ ፕላስቲካዊ መትሓዚ ከም ዝተሃርመ፡

ተሓጋጋዚ ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ሲቲ ሚከል ኣርቴታ ድማ ርእሱ ከም ዝተፈግአ ቢቢሲ ሓቢሩ። ማንቸስተር ዩናይትድ፡ ድሕሪ’ቲ

ብሰንበት ኣብ ሜዳኣ ብጓል ከተማኣ ሲቲ ዝወረዳ ናይ 2ብ1 ስዕረት ክትጻወሮ ብዘይምኽኣላ፡ ድሕሪ ግጥም ናብ ዘይተደልየ ሓርፋፍ ጐነጽ ከም ዝኣተወት’ዩ ዝግለጽ ዘሎ። ሲቲ

ሞሪኖ ክልተ ግዜ እንኪህረም፡ ኣርቴታ ተፈጊኡ

በቲ ዓወት፡ ንውድድር ፕሪመር ሊግ ናይ 11 ነጥቢ ፍልልይ ኣንጺፋ ትቕልሶ’ላ። ተጻወትቲ ሲቲ ምስ

ስታፍ ኣሰልጠንቶም ኣብ ስታድዩም ኦልድትራፎርድ ናብ ዝተረኽቡ ደገፍቶም ብምቕራብ ክጽምብሉ ተራእዮም። ንኣሰልጣኒኦም ጓርድዮላ ኣብቲ ጽምብል ክጽምበሮም እኳ እንተሓተትዎ ንሱ ግን ኣይተሓወሶምን። ብድሕሪ’ዚ ተጻወትቲ ሲቲ

ናብ መቐየሪ ክፍሊ እናምርሑ፡ ሞሪኖ ናብ ጋዜጣዊ መግለጺ እናኸደ ከም ዝረኸቦምን ምስ ሓላው ልዳት ሲቲ ኤደረሰን ብቛንቋ ፖርቱጋል ከም ዝተቛየቑን ተሓቢሩ። ሞሪኖ

ዝገበረ ገይሩ ኣብ ቅድሚ ተሌቭዥን ቀሪቡ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ከይተዛረበ ከም ዝወጸ ቢቢሲ የረድእ። ሚከል ኣርቴታ፡ ጠንቁ ዛጊት ብዘይተገልጸ ምኽንያት ርእሱ እናደመየ ካብቲ መቐየሪ ክፍሊ ከም ዝወጸ ብኣሳእል ኣሰንየን መርበባት ሓበሬታታት እንግሊዝ ይገልጻ ኣለዋ። ሞሪኖ ብዝተገብረ “መጠኑ ዝሓለፎ”

ኢሉ ዝገለጾ ጽምብል፡ እቲ ምስሕሓብ ኣብ መቐየሪ ክፍሊ ሲቲ ከም ዝጀመረን ከም ዝቐጸለን፣ ጸባን ማይን ዝመልአ መስተዪ ካብ መቐየሪ ክፍሊ ሲቲ ናብ ሞሪኖ ከም ዝተደርበየ፣ ብድሕሪ’ዚ ሞሪኖ ናብ መቐየሪ ክፍሊ ደያኑ ከይዱ ብዛዕባ ዘጋጠመ ከም ዝሓበረ’የን መርበባት ሓበሬታ እንግሊዝ ዝገልጻ ዘለዋ።ማሕበር ኩዕሶ እግሪ እንግሊዝ፡ ትማሊ

ሰኑይ ኣማስያኡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እተን ክለባት ክሳብ ጽባሕ ኣብ ዘሎ ግዜ ነቲ ኩነታት ዝገልጽ መብርሂ ክህባ ሓቲቱ ኣሎ። ማእከላይ ዳኛ እቲ ግጥም ማይክል ኦሊቨር ብዛዕባ’ቲ ፍጻመ ዝሃቦ ሓበሬታ ከም ዘየለን ኣብ ጸብጻቡ ድማ ከም ዘየስፈሮን ቢቢሲ ይሕብር።

