12
መበል 29 ዓመት ቁ. 119 ቀዳም 18 ጥሪ 2020 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ ገጽ 3 ገጽ 5 ገጽ 8 ገጽ 9 ገጽ 7 ቀስቲ ሳሮን ያን ዋይት - ተነጽሎ ዘየጃጀዎ ጅግና ቈልዓ ተመሃሮ ኣብ ትምህርቲ ንኽዕወቱ... ኢራን ክትእመነሉ ሰለስተ መዓልታት ... ሚኒስትሪ ዜና፡ ብ16 ጥሪ 2020፡ ዓመታዊ ኣኼባ ብምክያድ፡ ኣብ 2019 ዝተሰላሰለ ስራሕን ውጽኢቱን፡ ከምኡ’ውን ብድሆታቱን ሕጽረታቱን ብምግምጋም፡ ን2020 ኣብ ዝተሓንጸጸ ውጥን ሰራሕ ዘትዩ። ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘቕረቦ ገምጋም፡ ኣብ 2019፡ ኣብ መሃንድስነት፡ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ፡ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ፡ ምምሕዳርን ፋይናንስን፡ ከምኡ’ውን ብሬድዮን ቴለቪዥንን፡ ጋዜጣታትን ዌብሳይትን ዝተሰላሰለ ዕማማት ብምግላጽ፡ እወታዊ ጎድኑን ብልጫታቱን፡ ከምኡ’ውን ዝነበሮ ብድሆታትን ሕጽረታትን ብዝርዝር ኣብሪሁ። ኣብ’ቲ ዝቐረበ ገምጋም፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ዝጸንሐ መደባት ማዕከናት ዜና፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ቴለቪዥን ናይ ሰዓት 5፡00 ድሕሪ ቐትሪ ፈነወ ዜናን መደብ ትንታነ ዜናን ምትእትታዉ፡ ኣብ ሬድዮን ቴለቪዥንን መደባት ምዝንጋዕ ንምሕያል ዝተወስደ ተበግሶታት፡ ፍሉይ ኣጋጣሚታት፡ ከም ሃገራውን ሚኒስትሪ ዜና፡ ናይ 2019 ንጥፈታት ስርሑ ብምግምጋም፡ ኣብ መደባት 2020 ዘትዩ ሃይማኖታዊን በዓላትን ዲፕሎማሲያዊ ፍጻመታትን ንምንጽባራቕ ዝተዓመ ስራሕ፡ ዓበይቲ ልምዓታዊ ስርሓት ንምንጽባራቕ ዝተዳለወ መደባት፡ ኣበርክቶ መሻርኽቲ ትካላት ኣብ መራኸቢ ብዙሓን እናሓየለ ምምጽኡ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተገብረ ኣተኵሮ፡ ብእወታ ዝጥቀስ ምዕባለታት ምንባሩ ተገሊጹ። ሓደ ካብ ዓበይቲ መደባት 2020፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ቻይናዊ ትካልን ብዝተኣትወ ውዕል ትግባረኡ ዝጅምር - ፕሮጀክት ምስግጋር ናብ ዲጂታል ፈነወ (Digital migration) ምዃኑ ዝጠቐሰ ሚኒስተር የማነ፡ እዚ ፕሮጀክት’ዚ፡ ነቲ ዝጸንሐ ናይ ኣናሎግ ፈነወ ናብ ዲጂታል ብምቕያር፡ ሃገራዊ ዓቕሚ ፈነወታት ሬድዮን ቴለቪዥንን ብስፍሓቱን ዓይነቱን ክብ ዘብል ምዃኑ ኣረዲኡ። ምስዚ ፕሮጀክት’ዚ ተኣሳሲሩ ድማ፡ ዓቕሚ-ሰብ ናይ ምስልጣን ሰፊሕ መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ ኣገንዚቡ። ብዘይካ’ዚ፡ መደባት ማዕከናት ዜና ንምምሕያሽን ንምሕያልን ዝተታሕዙ ካልኦት መደባት ኣብቲ ውጥን ብዝርዝር ቀሪቦም። ተሳተፍቲ፡ ነቲ ዝቐረበ ገምጋምን መጻኢ ውጥን ስራሕን ድሕሪ ምስማዕ፡ ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ ዘለዎም ሕቶታትን ርእይቶታትን ኣቕሪቦም። ኣብ 2019፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ብውህደት ኩለን ኣካላት መንግስትን ግንባርን ከምኡ’ውን ብዕዙዝ ተሳትፎ ህዝቢ፡ ኣብ ማሕበረ-ቁጠባዊ፡ ፖለቲካውን ባህላውን መዳያት ዕዉት መደባት ምትግባሩ - ምምሕዳር ዞባ ደቡብ፡ ብ14ን 15ን ደቡብ - ውህደት ህዝብን ኩለን ኣካላትን ተናኢዱ ጥሪ ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ዘካየዶ ገምጋም ተገሊጹ። ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ሃብተኣብ ተስፋጽዮን፡ ኣብቲ ዞባ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ዝተሳተፎ፡ ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን፣ ምጽጋን ጽርግያታትን ራህያታትን፣ ከምኡ’ውን ምዅዓት ዒላታትን ካልእን ሰፋሕቲ ወፈራታት ከምእተኻየደ ኣረዲኡ። ዘራእቲ ካብ ጸያቕ ማዕጺድን ወራር ኣንበጣን ንምድሓን፡ ብምውህሃድ መኸተ ልምዓት፡ ህዝቢ፡ ሰራዊት፡ ተመሃሮን ሰራሕተኛታት መንግስትን ዝተዓመ ስራሕ’ውን ዕዉት ምንባሩ ዝሓበረ ኣቶ ሃብተኣብ፡ ካብ ኢትዮጵያ ዝሰገረ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ምምካት እውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ስለዝተወስደ፡ ኣብ ዘራእቲ ኰነ መገሃጫታት ጉድኣት ከየውረደ ንምቁጽጻሩ ከምእተኻእለ ገሊጹ። ኣቶ ሃብተኣብ፡ ኣበርክቶ ኮም ኣብ ምሕያል መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን፡ ኣብ ጥዕናዊ ንጥፈታት ዝነኣድ ምንባሩ ብምጥቃስ፡ ኣብ ምትብባዕ መማህራን፡ ምህናጽ ተወሰኽቲ ክፍልታት፡ ምስራሕ መጸበዪ ነብሰ-ጾራትን መጸገኒ መሳለጥያታት ሕክምናን ዝውዕል ደገፍ ከምእተገብረ ኣብሪሁ። ኣብ’ቲ ዝቐረበ ጸብጻብ፡ እቶት ሕርሻ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብምንጽጻር፡ ብ17.7 ሚእታዊት ዕብየት ከም ዘመዝገበ ተሓቢሩ። ተሳተፍቲ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ማይ-ምነ ዘሎ ዋሕዲ ትካላት ጥዕና መፍትሒ ክርከበሉ፣ ዋና ዘይብሎም ኣኽላባት ክውገኑ፡ ብከላ ኣከባቢ ዘስዕቡ ጐሓፋት ግቡእ ቁጽጽርን ምሕደራን ክግበረሎም. . . ዝብሉ ርእይቶታት ኣቕሪቦም። ኣብ መወዳእታ፡ ፍርያት ሕርሻ ብሓፈሻ - ጸባ፡ ኣሕምልትን ፍረታትን ክብ ንምባል፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ብዝለዓለ ከም ዝስራሓሉ፣ ኣብ ዘይምቹእ ኣጻድፍ ዝነብር ህዝቢ፡ ናብ ዝሓሸን ብቐረባ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናብ ዝረኽበሉን ቦታ ንምግዓዙ ዝሕግዝ መጽናዕቲ ከምዝግበር ተገሊጹ። ስ/ ስ/ ውድድር ኣፍሮ-ባስኬት . . .

ሚኒስትሪ ዜና፡ ናይ 2019 ንጥፈታት ስርሑ ብምግምጋም ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_eritra_18012020.pdfሓዳስ ኤርትራ መበል 29 ዓመት

  • Upload
    others

  • View
    35

  • Download
    0

Embed Size (px)

Citation preview

መበል 29 ዓመት ቁ. 119 ቀዳም 18 ጥሪ 2020 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ

ገጽ 3 ገጽ 5 ገጽ 8 ገጽ 9ገጽ 7

ቀስቲ ሳሮን

ያን ዋይት - ተነጽሎ ዘየጃጀዎ ጅግና ቈልዓ

ተመሃሮ ኣብ ትምህርቲ ንኽዕወቱ...

ኢራን ክትእመነሉ ሰለስተ መዓልታት ...

ሚኒስትሪ ዜና፡ ብ16 ጥሪ 2020፡ ዓመታዊ ኣኼባ ብምክያድ፡ ኣብ 2019 ዝተሰላሰለ ስራሕን ውጽኢቱን፡ ከምኡ’ውን ብድሆታቱን ሕጽረታቱን ብምግምጋም፡ ን2020 ኣብ ዝተሓንጸጸ ውጥን ሰራሕ ዘትዩ።ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ

ገብረመስቀል ኣብ ዘቕረቦ ገምጋም፡ ኣብ 2019፡ ኣብ መሃንድስነት፡ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ፡ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ፡ ምምሕዳርን ፋይናንስን፡ ከምኡ’ውን ብሬድዮን ቴለቪዥንን፡ ጋዜጣታትን ዌብሳይትን ዝተሰላሰለ ዕማማት ብምግላጽ፡ እወታዊ ጎድኑን ብልጫታቱን፡ ከምኡ’ውን ዝነበሮ ብድሆታትን ሕጽረታትን ብዝርዝር ኣብሪሁ። ኣብ’ቲ ዝቐረበ ገምጋም፡ ኣብ

ርእሲ’ቲ ዝጸንሐ መደባት ማዕከናት ዜና፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ቴለቪዥን ናይ ሰዓት 5፡00 ድሕሪ ቐትሪ ፈነወ ዜናን መደብ ትንታነ ዜናን ምትእትታዉ፡ ኣብ ሬድዮን ቴለቪዥንን መደባት ምዝንጋዕ ንምሕያል ዝተወስደ ተበግሶታት፡ ፍሉይ ኣጋጣሚታት፡ ከም ሃገራውን

ሚኒስትሪ ዜና፡ ናይ 2019 ንጥፈታት ስርሑ ብምግምጋም፡ ኣብ መደባት 2020 ዘትዩ

ሃይማኖታዊን በዓላትን ዲፕሎማሲያዊ ፍጻመታትን ንምንጽባራቕ ዝተዓመ ስራሕ፡ ዓበይቲ ልምዓታዊ ስርሓት ንምንጽባራቕ ዝተዳለወ መደባት፡ ኣበርክቶ መሻርኽቲ ትካላት ኣብ መራኸቢ ብዙሓን እናሓየለ ምምጽኡ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተገብረ ኣተኵሮ፡ ብእወታ ዝጥቀስ

ምዕባለታት ምንባሩ ተገሊጹ። ሓደ ካብ ዓበይቲ መደባት 2020፡

ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ቻይናዊ ትካልን ብዝተኣትወ ውዕል ትግባረኡ ዝጅምር - ፕሮጀክት ምስግጋር ናብ ዲጂታል ፈነወ (Digital migration) ምዃኑ ዝጠቐሰ ሚኒስተር የማነ፡ እዚ ፕሮጀክት’ዚ፡

ነቲ ዝጸንሐ ናይ ኣናሎግ ፈነወ ናብ ዲጂታል ብምቕያር፡ ሃገራዊ ዓቕሚ ፈነወታት ሬድዮን ቴለቪዥንን ብስፍሓቱን ዓይነቱን ክብ ዘብል ምዃኑ ኣረዲኡ። ምስዚ ፕሮጀክት’ዚ ተኣሳሲሩ ድማ፡ ዓቕሚ-ሰብ ናይ ምስልጣን ሰፊሕ መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ ኣገንዚቡ።

ብዘይካ’ዚ፡ መደባት ማዕከናት ዜና ንምምሕያሽን ንምሕያልን ዝተታሕዙ ካልኦት መደባት ኣብቲ ውጥን ብዝርዝር ቀሪቦም። ተሳተፍቲ፡ ነቲ ዝቐረበ ገምጋምን

መጻኢ ውጥን ስራሕን ድሕሪ ምስማዕ፡ ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ ዘለዎም ሕቶታትን ርእይቶታትን ኣቕሪቦም።

ኣብ 2019፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ብውህደት ኩለን ኣካላት መንግስትን ግንባርን ከምኡ’ውን ብዕዙዝ ተሳትፎ ህዝቢ፡ ኣብ ማሕበረ-ቁጠባዊ፡ ፖለቲካውን ባህላውን መዳያት ዕዉት መደባት ምትግባሩ - ምምሕዳር ዞባ ደቡብ፡ ብ14ን 15ን

ደቡብ - ውህደት ህዝብን ኩለን ኣካላትን ተናኢዱጥሪ ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ዘካየዶ ገምጋም ተገሊጹ። ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ሃብተኣብ

ተስፋጽዮን፡ ኣብቲ ዞባ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ዝተሳተፎ፡ ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን፣ ምጽጋን ጽርግያታትን

ራህያታትን፣ ከምኡ’ውን ምዅዓት ዒላታትን ካልእን ሰፋሕቲ ወፈራታት ከምእተኻየደ ኣረዲኡ።ዘራእቲ ካብ ጸያቕ ማዕጺድን ወራር

ኣንበጣን ንምድሓን፡ ብምውህሃድ መኸተ ልምዓት፡ ህዝቢ፡ ሰራዊት፡ ተመሃሮን

ሰራሕተኛታት መንግስትን ዝተዓመ ስራሕ’ውን ዕዉት ምንባሩ ዝሓበረ ኣቶ ሃብተኣብ፡ ካብ ኢትዮጵያ ዝሰገረ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ምምካት እውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ስለዝተወስደ፡ ኣብ ዘራእቲ ኰነ መገሃጫታት ጉድኣት ከየውረደ

ንምቁጽጻሩ ከምእተኻእለ ገሊጹ።ኣቶ ሃብተኣብ፡ ኣበርክቶ ኮም ኣብ

ምሕያል መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን፡ ኣብ ጥዕናዊ ንጥፈታት ዝነኣድ ምንባሩ ብምጥቃስ፡ ኣብ ምትብባዕ መማህራን፡ ምህናጽ ተወሰኽቲ ክፍልታት፡ ምስራሕ መጸበዪ ነብሰ-ጾራትን መጸገኒ መሳለጥያታት ሕክምናን ዝውዕል ደገፍ ከምእተገብረ ኣብሪሁ።ኣብ’ቲ ዝቐረበ ጸብጻብ፡ እቶት ሕርሻ

ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብምንጽጻር፡ ብ17.7 ሚእታዊት ዕብየት ከም ዘመዝገበ ተሓቢሩ።ተሳተፍቲ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ማይ-ምነ

ዘሎ ዋሕዲ ትካላት ጥዕና መፍትሒ ክርከበሉ፣ ዋና ዘይብሎም ኣኽላባት ክውገኑ፡ ብከላ ኣከባቢ ዘስዕቡ ጐሓፋት ግቡእ ቁጽጽርን ምሕደራን ክግበረሎም. . . ዝብሉ ርእይቶታት ኣቕሪቦም።ኣብ መወዳእታ፡ ፍርያት ሕርሻ

ብሓፈሻ - ጸባ፡ ኣሕምልትን ፍረታትን ክብ ንምባል፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ብዝለዓለ ከም ዝስራሓሉ፣ ኣብ ዘይምቹእ ኣጻድፍ ዝነብር ህዝቢ፡ ናብ ዝሓሸን ብቐረባ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናብ ዝረኽበሉን ቦታ ንምግዓዙ ዝሕግዝ መጽናዕቲ ከምዝግበር ተገሊጹ።

ስ/ ክብሮም

ጸሃየ

ስ/ ፍሊሞን

ትካቦ

ውድድር ኣፍሮ-ባስኬት . . .

ሓዳስ ኤርትራ 18 ጥሪ 2020 - ገጽ 2መበል 29 ዓመት ቁ.119

ብዘይካ ሰኑይ መዓልታዊ እትሕተም ጋዜጣ

ዋና ኣሰናዳኢ ኣስፍሃ ተኽለማርያም

ቍ.ስ 116266 / 201820(2220)

ቦርድ ምስንዳእ ዮሴፍ ሃይለማርያም

ምሉእብርሃን ሃብተገብርኤልኤርምያስ ገብረልዑል

ሺሃብ ኣርኣያተስፋኣለም የማነ

ቍ.ስ 201820 (2214) ፋክስ. 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. 247

ምዝርጋሕ ጋዜጣ ቍ.ስ. 200454-07121322

ምልክታ ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

ሰማያዊት ሓይለኣብቤተልሄም ታደሰ

ለይ-ኣውትሳምራዊት መለስትንሱእ ፍስሃየ

ሳምራዊት ሃብተ

ሰዓት መደብ

09፡00 ሄሎ ቆልዑ09፡35 ዝናር ጥበባት10፡20 ዶክመንታሪ11፡00 ዘተ ስፖርት ቐጥታ11፡45 ፓኖራማ 12:30 ዜና ትግርኛ12:55 ሕጊ ንስኒትን ዕብየትን13:30 ዜና ዓረብ13:45 መደብ ሽንግርዋ14:35 መደብ ናትራን16:35 ተኸታታሊ ፊልም እተን

መሓዙት 15ይ ክፋል17:00 ዶክመንታሪ17፡50 ሳይዳ19:00 ዳረት ቃና20:00 ዜና ትግረ20:15 ሄራር/ሽዕበት21:00 ዜና ትግርኛ21:25 ፊልም ማጨሎ22:00 ዜና ዓረብ22:10 ሙ/ድራማ22:30 ዜና እንግሊዝ ብካልኣይ መስመር ተለቪዥን ኤርትራ

ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ኣሎ። ዎትፎርድ ምስ ቶተነሃም ሰዓት 03፡30 ድ/ቀትሪ ኣርሰናል ምስ ሸፊልድ ዩናይትድ ሰዓት 06፡00 ድ/ቀትሪ ኒውካስትል ምስ ቸልሲ ሰዓት 08፡30 ድ/ቀትሪ ናፖሊ ምስ ፊዮረንቲና ሰዓት 10፡45 ምሸት

ሰዓት መደብ

09፡00 ፊዮሪና09፡35 ዶክመንታሪ10፡15 ፓኖርማ11፡00 ማእገር 13፡00 ዶክተራት ኣብ ስትድዮ

ቐጥታ14፡00 ሞዛይክ16፡30 ተኸታታሊት ፊልም እንዳ ዝማም 17፡10 ዶክመንታሪ18፡30 መደብ ህርመት20:00 ዜና ትግረ20:15 ሄራር21:00 ዜና ትግርኛ21:25 ኣቓልቦ ትንታነ ዜና22:00 ዜና ዓረብ22:10 ሙ/ድራማ22:30 ዜና እንግሊዝብካልኣይ መስመር ተለቪዥን ኤርትራ ዝፍኖ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ኣሎ።

በርንለይ ምስ ሌስተር ሲቲ ሰዓት 05፡00 ድ/ቀትሪ ሊቨርፑል ምስ ማን.ዩናይትድ ሰዓት 07፡30 ድ/ቀትሪ ባርሴሎና ምስ ግራናድ ሰዓት 11፡00 ምሸት

ሰዓት መደብ

12:00 ደኩመንታሪ 12:30 ዜና ትግርኛ 12፡50 ዕላል ጥበባት 13፡30 ዜና ዓረብ 13:45 ሄሎ ደባይዋ 14:35 SPORT HIGHLIGHTS 16:10 ሄራር/ሽዕበት 17:00 ዜና ትግርኛ 17:20 ሙ/ድራማ 17:30 ዜና ዓረብ 17:40 ደረት ቃና 18:30 ልዝብ መንእሰያት 19:20 ካብ ዞባታት 20:00 ዜና ትግረ 20:10 ጩራ ጥዕና 21:00 ዜና ትግርኛ 21:25 መደብ ስፖርት 22:00 ዜና ዓረብ 22:10 ሙ/ድራማ 22:30 ዜና እንግሊዝብካልኣይ መስመር ተለቪዥን ኤርትራ ዝፍኖ ፊልም ሰዓት 09፡30 ምሸት ኣሎ።

ሰኑይ

ሰንበት

ሎሚ መደብ ERI-TVኣብ ንኡስ ዞባ ከርከበት፡ ብደረጃ

መንግስቲ ዝሰላሰል ዘሎ፡ ኣብ ሕርሻን ጽርግያታትን፡ ኣብ ዝስተ ማይን ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ዝቐንዐ መደባት ልምዓት ክቀላጠፍ - ምምሕዳር ዞባ ጋሽ-ባርካን ኣካላቱን ብዕቱብ ክሰርሑሉ ምዃኖም ተገሊጹ።ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ኣብርሃ

ጋርዛ፡ ነቲ መደባት ድሕሪ ምዕዛብ፡ ኣብ ኣግማይት ምስ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ ተበጊሱ ዘሎ ስራሓት - ዘለዎም ሕጽረታት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብሓፈሻ፡ ኣገልግሎታት መጐዓዝያን ቀረብ ማይን ድማ ብፍላይ ዝፈትሕ ስለዝኾነ፡ ካብኦም ዝሕተት ኩሉ ንምምላእ ቅሩባት ምዃኖም፡ እቶም ነበርቲ ገሊጾምሉ።ኣቶ ኣብርሃ እውን፡ ኣብ’ቲ ከባቢ

ተበጋጊሱ ዘሎ ልምዓታውን ትሕተ-ቅርጻውን መደባት ንምዕዋት ብሓደ መዳይ፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ሰበኽ-ሳግማዊ ሂወት ዝመርሕ ዘሎ ህዝቢ ናብ ቀዋምን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝረኽበሉን ሂወት ንምስግጋር ድማ በቲ ኻልእ፡

ኣብ ን/ዞባ ከርከበት፡ ሰፊሕ ልምዓታዊ መደባት ይሰላሰል ኣሎ

ምምሕዳር ዞባ ጋሽ-ባርካ ክሰርሕ ምዃኑ ኣረጋጊጹሎም።ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ከርከበት ኣቶ

ዓብደልከሪም እድሪስ ብወገኑ፡ ህዝቢ’ቲ ንኡስ ዞባ ብሓፈሻ ካብ ኣማላይት ንሸነኽ ሰሜን ዝርከብ ህዝቢ ድማ ብኣውራኡ - ጸገማት ከምዝጸንሐ ጠቒሱ፡ ተበጊሱ ዘሎ

መደባት ነዚ ዝፈትሕ ስለዝኾነ፡ ኣብ’ቲ ዞባ ዝነጥፋ ኣካላት መንግስቲ ልዑል ኣቓልቦ ክህባኦ ኣዘኻኺሩ።ኣመሓዳሪ ዞባ ኣብ ዑደቱ፡ ትሕቲ

ዲጋ ከርከበት ዝሰላሰል ዘሎ ሕርሻዊ ንጥፈታት፡ ካብ ከርከበት ክሳብ ሓራናይት ዝህነጽ ዘሎ ኣስታት 160

ኪሎ-ሜተር ጽርግያ፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ሎካዬብ ዝዋደድ ዘሎ ኣጋንእ ማይ፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ኣታይ ንፈተነ ዝተጀመረ መስኖኣዊ ልምዓት፡ ንጥፈታት ትምህርቲ ኣብ ኣጉማይት ካልእን ተዓዚቡን ብዝምልከቶም ኣካላት መብርሂ ተዋሂቡዎን።