ግጥማት ርብዒ ፍጻመ ውድድር ባድሜንተን ዞባ ማእከል 2017 ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ተሰላሲሉ። በዚ መሰረት እዚ ዝስዕብ ውጽኢት ተመዝጊቡ ኣሎ። ናሆም ገ/ኪዳን (ዓንበርበብ) ንስምኦን ሚካኤል (ጅምናዝዩም ደንደን) 2ብ0፣ ሄርሞን ሚካኤል (ዓንበርበብ) ሳምኤል ሃይሉ (ጅምናዝዩም ደንደን) 2ብ1፣ ለይኩን ሙልጌታ (ዓንበርበብ) ንዩኤል ዳኒኤል (ኮለጅ ማይ ነፍሒ) 2ብ0፣ ስምኦን ኪዳነ (ኮለጅ ኢንጅነሪን) ማትያስ ንፍታሌም (ዓንበርበብ) 2ብ1፣ ካብ ዝተኻየደ ግጥማት ፍርቂ ፍጻመ ድማ፡ ናሆም ገ/ኪዳን ንሳይሞን ኪዳነ 1ብ0፣ ለይኩን ሙልጌታ ንሄርሞን ሚካኤል 2ብ0 ብምርታዕ ናብ መዛዘሚ ሓሊፎም። ህጻናት ኣብ ዘካየድዎ ጸወታታት፡ ኤሳው ዜና ገብርኤል ንኢዮብ ገብረሂወት

ውድድር ባድሜንተን ዞባ ማእከል 2017

2ብ0፣ ናትናኤል ገርግስ ንፋኑኤል ኣርዓዶም 2ብ0 ስዒሮሞም።ኣብ ናይ ደረጃ ጸወታ ደረጃ ጸወታ፡ ኢዮብ ገብረሂወት ንፋኑኤል ኣርዓዶም 2ብ0 ተዓዊቱሉ። እዚ ከምዚ ኢሉ ኣንከሎ፡ ውድድር

ባድሜንተን ዞባ ማእከል ዝመጽእ ሰንበት 17/12/2017 ክዛዘም እዩ። ኣብቲ ዕለት፡ ሲንየር ደቂ ተባዕትዮ ናሆም ገ/ኪዳን ምስ ሌይኩን ሙልጌታ ሄርሞን ሚካኤል ምስ ስምኦን ኪዳነ ከኣ ንደረጃ ክጻወቱ እዮም። ደቀንስትዮ፡ ያስሚን ም/ብርሃን ምስ መኽሰብ ተ/ሚካኤል፣ ሳምያ ከሊፋ ምስ ዮዲት ኣስፈሃ፣ ያስሚን ም/ብርሃን ምስ ዮዲት ኣስፈሃ፣ መኽሰብ ተ/ሚካኤል ምስ ሳምያ ከሊፋ፡ ካብ ህጻናት ከኣ ኤሳው ዜናገብርኤል ምስ ናትናኤል ገርግስ ክገጥሙ እዮም።

Page 10: ኣብ ዓዲ-ሃሎ፡ 2 ሜጋ-ዋት ዘመንጩ መደበር ጸሓያዊ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_12122017.pdf12፡50 ልዝብ መንእሰያት 13፡30 ዜና

ሓዳስ ኤርትራ 12 ታሕሳስ 2017 - ገጽ 10መበል 27 ዓመት ቁ.86

ቤተልሄም ታደሰ

- እምነት

ኣማኑኤል

ሊድያ ስ

ልጣን

ምልክታመደብ ዓመታዊ መርመራ ሞተር ተሽከርከርቲ ዓመተ 2018

1. ዞባ ማእከል

ካብ ዕለት 08/01/2018 ክሳብ ዕለት 28/04/2018 - ER -1= ER -5= ER –UN= ER -CD (ኮር-ዲፕሎማት) - ካብ ዕለት 02/04/2018 ክሳብ ዕለት 27/07/2018 - ER -3= ER -8= ER –G= ER –SPQ

2. ዞባ ዓንሰባ

- ካብ ዕለት 13/03/2018 ክሳብ ዕለት 13/04/2018 - ER -1= ER -3= ER -5= ER -8= ER –G= ER –SPQ

3. ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ

- ካብ ዕለት 19/02/2018 ክሳብ ዕለት 09/03/2018 - ER -1= ER -3= ER -5= ER -8= ER –G= ER –SPQ

4. ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ

- ካብ ዕለት 13/03/2018 ክሳብ ዕለት 07/04/2018 - ER -1= ER -3= ER -5= ER -8= ER –G= ER –SPQ

5. ዞባ ጋሽ ባርካ

- ካብ ዕለት 12/04/2018 ክሳብ ዕለት 22/05/2018 - ER -1= ER -3= ER -5= ER -8= ER –G= ER –SPQ

6. ዞባ ደቡብ

- ካብ ዕለት 04/06/2018 ክሳብ ዕለት 09/07/2018 - ER -1= ER -3= ER -5= ER -8= ER –G= ER –SPQ