ኣብ ንኡስ ዞባ ፎሮ፡ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ንምሕያል ውሁድ ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎ፡ ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ትምህርቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ መምህር እስማዒል ዓሊ ገሊጹ።መምህር እስማዒል፡ ኣብ’ቲ ንኡስ

ዞባ ብዝተገብረ ወፍሪ፡ ኣብ ውሽጢ 28 ዓመታት ቊጽሪ ኣብያተ-ትምህርቲ ካብ 3 ናብ 40 ከም ዝበረኸ፡ ተሳታፍነት ተመሃሮ እውን ዝምስገን ምዃኑ ሓቢሩ።ኣብ’ዚ ዓመት፡ ኣብ ኢራፋለ ሓንቲ

መዋእለ ህጻናት ተሃኒጻ ኣገልግሎት ክትህብ ከምዝጀመረት፡ ኣብ ኡምለን ደናንሎን ድማ ሓደስቲ ኣብያተ-ትምህርቲ ይህነጻ ከምዘለዋ፡ ኣብ ዑመር ቃብረን ባርዳዲማን ድማ

ፎሮ - መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ንምሕያል ይስራሓሉ

ሓደስቲ ኣብያተ-ትምህርቲ ንምህናጽ መደብ ከምዘሎ፡ ወሲኹ ኣረዲኡ።ዝበዝሓ ኣብያተ-ትምህርቲ ንመባእታ

ተባሂለን ዝተሰርሓ ብምዃነን፡ ናብ ማእከላይ ደረጃ ኣብ ዝሰጋገራሉ ጽበት መምሃሪ ክፍልታት ከምዘጋጥም ዝጠቐሰ መምህር እስማዒል፡ እተን ኣቐዲመን ዝተሃንጻ እውን - መብዛሕትአን ጽገና ከምዘድልየን ኣገንዚቡ። ዕድል ትምህርቲ ዝሓለፎም ኣብ

ክሊ ዕድመ 9 ክሳብ 14 ዓመት ዝርከቡ ቈልዑ፡ ብመደብ ዓረዮት ንኸርክቡ ጻዕርታት ይግበር ከምዘሎ ሓቢሩ።መምህር እስማዒል፡ ዝርአ ምቊራጻት

ካብ ትምህርቲ ንምግታእ፡ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ኣገዳሲ ብምዃኑ፡ ቈላሕታ ክወሃቦ ተላብዩ።

እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ብርሰት ኣግራብ ንምግታእ፡ ሕብረተ-ሰብ ኣግራብ ኣብ ምዕቃብን ምትካልን ተሳትፎኡ ከዕዝዝ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ዓሊ ማሕሙድ ጸዊዑ። ብ14ን 15ን ጥሪ ኣብ ከተማ ከረን

ኣብ ዝተኻየደ ገምጋም፡ ኣቶ ዓሊ፡ ኣብ ምድልዳል መሬት፡ ምፍዋስ ማይ ክዖታት፡ ምስራሕ ዛላታትን ከትርታትን ዘተኰረ ስራሕ ብዝሰፍሐ ተሳትፎን ውዳበታትን ክካየድ፡ መስኖኣዊ ሕርሻ ዝለዓለ ኣድህቦ ክወሃቦ ኣተሓሳሲቡ።ኣብ ሃብረንጋቓ፡ ኣቢጣቕ፡ ሕብላቕ፡

ዋሊኩ፡ ዓድ-ሕዝባይ፡ ማይ-ኣዋልድን ሃበሮን ዲጋታት ከምእተሃንጻ፡ ኣብ ደቂ-ዘርኡ፡ ሓሊብ-መንተልን ኣጀርበብን ዝስርሓ ዘለዋ ድማ ልዕሊ ፍርቂ ከምእተሳለጣ፡ ዝቐረበ ጸብጻብ የረድእ።ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ሃውሽ፡ ቃርዖበል፡

ቀርጸትን ገርበትን ዝስራሓ ዘለዋ ትካላት ትምህርቲ ልዕሊ 66 ሚእታዊት ህንጻዊ ስርሓተን ክዛዘም

ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባብርሰት ኣግራብ ክግታእ ይጽውዕ

እንከሎ፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ኣስማጥ፡ ሃበሮ፡ ከረን፡ ዓዲ-ተከሌዛንን ሓልሓልን ዝስራሓ ዘለዋ 11 ናይ መባእታ ኣብያተ-ትምህርቲ ድማ፡ ኣብ ደረጃ ምዝዛም ከምዝበጽሓ ተገሊጹ። ቀረብ ማይ ብዝምልከት፡ ኣብ

ደብረሲናን ጐላጉልን ምሉእ ስርዓተ-ቀረብ ማይ ክዋደድ እንከሎ፡ ናይ ሃበሮ ጻዕዳን በጉ-ገዓብን ኣብ መስርሕ ከምዘሎ፡ ፕሮጀክታት ማይ ዓዲ-ተከሌዛን፡ ከረንን ሊበናን ምምሕያሽ ከም እተገብረሎም፣ ኣብ ቀርጸት - ንኡስ ዞባ ሓልሓል መደበር ጥዕና ትስራሕ ከምዘላ፣ ኣብ ቀጽሪ ሆስፒታል ከረን ድማ ናይ ወሊድ ኣገልግሎት ዝህብ ዘመናዊ ህንጻ ከም እተሰርሐ ተሓቢሩ።ተሳተፍቲ፡ ጸገም ዝስተ ማይ

ቀዳምነት ክወሃቦ፡ ዘይውሑስ ጸረ-ባልዕ መድሃኒት ቁጽጽር ክግበረሉ፡ ኣገልግሎት ዕደላ ጋዝ ዝሰፍሓሉ መዳይ ክፍጠር. . . ዝብሉን ካልኦትን ለበዋታት ኣሕሊፎም።

ኣባላት ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ - ጨንፈር ሆላንድ፡ ኣብ ሓውሲ-ከተማ ጢዖ ዘስርሓኦ መጸበዪ ነፍሰ-ጾራት፡ ኣብ ምንካይ ሞት ኣደታትን ዕሸላትን ልዑል ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ ተሓቢሩ።ሓላፊት ሃማደኤ ኣብ ዞባ

ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ወ/ሮ ሳዕዲያ ኢብራሂም፡ ብ15 ጥሪ ኣብ ከተማ ዓሰብ ኣብ ዝተኻየደን ወከልቲ ምምሕዳራት ከባብን ሰራሕተኛታት መንግስትን ዝተሳተፍኦን ኣኼባ ጸብጻብ ኣቕሪባ።ማሕበረ-ቁጠባዊ ጾር ደቂ-ኣንስትዮ

ጢዖ - መጸበዪ ነፍሰ-ጾራት ኣበርክቶኡ ይዓዝዝንምቅላል ብዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፡ ብጸሓያዊ ጸዓት ዝሰርሓ ጠሓንቲ እኽሊ ኣብ ሰለስተ ንኡሳን ዞባታት ከም እተተኽላ፡ እዚ ፕሮጀክት’ዚ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ንኽመሃራን ነብሰን ንምምዕባል ግዜ ንክረኽባን ሓጊዙ ከምዘሎ ድማ ገሊጻ።ወይዘሮ ሳዕዲያ፡ ንምዕባለ

ደቂ-ኣንስትዮ ዝደፍእ መደባት ምትግባር፡ ተሳታፍነት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ንምዕባይ ምጒስጓስ፡ ኣንጻር ድሑር ልምድታት ምቅላስ፡ ስልጠናታት ምውዳብ. . . ኣትኵሮ ክወሃቦ ምዃኑ ሓቢራ።

ስ/ ኢብራሂም ዓሊ

ሓዳስ ኤርትራ 18 ጥሪ 2020 - ገጽ 3መበል 29 ዓመት ቁ.119

ምስ ግዜ፡ ያንን ጉዳዩን ተሰማዕነት እናረኸቡ መጺኦም። ኣብ ኣመሪካ፡ ሓደ ኣርኣያ ብዙሓት ክኸውን ዝኽእል ዓንተር ከምዝተወልደ ተጋውሐ።ኣብ ምዝዛም ዓመተ-ትምህርቲ

እዩ ዝነበረ’ሞ፡ ያን በቲ ዝተፈተነሉ ቅትለት ከይረዓደ፡ ናብ ትምህርቱ ወፈረ። ትምህርቲ ምስ ተዓጽወ፡ ኣዲኡ - ደቃ ጥርንፍ ኣቢላ ናብ ሲንሲሮ ግዒዛ እያ። ሲንሲሮ እውን ኣብ ክፍለ-ግዝኣት እንድያና እትርከብ ዓዲ እያ’ሞ፡ ከመይ ክትቅበሎ ትኸውን. . .?ኣብ 31 ነሓሰ 1987 ያን

ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ሃሚልቶን ሲንሲሮ ኣብ ዝተመዝገበሉ፣ ኣእምሮኡ ናብ ምስሓት ተቓረበ። እቲ ኣጋጣሚ፡ ንዝና ናይ’ቲ ቤት-ትምህርቲን ያንን ዘመዓራረየ ክስተት እዩ ኮይኑ። ርእሰ-መምህር ቤት ትምህርቲ - ቶኒ ኩክን ተሓጋጋዚኡ ቦብ ጂ ካርነልን ከምኡ’ውን ሓያሎ ተማሃሮ ተሰሪዖም ምስ ጸንሕዎ፡ ተገሪሙ ቀው ኢሉ ጠመቶም። ሚስተር ቶኒ ኩክ - “ያን ክንጽበየካ

ኢና ጸኒሕና - እንቋዕ ብደሓን መጻእካ!” ድሕሪ ምባል፡ ንኣእዳው ያን ብምጭባጥ ኣወዛወዘን። ያን ኢድ መማህራንን ተማሃሮን ካብ ዘይጭብጥ ነዊሕ እዩ ኰይኑ። ጸኒሑ ምክትሉ፡ ደድሕሪኡ ድማ - እቶም ኣብ’ቲ ቤት-ትምህርቲ ብዝተዋህበ ናይ ኤችኣይቪ ትምህርቲ - ዝሓሸ ርድኢት ዘሕደሩ ተማሃሮ. . . መመጺኦም ሰላም በልዎን ሓሓቚፎም ሰዓምዎን። ኩሎም ብዛዕባ ኤድስ ዋላ ሓንቲ ፍርሒ ዘይነበሮም፣ ግዱሳት እዮም ዝነበሩ። ያን ኣብ ትምህርቲ ዝነበሮ እምነት፡

መሊሱ ኣብ ትኽክል መንገዲ ምንባሩ ኣመነ። ምንቃሕ፡ ቀጻሊ ምንቃሕ. . . እዩ ማዕረ ዝገብር ድማ በለ። እቲ ናይ ያን ኣቀባብላ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሃሚልቶን፡ ኣብ መላእ ኣመሪካ ስለዝተቓልሐ፣ ሲንሲሮ ዝና ረኸበት - ኮኮሞ ተጣዕሰት። ያን ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሲንሲሮ

ብምምሃሩ፡ ምስ ሓያሎ ተማሃሮ - ከም ባህ ዝበሎ ብምጽዋቱ፡ ዋላ ሓደ ዝሓመመ ተማሃራይ ኰነ መምህር ኣይተረኽበን። ስለ’ዚ እምበኣር፡ ብዛዕባ ያን ካብ ሲንሲሮ

ጴጥሮስ ተፈሪ ያን ዋይት - ተነጽሎ ዘየጃጀዎ ጅግና ቈልዓዝውሕዝ ዝነበረ ጽቡቕ እምብዛ ኮነ። ሻቡ ያን፡ ከም ሃገራዊ ጅግና ተራእዩ - ዳርጋ መዓልታዊ ኣብ ገጻት ቴለቪዥንን ጋዜጣታትን መጺሔታትን ክቃላሕ ጀመረ። ንሱ እውን፡ ነቲ ኣብ ኮኮሞ

ዘጋጠሞ ተነጽሎ፡ ንህይወቱ ብጥይት ክሳብ ንምጥፋእ ዝተገብረሉ ፈተነ - ምስ’ቲ ኣብ ሲንሲሮ ዝተገብረሉ ኣቀባብላን ዝሃቦ ሞራልን፡ ከምኡ’ውን ምስ’ቲ ዝነበሮ ናይ ትምህርቲ ድሌት እናኣወዳደረ፡ ኣንጻር ኤድስን ሳዕቤናቱን ክጉስጉስ ጀሚሩ። ተለጣፊ ሃገራዊ ፖስተር ኤችኣይቪ ብምዃን፡ ዓቢ ስራሕ ክዓምም ተበገሰ። ካብ’ቶም ዘቕርቦም ዝነበሩ መደረታት፣ ጉዳይ ምልካፍ ኤችኣይቪ - ንግብረ-ሰዶማውያን ጥራይ ምሃቡ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ምዃኑ ኣጥቢቑ ተቓወመ። ኩሉ ሓላፍነት ክስከም መኸረ፣ ኩሉ’ቲ ካብ ንቡር ዝወጽእ ሓደገኛ ምዃኑ ነገረ። ናይ ዋላ ሓደ ሰብ ህይወት

ነባሪት ኣይኰነትን። ናይ ያን እውን ከም ኩሉ እያ። ቅድሚ ዝዀነ ዝኸውን ግና - ሰብ ሕልናኡ ከዕርብ የብሉን። ኣለኹ ዝበለ እዩ ዝህሉ። ያን ንሽዱሽተ ወርሒ እዩ ዝጸንሕ ክበሃል ከሎ፣ ኣብኡ እንተዝኣምን ሻቡ ምሞተ። እንተዀነ ያን ኢዱ ኣይሃበን ብዛዕባ ትምህርቱ እምበር ብዛዕባ ሕማሙ ናብ’ቶም ክኢላታት እዩ ገዲፍዎ። ንሱ፡ ንሳቶም ዝበልዎ ምትርጓም ጥራይ እዩ ስራሑ ነይሩ። ዝተረፈ ኣብ’ቲ ንሱ ክገብሮ ዘለዎ ከተኩር ከምዘለዎ ገይሩ። ምስ’ቶም ንከይመሃር ዝዓግትዎ ዝነበሩ ክሳብ ብህይወቱ እናተጣልዐ ማእከላይ ደረጃ ወዲኡ፣ ኣብ ካልኣይ ደረጃ በጺሑ። ብሕጂኸ. . .? እወ፡ እቲ ድሌትን እቲ ሕማምን

ገና ኣብ ውሽጡ እዩ ዘሎ። እቲ ለውጢ ልቢ የዕቢ ኣሎ - ሓላፍነት ምስካም ጀሚሩ ኣሎ። ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝወረደን ዝተረኽበን ብልቦና ኣብ ከመይን ብከመይን ይብሎን እናሓሰበ፣ እቲ ጉዕዞ ኣብ ምቕጻል ሕጂ እውን ክመሃርን ክምህርን እየ እናበለ ጉዕዞ ህይወት ሲንሲሮ ተተሓሓዞ። ያን ኣብ ሲንሲሮ ህይወት

ዝተመዓራረየትሉ ትመስል። ይመልኣሉ - መራኸቢ ብዙሓን ንዓኡን ንኤችኣይቪን መማሰዪ ገበራኦም። ኣብ ሲንሲሮ፡ ኤሊቶን

ጆን ብ16,000 ዶላር ኣብ ዝዓደገሎም ገዛ እዮም ዝነብሩ ነይሮም። ኣብ’ታ ከተማ፡ ያን ሓደ ካብ’ቶም ቁንጹባትን ክቡራትን ‘ሙታንግ’ ዝተባህሉ ኣፍራስ ሒዙ፡ ምስ ኣዕሩኽቱ ፈቐዶኡ ዘወን ክብል ተራእየ። ማይክል ጃክሰን ዝዓደገሉ እዩ ነይሩ። ስሙ መመሊሱ ተዀልዐ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ጉዳይ ኤድስ ቀዳማይ ተጠቃሲ እዩ። መደበራት ቴለቪዥን በብኩርናዕ መደባተን እናጠመታ ኣብ ገጽ እስክሪን ኣማሰያሉ። ገለ ካብ’ቲ ብዙሕ፡ ሓደ ምሸት -

ኣብ ናይ ኣሊሻ ሚላን “ቶክ ሸው” ህቡብ መደብ ብቐጥታ ቀሪቡ፣ እታ ምልክዕትን ህብብትን ኣሊሻ - ብክልተ ከናፍራ ኣጥቢቓ ክልተ ምዕጉርቱ ምስ ሰዓመቶን፡ ሕቑፍ ኣቢላ ጸጉሪ ርእሱ ምስ ደራረዘቶን - ብርግጽ እዚ’ቲ ኣብ ኮኮሞ ዝተጸርፈ፡ ዝተገርፈን ዝተዋረደን ያን ድዩ? ብምባል፡ ሓያሎ ተዓዘብቲ ክሳብ ዝነብዑ ኰይኖም። ‘ምስ ዓርክና ኣባኢስኩምና’ ብምባል ምስ ወለዶም ዝተባእሱ ደቂ ትምህርቱ እውን ነይሮም። ሓቆም ድማ እዮም - ቀጻሊ ኣብ ጣዕሳ ምንባር፡ ካብ’ቲ ያን ኣብ መንጎኦም ኮይኑ ዝሓለፎ ስቅያት ይኸፍእ። ጣዕሳ ተመሃሮን ህዝብን፡ ያን

‘ሲንሲሮ’ ድሕሪ ምእታዉ እዩ ተቓሊሑ። ‘ኮኮሞ’ ኣብ ልዒሊኡ ጸሊም ነጥቢ ክትምዝግብ እንከላ፣ ‘ሲንሲሮ’ ብኣንጻሩ - ንዘልኣለም ከዛርብ ዝኽእል ቅዱስ ግብሪ ገይራ። እንተ ያን ግን፡ ነቲ ዝናን ሓገዛትን ብዙሕ ኣይፈተዎን። እኳ ደኣ እንክሓስቦ ጸልኦ። ዘይመፍተዊኡ ምኽንያት፡ ነቲ ድሒሩ ናብ ኣወንታ ዝተቐየረ ‘ሕሱም ህይወት’ ንኽዝክር እዩ ቀሲብዎ። ብሕልፊ ኣብ ልዕሊ ወላዲቱ ኣሎ

ዝበሃል ጸለመ ስለዝወረደ፡ ንኹሉ’ቲ ዝረኸቦ ንረኣዪኡን ሰማዒኡን ዘቕንእ ዝና፡ ዝከኣል ነይሩ እንተዝኸውን - ነቲ ዝተተንከፈ ክብሪ ወላዲቱ ንምምላስ - ክሸጦ ድሉው ምንባሩ እዩ ገሊጹ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ። “ምእንቲ ሓቂን ናጽነትን ክሸጦ ድሉው ምዀንኩ” ድማ ወሲኹ። ሓቁ እዩ ንሱ ኰነ ስድራ-ቤቱ ሶዶማውያን ኣይነበሩን። ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ

ዝተፈላለየ ኣኼባታትን መራኸቢ ብዙሃንን እናቐረበ ዝገብሮ ዝነበረ ጐስጓስ፡ ኣብ 1988 ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ቅድሚ ፕረሲደንት ሬጋን መደረ ከቕርብ ዕድል ተዋህቦ። ተነጽሎን ኣፈላላይን ንሕሙማት ኤችኣይቪ ዝኸፍአ እኳ እንተዀነ፡ ሕሙማት ባዕላቶም ክቃለሱን ፈጺሞም ኢዶም ክህቡ ከምዘይብሎምን፡ ነቲ ካብ ፈለማ በቲ ቫይረስ ልኹፍ ምዃኑ ዝፈለጠሉ ኣትሒዙ ዝወርዶ ዝነበረን፡ ንምብዳሁ ዝመረጾ መንገዲን ብምዝካር ተዛረበ። ነቲ ኣብ ሲንሲሮ ምስ ከደ ዝረኸቦ ኣቀባብላን ዝሃቦ ሞራን ድሕሪ ምዝርዛሩ እውን፡ ትምህርቲ ክሳብ ክንደይ ርድኢት

ሰባት ከምዝቕይር፡ ኣብ መንጎ ምንቃሕን ዘይምንቃሕን ዘሎ ፍልልይ ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ሓበረ። ያን መወዳእታ ግዜ ናብ ህዝቢ

ዝተራእየሉ፡ ኣብ ፈለማ 1990 - ኣብ’ቲ ባዕሉ ኣአንጋዲ ብምዃን ድሕሪ ናይ ኦስካር ወግዒ ዝወደቦ ናይ ካሊፎርንያ ጽምብል እዩ። ሻቡ፡ ፕረሲደንት ሬጋን ንሱ ኣብ ዘዳለዎ ወግዒ ብምርካቡ ድሕሪ ምምስጋን፡ ናብ ኮለጅ ክጽንበር ዝነበሮ ተስፋን ሃረርታን ነቲ ፕረሲደንት ገለጸሉ። ምኽንያቱ፡ ካልኣይ ደረጃ ንምውዳእ ናይ ኣዋርሕ ዕድል እዩ ተሪፍዎ ዝነበረ።ኣብ 29 መጋቢት 1990፡ ድሕሪ

እቲ ዝገበሮ ዓቢ እንግዶት - ምስ’ቲ ዝነበሮ ሕማም ብዝተኣሳሰር፡ ጸገም ስርዓተ-ምስትንፋስ ገይሩ ናብ ሆስፒታል ቈልዑ ሪለይ ተዓቑበ’ሞ፡ እቲ ሆስፒታል ጽቡቕ ብዝምነዩሉ ደገፍቱን በጻሕቱን ኣዕለቕለቐ። የግዳስ ህይወት መንገዳ እንተጸሪጋ ብኣኣ እያ እትኸይድ። ብ8 ሚያዝያ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ክውድእን ባጀላኡ ክሕዝን ወርሒ ኣብ ዝተረፎ፡ ንህዝቢ ኣመሪካን ኩሉ ፈላጢኡን፡ ብሓደን ኣብ ሓደ ህሞትን ዘእተወን ብሓባር ዘንበዐን ዜና ዕረፍቱ - ሞት ያን ዋይት ተሰምዐ። ኣብ 18 ዓመቱ ዓሪፉ። እቲ ዜና፡ ልዕሊ ኩሉ ንህዝቢ

ኮኮሞ - ዝያዳ ድማ ነቶም ኣንጻሩ ብምስማር፡ ካብ ዓዱ ዘሳጐጉዎን ኣብ’ቲ ክድግፍዎ ዝነበሮም እዋን ዝበደልዎን ሰባት ዘጉሃየ ነይሩ። እወ፡እቲ ምጥዓሶም ቀጸለ - በቲ ኣብ ፈለማ ህይወቱ ዘውረዱሉ በሰላ ኣመና ተስመዖም። ብ11 ሚያዝያ ኣብ ዝተፈጸመ

ስነ-ስርዓት ቀብሩ፡ ኢልቶን ጆን ምስ’ቶም ‘እንቋዕ ብደሓን መጻእካ’ ብምባል ዝተቐበልዎ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ሲንሲሮ ብምዃን፡ “ርግቢት ሓድጊ ሰማይ” ኢሉ ብዘሰቈንቁን ዜማ ዘመረሉ’ሞ፡ በዓልቲ-ቤት ናይ ሽዑ ፕረሲደንት ኣመሪካ ዝነበረ ጆርጅ ቡሽ - ባርባራ ቡሽን ማይክል ጃክሰንን ደሚርካ፡ ኩሎም ቀባሮ ዓሚቚ ሓዘኖም መግትኢ ሰኣኑሉ። ኣብ’ቲ ናይ ፕሮቶኮል

ቦታ ብኣካል ዝተረኽቡ ልዕሊ 1500 ቀበርቲ፡ ንብዓቶም መዕገቲ ኣይነበሮን። ፕረሲደንት ሬጋን - “ንሕና ንያን

በቲ ብሰንኪ ፍርሒናን ድንቁርናና ካብ ቤቱን ካብ ቤት-ትምህርቱን ከም ዝስጐግ ዝገበርናዮን ውሽጡ ዘቑሰልናዮን እንእወዶ ዋጋ ኣሎ። ያን ልቢናን ኣእምሮናን ንግዳያት ኤድስ ክንከፍት ብዝገበሮ ኣስተዋጾኦ፡ ክንከፍሎ ዝግባእና እንእወዶ ስለዘሎ ክንመልሰሉ ንግደድ ኢና። ርህራሀ፡ ክንክንን ተጻዋርነትን ብኤችኣይቪ ንዝተጠቕዑን ስድራ-ቤታቶምን። ህዝቢ፡ ነቲ ሕማም ከም መሰንበድ ገይሩ ዝርእየሉ ምኽንያት ክህሉ የብሉን” ዝብል መደረ ኣስሚዑ። ሎሚ መቓብር ያን ዋይት፡

ዓመት መጽአ ከም ቅዱስ ቦታ ብነጋድያን ደገፍቱ ይብጻሕን ይንገድን ኣሎ። ያን ንብዙሕ ደሪኹ እዩ። ካብ ግዜ ሞቱ ጀሚሩ ዝተረኽበ እምበረ መጠን ልግሲታት፣ ብስም ያን ዝጽውዓ ንድሕነት ቈልዑን ግዳያት ኤችኣይቪን ዘገልግላ ትካላት መሊኤን እየን። ያን ብዙሕ እዩ ዘሪኡ ከይዱ። ሓያሎ ደርፍቲን ጸሓፍቲን፡ ነቲ ንሱ ዝጐየየሉን ዝተበደለሉን ኣልዒሎም ክደርፉን ክጽሕፉን ኣኽኢሉ። ብዓቢኡ ንቕሓት ብዛዕባ ኤችኣይቪ ክሓድር ዓቢ ሓገዝ ገይሩ እዩ። ንሰብ፡ እቲ ንዓኻ እውን

ክበጽሓካ ዝኽእል እዩ ዝበጽሖ። ስለ’ዚ ነገራት ኣብ ዘጋጥሙሉ ኣመዛዚንካ ክትሓስብን ክትፈርድን ጽቡቕ እዩ። ተነጽሎ እቲ ዝኸፍአ ነገር እዩ፣ ካብ’ቲ ሕማም ንላዕሊ ዝቐትል ንሱ እዩ። ያን ድኽም ዝበለ ኢዱ ዝህብ ነይሩ እንተዝኸውን፡ ክሳብ ወዲ 18 ዓመት ክጸንሕን ክንድ’ቲ ዝገበሮ ቁዉም-ነገር ክገብርንስ ይትረፍ፡ ነተን ዝተነግራኦ ሽዱሽተ ወርሒ እውን ኣይምመልአንን። ግዳ፡ ንሱን ወላዲቱን - ንኹሉ

በዲሆምዎ። ነዚ ክንሰምዖ ዝጸናሕና ኣገራሚ ናይ ጽንዓት ዛንታ ድማ፡ ንትምህርቲ ሓዲጎም።

ሳልሳይን መወዳእታን ክፋል

ሓዳስ ኤርትራ 18 ጥሪ 2020 - ገጽ 4መበል 29 ዓመት ቁ.119

ሃ ማ መ ተኤ

ሓዳስ ኤርትራ 18 ጥሪ 2020 - ገጽ 5መበል 29 ዓመት ቁ.119

ትንታነ ዜ

ዳናይት ገብረሂወት

ኢራን ክትእመነሉ ሰለስተ መዓልታት ዝወሰደ ሓደጋ ነፋሪት

ፒ.ኤስ-752፡ ካልኣይ ወለዶ ናይ ‘ቦይንግ 737-800’ ኰይነን፡ ኣብ ዓለምና ሰፊሕ ተቐባልነት ዘለወን ናይ መጐዓዝያ ነፈርቲ እየን። መንገዲ ኣየር ዩክሬን ድማ፡ ነዘን ዘበናውያን ነፈርቲ ኣብ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጐዓዝያ ብሰፊሑ’ዩ ዝጥቀመለን። ሓንቲ ካብ’ዘን ዝተገልጻ ነፈርቲ እያ እምበኣር ዝሓለፈ 8 ጥሪ ካብ ጤህራን ነቒላ ናብ ኬቭ - ርእሰ-ከተማ ዩክሬን እናበረረት እንከላ ሃንደበት ወዲቓ ዝተሓምሸሸት። እዛ ነፋሪት እዚኣ ብኣቆጻጽራ ኢራን

ሰዓት 5፡15 ወጋሕታ ክትብገስ’ኳ እንተነበራ፡ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ግን ተደናጕያ። ድሕሪ ናይ ሓደ ሰዓት ምድንጓይ ድማ’ያ ልክዕ ሰዓት 6፡12 ንግሆ በረራኣ ፈሊማ። ስለዚ፡ ንምንታይ እቲ ስሩዕ ናይ በረራ ግዜኣ ተደናጕዩ ዝብል ሕቶ ክለዓል ግድን ይኸውን። ሰራሕተኛታት ኣህጉራዊ መዓርፎ-ነፈርቲ ኢማም ኮመኒ (ኢራን)፡ እታ ነፋሪት ስለምንታይ ደንጒያ ከም ዝበረረት ምላሽ ሂቦምሉ’ዮም። ዩክሬናዊ ካፕቴን (ኣብራሪ) ናይታ ነፋሪት፡ ልዕሊ’ቲ ክትሕዞ ዝግብኣ ጽዕነት ሒዛ ከምዘላ ድሕሪ ምግላጽ፡ ገለ ክፋል’ቲ ጽዕነት ክወርድ ኣለዎ ክብል ትእዛዝ ብምሃቡ፡ እታ ነፋሪት ንኽትድንጕይ ምኽንያት ከምዝኾነ ገሊጾም። ጠንቂ ምውዳቕ’ታ ነፋሪት ንምጽናዕ

ካብ ዩክሬን ናብ ኢራን ኣትዮም ዘለዉ ክኢላታት፡ ንሓቅነት ናይዚ ኣቐዲሙ ዝተዋህበ ምኽንያት ምድንጓይ በረራ ከይተረፈ ከምዘጻርዩ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ፡ እታ ነፋሪት ሰዓት 6፡12 ንግሆ ድሕሪ ምብራራ ልክዕ ሰዓት 8፡00 ቅ.ቀ ኣብ ኬቭ ክትበጽሕ መደብ’ኳ እንተነበራ፡ ሰዓት 6፡14 ናይ ሬድዮ ርክብ ብምቁራጽ ካብ ራዳር ተሰዊራ። ነፋሪት PS-752 ናብ ሰማያት ጤህራን

ድሕሪ ምብራራ፡ ሒደት ደቓይቕ ጸኒሓ’ያ ናብ ሓምዅሽቲ ተለዊጣ። ካብ ከተማ ጤህራን ንሸነኽ ሰሜናዊ ምዕራብ 15 ኪሎሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ቦታ ድማ’ያ ወዲቓ ተሓምሺሻ። ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ብምሉኦም ተሳፈርታ ከኣ ብዘይ መላሲ ኣውያት ንብላሽ ጠፊኦም። እታ ነፋሪት ወዲቓ ምስ ተሓምሸሸት፡ እቲ ጠንቂ ቴክኒካዊ፡ መካኒካዊ፡ ወይ ጉድለት ናይ ካፕቴንን ካልእን ከይከውን ስለ ዝተጠርጠረ፡ ብዙሓት ክኢላታት ዝተፈላለየ መግለጺታት ክህቡሉ’ዮም ተሰሚዖም። መንግስቲ ኢራን፡ ጠንቂ’ቲ ሓደጋ

ቴክኒካዊ ክኸውን ከምዝኽእል ብምእማት፡ ኣድላዪ ዘበለ ምጽራያት ከካይደሉ ምዃኑ ሓቢሩ ነይሩ። ሚኒስተር ጽርግያታትን መጐዓዝያን ኢራን ድሕሪ’ቲ ሓደጋ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ሓደጋ ኣብ ሞተር ናይታ ነፋሪት ብዝተፈጥረ ባርዕ ከም ዝሰዓበ፡ በዚ ምኽንያት ድማ እቲ ፓይሎት ነታ ነፋሪት ብቐሊሉ ክቆጻጸራ ከምዘይከኣለ ሓቢሩ። እታ ነፋሪት ካብ መሬት በሪራ ኣብ 2,400 ሜትሮ ብራኸ ኣብ ዝበጽሓትሉ እዋን ካብ ራዳር ከምእተሰወረት፡ ቅድሚ ምውዳቓ ድማ ንነዊሕ ደቓይቕ ከም ዝተቓጸለት ንናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብምጥቃስ ኢራን ኣብቲ ፈለማ ገሊጻ ነይራ። እዚ ግን ሓቅነት ኣይነበሮን። ነቲ ዝሃበቶ ምኽንያት ፍሹል

ዝገብሮ ረቛሒታት ንምጥቃስ ዝኣክል፥ • እታ ብመለለይ ቁጽሪ 38124

ዝተመዝገበት ነፋሪት፡ ኣገልግሎት ካብ እትጅምር 3 ዓመታት ጥራይ’ያ ገይራ። ናይ ፈለማ በረራኣ ድማ ብ21 ሰነ 2016 ኣካይዳ። ቅድሚ 2 መዓልታት ናይ’ቲ ዘጋጠማ ሓደጋ፡ ምሉእን መሰረታውን ናይ ብቕዓት ተፍትሽ ከምእተኻየደላን ዝዀነ ጉድለት ከም ዘይተረኽባን ሓለፍቲ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዩክሬን ይሕብሩ። • ካፕቴን ናይታ ነፋሪት ቮሎድይመር

ጋቮንኮ፡ ኣብ ቦይንግ 737 ዝተሰምያ ነፈርቲ ን11,600 ሰዓታት በረራታት ዘካየደ እዩ። ካብዚ እቲ 5,500 ሰዓታት ከም ካፕቴን (ኣብራሪ) ኮይኑ የሕሊፉዎ። ተሓጋጋዚ ካፕቴን ናይታ ነፋሪት ዝነበረ ኦልይስኪ ኑማኪን እውን ኣብ ተመኵሮኡ ን12,000 ሰዓታት በረራ ዘካየደ’ዩ። ኰይኑ ግና፡ ካብ ዩክሬን ናብ ጤህራን ዘካየዱዎ በረራ ናይ ፈለማ ጉዕዞኦም ከምዘይነበረ’ዮም ሰበ-ስልጣን መንገዲ ኣየር ዩክሬን ዝሕብሩ።• ሓደጋ ምውዳቕ ናይዛ ንብረት

መንገዲ ኣየር ዩክሬን ዝኾነት ናይ መጐዓዝያ ነፋሪት፡ ድሕሪ 5 መዓልታት ቅትለት ጀነራል ቃስም ኣል-ሱሊማኒ’ዩ ኣጋጢሙ። በዚ ምኽንያት’ውን እቲ ሓደጋ ምስ መንግስቲ ኢራን ምትእስሳር ኣለዎ ዝብል ጥርጠራታት ኣብ ብዙሓት ወገናት ነይሩ። ብዘይካ’ዚ፡ መንግስቲ ኢራን ድሕሪ ቅትለት ናይቲ ጀነራል ግብረ-መልሲ ንምሃብ ኣብ ልዑል ተጠንቀቕ ነይሩ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ምስ ኣመሪካ ክሳብ ናብ ምሉእ ኲናት ንምእታው እውን ኣብ ዓንቀር በጺሑ ከም ዝነበረ’ዩ ዝሕመ። ስለዚ፡ ሓደጋ ናይታ ነፋሪት፡ እቲ መንግስቲ ብዝነበሮ ፍርሒ ዝተፈጥረ ጌጋ ክኸውን ከምዝኽእል’ውን ግምታት ነይሩ’ዩ።ካልእ ብዝተፈላለዩ ወገናት ማለት፡

ብሰበ-ስልጣን ኣመሪካ፡ ካናዳን ብሪጣንያን ዝወሃብ ዝነበረ ምኽንያታት ከኣ ብዙሕ ሰማዒ ክረክብ ጀሚሩ። ንሳቶም፡ እታ ነፋሪት፡ ሰራዊት ሓለዋ ሰውራ ኢራን ብዝተኮሶ ስርሓት ሩስያ ዝኾነ ሚሳይል ጸረ-ነፈርቲ ተሃሪማ ወዲቓ ክትከውን ከም እትኽእል’ዮም ክገልጹ ጀሚሮም። እንተዀነ፡ ኣምባሳደር ኢራን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ እታ ወዲቓ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ፍጹም ብሚሳይል ከም ዘይተሃርመት፡ ዝበዝሐ ሓደጋ ምውዳቕ ነፈርቲ ብመካኒካዊ ጸገማት ዝስዕብ ስለ ዝዀነ፡ ጠንቂ ሓደጋ ናይታ ነፋሪት’ውን ካብዚ ዝፍለ ከም ዘይኰነ ገሊጹ ነይሩ። ናይ ክሕደት መግለጺ ሰብ-መዚ ኢራን ግን ን72 ሰዓታት ጥራይ’ዩ ቀጺሉ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ማለት፡ ብ11 ጥሪ 2020፡ ሰራዊት ኢራን ነታ ነፋሪት ብጌጋ ብሚሳይል ሃሪሙ ከም ዘውደቓ ተኣሚኖም። መንግስቲ ኢራን ግን ስለምንታይ ኣብ

ውሽጢ ውሑዳት መዓልታት ክልተ ተጻረርቲ መግለጺታት ሂቡ? ፈለማ ነቲ ሓደጋ ባህርያዊ ኣምሲሉ ክገልጾ ዝመረጸሉ ምኽንያት - ክመጽኦ ንዝኽእል ሳዕቤናት ኣብ ግምት ስለ ዘእተወዶ ይኸውን? ወዘተ. ዝብሉ ሕቶታት ኣለዓዒሉ’ዩ። ኣብ ፈለማ ሰዓታት ናይቲ ሓደጋ፡

እታ ነፋሪት ብናይ ውሽጣዊ ጸገማታ’ያ ወዲቓ ዝብል ምኽንያት ብመንግስቲ ኢራን ክወሃብ ከሎ፡ ኮምሽነር ሓደጋታት ኢራን ድማ በንጻሩ፡ እታ ነፋሪት ቅድሚ ምውዳቓ ዝዀነ ንሓደጋ ዝእንፍት መልእኽቲ ከምዘይተቐበለ ገሊጹ። ሰብ-መዚ ኢራን ካልእ ኣደናጋሪ ወይ ተጋራጫዊ መግለጺ’ውን ኣስሚዖም እዮም። ንሱ ድማ፡ ዳታ ዝምዝግብ ጸሊም ሳጹን ናይታ ነፋሪት ንክኢላታት ምዕራብ ካብ ምርካብ ድሕሪ ምሕንጋዶም፡ ገለ ክፋል ናይቲ ጸሊም ሳጹን በቲ ሓደጋ ከም ዝዓነወ፡ በዚ ከኣ ገለ ክፋል ናይቲ ክርከብ ትጽቢት ዝግበረሉ ሓበሬታ ጠፊኡ ከም ዘሎ ዘመልክት ሓበሬታ’ዩ ነይሩ።እታ ነፋሪት፡ 15 ህጻናት ዝርከቡዎም

176 ገያሾን 9 ሰራሕተኛታትን ኣሳፊራ ከም ዝነበረት’ዩ ዝግለጽ። እንትርፎ ዝተመናንሀን ዝሓረረን ሬሳታቶም ድማ፡ ብህይወት ዝሰረረ ኣይነበሮምን። ካብኣቶም እቶም 82 ኢራናውያን፡ 63 ካናዳውያን፡ 11 ዩክሬናውያን፡ 10 ሽወደናውያን፡ 7 ኣፍጋናውያን፡ እቶም 3 ድማ ብሪጣናውያን እዮም ነይሮም። ኣብዚ ካልእ ኣካታዒ ዝኾነ ኣርእስቲ፡ መንግስቲ ኢራን እቲ ቁጽሪ 176 ከም ዘይኰነ ምሕባሩ እዩ። ብዘይካ’ዚ፡ 3 ጀርመናውያን ኣብታ ነፋሪት ከምዝነበሩ ንዝተዋህበ መግለጺ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ኣሉታዊ ምላሽ ሂቡሉ ኣሎ። መንነት ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ግዳያት ብንጹር ንምፍላጥ ዝካየድ ዘሎ ዕማም ከቢድ ገይሮሞ ካብ ዘለዉ ረቛሒታት ሓደ፡ ብዙሓት ካብ’ቶም ግዳያት ድርብ ዜግነት ስለዝጸንሖም’ዩ።ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጃስቲን ቱራዱ

ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ 138 ካብ’ቶም ገያሾ ብመገዲ ዩክሬን ኣቢሎም ናብ ካናዳ ክኣትዉ መዲቦም ዝነበሩ ምዃኖም፡ ብዙሓት ካብ’ቶም ኢራናውያን ተባሂሎም ዝግለጹ ዘለዉ ድማ ዜግነት ናይ ካናዳ ከምዘለዎም ሓቢሩ። መብዛሕትኦም ከኣ ኣብ ዩኒቨርስታት ካናዳ ዝመሃሩ ተማሃሮን መጽናዕቲ ዘካይዱ ክኢላታትን ከም ዝነበሩ ወሲኹ ኣረዲኡ። ካብተን ዩኒቨርስታት ዝተረኽበ ሓበሬታ ከምዘነጽሮ፡ እቶም ተመሃሮ ብምኽንያት ብዓል ልደት ንዝተፈቕደሎም ዕረፍቲ ምስ ስድራኦም ንኸሕልፉዎ ኢሎም ናብ ኢራን ዝኣተዉ እዮም ነይሮም። ኣብ ታሪኽ ካናዳ ድማ ድሕሪ’ቲ ብ1985 ኣብ ህንዲ ዘጋጠመ’ሞ ብዙሓት ካናዳውያን ዝተቐዝፉሉ ሓደጋ ነፋሪት እቲ ዝበዝሐ ህይወት ካናዳውያን

ዝቐዘፈ ሓደጋ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ። ኣህጉራዊ መንገዲ ኣየር ዩክሬን ካብ

1992 ኣትሒዙ ካብ ዘካየዶ በረራታት፡ ንፈለማ ግዜ’ዩ ሓደጋ ዘጋጥሞ ዘሎ። እታ ነፋሪት ተሃሪማ ኣብ ዝወደቐትሉ፡ ምኽንያት መውደቒኣ ንምፍላጥ መንግስቲ ኢራን ነቲ ጸሊም ሳጹን ከረክብ ምስ ተሓተተ ፍቓደኛ ኰይኑ ኣይተረኽበን። እዚ ከኣ፡ እታ ነፋሪት ስርሓት ኣመሪካ ብምዃና፡ ዋሺንግተን ነቲ ኣብቲ ጸሊም ሳጹን ዝርከብ ሓበሬታ ንኢራን ንምጥቃዕ ጠምዚዛ ከተንብቦ ትኽእል’ያ ዝብል ስግኣት ስለ ዝነበሮ’ዩ። ኰይኑ ግን ኢራን፡ ምኽንያት መውደቒኣ ንምፍላጥ ደቂቕ መርመራ ከም እተካይድ ሓቢራ። ድሕሪ’ቲ ኣስካሕካሒ ሓደጋ፡ ፕረዚደንት ዩክሬን ኣስታት 55 ዝበጽሑ ነቲ ሓደጋ ዘጽንዑ ክኢላታት ናብ ኢራን ልኢኹ። ምዕራባውያን ክኢላታት ክህቡዎ ኣብ

ዝቐነዩ ሓበሬታ፡ እታ ነፋሪት ብልዕሊ’ቲ ኢራን ባለስቲክ ሚሳይላት ከዚናትሉ ዘላ ብ‘ሻሂድ ሞ ስሬድ’ ዝፍለጥ መደበር ሚሳይል ኣብ ዝበረረትሉ፡ ኣሃዱታት ጸረ-ነፈርቲ ኢራን ነቲ መደበር ንምዕናው ካብ ኣመሪካ ዝተፈነወ ክሩዝ ሚሳይል መሲላቶም ብጌጋ ከም ዝሃረሙዋ’ዮም ዝገልጹ።ገለ ወገናት ድማ፡ ምውቃዕ ናይታ

ነፋሪት ምስቲ ኣብ ኣመሪካ ብኣባላት ሰልፊ ደሞክራትስ ዝካየድ ዘሎ ንፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብጥሕሰት ሕገ-መንግስቲ ከሲስካ ካብ ስልጣኑ ናይ ምእላይ ዘመተ ምትሕሓዝ ከምዘለዎ ይሕብሩ። እዞም ወገናት፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መስርሕ ፍርዲ ስለ ዝርከብ፡ ኣተኵሮ ፖለቲከኛታት ንምጥምዛዝ ብመንግስቲ ኣመሪካ ዝተፈጸመ ውዲት ከይከውን ዝብል ጥርጠራታት’ዮም ዘቕርቡ። እዚ ከኣ ክልቲኡ ጉዳያት ምስ ዩክሬን ዝተሓሓዝ ብምዃኑ’ዩ።ኣዛዚ ሰራዊት ሓለዋ ሰውራ ኢራን

ጀነራል ኣሚር ዓሊ ሓጂዛህ፡ እቲ ፍጻመ ኣዝዩ ከምዘሕዘኖ ብምሕባር፡ ነቲ ናይ ጥፍኣት ትእዛዝ ዝሃቡ ኣብ ታሕተዋይ ጽፍሒ መዝነት ካብ ዝርከቡ ኣዘዝቲ

ምሉእ ሓላፍነት ከምዝወስዱሉ ኣረዲኡ። እቲ ብዓል-ስልጣን ወሲኹ፡ ሰራዊት ኢራን ኣብቲ እዋን ኣብ ልዑል ተጠንቀቕ ብምንባሩ፡ ካብ ኣመሪካ ዝተወንጨፈ ሚሳይል’ዩ ዝብል ርድኢት ሒዙ ከይመርመረ ቅጽበታዊ ስጕምቲ ከም ዝወሰደላ’ውን ኣረዲኡ።መንግስቲ ኢራን ፈለማ ኣብቲ ሓደጋ፡