ኩለን ኣብ ጽርግያ ዝንቀሳቐሳ ትራክተራትን ካልኦት ጎማ እግረን ፍሉያት ተንቀሳቐስቲ ሞተር ተሽከርከርቲ ሰሌዳ ክሰቕላን ዓመታዊ መርመራ (ቦሎ) ክገብራን ግድን ምዃኑ ንሕብር።

ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ደረት ግዜ ዓመታዊ መርመራ ዘይገበራ ተሽከርከርቲ ኣብ ጽርግያ ክንቀሳቐሳ ከምዘይፍቀድ ንሕብር።

ሚኒ/ መጓዓዝያን መራኸቢታትን በዓል መዚ መጓዓዝያ ምድሪ

ሓበሬታሃገራዊ ማሕበር ብድሆ ኤርትራ

ሃገራዊ ማሕበር ብድሆ ኤርትራ ኣገልግሎት ምኽሪ ብተሌፎን መቐጸልታ ናይ’ቲ ክህቦ ዝጸንሐ ኣገልግሎት ኣብዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ሓበሬታ ንምሃብ ድልው ኣሎ፦

1. ሓቅታት ብዛዕባ ኤች.ኣይ.ቪ/ኤይድስ2. ብዛዕባ ጸረ ኤች ኣይ.ቪ መድሃኒት(ARV)3. ምውጋድ ምትሕልላፍ ኤች.ኣይ.ቪ ካብ ኣደ ናብ ዕሸል (EMTCT)

4. ኣመጋግባ ንምስ ኤች.ኣይ.ቪ ዝነብሩ ሰባት

ካልእን ዝኣመሰሉ ሓበሬታ ንምርካብ ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ንግሆ ካብ ሰዓት 8፡00-12፡00 ቅ.ቀትሪ ምሸት ድማ ካብ ሰዓት 2፡00-6፡00 ድሕሪ ቀትሪ ብቁ. ስልኪ 110179 ደውሉ ከነገልግለኩም ድልዋት ኢና።

ቁ.ሳ.ፖስጣ 5537፡ E-Mail;[email protected]ስቕታ ጎዳኢ እዩ ደውሉ ብዛዕባ ኤች.ኣይ.ቪ ብግልጺ ንዘራረብ!!!

ዞባ ማእከል ኣስመራኣብ መንጎ ከሳሲ ቐሺ ተኽለ ዜናገብርኤል ኣብርሃምን

ተኸሳሲት ወ/ሮ ፍረወይኒ ገብረመድህን ሃይለን ዘሎ ናይ ሲቪል ክርክር ጉዳይ፡ ተኸሳሲት ብመጸዋዕታ ክቐርባ ሰለዘይከኣላ ተጸዊዐን፡ ን23/1/18 ኣብ ላ/ቤ/ፍ ንግዲ

መጋባኣያ ቁ/40 ይ ቕ ረ ባ ። እ ን ተ ዘ ይ ቀ ሪ በ ን ጉዳየን ኣብ ዘየለዋሉ ክረአ ምዃኑ ቤ/ፍ የፍልጥ።

ኣብ መንጎ ከሳሲ ድሌት ኣሚነ ገበሻ ሞግዚት ኣሚነ ገብሻን ተኸሰስቲ ዮናስ ደበሳይ +1 ዘሎ ናይ ሲቪል ክርክር ጉዳይ፡ ተኸሳሲ ዮናስ ደበሳይ ኣስገዶም ብመጸዋዕታ ክቐርብ ሰ ለ ዘ ይ ከ ኣ ለ ፡ ተጸዊዑ ን17/1/18 ኣብ ላ/ቤ/ፍ ንግዲ መጋባኣያ ቁ.40 ይቕረብ። እ ን ተ ዘ ይ ቀ ሪ ቦ ም ዱዳይኩም ኣብ ዘየለውሉ ክረአ ምዃኑ ቤ/ፍ የፍልጥ።