ዝዀነ ኢድ ከም ዘይብሉ ምግላጹ፡ ጸኒሑ ድማ ብጌጋ ከም ዝሃረማ ምእማኑ ንብዙሓት ዜጋታቱ ከየቘጥዐ ኣይተረፈን። ተመሃሮ ዝርከቡዎም ኣሽሓት ዜጋታት’ታ ሃገር፡ ብተግባራት ሰበ-ስልጣን መንግስቶም ዝተሰምዖም ሕርቃን ንምግላጽ ኣብ ጎደናታት ወጺኦም ሰልፊ ከካይዱ ቀንዮም። ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ድማ “ኣነቓቓሒ ሰልፊ” ክብል ንተቓውሞኦም መጒሱዎ። ቅንጸላ ጀነራል ሱሌማንን ምጥቃዕ

መዓስከር ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ዒራቕን፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝጸንሐ ወጥሪ ሰማይ ኣዕሪጉዎ’ዩ። መንግስቲ ኢራን ኣብ ዒራቕ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ መዓስከር ሰራዊት ኣመሪካ ዘካየዶ መልሰ መጥቃዕቲ፡ ብሓቂ ወተሃደራት ንምቕታል ዝዓለመ ዘይኮነስ፡ ኣብቲ መዓስከር ንዋታዊ ዕንወት ብምውራድ ንዝበኣሰ መልሰ-መጥቃዕቲ ድልውነትካ ንምርኣይ ምዃኑ’ዩ ዘረድእ።ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ኢራን

ኣያቶላህ ዓሊ ከመንኢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብቲ ዞባ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ውጽኢት ኣመሪካን መሓዙታን ከምዝዀነ ብምሕባር፡ ሃገራት’ቲ ዞባ ወተሃደራዊ ህላወ ኣመሪካ ንምኽታም ብውህደት ክሰርሓ ጸዊዑ። ፈረንሳ፡ ጀርመንን ብሪጣንያን፡ ኢራን ነቲ ኣብ 2015 ዝተኸተመ ስምምዕ ኒኩሌር ብምኽባር ኣብቲ ዞባ ክስዕብ ንዝኽእል ዘይተደልየ ቅልውላው ከተወግድ ከምዘለዋ ኣዘኻኺረን።ነፋሪት ዩክሬን ኣብ ኣመሪካ ዝተሰርሐት

ብምዃና፡ እቲ ትካል ኣብቲ ዝካየድ መርመራ ንምስታፍ ናብ ኢራን ይኣቱዶ ይኸውን ዝብል ክትዕ መዓልቦ ከይረኸበ’ዩ ነዊሕ ገይሩ። ኮምሽን ሲቭል ኣቪየሽን ተጸዋዒ ኢራን ግን፡ ልኡኻት ኣመሪካ ናብ ኢራን ክኣትዉ ጸገም ከምዘይብሎም ኣረዲኡ። ጠንቂ ምውዳቕ’ታ ነፋሪት ንምፍላጥ ዝካየድ መርመራ ሓላፍነት ዝወስደሉ ግን፡ መንግስቲ ኢራን ከምዝዀነ ኣረዲኡ።ትማሊ ዓርቢ ንግሆ፡ በቲ ሓደጋ ዜጋታተን

ዝሞቱወን 5 ሃገራት ኣብ ዘውጽኣኦ ሓባራዊ መግለጺ፡ ካብ መንግስቲ ኢራን ቅልጡፍ መልሲ ይጽበያ ከም ዘለዋ ብምሕባር፡ ወድዓውን ኣዕጋብን መልሲ ከይረኸባ ብፍጹም ከምዘይዓርፉ ገሊጸን።በዚ ኰይኑ በቲ ግን፡ ኢራን ስለምንታይ’ያ

ነታ ነፋሪት ብጌጋ ሃሪማ ከም ዘውደቐታ ንምእማን ሰለስተ መዓልታት ወሲዱላ ዝብል ሕቶ፡ ክሳብ ሕጂ ምላሽ ኣይረኸበን ዘሎ።

ሓዳስ ኤርትራ 18 ጥሪ 2020 - ገጽ 6መበል 29 ዓመት ቁ.119

ፍኖት ዓብደልቃድር ኣሕመድ

ዓቢ ጩራ ካብ ንእሽቶ መስኮት

ደኒስ ቡኩሚ ንኩሩንዚዛ፡ ማእከላይ መነባብሮ ካብ ዝነበሮም ስድራቤት ኣብ ሰሜን ብሩንዲ ተወሊዳ። ሓፋር ግን ከኣ ውዕዉዕ ስምዒት ስፖርትን ጻዕራም ሰራሕተኛን ብምዃን፡ ምስ ዓባይ ሓብታ ዓብያ። ኩሉ ነገር’ውን ኣብ ቤት ሓብታ ፈለመቶን ዛዘመቶን። ካብ ዕርክነት ናብ ሓዳር ዝተሰጋገረ ስድራቤት መስሪታ። በዓል-ቤታ ፔረረ ንኩሩንዚዛ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብሩንዲ ፕሮፌሰር ነበረ። ንሳ’ውን ኣብ ፖሊስ ኢምግሬሽን ስራሕ ተቖጽረት። ይኹን እምበር፡ ምዉቕ ሓዳሮም ብጽሕፍቶ ክዳነይ ተወሰነ። 1993 ኣብ ዝተባርዐ ኲናት

እታ ሃገር እተፍቅሮ ደኒስ በዓል-ቤታ ሰኣነት። ኣብ ከቢድ ሓዘን ተሸመመት። ንሸውዓተ ዓመት ምስ ቀንዲ ጸላኢአ ዝኾነ ብሕትውና ገጽ ንገጽ ተፋጠጠት። ሓንሳብ ተስፋ ብምቑራጽ ካልእ ሳዕ ተስፋ ብምስኳዕ ምንባር ቀጸለት። ንብርቱዕ ንብዓት ስዒቡ ዝመጽእ ዘይውዳእ ስሓቕ ክትውንን ተመነየት። ዝቓደረ ተስፋ ልባ ጠጢዑ ካብታ ንእሽተይን ዕጽውትን መስኮት ቤታ ተስፋ ኣማዕድወት። በታ ተስፋ ድማ ዓቢ ጩራ ረኣየት። “ተስፋ ምቑራጽ ብዊንታኻ

ቀታሊ መርዚ ምስታይ ማለት እዩ። ንቕባጸት ንምቕታል ዝጭለጥ ማይ ተስፋ ግን ሓይሊ ይፈጥር።” ብዝብል ቃል ተስፋ፡ ብውዕዉዕ መንፈስ ዳግም ናብ ስራሕ ተመልሰት። ኣብነታዊት ሰራሕተኛ ብምዃን ዓቢ ዝና ወነነት። ኣብ መወዳእታ’ውን ቀዳመይቲ እመቤት መንግስቲ እታ ሃገር ብምዃን ብርሃን ህይወት ረኣየት። ካብኡ ሓሊፉ’ውን ኣብነት ትስፉዋት ሰባት ክትከውን በቕዐት። እታ “ሓይሊ ተስፋ” ዘርእስታ ንታሪኽ ህይወት ገዛእ ርእሳ እትትርኽ መጽሓፍ ከኣ ኣድማሳዊ ተቐባልነት ረኸበት። “ሰባት ከመይ ኢሎም ይነብሩ?”

ዝብል ሕቶ፡ ብህይወት ክሓስብን

ከስተማቕርን ናይ ዝጅምር ሰብ መባእታዊ ምርምር እዩ። ኣብ ከባቢና ናይ ዝርከቡ ሰባት ኣነባብራ ምስ እንጥምት ኵሉ ግዜ ዘየቋርጽ ሕቶታት ነስዕብ። እቶም ጽጉማት እንብሎም ሰባት “መራር ለይቲ፡ ከመይ ኢሎም የውግሑዋ? ዕድመኦም ምሉእ ብድኽነት ከመይ ኢሎም ጸኒሖም?’” ብዙሕ ሕቶታት ወሲኽና ንግረም። ልዕሊ ዓቕምና ብዝኾነ ሓሳባት’ውን ንጭነቕ። መልሲ ንዘይንረኽበሎም ሕቶታትን ፍታሕ ዘይብሎም ግድላትን ነልዕል። ምጉትና ነልዝበሉ ሓቅታት ህይወት ንፍትሽ። ተምሳላዊ ዛንታ፡ “ኣዕዋፍ ሰማይ ኣይሓርሳ ኣይምሕሳ” እናበልና ንረግእ። ባዕልና ዘበገስናዮ ግድል ገዛእ ርእስና ክንፈትሕ ንህቅን። ሕቶታትና ግን ኣየቋርጹን። …ቀዝሒ እናወረደ ብዘይኮቦርታ

ኣብ መገዲ ኣጋር ተጸጊዑ ዝሓድር ሰብ ንርእይ። ዝባኖም ዝተቐልዑ ወይ ከብዶም ብጥልቅዑ ብመሪር ኣውያት ዝታኸሱ’ውን ንሰምዕ። ድራር እለት ዘይብሉ ግን ኣንጊሁ ዝትንስእ በዓል ምሉእ ተስፋ ሰብ’ውን የጋጥመና። እንታይ ኢዩ እቲ ሓይሊ? ብኣንጻር እቲ ኣብ ባራካ ዝሓደረ

ሰብ፡ እቲ ክዳን ቁሪ ተኸዲኑ ንክልተ ኣንሶላ ክልተ ኮቦርታ ደሪቡ፡ ካልስን ጓንትን ወሲኹ ዝሓደረ በዓል ጸጋ ብሕማም ክፍተን ንዕዘብ። እቲ ጸባን ውጽኢት ጸባን ምስ መዓርን ኩሎም ዓይነታት ፍሩታታትን ወሲኹ ከብዲ ምላሽ በሊዑ፡ ኣብ ተነፋሒ ሰፍነግ ሰለስተ ኮቦርታ ዝተኸድነ ወዲ ርኹብ፡ ንግሆ ክህንጥስን ክስዕልን ንርእዮ። ብጥምየት እናበኸየ ብድኻም ድቃስ ዝወሰዶ ቈልዓ ስድራ በተኽ ምስ ጸሓይ ተቐዳዲሙ ክትንስእን ክስሕቕን ኣየጓንፈናን ድዩ? ዓበይቲ ትካላት ዕለታዊ ኣማኢት

ኣሽሓት ሕሳብ ተረኪቡ፡ ጽቡቕ ተመጊቡ፡ ኣብቲ ባዕሉ ዘሕልም መተርኣስ ተጎምብዩ፡ ድቃስ ክኣብዮን እንተደቀሰ ድማ ክብህርርን ከህተፍትፍን እንከሎ፡ እቲ ጽባሕ ስራሕ ክረክብ ድዩ ዘይክረብ ዘይፈልጥ ሰብ ሩፍ ኢሉ ደቂሱ ኣይሓድርን ድዩ? ፈውሲ ድቃስ፡ መፍትሒ ጸቕጢ መድሃኒት ሕማማት ክህብን

ከማኽርን ዝውዕል በቲ ሓደ፡ ንመድሃኒትን መመርመሪ ሕክምናን ዘይብሉ በቲ ካልእ ማዕረ 24 ሰዓት ኣይውንኑን ድዮም? እንታይ ኢዩ እቲ ምስጢር? ዊንስቶን ቸርችል፡

“ ደቂ-ሰብ ብመጠን እንረኽቦ እቶት ክንነብር ንኽእል። ብመጠን እንኸፍሎን እንህቦን ህይወት ይህልወና” ንዝበሎ ቃል ከነስተማቕሮ ኣብ እንፍትን፡ ንህይወት ብኽልተ ሸነኻ ክንርእያ ንግደድ። ሰብ ሰሪሑ እምበር ተጨኒቑ

ዝልውጦ የብሉን። ነታ ቁመቱ’ውን ክውስኸላን ከጉድለላን ኣይክእልን። ሓያሎ ሰባት ግን፡ ካብታ ንእሽቶ መስኮት ዓቢ ጩራ ተስፋ ብምርኣይ ህይወቶም ክቕይሩ ንዕዘብ። ወናኒ ዝዓበየ ኣመሪካዊ ኢንዱስትሪ

ሓጺን ኣቻዮ ዝኾነ ኣንድሪ ካርኔ፡ ሓደ ካብቶም ካብ ትሕተ-ባይታ ድኽነት ወጺኦም ናብ ዝለዓለ ደረጃ ሃብቲ ዝደየቡ ኣብነታውያን ሰባት ናይዛ ዓለም እዩ ነይሩ። ካብ ሓንትን ጸባብን ክፍሊ ብማእለማ ኢድ እትናበር ድኻ ስድራ ዝተወልደ ስኮትላንዳዊ ኣንድሪ ካርኔ፡ ነቲ ኣብ ግዜ ቁልዕነቱ ዘሕለፎ ሕሱም ድኽነት ይርስዖ ኣይነበረን። እቲ ካብ ድቃስ ለይቲ ዘተንስእ ዝነበረ ጥሜት፡ ንቀዝሒ በረድ ዘየጻውር ዕርቃንን ኣብ ካልኦት ከይድገም ይጽዕት ነበረ። ወለዱ ብዘካየዱዎ ጻዕርታት ካብ

ኢድ ናብ ኣፍ ጥራይ ምስ ኮኖም፡ ድኽነት ንምስዓር ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተሰዲዶም። ኣብቲ እዋን ኣንድሪ ካርኔ ወዲ 13 ዓመት ነበረ። እንተኾነ ኣንድሪ ካርኔ ካብ ንትምህርቲ ንስራሕ ዓለም ወይ ኣብ ትሕተ ዕድመ ናብ ሽቕለት ወፈረ። ኣብ ሰሙን ሽዱሽተ መዓልቲ ወይ 72 ሰዓታት ሰርሐ። ዝተረፈ ሰዓታት’ውን ከዕርፈሉ ኣይመረጸን። ታሪኽ ስኮትላንዳውያን ጀጋኑ፡ መሃዝትን ፈጠርትን ዝትርኽ መጻሕፍቲ የንብብ ነበረ። ኣብ ስርሑ ብዘርእዮ ዝነበረ ተገዳስነት ኮኾብ ሰራሕተኛ ተሰምየ። ናይ ቀረባ ሓለፍቱ ዕብየት ስራሕ ሃቡዎ። ኣንድሪ ካርኔ ካብ ኣቐባሊ

መጽረግ ጨርቂ ናብ ኦፐረተር መልእኽቲ ተሰጋገረ። ካብኡ ሓሊፉ’ውን ምስ ኮሎኔል ጀምስ ኣንደርሰን ተላለየ። ቤቱ ኣርሓወሉ። ኣብታ ገዛ ኣታውን ወጻእን ኰነ። ልዕሊ ዅሉ ኣብታ 400 ቅጽታት መጻሕፍቲ ዝነበራ ናይ ውልቁ ቤት ንባብ ብዘይስክፍታ ክግልገል ፈቐደሉ። ኣንድሪ ካርኔ ንናይ ምንባብ ፍቕሩን ፍልጠቱ ከዕብይን ሰፊሕ ዕድል ረኸበ። ተኸታታሊ ጽሑፋት ኣሰራርሓ ባቡር ምድሪ ብምንባብ፡ ንግድን ኢንዱስትርን ባዕሉ ተማህረ። ካብኡ ተበጊሱ፡ ኣብ ዘይቲ ነዳድን ሓጺን ኣቻዮን ኣተኲሩ ተመራመረ። ብቑሩብ ገንዘብ ናብ ወፍሪ ኣምርሐ። ቀስ-ብቐስ ብ1889 ‘ኣንድሪ ካርኔ’ ዝብል ኩባንያ ሓጺን ኣቻዮ መስረተ። እታ ትካል ከኣ፣ ኣብ ሓጺር ግዜ፡ ሓንቲ ካብተን ብደረጃ ዓለም ኣብ ቅድሚት ዝስርዓ ኣፍረይቲ ሓጺን ኣቻዮ ተመደበት። እቶታ ዓበየ።ኣንድሪ ካርኔ፡ ንኣመሪካ ከም ሃገር

እቲ ዝግባእ ቅጥዒ ምዕባለ ካብ ዘትሓዙ ሃነጽቲ ሓደ እዩ ንምባል ዝበቕዐ ኣብነታዊ ሰብ እዩ። 1901 ነታ ኩባንያ ናብ ጀይፒ ሞርጋን ብ480 ሚልዮን ዶላር ብምሻጥ፡ ምስቲ ዝነበሮ ቅሙጥ ገንዘብ ደሚሩ ምሉእ ግዜኡ ከም ግብረ-

ሰናይ ከሕልፎ ወሰነ። ቤት ንባብ ኒው ዮርክ ንምስፋሕ ሚልዮናት ዶላር ኣበርኪቱ። ብስሙ ዝጽዋዕ ትካል ተክኖሎጂ ኣብ ፒትስበርግ መስሪቱ። እቲ ትካል ኣብዚ እዋን’ዚ ብዩኒቨርሲቲ ካርኔ መሎን ይጽዋዕ ኣሎ። ንትምህርትን ንኣህጉራዊ ሰላምን ዝሕግዝ ትካላት መስሪቱ ሓሊፉ። ቢልዮነር ሳሙኤል ዋልቶን’ውን

ተመሳሳሊ ድሕሪ ባይታ ኔሩዎ። ሳሙኤል ዋልቶን፡ ካብ ዝተሓተ ደረጃ መንብሮ እዩ ተበጊሱ። ካብ ሓላቢ ከብቲ፡ ሸያጢ ጋዜጣን ንእሽቶ ድኳንን ናብ ደርማስ ርእሰ-ማል ዝውንን በዓል ትካላት በጺሑ። ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣመሪካን ሃገራት ኣውሮጳን ዓበይቲ ዕዳጋታት ዘርጊሑ። እቲ ዝገርም ኣብቲ ኣመሪካ ኣብ ዓቢ ቅልውላው ዝነበረትሉ እዋን፡ 23 ቢልዮን ዶላር ርእሰ-ማል ነበሮ። ሳሙኤል ዋልቶን ካብ ሓንቲ ላም

ዝውንኑ ስድራቤት እዩ ተወሊዱ። እግሪ ትኽል ኣቢሉ ድማ ስድራኡ ንምሕጋዝ ተበጊሱ። ቀልጢፉ ሕርሻ ከብቲ ለሚዱ፡ ነታ ላም ክሓልባ ጀሚሩ። ካብቲ ዝሓለቦ ጸባ ንከብዱ ከይፈቐደ ክሸጦ ግድነት ኔሩ። ጸባ እናኣበጻጽሐ ዓማዊል ኣጥረየ። ኣብ ርእሲ እቲ ምሻጥ ጸባ፡ ኣብታ ከተማ እትሕተም ጋዜጣ ክዝርግሕ ስራሕ ተቖጽረ። ንመዓልታዊ ጋዜጣ ኮሎምብያ ትሪቡን ፈቖዶ ገዛውትን ኣብያተ-ጽሕፈትን ኣብጽሐ። ንእግረ-መገዲ ዓንቀጻት ናይታ ጋዜጣ እናኣንበበ ብዙሕ ፈለጠ። ካብታ ንእሽቶ መስኮት ዓቢ ጩራ ዓወት ርኣየ። ብሕልፊ ካብቶም ዓመታዊ ከፊሎም መጽሔት ናብ ገዝኦም ዘብጽሓሎም ሰብ ርእሰ ማል ዝህብዎ መቑሽሽ እናኣዋህለለ ናብ ኮለጅ ክኣትው ኣንቀደ። ሓሳቡ’ውን ሰመረሉ። ተማሃራይ ኮለጅ

ኣብ ዝነበረሉ፡ ውራይ ትምህርቲ ጥራይ ይገብር ኣይነበረን። ኣብ ተረፍ ስዓት ምስ ዓበይቲ ቤት መግቢ ከም ኣሰላፊ

ኣሳሳዪን ናይ ጽሬት ሰራሕተኛን ይሰርሕ ነበረ። ትምህርቱ ዛዚሙ ድሕሪ ምምራቑ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ናብ ሰራዊት ኣመሪካ ተጸምቢሩ። ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም ካብ ሰራዊት ተፋንዩ። ቀልጢፉ ስራሕ ክረክብ ኣይከኣለን። ድሕሪ ነዊሕ ኮለል ኣብ ሓንቲ ድኳን ከም ኣካያዲ ስራሕ ተቖጽረ። ናይ ዝተፈላለያ መኽዘናት ድኳን ናይ ምምሕዳር ስራሕ ደረበ። 26 ዓመት ኣብ ዝመልኣሉ፡ ኣዒንቱ ቋሕ በላ። ካብ ባንክ ብምልቃሕ ሓንቲ ንእሽቶ ድኳን ገዛእ ርእሱ ከፈተ። እታ ድኳን፡ ቀሊል ግን ከኣ ኣብ

ስራሕ ንግዲ ዓቢ ምህዞ ክፈጥር ደረኸቶ። ዕዳኡ ክኸፍል ነዊሕ ኣይጸንሐን፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ካልአይቲ ድኳን ወሰኸ። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ከኣ ኣስታት 225,000 ዶላር ኣዋህለለ። ብ2 ሓምለ 1962 ንመጀመርያ ግዜ ዓቢ ድኳን ኣብ ኣካንሳስ ብምኽፋት ንድኽነት ናብ ሳንዱቕ ታሪኽ ኣቐመጦ። ካብ 1982 ክሳብ 1988 ሓደ

ካብ ሃብታማት ኣመሪካውያን ክስመ በቕዐ። ብጠቕላላ 1960 ድኳናት ወኒኑ፡ 380 ሽሕ ሰራሕተኛታት ቆጺሩ፡ ኣብ ዓመት 50 ቢልዮን ዶላር ግብሪ ይኸፍል ነበረ። 1992 ስነ-ስርዓት ቀብሩ ኣብ ዝተፈጸመሉ ካብታ ንእሽተይ መስኮት ብዝረኣዮ ዓቢ ተስፋ፡ ዓቢ ቁም-ነገር ፈጺሙ ከም ዝሓለፈ ተነጊሩሉን ይንገረሉ ኣሎን። ማህደረ ምስክር

ሓዳስ ኤርትራ 18 ጥሪ 2020 - ገጽ 7መበል 29 ዓመት ቁ.119

ልቢ-ወለድጆሜ/ደጀን ተኽለ

ልቢ-ወለድጆሜ/ደጀን ተኽለ

ልቢ-ወለድጆሜ/ደጀን ተኽለ

እቲ ዝተሰብረ ቤትሮ ናይቲ ቡቲክ ዝፈጠሮ ድምጽን ውጫጨ ናይ’ተን ሰራሕተኛታትን፡ ንኣቓልቦን ኣዒንቲን ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት ክስሕብ ግዜ ኣይወሰደሉን። ገለ፡ ‘ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎ’ዩ’ ብምባል ስቕ ኢሎም ክዕዘቡ እንከለዉ፡ ገለ ድማ፡ ‘ሓዞ! ሓዞ!’ ብምባል ኣሰር ኣሰሩ ሰዓቡ። ነዚ ዘስተውዓለ ሄኖስ፡ ካብቲ ከባቢ ሓደ ሚእቲ ሜትሮ ኣቢሉ ምስ ከደ፡ ሓይሉ ተጸንቂቑ ብድኻም ክስነፍ ነብሱ ስለዝተፈለጦ ኣብ ዘለዎ ተረዅሚሹ ወደቐ። ብቕልጡፍ ነቲ ለቢሱዎ ዝነበረ

ጃኬት ብምውጻእ፡ ኣብቲ ማርቻፔዲ ፈፈው በለ። እቶም ኣሰር ኣሰሩ ዝሰዓቡ ኣጓብዝ ንሄኖስ ምስ ኣርከብዎ በቲ ኩነታት ተገረሙ። እናላህልሁ ድማ ተዓኒዶም ተዓዘብዎ። ሓደ ካብኣቶም ድማ፡ “ኣንታ’ዚ ናይ ብሓቂ ናይ ኣእምሮ ጸገም ኣለዎ። ትርእይዎዶ ኣለኹም ስቕ ኢሉ ጠንቀላዕላዕ ይብል። ጥዑይ እንተ ዝኸውን ክሳብ ዝተሓዝ ክሃድም ምፈተነ። በጃኹም ንመለስ! እዝስ ንርእሱ ምሓሾ። ምሕረት ጥራይ የውርደሉ ፈጣሪ፡” በለ። እቶም ዝተረፉ ኣብ ብሓሳቡ ስለ ዝተሰማምዑ፡ ናብቲ ቡቲክ ተመሊሶም ነተን ዝገብርኦ ጠፊኡወን ክበኽያ ዝጸንሓኦም ሰራሕተኛታት እቲ ቡቲክ፡ ‘ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎ’ዩ። ኣብ ማርቻፔዲ ጠንቀላዕላዕ ክብል’ዩ ጸኒሑና፡’ ብምባል ተፋነዉወን።እተን ሰራሕተኛታት፡ ነቲ ፈጻሚ

ገበን ብኽሳዱ ሓኒቖም ከምጽኡለን ዝነበረን ትጽቢት ጽልምት ኢሉ ብሕርቃን ኩምትር በላ። ተጠማሚተን ድማ፡ ብሓባር ብብኽያት ፊቕ በላ። ገለ፡ ‘ኣጆኽን ዝብሉ፡’ ገለ ድማ፡ ‘ናብ ፖሊስ ሓብራ፡’ ዝብሉን ነቲ ስብርባር ቤትሮ ዝኹስትሩን ዝዕዘቡን እቲ ኣፋፌት ኣብ’ቲ ቡቲክ ሰብ ተኣኪቡ ነበረ። ሰሚራ፡ ካብ ኣዒንታ ከም ዝነትዐ

ዒላ ዝፍልፍል ዝነበረ ንብዓት በጻብዓ እናሓበሰት፡ ናብ ዓምኣ ንኽትድውል መልጐም መደወሊ ሞባይላ ጠወቐት። ማቱሶላ፡ ኣብ ምዉቕ ባሕሪ ፍቕሪ

ብፍስሃ እናሓንበሰ እንከሎ፡ እታ ኣብ ጁባኡ ዝነበረት ሞባይሉ ድምጺ ገበረት። ካብ ኣብ ውሽጡ ተዘሪኡ ዝነበረ ፍቕሪ ክወጽእ ስለዘይመረጸ፡ ሞባይሉ ክቕበላ ኣይበሃገን።‘ዓመይ፡ እንታይ ኴንካ ደኣ

ዘይትቐበለኒ። ሓድሽ ዓመት ምድርስ ናጤባ ክነጥበና። እንታይ ይበሃል ጓለይ’ዚ፡ ‘ዘይሓሰብካዮ ርኸብ ኣይመርገም ኣይምርቓ’ በለት ብውሽጣ ደጊማ መልጐም መደወሊ እናጠወቐት - ሰሚራ።ዳግማይ ሞባይሉ ድምጺ

ስለዝገበረት፡ ኢዱ ኣብ ጁባኡ ብምስዳድ ስም ደዋሊ ድሕሪ ምዕዛብ፡

11 ክፋል

ቀስቲ ሳሮን

ንሳሮን ፍቓድ ሓቲቱ መቐበሊ መልጐም ብምጥዋቕ፡ “ሰሚራ ከመይ ኣምሲኺ?” በለ።እናተነኽነኸት፡ “ዓመይ፡” ብምባል

ኣይቀጸለትን ብኽያት ስዒሩዋ ፊቕ በለት።“ሰሚራ፡ ሰሚራ፡ እንታይ ኢኺ

ኴንኪ? ደሓን ዲኺ? ንገርኒዶ?” በለ ብርቡሽ መንፈስ። ብወገን ሰሚራ ብዘይካ ብኽያት

መልሲ ስለዝሰኣነ ግን፡ ተርባጹ መሊሱ ዛየደ። “ኣብ ስራሕዶ ኣይኰንክን ዘለኺ? እስከ ንማክዳ ኣራኽብኒ፡” በለ ብታህዋኽ።ሓንቲ ካብተን ጐረቤተን ሰራሕተኛ፡

ሞባይል ካብ ሰሚራ ተቐቢላ፡ “ሄሎው ማቱሶላ፡ ሓደ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎ ሰብ ቤትሮ ናይ ስራሕ ሰይርዎ ስለዘሎ፡ ብቕልጡፍ ምጻኣየን እዘን ቈልዑ፡” በለቶ።ኣብ ውሽጡ ተዘሪኡ ብፍስሃ

ክስዕስዕ ዝጸንሐ ናይ ሓጐስ ስምዒት ከም ትኪ በኒኑ ካብ ኣካላቱ ንእለት ተሰዊሩ፡ ብሕርቃን ክትካእ ተፈለጦ። ‘ኣሕ!’ በለ ሞባይሉ ካብ እዝኑ ብምእላይ ብየማናይ ኢዱ ስቴርሶ ማኪና ሃረመ።ሳሮን፡ በቲ ጋሻ ተግባራት ማቱሶላ

ነብሳ ሓዊ ከም ዝረኸቦ ክዳን ሽምርር ክብል ተፈለጣ። ብትሑት ድምጺ ድማ፡ “ፍቕረይ፡ ደሓን ዲና? እንታይ ዘጋጠመ ኣሎ ድዩ?” ብምባል ዓይኑ ዓይኑ እናጠመተት ሓተተቶ።“ሓደ ሰብ ቤትሮ ናይ ስራሕ

ሰይርዎ፡ ቀልጢፍካ ምጻእ ይብላኒ ኣለዋ ክብልን ‘እውይ!’ ኢላ ርእሳ ብክልተ ኢዳ ክትሕዝን ሓደ ኰነት። ርእሳ ብምቕናዕ፡ “ፍቕረይ፡ እንቋዕ

ኣባኻ ኣይወረደ’ምበር፡ ቤትሮ ደኣ ጽባሕ ይትካእ፡” ብምባል ኣጻብዕቲ ኢዳ ኣብ ቀላጽሙ ሰደደት። ‘እዚኣ ገይርካ ሄኖስ፡’ በለት ድማ ብውሽጣ።* * *ማቱሶላ፡ ብቕልጡፍ ካብ ማኪና

ብምውራድ ናብቲ ቡቲክ ሰጐመ። ነቲ ዝተኣከበ ስብርባር ቤትሮ ድሕሪ ምዕዛብ በብሓደ ናብተን ክልተ ሰራሕተኛታት ጠመተ። “ከመይ ይመስል እቲ ሰብ?” ብምባል ድማ ሓተተን።ማክዳ፡ ክሳዳ ኣቕንዕ ብምባል፡

“ንሕና ኣይረኣናዮን ዓምና። እምኒ ምስ ደርበየ ብጉያ’ዩ ሃዲሙ። ኣብዚ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት ድማ፡ ደድሕሪኡ ጐይዮም። እንተዀነ፡ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎ ሰብ’ዩ። ኣብቲ ማርቻፔዲ ፈፈው ክብል’ዩ ጸኒሑና ግን ናብዚ ኣይተማልእዎን፡” በለት እናተነኽነኸት።ሳሮን፡ “ኣጆኽን ሽኮራት። ናይ

ኣእምሮ ጸገም ዘለዎ ሰብ ደኣ እንታይ ክገብሩዎ ሓቆም’ዮም፡” በለት።ማቱሶላ፡ “ዋላ’ኳ ኣብ ውሽጡ

ሕርቃን ዝርእ ኢሉ እንተ ነበረ፡

ሕማቕ ክዛረብ ኣይመረጸን። ናብ ካሳ ብምሱጓም ኣብቲ ናይ ካሳ መንበር ሮፋዕ ኢሉ ኮፍ በለ። “እሞ ንፖሊስ ክንሕብር፡” በለ ለዓት ተሌፎን ናይ ስራሕ እናልዓለ።ሳሮን፡ ንእለት ህርመት ልባ ብዕጽፊ

ክውስኽ ተፈለጣ። ናብ ማቱሶላ ብምቕራብ፡ “ፍቕረይ፡ እዚ’ኳ ንብረትካ እዩ። እዚ ሰብ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎ እንተዀይኑ ኸኣ፡ ፖሊስ ምሕባር ዘድልየካ ኣይኰነን። እንታይ ዝሰኣንካዮ ኣለካ ደኣ ኢኻ ንስኻ ንብረትካ ሰብ ከዐርየልካ እትደሊ፡” በለት ኣጻብዕቲ ኢዳ ኣብ መንኩቡ ሰዲዳ እናዳህሰሰት።ማቱሶላ፡ ኣዕሚቝ ድሕሪ

ምስትንፋስ፡ “ጽቡቕ ኣለኺ፡” ብምባል ንሓሳባ ኣይተቓወሞን። ኣዒንቱ ናብ’ተን ሰራሕተኛታት ብምልኣኽ፡ “ሕሳብ ግበራ’ሞ፡ ተፈደሳ፡” በለን ግንባሩ እናደረዘ።* * *ሳሮን፡ ኣብ ቤታ ምስ ኣተወት

ብቕልጡፍ ክዳውንታ ብምቅይያር ናብ ሄኖስ ኣፍቃሪኣ ደወለት።ሄኖስ፡ ካብቲ ዝነበሮ ፍርሒ

ተገላጊሉ ቅሩብ ህድእ ኢሉ ነበረ። ድምጺ ዝገበረት ሞባይሉ ምስ ተዓዘበ ብስሓቕ ክርትም በለ። “ኢለ እንድየ! ዓርኩ በል ደዊላ፡” ክምስምስ በለ። ‘ቃንዛ ማቱሶላ ከም ዘሕምመኪ ደኣ መዓስ ጠፊኡኒ። እምበኣር ካብ ቃንዛይ ቃንዛ ማቱሶላ ኣገዲሱኪ? ጽቡቕ፡’ ኢሉ ምስ ውሽጡ ዕላል ከይወድአ ደወል ወዲኣ መሊሳ ደገመት። “ሄለው ፍቕረይ፡ ከመይ ቀኒኺ?” በለ ድምጹ ኣትርር ኣቢሉ።“ጽቡቕ፡ ኣበይ ኣለኻ?” በለት ካልእ

ዘረባ ክትቅጽል ስለዘይደለየት።“ኣበይ ከም ዝህሉ’ሞ

ኣይጠፍኣክን’ዩ። ቅድሚኡ ግን ከመይ ቀኒኻ ምባል ምሓሸኪ ነይሩ? ብዘይ ብኣኺ ሰብ ዘይብላ ህይወተይ፡ ብብርሃኑ ጸልሚቱዋ’ዩ ቀንዩ። እንታይከ ኣሎ ሓድሽ ነገር?” ብምባል ውሽጣ ክፈልጥ ተወከሳ።“ሄኖስ ኣይትጋገ። ንዓኻ ኩሉ

ኰይነልካ’የ። ንዓይ ገዲፈ ንዓኻ ከም ዝዀንኩ ዝዘንጋዕካ ትመስል ኣለኻ። ብስምዒት ምሕሳብ ገዲፍካ ረጊእካ ተጐዓዝ። ደዊልካ ስለዘይተቐበልኩኻ፡ ናብ ካልእ ስጉምቲ ተምርሕ እንተ ኴንካ፡ ንዓለም ብፍቕርን ሰላምን ንምንባራ ክትጽገም ኢኻ። ደጋጊመ ነጊረካ’የ፡ ልበይ ብዘይካኻ ንኻልእ ዝኸውን ቦታ ከም ዘይብላ ትፈልጥ ኢኻ። ስለዚ፡ ስለምንታይ ኢኻ ቍሩብ ዓቕሊ ምግባር ኣቢኻ? ስለምንታይ ልበይ ሂበካ ክንሰይ፡ ንልበይ ዘቐንዙ ተግባራት ትፍጽም ኣለኻ? ክርደኣኒ ኣይከኣለን ዘሎ፡” በለት ብተሪር ድምጺ። እቲ ክትቆጻጸሮ ዝሓለነት ሕርቃና ስዒሩዋ።“ኣፍቃሪ’የ፡ ዘፍቀረ ከኣ ቀናእ’ዩ።

ብቕንኢ ልበይ ፈግ ኢሉ ዝገብሮ ይፈልጥ ኣይነበርኩን። ናይ ብሓቂ ደስታ ከኣ ተሰሚዑኒ። ክትፈልጢ ኣመና ኢኺ ኣዋሪድክኒ ዘለኺ

ኣብ ቅድሚ ዓርከይን መሓዙትክን። ናትኪ ጥራይ ኣይትሕሰቢ፡ ነዓይ ከኣ ሕሰብለይ። ዓለም ብዓለሙ ኣብ ደስታ እናሃለወ፡ ኣነ ብጽምዋ ክብላዕ፡ ፍቕረይ ከኣ፡ ልቢ ጐበዝ ከተማሙቒ ዝኽእሎ ኣይኰንኩን። ብኸምዚ ትጐዓዝዮ ዘለኺ ንሱ’ምበር፡ ንሕና ንኸስበሉ ኣይኰንናን፡” በለ።“ፍቕረይ፡ ርግእ ኢልካ

ሕሰብ። ከባቢኻ ተዓዘብ። ምሳኻ ክነብር ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ንጽባሕ ድራር ዝዀነና ተመን ጓሲሰ ክሳብ ዝመጽእ ዓቕሊ ገይርካ ምጽባይ ከድልየካ’ዩ። ናይ መሓዙተይን ዓርክኻን ዘረባ ንምንታይ የገድሰካ? ዋላስ ንዕኦም ኢልካ ኢኻ ትነብር ዘለኻ?” በለት ቊጥዕ ኢላ።“እቲ ዝጓተትክዮ ተመን እንዶ’ሞ

ኣሰለት ጸኒሑ ንድራርና ንሱ ድራሩ ገይርዎ። ምኽረይ ሰሚዕኪ ነይርኪ እንተ ትዀኒ፡ ኣብዚ ኹሉ ኣይምበጻሕናን ነይርና። ገለ ትካል ገይርና ብፍቕሪ ማሚቝና ምሃለና ነይርና። መዓረይ ግን፡ ካባይ ንላዕሊ ንዕኡ ክትሓልዩሉን ክትሕለቕሉን ጀሚርኪ። ኣነ ኸኣ፡ ብጓሂ ተተኲሰ። ሕጂ’ውን ኣካይዳኺ ኣደብ ዘይትገብርሉ እንተ ዄንኪ እዚ ስርሒት ብዓጸፋ ክቕጽል’ዩ፡” በለ ብዓውታ።“ሄኖስ፡ ኣይጠዓኻን ዲኻ?” በለት።

‘እዚ ወዲ መንገደይ ከየሰናኽለኒ ገለ ክገብሮ ኣለኒ’ምበር፡ ከበላሽወለይ’ዩ፡’ በለት ብውሽጣ። “ኣበይ ኢኻ ዘለኻ? ካብ ገዛ ይብገስ ኣለኹ፡” በለቶ።“ሕጂ ተጨኒቐ ስለዝለኹ፡ ዝዀነ

ሰብ ክረክብ ፍቓደኛ ኣይኰንኩን፡” ብምባል ተሌፎን ኣብ እዝና ዓጸዋ።* * *ክልቲኦም ኣዕሩኽ ኣብቲ

ዝኣተውዎ ባር-ትብለጽ ነተን ዝኣዘዙወን ቢራ ከይመዓጉ’ዮም፡ ኣብ ሓያል ክትዕን ሕርቃን ዝተሓወሶ ዘረባን ተጸሚዶም።ሄኖስ፡ “ሕነይ እኳ’የ ፈድየ ዝበለካ

ዘለኹ። ስለምንታይ ኢኻ ትቃወመኒ ዘለኻ፡” በለ ጽቡቕ ተግባር ከም ዝፈጸመ ኣፍልቡ ንፍሕ ኣቢሉ።ኤሎን፡ ጽን ኢሉ ክሰምዕ ድሕሪ

ምጽናሕ፡ “ኣድጊ ተሓጺቡ ናብ ሓመዱ፡’ ይብሉ ክምስሉ ኣቦታትና። “እንታይ ከም ዝበለካ’ዩ ጠፊኡኒ። ጌጋ ገይርካ ክንስኻ፡ መሊስካ ብጌጋኻ ኣብ ክንዲ ጣዕሳ ሓበን ተሰምሚዑካ፡ መሊስካ ነዚ ተግባር ክትደግሞ ምዃንካ ኣፍካ መሊእካ ተዛሪብካ። እዚ ኣካይዳ’ዚ፡ ኣብ ዘብጽሓካ የብሉን። ህይወት፡ ዕላማኻ ብሓይሊ ዘይኰነ፡ ብጥበብ ኢኻ ትምንጥላ። ሓንክስ፡ ሓንክስ ኢለ ደጋጊመ ነጊረካ’የ። ንስኻ ግን ትሰምዕ

ኣይኰንካን። ክትጸድፍ ኢኻ ኸኣ፡” በለ ሕርቃኑ ምቁጽጻር ስኢኑ። ሄኖስ፡ “ዓቕለይ እንድየ ኣጽቢበ።

በቲ ሓደ ወገን ከኣ፡ ጽቡቕ’የ ገይረ። ረኣዮንዶ እቲ ግብረ መልሲ ንእለት ረኺበሉ። ምሉእ መዓቲ ደዊለላ ዘይተቐበለትኒ፡ እዚኣ ምስ ሰምዐት ግን፡ ደዊላ። ምድዋል ጥራይ ዘይኰነ፡ ክትረኽበኒ ብሂጋ። እዚ’የ ደልየ ኣነ ኸኣ። ኣብ ልበይ ዝነበራ ፍቕሪ ብሕጉግ ኢሉ ከይከይድ’የ ዝቃለስ ዘለኹ። ኣሳጒመኣ ከምዝን ወዲ ኸምዝን ገይረ ደው እንተ ዘየቢለዮ፡ እዚ ኣብ ልዕለይ ኣንጠጥዩ ዘሎ ጸሊም ደበና፡ ናብ ምድሪ ምስ ወረደ ዝምሕረኒ ኣይኰነን። ‘ድሕሪ ነጐዳ ማይ ከምዘሎ ይፈልጥ’የ፡’ ድዩ ዝበለ ፈላስፋ ሶቅራጦስ። ኣነ ኸኣ፡ ከይረኣየትኒ ውዒላ ምስ ሓደረት ነብሰይ ቀቢጸያ’ያ። እዚ ጋሻ ውሑጅ ከም ዘየኽርመኒ ፈሊጠ’የ፡” በለ።እንታይ ኢሉ ክመኽሮ ከም ዘለዎ

ክሓስብ ዝደለየ ክመስል ቅድሚ ምዝራቡ ናብ ናሕሲ ናይቲ ባር ኣዒንቱ ለኣኸን። “ዓርከይ፡ ኣብ ባዶ ኢድካ ባዶ ሓሳባት ካብ ምሕሳብ ተናገፍ። እዚ ሰብ’ዚ፡ ክትረብሓሉ’ምበር፡ ንብረቱ ከተዕንወሉ ዘዋጽኣካ ኣይኰነን። ብሕጊ እንተ ሒዙካ’ውን ተዋሒሱ ዘውኣካ ሰብ ከም ዘይብልካ ፍለጥ። ሳሮን፡ ብተግባርካ ቅሒራ’ውን ከተስቅጥ ትኽእል’ያ። ስለዚ፡ ነብስኻ ሓሉ። ቀንጠመንጢ ተግባራት ገይርካ ትረብሖ ረብሓ የለን። መጺኡካ ዘሎ ዕድል ተጠቐመሉ። ንሳሮን ከም ህጻን ተኸናኺንካ ሓዛ ሽሻይ ጐቲታ ከተምጽኣልካ። እንተ ዘየሎ፡ ናብ ጥፍኣት’ምበር፡

ናብ መንገዲ ዓወት ዝመርሕ ተግባር ኣይኰንካን ፈጺምካ ዘለኻ። ሕጂ’ውን እንተዀነ፡ ምስ መጸት ካብ ልቢ ተጋግየ በላ። ቅድሚ ዝዀነ ነገር ንረብሓኻ ድንን በል። እዚ ረኺብካዮ ዘለኻ ዕድል ጽባሕ ንግሆ ፈጺሙ ዘይርከብ ክኸውን ይኽእል’ዩ፡” በለ ብነድሪ ጅማውቲ ገጹ ተገታቲሮም። ይቕጽል ...

ሓዳስ ኤርትራ 18 ጥሪ 2020 - ገጽ 8መበል 29 ዓመት ቁ.119

ሓደ እዋን፡ እታ ብሳላ ጉርሓን ተንኮላን ከብዳ ከይዓንገለት ዘይትውዕል ውኻርያ፡ ብጥምየት ምራቓ እናወሓጠት “ሎሚ ከይተመሳሕኩ እንተውዒለ ውኻርያ ኣይኰንኩን. . .!” ኢላ ፈከረት’ሞ፡ ገለ ንምሳሕ ዝዀና ዝህደን እንስሳ ከተናዲ ጀመረት። ዘወር እናበለት እንከላ፡ እቲ ንጉስ እንስሳታት ዝዀነ ኣንበሳ፡ ኣድጊ በረኻ ኣውዲቑ ክበልዕ ረኣየቶ።ናብኡ ብምቕራብ ከኣ፡ “ክቡር ኣያ

ኣንበሳ ከመይ ውዒልካ?” ብምባል ኣዒንታ ናብ’ቲ ዝምገቦ ዝነበረ ተኸለቶ። ኣንበሳ ግና፡ ክበልዕ እምበር ክምልሰላ ኣይፈቐደን። ውኻርያ፡ ብህርፋን ምራቓ እናወሓጠት “ሕጂዶ ጸኒሑ ንቐደም በሊ ይብለኒ. . .” እናበለት ተጸበየት።“ኣብ እዋን ምሳሕ እስከ ኣይትረብሽና!”