ኣ ቶ መ ኮ ነ ን ዓንደማርያም ሃይለ ምባል ተሪፍ፡ መኮነን ዓንደማርያም ሃይለማርያም ተባሂሉ ይ ተ ኣ ረ መ ለ ይ ሰለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን28/12/17 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 4ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ኣብ መንጎ ከሳሲት ኣስቴር ሃይለን ተኸሰስቲ ለምለም ተስፉ +8 ዘሎ ናይ ምቅሊት ውርሻ፡ ተኸሰስቲ 1.ገዛኢ ሃይለ፡ 2.ኣኽበረት ሃይለ፡ 3.ኣማኑኤል ሃይለ፡ 4.ጌትነት ሃይለ፡ 5.ኣልጋነሽ ሃይለ ተጸዊዖም፡ ን28/12/17 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 3ይ መጋባኣያ ይቕረቡ። እንተዘይቀሪቦም ኣብ ዘየለውሉ ክረአ ምዃኑ ነፍልጥ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ገዛ ባንዳወ/ሮ ሃይማኖት ገብረስላሴ ገብረመድህን፡ በዓል ቤተይ

ኣቶ መብራህቱ ኣሚነ ጴጥሮስ ሰለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ ሓደ ወደይ ደማ ወራሲ ምዃኑ ይረጋገጸሉ ሰለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን29/12/17 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ትንሳኤ ተወልደመድህን ግርማጽዮን፡ በዓል ቤተይ ኣቶ ተኽለዝጊ ክፍለ ወልደመንቆርዮስ ሰለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 7 ደቀይ ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ሰለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን29/12/17 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

Page 11: ኣብ ዓዲ-ሃሎ፡ 2 ሜጋ-ዋት ዘመንጩ መደበር ጸሓያዊ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_12122017.pdf12፡50 ልዝብ መንእሰያት 13፡30 ዜና

ሓዳስ ኤርትራ 12 ታሕሳስ 2017 - ገጽ 11መበል 27 ዓመት ቁ.86

EXTERNAL VACANCY NOTICEThe Delegation of the European Union to the State of Eritrea is looking for suitable candidates to fill the following position:

Job Title

Secretary, Political, Press and Information Section

Overall purpose

To carry out tasks of an assistant/secretary of the PPI Section, as well as event organisation.

Function Group

Local agent G- III

Functions and duties

The Functions and Duties for this post consist notably of:

Secretarial assistance to the Head of the Political, Press and Information section and back-up for the assistant to the Head of Delegation on pre-defined tasks. This consists notably of the distribution of inward/outward mail, typing, photocopying, compiling folders of working documents, paper and electronic registration and filing, responding to phone calls, sending faxes, making appointments, reserving meeting rooms, maintenance and updating of mailing lists, social media accounts belonging to the Delegation, maintenance of the Delegation’s website, linguistic and layout review of documents etc…;

Organisation and follow-up of large-scale events organised by the PPI Section of the Delegation of the European Union as well as assisting in the organisation and follow-up of other events organised by the Delegation of the European Union.

Furthermore, the secretary of the PPI section:

Maintains contacts with Ministries and organisations as well as Embassies •as instructed;

Prepares notes, composes and types routine correspondence of the •Section;

Assists in arrangements of official visits from Headquarters and for •missions of the Head of Section;

Manages verbal notes and other documents and texts;•

Manages the logistical and administrative aspects of representation •events;

Assists in arrangements for visibility events of the Delegation and •supports media-related activities;

Performs other duties as may be assigned by the Head of Section.•

Job requirements

The candidate must possess a certificate of completion of Secondary School -

University Education will be considered an asset-

At least 3 years relevant professional experience is required-

Thorough knowledge of English, written and oral;•

Knowledge of local languages will be considered an asset;•

Thorough knowledge of Microsoft Office (Word, Excel, Power •Point and Outlook).

High level of responsibility and ability to take initiative;•

High level of organization and prioritization; •

Flexibility and ability to work under pressure;•

Excellent team spirit;•

High level of discretion •

Duration: The position is of unlimited duration, subject to a probationary period.

Remuneration: An attractive salary package will be offered to the right candidate, as per the salary scale of the Delegation and relevant experience.

Location: Asmara, Eritrea

Interested applicants should send an envelope via POST OFFICE or by HAND DELIVERY clearly mentioning:

“Secretary to the PPI Section” to the following address:

Delegation of the European Union to the State of Eritrea, P.O.Box 5710Attn: Mr. Jean-Francois Paquot, Head of Administration

Candidates have to provide: a cover letter, a CV, copies of supporting documents and evidence of completion or exemption of National Service, where applicable.

Deadline for applications:

05/01/2018 13.00 Asmara times

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ማእከል ከተማ

ከሳሲ ኣቶ ሙሴ ተኽለሚካኤል ሰረጸ፡ ተኸሳሲ ኣቶ ሉዊ ያቆብ ገብረማርያም ፡ ከሳሲ ሆንዳ ዝዓይነታ ናይ ገዛ መኪና ቁ.ሰ.ER-1-15132 ቁ.ቻሲ JHMLA552000330487 ብዋጋ 80,000 ናቕፋ ንተኸሳሲ ሸይጥሉ 35,000 ከፊሉ ብነጻ ቀረጽ ሰለዝኣተወት ዘሎ ናይ ግብሪ ባዕለይ ከፊለ ዝተረፈ ገንዘብ ሰለዘይከፈለኒ ውዕል ሰለዘፍረሰ፡ ተጸዊዑ ን8/1/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኣብ መንጎ ከሳሲ ሙሴ ገብረትንሳኤ ገብረጻድቕን ተኸሳሲት ወ/ሮ ኣበባ ብርሃነ ገብረማርያምን ዘሎ ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ጉዳይ፡ ተኸሳሲት ብኣድራሽኣ ክትርከብ ሰለዘይከኣለት፣ ባዕላ ወይ ሕጋዊ ወኪላ፡ ን8/1/18 ኣብ ቤ/ፍ ትቕረብ። እንተዘይቀሪብኪ ጉዳይኪ ኣብ ዘየለኽሉ ክውሰን ምዃኑ ንሕብር።

ወ/ሮ ኣልጋነሽ ወልደሃዋርያት ገዛሀኝ፡ ወለደይ ወልደሃዋርያት ገዛሀኝ ተሰማን ወ/ሮ ለተኣብ ገብረሂወት ገብረሩፋኤልን ሰለዝሞቱ፡ ኣነ ጥራይ ወራሲት ምዃነይ ይረጋገጸለይ ሰለዝበላ፣

ዝቃወም እንተሎ፡ ን8/1/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቅረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ኣኽርያኣቶ ኢዮብ ገብራት ኣስፍሃ፡ ወለድና ወ/ሮ ደሃብ ብኢዱ

ወልደገብርኤልን ኣቶ ገብራት ኣስፍሃ ንጉሰን ሰለዝሞቱ፡ ኣነ ምስ 4 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ሰለዝበሉ፣ ዝቃወን እንተሎ፡ ን28/12/17 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

Page 12: ኣብ ዓዲ-ሃሎ፡ 2 ሜጋ-ዋት ዘመንጩ መደበር ጸሓያዊ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_12122017.pdf12፡50 ልዝብ መንእሰያት 13፡30 ዜና

ሓዳስ ኤርትራ 12 ታሕሳስ 2017 - ገጽ 12መበል 27 ዓመት ቁ.86

Sabur Printing ServicesSabur Printing Services

ብርሃነ ምሕረትኣብ

ፋርማሲ ቪያ ጅዳ

ተረኛ ፋርማሲ ጎደና ቁ.ስልኪ ጎደና ስጋለት ቀጣን ቁ.6፡ (ቪያ ጅዳ) 0713800212/12/2017

ዕለት

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንከተማ እየሩሳሌም ከም ርእሰ ከተማ እስራኤል ኣፍልጦ ድሕሪ ምሃቡ፡ ካብ ዜጋታት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ፡ ኤስያን ሰሜን ኣፍሪቃን ማዕበላዊ ተቓውሞ ይገጥሞ ምህላዉ ማዕከናት ዜና ኣቃሊሐን።ብመሰረት ሓበሬታ ኣልጀዚራ፡ ኣብ

ሓያሎ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ፡ ሰሜን ኣፍሪቃን ኤስያን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ኣብ ጎደናታት ብምውጻእ ንውሳነ ትራምፕ ኮኒኑ።ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ

ካብ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ንዝቐረበሉ መጠንቀቕታ ብምንጻግ ዝሓለፈ ሰሙን ንከተማ እየሩሳሌም ከም ርእሰ ከተማ እስራኤል ኣፍልጦ ምሃቡ ይዝከር። ኤምባሲ ሃገሩ ካብ ከተማ ተልኣቪቭ ናብታ ከተማ ንምግዓዝ ወጢኑ ምህላዉ ድማ ኣፍሊጡ።ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፡

መርገጺ ሃገሩ፡ ግጭት ፍልስጤምን እስራኤልን ብመሰረት ኣቐዲሞም ዝተኸተሙ ኣህጉራዊ ስምምዓትን ዘተን ጥራይ’ዩ ዝፍታሕ ዝብል ኮይኑ ትራምፕ ወሲዱዎ ዘሎ ስጉምቲ ቅኑዕ ከም ዘይኰነ ኣስሚርሉ። ብዘይካዚ፡ ማክሮን ምስ ቀዳማይ

ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ እስራኤል ንሰላም ክትብል ተባዕ ስጉምቲ ክትወስድን ምስፋሕ ሰፈራታት ደው ክተብሎን ጸዊዑ።ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲብ

ኤርዶጋን ብወገኑ፡ ንውሳነ ትራምፕ “ቀይሕ መስመር

ዝጠሓሰ’ዩ” ብምባል ንእስራኤል “ቈልዑ ግዳይ እትገብር ሽበራዊት ሃገር” ክብል ከሲሱዋ።ይኹን እምበር ናታንያሁ፡

ፍልስጤማውያን ንእየሩሳሌም ከም ርእሰ ከተማ እስራኤል ምስ ዝቐበሉዋ ጥራይ ፍታሕ ክመጽእ ከም ዝኽእል ብምምልካት ብተቓውሞን ግጭትን ዝርከብ ፍረ ከም ዘየለ ኣረዲኡ። እየሩሳሌም ካብ ቅድሚ 3 ሽሕ ዓመት ኣትሒዛ ዋና ከተማ እስራኤል ምንባራ ድማ ገሊጹ።ፍልስጤማውያን ንምብራቕ እየሩሳሌም

ከም ርእሰ ከተማ ናይ ሃገረ ፍልስጤም ከም ዝቘጽሩዋ’ዩ ዝፍለጥ። ብዶናልድ ትራምፕ ዝተወስደ ስጉምቲ፡

ኣብ ምዕራባዊ ገማግምን ወሽመጥ ቓዛን ሓድሽ ግጭት ከለዓዕል እንከሎ፡ ካብ ሓያሎ መራሕቲ ሃገራት ድማ ኩነኔን ተቓውሞን ገጢምዎ ምህላዉ ተፈሊጡ። ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ኣብ መንጎ ፍልስጤማውያንን ሓይልታት እስራኤልን ኣብ ዝተኻየደ ግጭት ዛጊት 4 ፍልስጤማውያን ክቕተሉ እንከለዉ ኣስታት 160 ሰባት ድማ ፈኲስን ከቢድን መቚሰልቲ ከም ዘጋጠሞም ኣብቲ ከባቢ ዝነጥፍ ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ሓቢሩ።

ንውሳነ ትራምፕ ማዕበላዊ ተቓውሞ ይገጥሞ ኣሎ

ኣብ መንጎ ወነንቲ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ዝዀና ሃገራት ምትፍናን እናሓየለ ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ እዋን፡ ዓለም ልዕሊ ዝዀነ እዋን ኣብ ኣፈፌት ዕንወት ከም እትርከብ ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል 2017 ዝዀነ ጉጅለ ኣጠንቂቑ።እቲ “ኣህጉራዊ ወፍሪ ንምጥፋእ

ኑክሌሳዊ ኣጽዋር” ብዝብል ስም ዝንቀሳቐስ ጉጅለ፡ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ኣንጻር ምፍራይ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ጽዑቕ ጐስጓስ ከካይድ ብምጽንሑ ናይዚ ዓመት’ዚ ሽልማት ኖቤል ከም እተዓደለ ኣብ ኦስሎ - ኖርወይ ዝመደበሩ ኮሚቴ ገሊጹ።ነቲ ጉጅለ ወኪላ ቢያትሪስ ፊን ኣብ

ስነስርዓት ምዕዳል ኖቤል ኣብ ዘስመዓቶ መግለጺ፡ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ንህላወ ፍጡራት ልዕሊ ዝዀነ እዋን ኣስጋኢ ኰይንሉ ኣብ ዘሎ እዋን “ዓለም ክትዓኑ ሓደ ንእሽቶ ወስታ ጥራይ’ዩ ዝተርፋ” ክትብል ኣጠንቂቓ። ኣብ መንጎ ወነንቲ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ዝዀና ኣመሪካን ሰሜን ኮርያን ዘሎ ምፍጣጥ፡ ካብ ካልእ ግዜ ንላዕሊ ናብ ኑክሌሳዊ ውግእን ሓባራዊ ዕንወትን ከየምርሕ ዝዓበየ ስግኣት ኣንጸላልዩ ምህላዉ ድማ ኣነጺራ።