በቲ ዘፍርሕ ድምጹ ኣዒንቱ እናኣፍጠጠ ክትርሕቀሉ ሓበራ። ውኻርያ ንዓኣ’ውን ከየዳግማ ፈሪሓ ግዜ ከይበልዐት ምስ ጥሙይ ከብዳ ካብ’ቲ ቦታ ተኣልየት።“ዋይ ኣነ ውኻርያ፡ ረዳኢ ዘይብለይ፡

ጥምየተይ ርእዩ ዝድንግጸለይ!” ኢላ እናደረፈት ከብዳ እናሓኸኸት መንገዳ ቀጸለት።ሃንደበት ከኣ፡ ጥሜታ ዘባርር ኣጋጣሚ

ተረኽበ። ሓንቲ ዕብይ ዝበለት ማንቲለ ሳዕረ-ማዕሪ እናበልዐት ጎፍ በለታ።ውኻርያ ምስ ነብሳ ተማኸረት። ኣዘንጊዓ

እተጥቅዓሉ ቦታ መሪጻ ሰላሕ እናበለት፡ ንኽትጎብጣ ኣብ’ቲ ሳዕሪ በጥ በለት።እናተሓጐሰት ብህርፋን ቀስ ኢላ፡

እናተሓብአት ከኣ ቀረበታ። ወያ ሳዕረ-ማዕሪ ትበልዕ ዝነበረት ማንቲለ፡ ነብሳ ነጊሩዋ ንየማን ንጸጋም ናብ ኵሉ ሸነኸ ድሕሪ ምጥማት እናነጠረት ሃደመት።ውኻርያ ንኽትሕዛ እኳ እንተጐየየት፡

ብድኻም ክትስነፍ እምበር፡ ማንቲለ ሒዛ ከብዳ ክትዕንግል ኣይተራእየትን። ከም’ቲ ዝወዓለቶ ከብዳ እናሓኸኸት፡ ምራቓ እናወሓጠት፡ መግቢ እንተ ረኸበት ተስፋ ከይቈረጸት ተበገስት።ድሕሪ ገለ ጉዕዞ፡ ሓደ ዝብኢ ማንቲለ

ሒዙ ክምሳሕ ረኣየቶ። ቅድሚ ናብኡ ምቕራባ ብኸመይ ንዝብኢ ኣዐሽያ - ነታ ድሮ ትብላዕ ዝነበረት ማንቲለ ምስሓ ትገብራ ሓሰበት። ድሕሪ ምስልሳል - ሓደ ሓሳብ መጽኣላ። ናብ’ቲ ዝብኢ ድሕሪ ምቕራብ፡ “ከመይ ውዒልካ ኣያ ዝብኢ?”ኣፋ ማይ እናመልእ ሰላምታ ኣቕረበት። “እመስገኖ!” ዝብኢ ግዜ ከይወሰደ

ንሕቶ ወኻርያ መለሰ።“እዛ ማንቲለስ ተዕግበካ ኣይትመስልን. .

እታ ውኻርያ. ኣብቲ ካልእ. . .” እናበለት ሓበረቶ። እቲ ዝብኢ ቀልጢፉ ክኸደላ ድማ

ብልባ ተመነየት። ዝብኢ ካብ መጠን ንላዕሊ እናሃረፈ ብስስዐ ነቲ ናቱ ገዲፋ ናብ’ቲ ውኻርያ ዝሓበረቶ ቦታ ከደ። ሓሳብ ልባ ዝሰመረላ ውኻርያ፡ ዝብኢ ብጥበባ ምስ ተኣልየ፡ ጥሙይ ከብዳ ክትረድእ ጀመረት።ዝብኢ ኣብ’ቲ ውኻርያ ዝሓበረቶ ቦታ

ምስ በጽሐ፡ እቲ ብዝዀነ እንስሳ ዘይድፈር ኣንበሳ ነቲ ዝሓዞ ኣድጊ በረኻ ክምሳሕ ጸንሖ።ዝብኢ ብሕርቃን፡ “ስጋ ይብላዕ ኣሎ?!”

ምስ ነብሱ ተዛረበ። ናብ ኣንበሳ ቀሪቡ ከኣ፡ እቲ ውኻርያ ዝበለቶ ኩሉ ዘርዚሩ ነገሮ። ብናታ ሓገዝ ዝተረኽበ ስጋ ከምዘሎ እያ ነጊራቶ።ኣንበሳ ነደረ። “ምስ ምሉእ ሓይለይ

እንከለኹስ ካብ ካልእ ክጽበ። እሞ ኸኣ ካብ ወኻርያ?!” ኣስናኑ እናሓራቐመ ጨደረ። ንውኻርያ ከጥፍእ መግቡ ገደፈ። ኣብ’ቲ ዘላቶ መሪሑ ክወስዶ ንዝብኢ ኣፈራርሖ። ዝብኢ ዝተባህሎ ገበረ።ኣብ’ቲ ቦታ ምስ በጽሑ፡ እንትርፎ

ስጋኡ ዝተበልዐ ኣዕጽምቲ፡ ውኻርያ ኣይጸንሐቶምን።“ዋይ ምሰሐይ!” ዝብኢ ክበኪ እናደለየ

ተዛረበ።ኣንበሳ ግን፡ “ደሓን ኣብዚ ጫካ ደሊና

ኣይንስእናን ኢና።” ብምባል ንዝብኢ ካብ’ቲ ናቱ ምሳሕ ከካፍሎ ምስኡ ክኸዱ ኣበሰሮ። ዝብኢ ብታሕጓስ ሃነፍነፍ እናበለ ሰዓቦ።ሕጂ’ውን ዘይተጸበዩዎ ነገር ገጠሞም።

እቲ ኣንበሳ ዝገደፎ ምሳሕ፡ ተበላሊዑ ኣዕጽምቱ ጥራይ ጸንሖም። ኣንበሳ ሕርቃኑ ክጻወር ኣይከኣለን - ኣስናኑ እናሓራቐመ “ብሰንክኻ እዩ!”ብምባል ንዝብኢ ሂወቱ ኣሕለፎ።ዝብኢ፡ ነታ ዝነበረቶ ንእሽቶ ምሳሕ

ተመስገን ኢሉ ከይምገባ፡ ንዓኣ ገዲፋ ንዘይረኽቦ ክበልዕ፡ ብሰንኪ ስስዐ ሂወቱ ስኢኑ።ኣንበሳ እውን፡ ንውኻርያ ከጥፍእ

ሕርቃኑ ከይተቖጻጸረ፡ መግቡ ገዲፋ ስለዝኸደ፡ ምስሑ ስኢኑ። ስለ’ዚ፡ ኣንበብቲ ዓምዲ ተርሙማ፡ ካብ’ዚ

ጽውጽዋይ እዚ እንመሃሮ መልእኽቲ እንተደኣ ኣሎ፡ ስሰዐ ሕማቕ ምዃኑ፡ ሓይሊ ድማ ብጥበብ ከምዝሰዓር እዩ። እዛ ዛንታ፡ ብደራሲ ሳሙኤል ግርማይ ካብ ዝተደርሰት “ማማ ከተማ” እትብል መጽሓፍ ዝተወስደት እያ።

ተርሙማሃብቶም ኢዮብ

ተመሃሮ፡ ብመገዲ ትምህርቲ ኣብ ዝበለጸ ደረጃ ንኽበጽሑ ድሌትን ዕላማን ኣለዎም። ካብ’ዚ ወጻኢ ካልእ ዝሓስብ ተመሃራይ ክህሉ ይኽእል እዩ ክንብል ዝከኣል ኣይኮነን። ኣብ ትምህርቲ ዕዉታት ንክዀኑ ግን፡ ብቐጻሊ ክጽዕሩ እዩ ዘለዎም። ብኣንጻር’ዚ፡ ኣብ ትምህርቲ ዘይግደሱን ዘይጽዕሩን እንተደኣ ኮይኖም፡ ክዕወቱን ብሉጻት ክዀኑን ዘይከኣል እዩ። ዝበለጸ ፍልጠትን ውጽኢትን

ንኽህልዎም እምበኣር፡ ብዘይ ትህኪትን ምሕላልን ክጽዕሩ የድሊ። ተመሃሮ ዕላማኦም ንክወቕዑ ዝሕግዛኦም - ገለ ውሑዳት ነጥብታት ክንጠቅስ፦

1. ብቑዕ ምሕደራ ኩሉ ተመሃራይ ዕዉት ክኸውን

ይደሊ እዩ። እንተዀነ፡ ዕዉት ንምዃን ድሌት ጥራይ ኣኻሊ ኣይኰነን። ሓደ ተማሃራይ መዓልታዊ ንጥፈታቱ ብመስርዕ ዋላ ይደርድሮም፡ ብሰንኪ ትህኪት፡ ክቱር ፍትወት ጸወታን ካልእ ምኽንያታትን ኣብ ትምህርቲ ክሓምቕ ወይ ክደክም ይኽእል። ነዚ ንምፍዋስ ተመሃራይ ንዅሎም ንጥፈታቱ ብግቡእ ምሕደራ፡ ኣብ ግዜኦም ክዓዮም ይግባእ። እንተ ዘይኰይኑ መደባቱ ኣብ ርእሲ-ርእሲ እናተደራረቡ፡ ኣብ ክንዲ ናብ መንገዲ ዓወት ዘምርሕ ንድሕሪት ብምጉታት ዕንቅፋት ክፈጥሩሉ ይኽእሉ።

2. ምሉእ ኣድህቦ ኣብ ትምህርቲ

ኣብ እዋን ትምህርቲ ወይ ኣብ ክፍሊ መምህር እናመሃረ፡ ኣተኩሮኻ ናብ ካልእ ኣንፈት ካብ ዝስሕብ ነገራት ብኣጋኡ ከተልግስ ኣለካ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ክፍሊ መምህር እናመሃረ ብጽሞና ምክትታል፡ ኣብ ሓደ እዋን ናይ ምስማዕን ምርዳእን ክእለትካ ክብ ብምባል ፍልጠት ብቐሊሉ ክትሰንቕ ስለዝሕግዝካ። ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ እዋን ትምህርቲ ዝርብሸካ ነገር ብምልላይ፡ ብቕልጡፍ ካባኻ ከተርሕቖ የድሊ።

ተመሃሮ ኣብ ትምህርቲ ንኽዕወቱ...

3. ናውቲ ትምህርቲ ብግቡእ ምሓዝ

ኵሎም ናውቲ ትምህርቲ ኣገደስቲ ኰይኖም፡ ነናቶም ኣበርክቶ ኣለዎም። እቶም ናውቲ ፍልጠት መዐንገልትን መወከሲታትን ብምዃኖም፡ ኵሉ ግዜ ብግቡእ ክተሓዙን ክዕቀቡን ኣለዎም። እቲ ብዘይ ቅርዕው ኣገባብ ንብረቱ ዝሕዝ ተማሃራይ፡ ዋላ’ውን ምስ ፍልጠቱ እናሃለወ ብሰንኪ ዘይተገዳስነቱ ክሓምቕ ይኽእል።

4. ዘይተረድኡኻ ሕቶታት ኣብ እዋኑ. . .

ኣብ ክፍሊ ዘይተረደአካ ሕቶ ምሕታት፡ ካብ’ቲ ኵሉ ተማሃራይ ከተኣታትዎ ዘለዎ ልምዲ እዩ። ምኽንያቱ፡ እቶም ሕቶታት ኣብ እዋኖም እንተ ዘይተመሊሶም፡ ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ምድንጋር ክፈጥሩ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ክፍሊ ንመምህር ምውካስ ዘሰክፈካ እውን እንተዀነ፡ ድሕሪ ክፍሊ ብጽሑፍ ክትሓትት ይከኣል እዩ።ስለዚ፡ ሕቶታት ተደራሪቦም

ምእንቲ ከየሸግሩኻ፡ ኣብ እዋኖም መልሲ ንምርካብ ክትጽዕር ኣለካ። ምስ መምህራንካ ጽቡቕ ዝምድና ክትምስርት ይግባእ። ብዘይ ስክፍታን ፍርሕን ምስ መምህራንካ ትቀራረብ እንተደኣ ኮይንካ፡ ዘይተረደኣካ ሕቶታት ንኽትውከስ ጽቡቕ ባይታ ስለዝፈጥር።

5. መዓልታዊ ብመደብ ምጕዓዝ

ተመሃራይ ዕዉት ንክኸውን፡ ካብ’ቶም ኣገዳሲ ተራ ዘለዎም ረቛሒታት ብመደብ ንጥፈታትካ ምስልሳል እዩ። ተማሃራይ ኵሎም ዝሓንጸጾም መደባት ኣብ ግዜኦም ዝፍጽሞም እንተደኣ ኮይኑ፡ ብርግጽ ፍረ ጻማኡ ይሓፍስ እዩ። ብግቡእ ግዜኻ ምጥቃም ብዘይካ ኣብ ትምህርቲ ኣብ ካልእ ንጥፈታት እውን ኣገዳሲ እዩ። እቲ ምንታይ፡ ግዜ ሓንሳብ እንተ ሓሊፉ ካልኣይ ዘይምለስን ዘይድገምን እዩ። ኵሉ ኣብ ዝጠለቦ ግዜ ክትፍጽሞ ኣሎካ።

ተማሃራይ፡ ናይ ሎሚ ትምህርቲ ሸለል ብምባል ጽባሕ ከርክበሉ እየ ዝብል እንተዀይኑ፡ ብርግጽ ክዕወት ኣይክእልን እዩ። ስለ’ዚ፡ ብዘይ ትህኪት ኵሎም ንጥፈታቱ ኣብ ልክዕ እዋኖም ከተግብሮም ይግባእ።

6. ኣብ ሓደ እዋን ንኹሉ ክትዓምም ዘይምሕላን

ኣእምሮ ደቂ-ሰብ እኹል ዕረፍትን ምዝንጋዕን የደልዮ እዩ። ብኣንጻር’ዚ፡ ብዘይ ዕረፍቲ ኣእምሮኻ ዝሃልኽ እንተ ዀይኑ፡ ጥዕናዊ ሳዕቤን ከጋጥም ይኽእል። ሓደ ተመሃራይ - ምሒር ውሑድ ሰዓታት ብምዕራፍ፡ መጽሓፍ ምሉእ ክሽምድድ ወይ ከጽንዕ እውን እንተ ሓደረ፡ ኣዕጋቢ ውጽኢት ዘይከምጽእ ይኽእል። እቲ ምንታይ፡ ኣእምሮ ከድምዕ እንተ ዀይኑ፡ እኹል ዕረፍቲ ከም ዘድልዮ ምግንዛብ ኣገዳሲ እዩ። ስለ’ዚ፡ ግዜን ኵነትን ብግቡእ ብምልላይ፡ ንጥዕናኻ ብዘይሃሲ ኣገባብ ከተጽንዕ ይግባእ።

7. ሓቢርካ ምጽናዕ. . .ተመሃራይ ምስ መዛኖኡ ሓቢሩ

ዘጽንዓሉ ባይታ ክህልዎ ኣለዎ። ብሓባር ምጽናዕ ኣዝዩ ብዙሕ እወታዊ ሸነኽ ኣለዎ። ንኣብነት፡ ዘይትፈልጦ ብዕምቈት ንኽትፈልጥ ይሕግዝ። ካልእ፡ ናይ ምብህሃል ክእለትካ ክዓቢ ኣስተዋጽኦ ይህልዎ። ኣብ መንጎ መዛኑ ናይ ምውድዳር መንፈስ የበርኽ። ኣብ’ዚ ክዝንጋዕ ዘይብሉ፡ እቲ

ውድድር ኣብ መንጎ እቶም ምሳኻ ዝረዳድኡ ብጾት ጥራይ ዝተሓጽረ ክኸውን የብሉን። ውድድር ኣብ’ቶም መዛኑኻ ጥራይ ዝተሓጽረ እንተ ዀይኑ፡ እቲ መዐየሪ ወይ ደረት ፍልጠትካ ብናታቶም ክሕጸር ስለዝኽእል፡ ዋላ’ውን ብዙሕ ክእለት እናሃለወካ ንውሱናት መማህርትኻ ጥራይ ጸብለል ብምባል፡ ኣብ ሓደ ዓንኬል ኰለል ክትብል ትግደድ። ስለ’ዚ፡ ዝበለጸ ጥምጥም ወይ ውድድር ምስ ገዛእ ርእስኻ እንተዀነ ተመራጺ እዩ።

ጽውጽዋይ

ሓዳስ ኤርትራ 18 ጥሪ 2020 - ገጽ 9መበል 29 ዓመት ቁ.119

ኤርምያስ ገብረልዑል [email protected]

ለ ቱር ኣሚሳ ቦንጎ 2020* ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ጋቦን ኣትያ

ብኣህጉራዊ መዐቀኒ ቅድድም ብሽክለታ ናይ 2.1 ደረጃ ኣብ ዘለዎ ውድድር ዙር ጋቦን - ለ ቱር ኣሚሳ ቦንጎ ብተደጋጋሚ ዝተሳተፈት ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ ትማሊ ጋቦን ምእታዋ

ተገሊጹ። እዛ ብኣሰልጣኒ ሳምሶም ሰለሙን እትእለን

ብኤፍሬም ኣብርሃም ዝተመርሐትን ጋንታ፡ ንተቐዳደምቲ መኽሰብ ደበሳይ፡ ሲራክ ተስፎም፡ ሄኖክ ምሉእብርሃን፡ ዳዊት የማነ፡ ሮቤል ሚኪኤልን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ብምሓዝ እያ ናብ ጋቦን ኣቕኒዓ ዘላ። ኣብዚ 20 ጥሪ ፈሊሙ ንሸውዓተ መድረኻት ኣብ ዝቕጽል ውድድር ድማ ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንዘመዝገበቶ ዓወታት ንምድጋምን ኪንዮኡ ንምጉዓዝን ናይ 1034.4 ኪሎሜተር ውድድር ክህልዋ እዩ።

ኣብዚ ውድድር’ዚ ብዘይካ’ዞም ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዝሳተፉ፡ ተቐዳዳማይ ክለብ ኮፊደስ ናትናኤል ብርሃነ ከምኡ ድማ ኣባል ክለብ ኒፖ ዲልኮ ቢንያም ግርማይ ምስ ክለባቶም ክሳተፉ እዮም።ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ናትናኤል ብርሃነ

ኣብ 2014 ዝተዓወተሉ ዙር ኣሚሳ ቦንጎ፡ ሎሚ ንመበል 15 ግዚኡ እዩ ክሰላሰል። ተቐዳደምቲ ከኣ ጽባሕ ሰኑይ ካብ ቢታም ተበጊሶም ኣብ ኢቦሎዋ ብዝፍጸም ናይ 149 ኪሎሜተር ጸወታ ውድድሮም ክምውሱ እዮም።

ውድድር መጻረዪ ኣፍሮ-ባስኬት . . .ሃገራዊት ጋንታ ኵዕሶ ሰኪዔት

ኤርትራ፡ ትማሊ ምስ ናይ ሶማል መዘናኣ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም ውድድር መጻረዪ ኣፍሮባስኬት፡ 99ብ76 ተሳዒራ።ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ 45ብ41

ተመሪሓ ናብ ዕረፍቲ ዝወጸት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ዛጊት ክትዕወት እኳ እንተዘይከኣለት፡ ተጻወትታ ካብ ጸወታ ናብ ጸወታ ዘርእይዎ ዘለዉ ናይ ብቕዓት ለውጢ ግና ዝነኣድ ምዃኑ ተገምጊሙ። ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም እቲ 60 ሚእታዊት ናይቲ ዘመዝገበቶ ሰኪዐት ካብ ናይ ሰለስተ ነጥቢ ብምዃኑ ድማ ኣቓልቦ ሓያለ ተዓዘብቲ ስሒባ።እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ብቕድሚ

ትማሊ ምስ ታንዛንያ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም፡ ኤርትራ 101ብ69 ተረቲዓ።

ውድድር ሻምፕዮን

ኵዕሶ እግሪ ፎሮ . . .

ኣብ መንጎ ሸሞንተ ምምሕዳር ከባቢታት ዝካየድ ውድድር ሻምፕዮና ኵዕሶ እግሪ ንኡስ ዞባ ፎሮ ብውዕዉዕ ስፖርታዊ መንፈስ ይካየድ ምህላዉ ተገሊጹ። ኣብ መንጎ ፎሮን ሓድሽን ኣብ ዝተኻየደ

ጸወታ፡ ፎሮ ኣብ ልዕሊ መጋጥምታ ዓብላሊ ጸወታ ብምርኣይ 2ብ1 ተዓዊታ። ኣብ መንጎ ዙላን ኢራፋለን ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ፡ ኢራፋለ 4ብ0 ክትዕወት እንከላ፡ ሮብሮብያን ሩባ ሓዳስ ድማ 0ብ0

ተፈላልየን።ሮብሮብያ ኣብ ሜዳኣ ንሩባ ሓዳስ ኣብ

ዘአንገደትሉ ብዘይ ሸቶ 0ብ0 ተፈላልያ። ኢራፋለን ዙላን ኣብ ዘካየደኦ ጸወታ ድማ፡ ኢራፋለ ብገፊሕ 4ብ0 ተዓዊታ ወጺኣ።ኣብ መንጎ ላሕዜንን መርከብን (ናይ

መማህራን) ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ ኸኣ፡ እቲ ጸወታ ብኽልቲአን ጋንታታት ተመጣጣንን ሰሓብን እዩ ኔሩ። ተጻወትቲ መርከብ ብዝገበሩዎ ፈተነታት 2ብ0 ይመርሑ ነይሮም። ተጻወትቲ ላሕዜን ግና ጽቡቕ ምንቅስቓስ እኳ እንተኣርኣዩ፡ ሸቶ ከመዝግቡ ስለዘይከኣሉ ጸወታ ብዓወት መርከብ 2ብ0 ተዛዚሙ።ዛጊት ኣብ ዝተኻየደ ናይ ቀዳማይ እግሪ

ጸወታ፡ መርከብ ኣብ ምድባ ክትመርሕ ከላ፡ ኢራፈለ ድማ ካብ ምድባ ብጸብለልታ ሸቶ ተመሳሳሊ ደረጃ ሒዛ ኣላ።ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ፎሮ ኣቶ ዑስማን

ዓረፋ ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ውድድር ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እቲ ውድድር ስፖርታዊ ንጥፈታት እቲ ንኡስ ዞባ ንምብርባር ዝዓለመ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ተጻወትቲ ሓድሕዳዊ ፍቕሪ ብምጥራይን ተሞክሮ ብምልውዋጥን ከምኡ’ውን ናይ ንኡስ ዞባ ሕርይቲ ጋንታ ንምምስራት ከምዝኾነ ኣረዲኡ።እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ መንጎ ሽዱሽተ

ጋንታታት ጸወታ ካልኣይ ዲቪዥን ኩዕሶ እግሪ ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ እውን ተጀሚሩ’ሎ። ነቲ ጸወታ፡ ኣፍታ ምስ ብድሆ ከምኡ’ውን ዓርባሎ ምስ መርከብ እየን ብወግዒ ጀሚረነኦ። ኣፍታን ብድሆን ብዘይ ሸቶ ክፈላለያ እንከለዋ፡ መርከብ ንዓርባሎ 3ብ0 ተዓዊታ።

መደብ ጸወታሎሚ

ፕሪመር ሊግ እንግሊዝዋትፎርድ - ቶተንሃም 3፡30ኣርሰናል - ሸፊልድ 6፡00

ብራይተን ኣልብየን - ኣስቶን ቪላ 6፡00

ማን ሲቲ - ክሪስታል ፓላስ 6፡00

ኖርዊች - ቦርንማውዝ 6፡00ሳውዝሃምፕተን - ዎልቭስ 6፡00ዌስት ሃም - ኤቨርተን 6፡00ኒውካስል - ቸልሲ 8፡30

ላ’ሊጋለቫንተ - ዲፖርቲቮ ኣላቨስ

3፡00ሪያል ማድሪድ - ሰቪያ 6፡00

ኦሳሱና - ሪያል ቫላዶሊድ 8፡30ኤባር - ኣትለቲኮ ማድሪድ

11፡00

ሰረ’ኣላዝዮ - ሳምፕዶርያ 5፡00ኦሳሱና - ቶሪኖ 8፡00

ናፖሊ - ፊዮረንቲና 10፡45

እንታይ ከ ይስማዕ ኣሎ?+ ተኸላኻሊ ክለብ ቸልሲ ሪሰ ጀምስ

ክሳብ 2025 ኣብ ሜዳ ስታንፎርድብሪጅ ዘጽንሖ ሓድሽ ውዕል ምኽታሙ ተገሊጹ። እዚ ወዲ 20 ዓመት ተጻዋታይ፡ ዛጊት 18 ግጥማት ተሰሊፉ ይርከብ። ኣብ ውድድር ካራባኦ፡ ቸልሲ ንግሪምስብይ 7ብ1 ኣብ ዝሰዓረትሉ ናይ ዝሓለፈ መስከረም ጸወታ፡ ሸቶ ምምዝጋቡ ይዝከር። ብተወሳኺ፡ ጀምስ፡ ክለቡ ምስ ኣያክስ 4ብ4 ኣብ ዝተፈላለየትሉ ግጥም ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ እውን ንልዳት ኣንጻር ጋንታኡ ምድፋሩ ኣይርሳዕን። + ናፖሊ ንመንእሰይ ተጻዋታይ ክለብ