ኣውስትራልያዊት ሊነት ዳሊ ተወላዲት ናይቲ ብቀንዲ ደቀባት

ዝፍለጥ ዓሌት ኣቦሪጂንስ እያ። ሓደ መዓልቲ እታ ጓለንስተይቲ ከም ሰባ ኣብ ደንደስ ባሕሪ እናተዘናግዐት እንከላ’ያ መጥቃዕቲ ዝወረዳ። እቲ ክስተት ኣብቲ ‘ተን ማይል’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ደንደስ ባሕሪ ኣውስትራልያ’ዩ ተፈጺሙ። ፈጸምቱ ክልተ ጸዓዱ ዜጋታት’ታ ሃገር እዮም። ነታ ጓል 33 ዓመት ዓሌት ኣቦሪጂንስ ዘለዋ ኣውስትራልያዊት ኣብ ጽሙው ቦታ ብምውሳድ ኣብ ልዕሊኣ ጾታዊ ዓመት ፈጺሞም። ድሕሪኡውን ቀቲሎማ። ሬሳኣ ከይርከብ ድማ ሓቢኦሞ።እዚ ብክልተ ጸዓዱ ኣውስትራልያውያን ኣብ ልዕሊ ካብ ዓሌት ኣቦሪጂንስ ዝዀነት

ጓለንስተይቲ ዝተፈጸመ ግፍዒ ንብዙሓት ኣቖጢዕዎም’ዩ። እቲ ዝኸፍአ ግን ኣብ ልዕሊኦም ዝተወስደ ስጉምቲ ዘይምንባሩ’ዩ። እቲ ዝገርም እቶም ኣድሪያን ኣትዋተርን ፖል ማሪስን ዝተባህሉ ገበነኛታት ነዚ ዘሰቅቕ ግፍዒ ፈጺሞሞ ክንሶም፡ ብቤት ፍርዲ እኹል መርትዖ ኣይተረኽበን ተባሂሉ ኣይተኸሰሱን። እቲ ኩነታት ኣብታ ሃገር ንዘሎ ዓሌታዊ ኣድልዎ ዘግህድ ምዃኑ ዝገልጹ ኣሽሓት ተወላዶ ኣቦሪጂንስ ኣብ ጎኒ ስድራቤት ግዳይ ደው ኢሎም። ቤት ፍርዲ ድማ ነቲ ጉዳይ ብዕቱብ ክምርምሮ ተቐሲቡ። እነሆ ሽዱሽተ ዓመት ድሕሪ ዝወሰደ ላዕልን ታሕትን ፍትሒ ተረኺቡ። እቶም ጸዓዱ ኣውስትራልያውያን ገበነኛታት ተባሂሎም። ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ’ታ ሃገር ድማ ሓዲኦም ን19 ዓመት፡ ካልኣዩ ድማ ን9 ዓመት ክእሰሩ ተፈሪዶም ምህላዎም ፎክስ ኒውስ ሓቢሩ።

ተወሳኺ

“ዓለም ክትዓኑ ሓደ ዕሸላዊ ወስታ ጥራይ’ዩ ዝተርፋ” ሽልማት ኖቤል ዝተዓወተ ጉጅለ

ኣብ ጀኔቫ - ስዊዘርላንድ ዝመደበሩ ጉጅለ ጸረ ምፍራይ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር፡ ሓያላን ሃገራት ኣጽናቲ ኣጽዋር ከይፈሪ ንዝእግድ ኣህጉራዊ ውዕል ክኽትማሉ’ዩ ዝጽውዕ።እንተዀነ እተን ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ከም

ዝውንና ዝንገረለን ትሽዓተ ሃገራት ነቲ ሎሚ ዓመት ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወጸ ውዕል ዛጊት ከም ዘይከተማሉ እቲ ጉጅለ ሓቢሩ።ኣባል ናይቲ ጉጅለ ተሰላሚ ኖቤል

ዝዀነት ጓል 85 ዓመት ጃፓናዊት ሰትሱኮ ቱርሎው ኣብ ስነ-ስርዓት ምዕዳል

ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ምስ መራሒ ተቓወምቲ’ታ ሃገር ራይላ ኦዲንጋ ዝዀነ ዝርርብ ከም ዘይገብር ኣነጺሩ።“ፖለቲካ ገዲፍና ኣብ ምዕባለ ጥራይ

ስልማት ተረኺባ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ 1945 ዝተፈጸመ ባርባራዊ መጥቃዕቲ ኑክሌር ሂሮሺማ ምስክርነታ ኣስሚዓ። ንሳ እቲ መጥቃዕቲ ክፍጸም እንከሎ ጓል 13 ዓመት ጎርዞ ከም ዝነበረት ብምምልካት ሽዑ ዝወረደ ጃምላዊ ዕንወት ወትሩ ኣብ ኣእምሮኣ ተቐሪጹ ምህላዉ ኣረዲኣ።ወነንቲ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ምዃነን

ዝንገረለን ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ኣመሪካ፡ ቻይና፡ ሩስያ፡ ህንዲ፡ ፓኪስታን፡ እስራኤልን ሰሜን ኮርያን ንውዕል ምውጋድ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ዛጊት ከም ዘይተቐበላኦ ጸብጻባታ የመልክቱ።

ክነተኵር ኣለና” ዝበለ ፕረዚደንት ኬንያታ፡ ናይ ዝርርብ ግዜ ኣብቂዑ ምህላዉ ኣነጺሩ።ዳ ግ ማ ይ

ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዝተዓወተ ኡሁሩ ኬንያታ፡ ተቓወምቲ

ሰልፍታት ዘለወን እንኮ ዕድል ነቲ ኣብ 2022 ዝካየድ ምርጫ ምጽባይ ጥራይ ምዃኑ ኣገንዚቡ።መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ኬንያ ራይላ

“ምስ መራሒ ተቓወምቲ ኣይክዘራረብን እየ” ፕረዚደንት ኬንያ

ኦዲንጋ፡ ኣብታ ሃገር ርትዓዊ ምርጫ ንምስልሳል ዝሕግዝ ፖለቲካዊ ባይታ ከም ዘየለ ብምምልካት ዝሓለፈ ጥቅምቲ ዳግማይ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ካብ ምስታፍ ምሕንጋዱ ይፍለጥ። ኣቐዲሙ ኣብ ነሓሰ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ኬንያ ዘይንጹር ኣሰራርሓ ስለዝነበሮ ብቤት ፍርዲ’ታ ሃገር ክድገም ከም እተወሰነ ኣይርሳዕን።ንውጽኢት ፕረዚደንታዊ ምርጫ

ኬንያ ብምቅዋም ኣብ ጎደናታት ናይሮቢን ካልኦት ከተማታትን ኣብ ዝተኻየደ ናዕቢ 10’ታት ሰባት ከም እተቐትሉ ጸብጻባት’ታ ሃገር የመልክቱ።

ቀጠር 8 ቢልዮን ዶላር ዝዋግአን ‘ታይፉን’ ዝዓይነተን ነፈርቲ ኲናት ንምግዛእ ዘኽእላ ውዕል ምስ ብሪጣንያ ከም ዝኸተመት ተሓቢሩ።ሚኒስተር ምክልኻል ቐጠር ኻልድ

መሓመድ ኣልኣቲያሕን ብሪጣንያዊ መዘናኡ ጋቪን ዊልያምሰንን ኣብ ከተማ ደውሓ ኣብ ዘካየዱዎ ርክብ ነቲ ስምምዕ ከም ዝኸተምሉ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ሓቢሩ።ብመሰረት ጸብጻባት፡ ነፈርቲ ኲናት

‘ታይፉን’ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመት ዝበዝሐ ጠለብ ክረኽባ እዚ ናይ ቐጠር ናይ ፈለማ ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።ሚኒስተር ምክልኻል ብሪጣንያ

ጋቪን ዊልያምሰን፡ ነፈርቲ ኲናት ሃገሩ ኣብ ምድንፋዕ ሓይሊ ኣየር ቐጠርን ምዕቃብ ሰላም ማእከላይ ምብራቕን ልዑል እጃም ከም ዝህልወን ተዛሪቡ።

ቀጠር ዋጋ 8 ቢልዮን ዶላር ኣጽዋር ትሽምትብሪጣንያ ብተወሳኺ ንኣባላት ሓይሊ ኣየር ቐጠር ስልጠና ከም እትህብ ኣረዲኡ።ብዘይካዚ ቐጠር ካብ ፈረንሳ 12

ነፈርቲ ኲናት ንምግዛእ ዘኽእላ ናይ 1 ቢልዮን ዶላር ውዕል ምስታ ሃገር ከም ዝኸተመት ይፍለጥ።

ዝሓለፈ ሰነ ስዑዲ ዓረብ፡ ኢማራት ዓረብ፡ ምስሪን ባሕሬንን ኣብ ልዕሊ ቐጠር ቁጠባዊን ዲፕሎማስያዊን እገዳታት ድሕሪ ምትግባረን፡ እታ ሃገር ወተሃደራዊ ሓይላ ንምድልዳል ገዚፍ ወጻኢታት ትገብር ምህላዋ ይንገር።