ማን ዩናይትድ - ቾንግ ተጣይቐሉ ምህላዋ ቱቶ ስፖርት ገሊጻ። ነዚ ሆላንዳዊ ናይ ክንፊ ተጻዋታይ ኣቐዲማ

ኣብ ዓይና ዘእተወት ጁቬንቱስ፡ ካብቲ ናይ ዕድጊ መስርሕ ብምውጽኣ፡ ናፖሊ ዝሓሸ ናይ መዋገዪ መጠን ገንዘብ ሒዛ ምስ እትቐርብ ክሰልጣ ከምዝኽእል ይሕበር።+ ንብሩኖ ፈርናንደዝ ንምዕዳግ ኣብ

ጥርዚ እትርከብ ማን ዩናይትድ፡ ሕጂ እውን ንጀምስ ማዲሰን ኣብ ራዳራ ከምዘእተወቶ ይግለጽ ኣሎ። ብመሰረት ኢቭኒን ስታንዳርድ፡ እዚ ተጻዋታይ ሌስተር ሲቲ፡ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ናይ ምስግጋር ተጻወትቲ ወቕቲ፡ ናብ ሬድ ዴቭልስ ክጽንበሩ ካብ ዝኽእሉ ተጻወትቲ ኣብ ቅድሚት ከምዝስራዕ ተንተንቲ ምስግጋር ተጻወትቲ ይግምቱ። + ኣስቶን ቪላ፡ ንሉዊ ባሪ ካብ

ባርሴሎና ንምስግጋር ዝርርብ ምጅማራ ተገሊጹ። ብመሰረት ሓበሬታ ፉትቦል ኢንሳይደር፡ ባሪ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከምዝርከብን ንምስግጋሩ ድማ 3 ሚልዮን ፓውንድ ከምዝሓትትን ይሕበር። እዚ ወዲ 16 ዓመት ተጻዋታይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ምስ ቈልዑ ጋንታ ዌስት ብሮም ይስለፍ ነይሩ። እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣስቶን ቪላ ንኣጥቃዒ ክለብ ገንክ ምብዋና ሳማታ ብ10 ሚልዮን ፓውንድ ኣብ ሕቑፋ ከተእትዎ ከምዝተቓረበት ተገሊጹ። ኣሰልጣኒ እዛ ክለብ - ስሚዝ ንኣጥቃዒ ዊስለይ ብመጉዳእቲ ነዚ ዓመተ ስፖርት ስለዝኸሰሮ፡ ሓድሽ ናይ ቅድሚት ተጻዋታይ ንምዕዳግ ኣብ ጽዑቕ ስራሕ ምቕናዩ ይሕበር። በዚ ድማ ኣብ ግጥም ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ናይዚ ዓመተ ስፖርት’ዚ ኣብ ሰኪዔት ሊቨርፑል ሸቶ ዘቑጸረ ሳማታ፡ እቲ ብተደጋጋሚ ብልኡኻት ቪላ ዝተጠመተ ተጻዋታይ ኮይኑ ንረኽቦ። ሳማያ ኣብ 98 ጸወታታት ክለብ ገንክ፡ 43 ናይ ሊግ ሸቶታት ዘቑጸረ ህቡብ ታንዛያዊ ተጻዋታይ እዩ። ናይ ስራሕ ፈቓድ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝሓትት ዘሎ እዚ ወዲ 27 ዓመት ተጻዋታይ፡ ሎሚ

ምሸት ኣስቶን ቪላ ምስ ብራይተን ኣብ ዝህልዋ ግጥም ናይ ምስላፍ ተኽእሎ የብሉን። + ናብ ኢንተር ሚላን ናይ ምስግጋሩ

ተኽእሎ ከምዘውሓሰ ዝንገረሉ ዘሎ ኦሊቨር ጅሩድ፡ ምስታ ኣብ ውድድር ሰረ’ኣ ኢጣልያ እትነጥፍ ክለብ ልዕሊ 18 ኣዋርሕ ክጸንሕ ከምዝብህግ ተገሊጹ።+ ኣሰልጣኒ ክለብ ቸልሲ ፍራንክ

ላምፓርድ፡ ተጻዋታይ ክለቡ ዊልያምስ ውዕል ዘናውሓሉ መገዲ ከምዘጣጥሓሉ ኢቭኒን ስታንዳርድ ገሊጻ። እዚ ብራዚላዊ ኣጥቃዒ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሜዳ ስታንፎርድብሪጅ ንዘጽንሖ ውዕል ምስ ዘኽትም፡ ኣብ ክረምቲ ብናጻ ናይ ምስግጋር ተጻወትቲ መስርሕ ናብ ካልእ ክለብ ክሰጋገር ከምዝኽእል ይሕበር። እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ቸልሲ ንጀርመናዊ ኣጥቃዒ ክለብ ኣርቢ ሌፕዚግ ቲሞ ወርነር ናይ ምዕዳግ ውጥን ከምዘለዋ ቢልድ

ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ጀርመን ገሊጻ። እዚ ወዲ 23 ዓመት ተጻዋታይ፡ ኣብ ውድድር ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ብቕዓቱ ክመሚ ከምዝደሊ ብተደጋጋሚ ሓቢሩ ነይሩ’ዩ። + ማን ዩናይትድ፡ ንኡራጓያዊ ኣጥቃዒ

ክለብ ፒኤስጂ ኤዲሰን ካቫኒ፡ ኣብ ክረምቲ ብናጻ ናይ ምስግጋር መስርሕ ከተፈርሞ ከምእትደሊ ተገሊጹ። እዚ ተጻዋታይ ኣብዚ ናይ ወርሒ ጥሪ ምስግጋር ተጻወትቲ ናብ ካልእ ክለብ ክግዕዝ ባህጊ ከምዘይብሉ ይንገር። ምንጪ - ማንቸስተር ኢቭኒን+ ኢንተር ሚላን፡ ንዴንማርካዊ

ኣከፋፋሊ ክለብ ቶተንሃም ክርስትያን ኤሪክሰን ብ13 ሚልዮን ፓውንድ ከተፈርሞ ወሲና። እዚ ወዲ 27 ዓመት ኣከፋፋሊ፡ ኣብዚ ናይ ምስግጋር ተጻወትቲ ወቕቲ ናብ ካልእ ክለብ ምስ ዘይግዕዝ፡ ኣብ ዝመጽእ ክረምቲ ብናጻ ናይ ምስግጋር መስርሕ ናብ ካልእ ክለብ ናይ ምፍራም ዕድል ክህልዎ እዩ።

ማጕየር መዝነት ሓለቓ ጋንታ . . .ኣሰልጣኒ ክለብ ማን ዩናይትድ ኦሌ

ጉናር ሶልሻየር፡ ተጻዋታይ ክለቡ ኣሽሊ ያንግ ናብ ኢንተር ሚላን ክሰጋገር ናብ ከተማ ሚላን ብምኻዱ፡ መዝነት ሓለቓ ጋንታ ናብ ሃሪ ማጕየር ከምዘሰጋገሮ ተሓቢሩ።ቅድሚ ሓሙሽተ ወርሒ ካብ

ሌስተር ሲቲ ናብ ማን ዩናይትድ ብ80 ሚልዮን ፓውንድ ዝተሰጋገረ ወዲ 26 ዓመት ማጕየር፡ ዛጊት 29 ጸወታታት ንማን ዩናይትድ ተሰሊፉ ይርከብ።“ሃሪ፡ ናይ ምምራሕ ዓቕሚ ዘለዎ

ተጻዋታይ እዩ። ኣብ ዝስዕብ ነዚ ስራሕ’ዚ ክዓምም እዩ” ይብል ሶልሻየር።ብተወሳኺ ሶልሻየር “ያንግ ኣብዛ

ጋንታ ኣገልጊሉ እዩ። ጽቡቕ ዕድል ንምነየሉ” ኢሉ።ኣብ 2011 ካብ ኣስቶን ቪላ ናብ ማን

ዩናይትድ ዝተሰጋገረ ወዲ 34 ዓመት

ያንግ፡ ኣብ 261 ጸወታታት ምስ ማን ዩናይትድ ተሰሊፉ። ማርኮስ ራሽፎርድ፡ ዴቪድ ደ ሂያን

ጀሲ ሊንጋርድን፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ያንግ ኣብ ዝቦኾረሉ መዝነት ሓለቓ

ጋንታ ክወስዱ ዝጸንሑ ተጻወትቲ ማን ዩናይትድ እዮም። ያንግ፡ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት’ዚ ኣብ ዝተኻየደ ጸወታታት፡ ኣብ 18 ግጥማት ጥራይ እዩ ተሰሊፉ።

ሓዳስ ኤርትራ 18 ጥሪ 2020 - ገጽ 10መበል 29 ዓመት ቁ.119

በይሉል ገብረሚካኤል - ፉርቱና ኤፍሬም

ናጽነት ደስበለ

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ማእከል ከተማ

ኣብ መንጎ ከሳሲት ወ/ሮ ሰናይት ሃብተሚካኤልን ተኸሳሲ ኣቶ ኑርሑሴን ኢብራሂም ድራርን ዘሎ ናይ ሓዳር ክርክር፡ ተኸሳሲ ብኣካል ወይ ብሕጋዊ ወኪል ን13/2/20 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። እንተዘይቀሪቡ ግን ንሱ ኣብ ዘይብሉ ጉዳዩ ክርአ ምዃኑ ነፍልጥ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ኣኽርያ

ኣቶ ደብሩ ኪዳነ ተስፋይ ፡ወደይ ሞጎስ ደብሩ ኪዳነ ስለዝተሰወአ፡ ውላድ ስለዘይገደፈ፡ ኣነ ምስ ኣዲኡ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ዝቃወም እንተሎ፡ ን14/2/20 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ኣርባዕተ ኣስመራ

ወ/ሮ ፍረወይኒ መስፍን ሓድጉ፡ ኣደይ ነፍ/ቀደስ ተኽለኣብ ብ 4/11/2019 ኣብ ምም/ን/ዞባ ኣርባዕተ ኣስመራ ዞባ ማእከል ኣስመራ ዝርከብ 2 ቀንዲ ክፍልታት ምስ 2 ተሓጋገዝቲ ክፍልታት ዘለዎ ገዛ ኣብ ቅድሚ መሰኻኽር ለበዋ ዝገደፈትለይ ይጽደቀለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን17/2/20 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ጽገ ገብረመድህን ገብረስላሴ፡ በዓል-ቤተይ ኣቶ ቴድሮስ ስዩም በራኺ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 5 ደቁ ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ዝቃወም እንተሎ፡ ን12/2/20 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ኣባሻውል

ወ/ሮ ኣልጋነሽ ሓጎስ፡ ኣደይ ሮማ ሃብተማርያም ስለዝሞተት፡ ኣነ ጥራይ ወራሲት ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን17/2/20 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዕዳጋ ሓሙስ

ኣቶ ፍረዝጊ ግርማይ ኣብርሀ፡ ኣደና ግደይ ወልደሃይማኖት ስለዝሞተት፡ ኣነ ምስ 4 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን13/2/20 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኣቶ ኮኾብ ክብርኣብ ግርማይ፡ ወለደይ ክብርኣብ ግርማይን ኢትዮጵያ ሓጎስን ስለዝሞቱ፡ ኣነ ጥራይ ወራሲ ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ን13/2/20 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ጽገወይኒ መንግስትኣብ፡ ኣደና ምሕረት ግደ ወልደሚካኤል ስለዝሞተት፡ ኣነ ምስ 1 ሓፍተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን13/2/20 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ማይ ተመናይ

ወ/ሮ ኣዜብ በርሀ ተክለ፡ ወደይ መስፍን ጎይትኦም ሃይሉ ስለዝሞተ፡ ኣነ ወራሲት ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን14/2/20 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ሰምበል

ወ/ሮ ኣድሓነት ገብረመስቀል ኣካሉ፡ በዓል-ቤተይ በራኺ ኪዳነ ገብረሚካኤል ስለዝተሰወአ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 4 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን17/2/20 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ከሳሲት ወ/ሮ መርሃዊት ብርሃነ ከበደ፡ ተኸሳሲ ኣቶ ኣማን ለገሰ ሃብቱ ናይ ሓዳር ክሲ ተመስሪቱልካ ስለዘሎ፡ ንጹር ኣድራሻኻ ስለዘይፈተፈልጠ፡ ይጸውዓለይ ስለዝበላ፣ ተኸሳሲ ብኣካል ወይ ብሕጋዊ ወኪል ን17/2/20 ኣብ ቤ/ፍ ቅረብ። እንተዘይቀሪብካ ግን ንስኻ ኣብ ዘይብሉ ጉዳይካ ክርአ ምዃኑ ነፍልጥ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓዲ ጓዕዳድ

ተጋ/ኣልማዝ ገዛኢ መንግስቱ፡ ኣቦይ ኣቶ ገዛኢ መንግስቱ ኮረሪ ስለዝሞተ፡ ኣነ ጥራይ ወራሲት ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ን14/2/20 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ገብርኤል ሃብተሚካኤል ሃብቱ፡ በዓል-ቤተይ ተኸስተ ገብረእግዚኣብሄር ዑቕቡ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 10 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ ፡ን14/2/20 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ዞባ ዓንሰባ ከረንገብረ ኣብርሃም ገብረ ምባል ተሪፉ፡ ዩኤል

ኣብርሃም ገብረ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን31/1/20 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ዞባ ደቡብ ደቀምሓረ

ክፍሊት ገብረዝጊ ተስፋልደት ምባል ተሪፉ፡ ክፍለት ገብረዝጊ ክፍለት ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን28/2/20 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ሰገነይቲ

ኣርያም ተስፋ ተስፋዝጊ፡ ኣደና ምጽላል ተወልደ ክፍለ ስለዝሞተት፡ ኣነ ምስ 1 ሓወይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ን20/2/20 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ከተማ ማይ ድማ

ዓንደብርሃን ገብረእንድርያስን ገረዝጊሄር ገብረእንድርያስ፡ ነጋሲ ርስቀይ፡ ተስፋሁነይ ሃይለን፡ ወ/ሮ ማኣዛ ገብረእንድርያስ ወልዱ ስለዝሞተት፡ ውላድ ይኹን ሓዳር ስለዘይብላ ወረስቲ ንሕና ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ን3/2/20 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ እምኒ ሓይሊ

ወ/ሮ ኣበባ ተኸስተ ብርሃነ፡ በዓል-ቤተይ ከበደ ሃብተማርያም ስለዝተሰወአ፡ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 4 ደቁ ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን19/2/20 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ደብረ

ለምለም መኮነን ነጋሽ፡ በዓል-ቤተይ ካሕሳይ ጸጋይ 3 ዓመቱ ድሃዩ ስለዘይብለይ ጉዳይና ናብ ዘመድ ሽማግለ ተመሪሑ ናይ ቃል ኪዳን ፍትሕ ክውድኣለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን2/2/20 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ደርሰነይ

ወ/ሮ ስምረት ስዩም ተስፋዝጊ፡ በዓል-ቤተይ ተጋ/ክፍለማርያም ወልዳይ መብራህቱ ስለዝተሰወአ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 4 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን22/2/20 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ደቂ ሽሓይ

ወ/ሮ ሰለማዊት ገብረወልዱ ተምነዎ፡ ኣቦይ ገብረወልዲ ተምነዎ ስለዝሞተ፡ ብስም ኣቦይ ገብረወልዲ ተምነዎ ኣብ ባንኪ ጨ/ዘርኣይ ደረስ ዘእትዎ ዝነበረ ገንዘብ፡ ኣነ ጥራይ ወራሲት ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን15/2/20 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ከተማ ሰንዓፈ

ወ/ሮ ጁዘፒና ኢምፔራቲ ፈርዲናንዶ ብወኪለን ኣቶ ተስፋልደት ስዩም ተላ ኣቢለን፡ ሓፍተይ ኣና ኢምፔራቲ ፈርዲናንዶ ስለዝሞተት፡ ኣነ ጥራይ ወራሲት ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን13/2/20 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

2ይ ሓራጅኣብ መንጎ ብፍ/በ/መሰል ወረ/ነፍ ዮውሃንስ ንጉሰን ብፍ/በ/ዕዳ ወረ/ነፍ

ዮውሃንስ ንጉሰን ብዝተፈጥረ ክርክር፡ 1ይ ቤት ፍርዲ ዞባ ማእከል ብዕለት 16/12/19 ብቁ.መዝ 2559/14 ዝሃቦ ትእዛዝ ምርኩስ ብምግባር፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ከባቢ ገዛ ባንዳ ሓበሻ (ማእከላይ ሰፈር ጥቃ ትዕበ ድዃን) ዝርከብ ገዛ፡ ዞባ 07 ምም/15 ነበር፡ ናይ ኮምሽን ኣባይቲ መወከሲ ቁጽሪ 131360 ዝልለ ገዛ 3ተ ቀንዲ ክፍልታት፡ 1 ተሓጋጋዚ ክፍሊ 1 ሽቃቅን ዘጠቓለለ ኮይኑ ብቐዳማይ ሓራጅ ክሽየጥ ስለ ዘይተኻእለ ካብ ዝቐረበ ግምት ብፍርቂ ዋጋ ብምጉዳል ማለት 28,818.74 (ዕስራን ሸሞንተን ሽሕን ሸሞንተ ሚእትን ዓሰርተ ሸሞንተንን ናቕፋ 74%) ብኻልኣይ ሓራጅ ክሽየጥ ቤት ፍርዲ ስለ ዝኣዘዘ ክወዳደር ዝደሊ ኣብቲ ንዕለት 14/02/2020 ሰዓት 3፡00-4፡00 ድ/ቀ ዝግበር ሓራጅ ¼ ናይቲ ዝተዋህበ ግምት ብኣካል ወይ ብሕጋዊ ወኪሉ ብስሙ ዝተመዝገበ ናይ ባንክ ቡክ ወይ ድማ ብስም ፈጻም ፍርዲ ሲፒኦ (CPO) ኣስሪሑ ብምቕራብ ክወዳደር ይኽእል። ተወዳደርቲ ቅድሚ ዕለት ጨረታ 5ተ ናይ ስራሕ መዓልታት ዘሎ ክበጽሖ ዝደሊ መጠን ገንዘብ ብቁጽርን ብኣሃዝን ኣብ ፖስታ ዓሺጉ ኣብ ላ/ቤ/ፍርዲ ቤ/ጽ/ዋ/ፈ/ፍርዲ ቁ/62 ዘሎ ሳንዱቕ ጨረታ የእቱ። ሓበሬታ ዝደሊ ኣብ ቁ/64 ቀሪቡ ይውከስ። ዝቃወም እንተሎ ካብ ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ መአገዲ እንተዘይኣምጺኡ ሓራጅ ኣየቋርጽን።

ዕለት ሓራጅ፡ 14/02/2020 ሰዓት ሓራጅ፡ 3፡00-4፡00ድ/ቀ ቦታ ሓራጅ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣስመራ ቁ/27

ሓራጅብፍርዲ በዓልቲ መሰል ወረ/ነፍ ግራዝ/ነጋ ናይዝጊ ወ/ሮ ሽዋየ ነጋ ናይዝጊ

ብፍርዲ ሰብ ዕዳ ወረ/ነፍ ግራዝ/ ነጋ ናይዝጊ፡ ተስፋሚካኤል ነጋ ናይዝጊ+9 ዝነበረ ክርክር ጉዳይ ናይ ውርሻ ገዝኦም ቤት ፍርዲ ብሓራጅ ክሽየጥ ስለዝኣዘዘ እዚ ገዛ ኣብ ከተማ ኦምሓጀር ምም/ከባቢ ዞባ ፍትሒ ኮይኑ ኣብ 700 ት.ሜ ዝተደኮነ ኣርባዕተ ቀንዲ ክፍልታት ዘጠቓለለ ኢዩ፡ ብኪኢላ 55,719.65% ናቕፋ (ሓምሳን ሓሙሽተን ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ዓሰርተ ትሽዓተ ናቕፋን 65%) ተገሚቱ ብሓራጅ ኽሽየጥ ስለዝኾነ ኣብ ዝግበር ሓራጅ ክወዳደር ዝደሊ ሰብ ቅድሚ ዕለት ሓራጅ ዘሎ ሓሙሽተ መዓልታት ጀሚሩ ናይቲ ክወዳደረሉ ዝደሊ መጠን ዋጋ ገንዘብ ብምጥቃስ ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ ብምግባር ኣብ ፈጻሚ ፍርዲ መንደፈራ ኣብ ዝተዳለወ ዕጹው ሳንዱቅ የእቱ። ኣብዚ ናይ ዕለት ሓራጅ ናይ ዝተዋህበ ግምት ዋጋ ገንዘብ ሓደ ርብዒ ብስም ፈጻሚ ፍርዲ መንደፈራ ኣብ ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ መንደፈራ C.P.O ኣስሪሑ ብምቕራብ ወይ ናይ ባንክ ቡክ ብምትሓዝ ክወዳደር ይኽእል። ዕለት ሓራጅ 13/02/2020 ሰዓት ሓራጅ 8፡00-9፡00 ቦታ ሓራጅ ፈጻሚ ፍርዲ ዞባ ደቡብ መንደፈራ

ሓዳስ ኤርትራ 18 ጥሪ 2020 - ገጽ 11መበል 29 ዓመት ቁ.119

ሓበሬታቤት ጽሕፈት ነጋድያን ኢየሩሳሌም ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ

ኣብ 2012 ዓ.ም ግእዝ (2020 ዓ.ም.ፈ) በዓለ ፋሲካ ናብ ኢየሩሳሌም ክትነግዱ ትደልዩ ምእመናን ካብ ዕለት 17 ክሳብ ዕለት 24 ጥሪ 2020 ዓ.ም.ፈረንጂ ንሓደ ሰሙን ምዝገባ ከካይድ ስለዝኾነ ብኣካል ዝተሓደሰ ፓስፖርትኩም ሒዝኩም ብምቕራብ ክትምዝገቡን ዘድሊ ቅጥዒ ክትመልኡን ከምእትኽእሉ ንሕብር።

ቦታ ምዝገባ

1. ነባርነትኩም ኣብ ኣስመራን ማእከልን ሃገረ ስብከትን ዝኾንኩም ኣብ ቤት ጽሕፈት ሃገረ ስብከታት ኣስመራን ማእከልን ኣብ ካምቦቦሎ ግምጣል ጎልደን ፎርክ ዝርከብ ሓድሽ ቤት ጽሕፈት፡

2. ነባርነትኩም ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ ዓዲ ቀይሕ ዝኾንኩም ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ጵጵስና ከተማ ዓዲ ቀይሕ

3. ነባርነትኩም ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ መንደፈራ ዝኾንኩም ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ጵጵስና ከተማ መንደፈራ

4. ነባርነትኩም ኣብ ሃገረ ስብከት ድባርዋ ዝኾንኩም ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ጵጵስና ከተማ ድባርዋ

5. ነባርነትኩም ኣብ ዞባ ዓንሰባ ዝኾንኩም ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ጵጵስና ከተማ ከረን

6. ነባርነትኩም ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ዝኾንኩም ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ጵጵስና ከተማ ባረንቱ

7. ነባርነትኩም ኣብ ዞባ ሴሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝኾንኩም ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ጵጵስና ከተማ ባጽዕ

8. ነባርነትኩም ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝኾንኩም ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ጵጵስና ከተማ ዓሰብ

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ቤት ጽሕፈት ነጋድያን ኢየሩሳሌም

ሓራጅብፍርዲ በዓልቲ መሰል ወረ/ነፍ/ግራዝማች/ ነጋ ናይዝጊ ወ/ሮ ሽዋየ ነጋ

ናይዝጊ ብፍርዲ ሰብ ዕዳ ወረ/ነፍ/ ግራዝማች/ ነጋ ናይዝጊ፡ ተስፋሚካኤል ነጋ ናይዝጊ+9 ዝነበረ ክርክር ጉዳይ ናይ ውርሻ ገዘኦም ቤት ፍርዲ ብሓራጅ ክሽየጥ ስለዝኣዘዘ እቲ ገዛ ኣብ ከተማ መንደፈራ ምም/ከባቢ ዓዲ ባሪ ኮይኑ ኣብ 528 ት.ሜ ዝተደኮነ ሓሙሽተ ቀንዲ ክፍልታት ክልተ ተሓጋገዝቲ ክፍሊ ዘጠቓለለ ኢዩ። ብኪኢላ 138.630.53% ናቕፋ (ሚእትን ሰለሳን ሸሞንተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ሳላሳን ናቕፋን 53%) ተገሚቱ ብሓራጅ ክሽየጥ ስለዝኾነ ኣብ ዝግበር ሓራጅ ክወዳደር ዝደሊ ሰብ ቅድሚ ዕለት ሓራጅ ዘሎ ሓሙሽተ መዓልታት ጀሚሩ ናይቲ ክወዳደረሉ ዝደሊ መጠን ዋጋ ገንዘብ ብምጥቃስ ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ ብምግባር ኣብ ፈጻም ፍርዲ መንደፈራ ኣብ ዝተዳለወ ዕጹው ሳንዱቕ የእቱ፡ ኣብ’ዚ ናይ ዕለት ሓራጅ ናይ ዝተዋህበ ግምት ዋጋ ገንዘብ ሓደ ርብዒ ብስም ፈጻም ፍርዲ መንደፈራ ኣብ ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ መንደፈራ C.P.O ኣስሪሑ ብምቕራብ ወይ ናይ ባንክ ቡክ ብምትሓዝ ክወዳደር ይኽእል። ዕለት ሓራጅ 13/02/2020 ሰዓት ሓራጅ 8፡00-9፡00 ቦታ ሓራጅ ፈጻም ፍርዲ መንደፈራ

ምልክታኣብ ኣስመራ ምምሕዳር ኣባሻውል ዚፕ 1A132 ዝርከብ ኣብ ቤ/ጽ ፓብሊክ

ኖታሪ ብንብረት ቁጽሪ መዝገብ 5989/18 ናይ ዕለት 25/6/18 ብስም ነፍ/ኪዳነ የኔ ቢተው ተመዝጊቡ ዝተረጋገጸ ገዛ ንብጽሒተይ ዝምልከት ስም ዋንነት ናብ ስመይ ከመሓላልፎ ስለዝደለኹ፡ ዝቃወም እንተሎ ኣብ ውሽጢ ሰላሳ መዓልታት ሕጊ ብዝእዝዞ መሰረት ካብ ዝምልከቶ ቤ/ፍርዲ ናይ መአገዲ የቕርብ፡ ተቓዋማይ እንተዘይቀሪቡ ግን ናብ ስመይ ከመሓላልፎ ምዃነይ የረጋግጽ።

ህይወት ተላ ሃብተ

ምልክታብቁ.ምስክር ወረቐት 107878 መወከሲ ቁጽሪ 104188 ተመዝጊቡ ካብ ኮሚሽን

ኣባይቲ ኤርትራ ዝተዋህበኒ ግዝያዊ ምስክር ዋንነት ኣባይቲ ከተማ ቀንዲ ሰነድ ሊብሬቶ ስለዝጠፈኣኒ ረኺበዮ ወይ ብዕዳ ሒዘዮ ዝብል ኣካል እንተሎ ብቁ.ተሌ 07186645 ይሓብረኒ እንተዘይኮይኑ ግን መተካእታ ክወሃበኒ ክሓትት ምዃነይ አረጋገጽ።

ህይወት ተላ ሃብተ

VACANCY ANNOUNCEMENTRed Sea Bottlers Sh. Co. Invites qualified applicants for the following posts:

Post: ………………………… Filler Operator

Education: ………………………… Technical school graduate in mechanics Skill: ……………………… Basic maintenance skill and operation of filler. Experience: ………………………… 3 years as a mechanic

Quantity: ………………………… One

Age: ………………………… 25 – 45yrs.

Salary as per company scale.

Interested applicants are required to come and fill an application form and submit their CV and supporting documents to Red Sea Bottlers Sh. Co., Human Resources and Administration office, Tel 162540, within 10 days from the date of this announcement.

Applicants must provide certificate of completion or exemption from national service.

VACANCY ANNOUNCEMENTRed Sea Bottlers Sh. Co. Invites qualified applicants for the following posts:

Post: ………………………… - Chemist

Education: …………………… - Bsc in chemistry Skill: ……………………… - Good knowledge of ingredients in beverage mixture. - Basic knowledge of computer applications.

Experience: ……………………- 4 years in quality assurance activity.

Quantity: ……………………. - One

Age: ………………………- 25 – 35yrs

Salary as per company scale.

Interested applicants are required to come and fill an application form and submit their CV and supporting documents to Red Sea Bottlers Sh. Co., Human Resources and Administration office, Tel 162540, within 10 days from the date of this announcement.

Applicants must provide certificate of completion or exemption from national service.

ምልክታብስም ጸሃየ ተኽለማርያም ሲሄል ኣብ ዓዲ/ከባቢ ጐምቦሎ ብመወከሲ ቁጽሪ

000114 ቁጽሪ ምስክር ወረቐት 011173 ፕሎት 13 ፓርሰል E ን መንበሪ መዓላ ዝተዓደልክዎ ምስክር ወረቐት ስለ ዝጠፈኣኒ ዝረኸበ ወይ ብዕዳ ሒዘዮ ዝብል እንተሎ ብቁጽሪ ስልኪ 07170278 ክሕብረኒ። እንተዘይኮይኑ ግን መተካእትኡ ንዝምልከቶ ኣካል ካሓትት ምዃነይ እሕብር።

ጸሃየ ተኽለማርያም

ሓዳስ ኤርትራ 18 ጥሪ 2020 - ገጽ 12መበል 29 ዓመት ቁ.119

ታደሰ ተኽለ

Sabur Printing Services

ኣብ ደቡባዊ ክፋል ኣፍሪቃ ህጹጽ ናይ መግቢ ረድኤት ዝጽበ ብጥሜት ዝሳቐ ህዝቢ 45 ሚልዮን በጺሑ ከም ዘሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ ብምባል ምንጭታት ሓቢሮም። ዓመት-መጸ ዝገሃድ ብማዕበል ህንዳዊ

ውቅያኖስ ዝተሰነየ ህቦብላ ኣብቲ ከባቢ ዝወድቀሉ ቅንያት ይመጽእ ከም ዘሎ ዝሕብሩ ምንጭታት፡ ነቲ ብደርቂ ተፈጢሩ ዝጸንሐ ዋሕዲ መግቢ ብዕልቕልቕ ከም ዘጋድዶ ኣረዲኦም።ኣብ 16 ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ዋሕዲ

መግቢ፡ ቅድሚ ሕጂ ብዓቐኑ ተራእዩ ከም ዘይፈልጥ ዝሕብሩ ጸብጻባት፡ ኣውራ መበገሲ ናይቲ ጥሜት ብደረጃ ዓለም ዝረአ ዘሎ ምቅይያር ጠባያት ኣየር ምዃኑ የረድኡ።ካብተን በዚ ዋሕዲ መግቢ ተጸጊመን ዘለዋ

ሃገራት፡ ኢስትዋኒ፡ ለሴቶ፡ ማዳጋስካር፡ ማላዊ፡

ዋሕዲ መግቢ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ደቡባዊ ኣፍሪቃ

ኖርወይ - ብሰንኪ ኣባል ዳዕሽ ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ቅልውላው

ሕቡእ ዋዕላ ሶርያውያን ኣብ በርሊን ዓለም-ለኸ ተዓዘብቲ ዝሰሓበ ዋዕላ ሰላም ሊብያ

ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ዝቕጽል ሰሉስ ናብ መጋባእያ ላዕለዋይ ባይቶ ዝቐርብ ክሲ ዝምርምሩ 100 ኣባላት ላዕለዋይ ባይቶ ኣመሪካ፡ ቃል ማሕላ ከም ዝሃቡ ተሓቢሩ።ማእከላይ ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ነቲ

ስነ-ርዓት ማሕላ ኣብ ዘቕረበሎም ግዜ “ሻራ ዘይብሉ ፍትሒ” ከም ዝህቡ ብማሕላ ኣስሚዖም።ኣብ ታሕተዋይ ባይቶ ብብዝሒ ዝርከቡ

ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ፡ ኣብ ልዕሊፕረዚደንት ዘቕረቡዎ ክልተ ክስታት፡ ካብ መዝነት ዘውርዶን ዘየውርዶን ምዃኑ ብላዕለዋይ ባይቶ (ሰኔት) ምስ ተመርመረ፡ ውጽኢቱ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ከም ዝንገር ተፈሊጡ ኣሎ።ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ብቐንዱ ዝተኸሰሉ

ክሲ ‘ንውልቃዊ ረብሓኻ” ኣብ ልዕሊ ዩክረይን “ጸቕጢ ገይርካ” ዝብል ክሲ እዩ። ኣብ 2021 ኣብ ዝካየድ ምርጫታት፡

ንዶናልድ ትራምፕ ዘስገኦ ኣባል ሰልፊ ዲሞክራሲ ጆ ባይደን፡ ካብቲ ውድድር ክግለፍ ትራምፕ ናይ ወጻኢ ሃገር ሓገዝ ከም ዝሓተተ እዮም ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ

ክሲ ትራምፕ ዝምርምር ባይቶ ማሕላ ፈጺሙ

ኣዛዚ ሓይልታት ምብራቕ ጀነራል ከሊፋ ሓፍተር፡ ጀርመን ኣብ መንጎ ተጻባእቲ ሓይልታት ሊብያ ክካየድ ኣብ ዘዳለወቶ መስርሕ ሽምግልና ክሳተፍ ድልዊ ምዃኑ ገሊጹ ብምባል ምንጭታት ሓቢሮም።ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ

ጀርመን ሄኮ ማስ፡ ናብ ከተማ ቤንጋዚ በሪሩ ምስ ሓፍተር ድሕሪ ምርኻቡ፡ ኣብቲ ናይ ቈጸራ ዕለት ናብ በርሊን ከም ዝኸይድ ኣፍሊጡ ብምባል ሓቢሩ።ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፡ ሩስያ

ኣብ ሞስኮ ኣዳልያቶ ኣብ ዝነበረት ቱርኪ ኣብ ዝተረኽበትሉ ናይ ዕርቂ ኣኼባ፡ ሓፍተር ኣብ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ምፍራም ኣብዩ ከም ዝነበረ ይዝከር።ካብ ሞስኮ ናብ ሃገሩ ምስ

ተመልሰ፡ “ናብ ትሪፖሊ ዘቕነዐ ውግእ እንድሕር ጀሚሩ ካብ ቱርኪ ከቢድ ወተሃደራዊ መቕጻዕቲ ከም ዝመጾ” መራሒ ቱርኪ ኣጠንቂቑ

ዝገልጹ።ኣብ ዩክረይን ዝርከብ

ሓደ ናይ ጸዓት ትካል በዓል ብርኪ ከም ዝዀነ ዝፍለጥ ሃንተር ዝተባህለ ወዲ ጆ ባይደን፡ ኣብቲ ኩባንያ ዝነበሮ እጃም ብሓገዝ ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝነበረ ጆ ባይደን ከም እተዋህቦ ትራምፕ ክጥርጥር ጸኒሑ።ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ኣብ ቤት ጽሕፈት

ፕረዚደንት ኣመሪካ (ዋይት ሃውስ) ሓያሎ ሰባት እናሰምዑ ገለ ኸኣ እናተጻናጸኑ ትራምፕ ምስ ፕረዚደንት ዩክረይን ዘለኒስኪ ከዕልል ተሰሚዑ። ፕረዚደንት ትራምፕ “መተሃላልኽቱ ጆ ባይደን ኣብ ብልሽውና ተሳቲፉ እንተዀይኑ መራሒ ዩክረይን ከጻርየሉ” ከም ዝሓተተ ሓደ ካብቶም ክጻናጸኑ ዝጸንሑ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ዝሰርሑ ሰባት ብምስጢር ንኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ሓቢሩ። ኣብ ሓያሎ ፖሊስታት ሃገር ንትራምፕ

ክቃወሙ ዝጸንሑ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ፡ ነቲ ፕረዚደንት ካብ መዝነት ከልግሱ ዘኽእሎም ክስታት ከም ዝረኸቡ ኣፍሊጦም፡ ናይ መሰኻኽር ቃላት ከኣ ክእክቡ ጸኒሖም።ኣብቲ ናይ ላዕለዋይ ባይቶ (ሰኔት) ዝካየድ

መርመራ፡ መን ከም ምስክር ኰይኑ ይቕረብ? መሰኻኽርከ ይቕረቡዶ ኣይቕረቡ? ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ መንጎ ደገፍትን ተቓወምትን ትራምፕ ክትዕ ከም ዘልዕል ይግመት።ኣብቲ 100 ኣባላት ዘለዎ ባይቶ ሰኔት፡

እቶም 53 ሪፖብሊካን ክዀኑ እንከለዉ እቶም 47 ከኣ ተቓወምቲ ኸኣ ኣብ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ምዃኖም ይፍለጥ።

ካብ ማእከላይ ምብራቕ ናብ ኖርወይ ክትምለስ ዝደለየት ሓንቲ ኣባል ዳዕሽ ኰይና ዝጸንሐት ሰበይቲ፡ ክትምለስ ዘቕረበቶ ሕቶ ተቐባልነት ብምርካቡ እታ ሃገር ኣብ ፖለቲካዊ ቅልውላው ከም ዝኣተወት ተሓቢሩ። ነታ ሃገር ኣብ ዝመርሕ ስሙር

ሰልፍታት ተሳታፊ ዘሎ የማናዊ ኣረኣኣያ ዘለዎ ሰልፊ፡ ብምእታው ኣባል ዳዕሽ ተቓውሞ ከቕርብ እኳ እንተጸንሐ፡ ብመንግስቲ ከም እተዓብለለን ተሰማዕነት ከም ዝሰኣነን ተፈሊጡ ኣሎ። እታ ኣባል ዳዕሽ ዝነበረት

ሰበይቲ፡ ዜግነት ኖርወይ ካብ ዝነበሮ ኣባል ዳዕሽ ኰይኑ ኣብ

ሞዛምቢክ፡ ናሚብያ ዛምቢያን ዚምባወን ከም ዝርከባ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።ኣብ ግብረ ሰናይ ዝነጥፉ ትካላት

ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ለገስቲ ኣስታት 490 ሚልዮን ዶላር እኳ ጠሊቦም እንተነበሩ፡ ክሳዕ

ሶርያ ዝሞተ ሰብኣይ፡ ክልተ ወሊዳ ኣላ። እታ ሰበይቲ ፓኪስታናዊት ትኹን ደኣ እምበር ስለ’ቶም ቈልዑ ናብ ኖርወይ ክትኣቱ ስለ እተፈቕደላ መራሕቲ ‘ገስጋሲ ሰልፊ’ ካብቲ መንግስቲ ከም ዝወጹ ኣጠንቂቖም ኣለዉ።እቲ ተቓዋሚ ሰልፊ ካብቲ

ስሙር መንግስቲ እንድሕር ወጺኡ፡ ኖርወይ ካልእ ምርጫ ከተካየድ ክትግደድ እያ።ዳዕሽ ኣብ ሶርያ ምስ ተሳዕረ

ወይ ምስ ደኸመ ካብ ዝተበታተኑ ስድራቤት ኣባላት እቲ ዕጡቕ፡ ናብ ትውልዲ ወይ ናብ ናይ ዜግነት ሃገሮም ክምለሱ ይጽዕሩ ከም ዘለዉ ይፍለጥ።

ሕጂ ዝረኸብዎ ትሕቲ ፍርቂ ከም ዝዀነ ኣፍሊጦም።ብደረጃ ዓለም ድማ 115 ሚልዮን ‘ኣብ

ሓውሲ ዓጸቦ’ ከም ዝርከቡ ጸብጻባት እቲ ውድብ ይሕብሩ።

ኣብ ማሕበረሰብ ሶርያ ረቛሒ ተጸዋዕነት ካብ ዘለዎም ሓያሎ ውልቀ ሰባት፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፍልልያት ብምድህሳስ፡ ኣብ መንጎ ዓሌታት፡ ቀቢላታትን ሃይማኖታትን ምቅርራብ ክፈጥር ዝኽእል ሕቡእ ዋዕላ ከም ዘካየዱ ምንጭታት ሓቢሮም።ኣብቲ ዋዕላ፡ ዕጡቓት ምልሻ ዝውንኑ

ናይ ሱና መራሕቲ ቀቢላታት፡ ኣብ ጎድኒ መራሕቲ ምልሻታት ሺዓ (ዓለዊ) ተቐሚጦም ከም እተመያየጡ ተሓቢሩ።ኣብዚ ሕቡእ ኣኼባ፡ መራሕቲ ማሕበረ

ሰብ ያዚዲ፡ኩርዳውያን፡ ክርስትያንን ድሩዝን ተረኺቦም ምንባሮም ምንጭታት ሓቢሮም።እቶም ተሳተፍቲ፡ ኣብ ዓሌትን ሃይማኖት

ዝተመርኰሰ ኣፈላላይ ብውግእ ክሃድእ ከም ዘይክእል፡ ሓደ ወገን ነቲ ካልእ ተጻባኢ ስዒሩ እውን ዓብላሊ ክኸውን ወይ ሰላም ክፍጥር ከም ዘይክእል ከም እተመያየጡሉ ተሓቢሩ።ሓያሎ ካብቶም ተሳተፍቲ ብቐጥታ ካብ

ከተማ ደማስቆ ዝተበገሱ ከም ዝዀኑ ግና ደገፍቲ እቲ መንግስቲ ዝኽተሎ ስርዓት ከም ዘይኰኑ ምንጭታት የረድኡ።ካልኦት ከኣ ኣብ ትሕቲ እቲ ስርዓት

ዝሳቐዩ እኳ እንተዀኑ ነቲ ለውጢ ከምጽእ ኢሉ ዝቃለስ ዘሎ ዕጥቃዊ ገድሊ

ዘይድግፉ እዮም። ገለ ካብቶም ተሳተፍቲ ብሰንኪ እቲ ውግእ ካብ ሃገሮም ተሰዲዶም ኣብ ኤውሮጳ ካብ ዝነብሩ ማሕበረሰብ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።ኣብዚ ናይ በርሊን ሕቡእ ዋዕላ

ዝተሳተፉ ወገናት ኵሎም ካብ እተፈላላዩ ወገናት ኰይኖም፡ ነቲ መንግስቲ ይኹን ንተቓወምቲ ዘይድግፉ ግና ሰላም ጥራይ ዝደልዩ 70 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ዝውክሉ ምዃኖም ጸብጻባት የረድኡ።እቲ ዋዕላ ክካየድ ዝኸኣለ ሓያሎ

ብሕታውያን ደገፍቲን ሃገራት ኤውሮጳን ብዝገበርዎ ምውላ ከም ዝዀነ ተፈሊጡ ኣሎ።ኣብ መንጎ እቶም ተሳተፍቲ ዝዀነ

ወጥሪ ከም ዘይነበረን ፍኹስ ኣብ ዝበለ ሃዋህው ይዘራረቡ ምንባሮም ተፈሊጡ ኣሎ። ናብ ሃገሮም ክምለሱ እንከለዉ፡ ኣብቲ ዋዕላ ምስታፎም እንድሕር ተፈሊጡ ግና ካብ መንግስትን ተቓወምቲ ዕጡቓትን ብጥልመት ከም ዝክሰሱ ይግመት።እቶም ተሳተፍቲ ካብ እተስማምዑሉ

ሓደ ነጥቢ፡ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ሓድሕድ ውግእ፡ ሰብ ዝቐተለ ባዕሉ ተሓታታይ ክኸውንን ቀቢላኡ ወይ ኣባላት ስድራኡ ተቐበልቲ ሕነ ከይኮኑ ዝኽልክል ከም ዝነበረ ተፈሊጡ።ኣብቲ ዝወጽእዎ መግለጺታት ዝተፈላላያ

ማዕከናት ዜናን መራኸቢታትን ከቃልሐኦ ከም ዝዘርግሕዎ ተፈሊጡ ኣሎ።

ምንባሩ ይዝከር።ትማሊ ነቲ ጀርመናዊ ሚኒስተር

ድሕሪ ምፍናዉ ድማ ሓፍተር ናብ ግሪኽ ከም ዝበረረን ምስ ሰብ መዚ እታ ሃገር ከም እተዛራረበን ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብቲ ናይ በርሊን ዋዕላ ዕርቂ ተዓዲማ ዘላ ግሪኽ ብኡ ንብኡ “ቱርክን ኣብ ትሪፖሊ ዘሎ መንግስቲ ሊብያን ዘካየድዎ ንዶባት ባሕሪ ዝምልከት ውዕላት እንተዘይሰሪዞም ኣብቲ ናይ ሰላም ስምምዕ ኣይንፍርምን ከም ዝበለት” ዶቸ ቬለ ሓቢሩ። ኣብ ዝቕጽል ሰንበት ኣብ ናይ

ጀርመን ከተማ በርሊን ዝካየድ ዋዕላ ሰላም ካብ ዝተዓደሙ መራሕቲ፣ ናይ ፈረንሳ፡ ሩስያን ቱርክን ከምዝርከቡ ክፍለጥ እንከሎ ኣመሪካ ድማ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ማይክ ፖምፐዮ ክትውከል እያ።ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ዋዕላ

ህልውና ቀጻሊ ምቍራጽ ተዅሲ ንምርግጋጽ ከም ዝዀነ ጀርመን ትገልጽ።