12
መበል 27 ዓመት ቁ.256 ሰሉስ 26 ሰነ 2018 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ ገጽ 3 ገጽ 4 ገጽ 5 ገጽ 6 ገጽ 9 ሓዳጋት ንኹን ስለምታይ ቈርበትና .... ‘መመፍትሕካ ... ሽፋ ሹም ዑመር... ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ዜጋታት፡ ብምኽንያት 20 ሰነ - መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ ዘካየድዎ ናይ ዝኽሪ መደብ፡ “ምንባይ ስድራ ሰማእታት ንመንግስቲ ጥራይ ዝግደፍ ጾር ኣይኮነን” ብምባል፡ ገንዘባዊ ኣበርክቶ ገይሮም። ኤርትራውያን ነበርቲ ኩወይት፡ “ስዉኣትና ብግብሪ ይደበሱ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ሽምዓ ብምውላዕ ሰማእታቶም ኣብ ዝዘከሩሉ ስነ-ስርዓት፡ ሓንቲ ስድራ- ቤት 50 ሽሕ ዶላር ከተወፊ እንከላ፡ ነፍሲ- ወከፍ ስራሕ ዘለዎ ዜጋ ድማ ካብ ደሞዙ ዜጋታት፡ ማዕከን ሕድሪ ሰማእታት ንምስሳን ኣበርክቶኦም የዕዝዙ ውሱን ስልዒት ከበርክት ተሰማሚዖም። ኣባላት ውዳበታት ሓፋሽ፡ ማሕበረኮም፡ ውልቀ-ሰባት፡ ከምኡ’ውን ቤተ-ክርስትያን ኣቡነ-ኣረጋውን ቅዱስ ሚካኤልን - ካርቱምን ከባቢኣን ሱዳን ድማ፡ ልዕሊ 9 ሽሕን 600ን ዶላር ወፍዮም። ኣባላት ኤርትራዊ ማሕበረ-ኮም ኣብ ፐርዝ - ኣውስትራልያ፡ ብወፈያን ጨረታን ልዕሊ 4,400 ዶላር ኣውስትራልያ ከወፍዩ እንከለዉ፡ ሽድሽተ ዜጋታት ንሽድሽተ ስድራቤታት ስዉኣት ንኽልተ ዓመት ናይ ምእላይ ሓላፍነት ወሲዶም። ኤርትራውያን ነበርቲ ከለንን ከባቢኣን - ጀርመን ድማ፡ 1,100 ዩሮ ኣበርኪቶም። ኤርትራውያን ነበርቲ ሪፓብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሕድሪ ሰማእታት ንምትግባር መብጽዓኦም ዳግም ኣብ ዘሐደሱሉ ኣጋጣሚ፡ ንመሰሰኒ ማዕከን ሕድሪ ሰማእታት ዝውዕል ልዕሊ 61 ሽሕን 500ን ራንድ፡ ኣብ ከተማ ቦስተን - ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነብሩ ዜጋታት ድማ ንተመሳሳሊ ዕላማ 17 ሽሕ ዶላር ወፍዮም። *** ኣብ ናቕፋ እትርከብ ኣሕዳሪት ቤት- ትምህርቲ ስነ-ኪነት ዊና፡ ንኽልተ ዓመት ዘምሃረቶም 44 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 151 ተመሃሮ፡ ብሰርትፊኬት ኣመሪቓ። ኣብ’ቲ ናይ መመረቕታ ሰነ-ስርዓት፡ ዳይረክተር’ታ ቤት-ትምህርቲ ኣቶ ቃልኣብ ዘርኡ፡ ተመረቕቲ - 20 ብዕረያ መኪና፡ 16 ብስራሓት ሓጺን፡ 21 ብጽርበት ዕንጸይቲ፡ 18 ብስራሓት ህንጻ፡ 17 ብጽርበት ሓጺን፡ 21 ብኤለክትሪክ፡ 21 ብቅየሳ፡ 17 ድማ ብንድፊ ከምእተመረቑ ሓቢሩ። ቤት-ትምህርቲ ስነ-ኪነት ዊና 151 ተመሃሮ ኣመሪቓ ተመሃሮ ዝቐሰሙዎ ትምህርቲ መበገሲ ምዃኑ ተገንዚቦም፡ ሞያኦም ንምዕባይ ከይተሓለሉ ክነጥፉ ዘዘኻኸረ ኣቶ ቃልኣብ፡ ዘምሃሮም ህዝብን ሃገርን ንምኽሓስ፡ ኣብ ዝሰላሰል ሃገራዊ መደባት ልምዓት እጃሞም ከዕዝዙ ተላብዩ። ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ - ኣብ 1985 ኣገልግሎት ክትህብ ዝጀመረት ቤት-ትምህርቲ ስነ-ኪነት ዊና፡ ዛጊት 730 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 2,905 ተመሃሮ ብሰርቲፊኬት ኣመሪቓ ኣላ። *** ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ንቕሓት ህዝቢ ኣብ ምክልኻል ጠንቂን ሳዕቤናትን ሕማም ዓሶ ብምብራኹ፡ ቀረብ መድሃኒትን መመርመሪ መሳርሒታትን ብምምልኡ፡ ከምኡ’ውን ናሙስያ ብሰፊሑ ብምዝርግሑ፡ እቲ ሕማም ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ናብ ደረጃ ምጥፋእ ከምዝበጽሐ ተገሊጹ። ብምውህሃድ ዝተፈላለዩ ኣካላት ንዝተሰላሰለ ዕማማት ንምግምጋምን ኣብ መጻኢ ዝትግበር ዕዮ ንምንዳፍን - ብ18 ሰነ ኣብ ከተማ ከረን ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ዓንሰባ ዶክተር ከሰተብርሃን ሰሎሞን፡ ኣብ’ቲ ተመዝጊቡ ዘሎ ዓቢ ዓወት፡ ተራ መሻርኽቲን ሕብረተሰብን ዕዙዝ ምንባሩ ጠቒሱ፡ ዓሶ ንምጥፋእ ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ፡ ውህደትን ምትሕብባርን ብዝለዓለ ክድፋሉ ምዃኑ ሓቢሩ። ሓላፊ ምቍጽጻር ዓሶ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ኪሮስ ሰረቐ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ሕማም ዓሶ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ገለብ፡ ሓልሓል፡ ዒላ-በርዕድን ዓዲ-ተከሌዛንን ኣብ ደረጃ ምጥፋእ ከምዝበጽሐ፡ ኣብ ዝተረፋ ንኡሳን ዞባታት ከኣ ኣብ ቅድመ-ምጥፋእ ከምዝርከብ ኣረዲኡ። ብመሰረት ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ኣብ 1998 ብደረጃ ዞባ በቲ ሕማም ካብ ዝተለኽፉ ልዕሊ 97 ሽሕ ሰባት፡ 63 ከምዝሞቱ፡ ኣብ 2017 ግን ቊጽሪ ሕሙማት ናብ 1600 ክወርድ እንከሎ፡ መጠን ሞት ናብ ባዶ ከምዝወረደ በሪሁ። ኣብ ምቊጽጻር ሕማም ዓሶ ጐሊሖም ዝርኣዩ ጸገማት፡ ቅልጡፍ ሕክምና ዘይምግባር፡ ናሙስያ ብስሩዕ ዘይምጥቃም፡ ቦታታት መፋረዪ ጣንጡ ዘይምክትታልን ዘይምጽራይን፡ ከምኡ’ውን ወከልቲ ጥዕና ዓዲ ምስ ስርሖም ዝዳረግ ሞሳ ዘይምርካቦም ዓንሰባ - ሕማም ዓሶ ኣብ ደረጃ ምጥፋእ በጺሑ ምዃኖም እውን ተገሊጹ። ተሳተፍቲ፡ ሕማም ዓሶን ዳንግ ፊቨርን - ‘ዌልካም’ ንህዝቢ የደናግር ብምህላዉ፡ ቀጻሊ ኣስተምህሮታት ክወሃብ፡ ምውጋድ ከሚካላት ብዝለዓለ ክድፋኣሉ፡ ወከልቲ ጥዕና ዓዲ ዝተባብዑሉ መንገዲ ክናደ ዝብሉን ካልኦትን ሕቶታት ኣቕሪቦም። ኣብ መወዳእታ፡ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ተስፋጼን ግርማይ፡ ተረኺቡ ዘሎ ውጽኢት ተዓቂቡ፡ ሕማም ዓሶ ምሉእ ብምሉእ ንኽጠፍእ፡ ኩሎም መሻርኽቲ ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ ተላብዩ። ኣብ ንኡስ ዞባ ናቕፋ - ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ በያን፡ ማሬት፡ ባቕላ፡ እንድላልን ላባን፡ ናብ ዓድታቶም ዘእቱ 135 ኪሎ-ሜተር ናይ ሓመድ ጽርግያ ብወፈራታት ይጽግኑ ኣለዉ። እቲ ሓምሻይ ወርሑ ኣቚጺሩ ዘሎ ስራሕ፡ ካብ ምምሕዳር ከባቢ በያን ተበጊሱ፡ ብከተማ ናቕፋ ሓሊፉ ናብ ማሬት፡ ባቕላ፡ እንድላልን ላባን ዝበጽሕ’ዩ። ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ያቆብ እድሪስን ሓላፊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣቶ ተስፋይ እዮብን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ብቐንዱ ኣብ ምስራሕ ከትርታትን ዛላታትን፡ ከምኡ’ውን ምጽጋን ጽርግያታት ዘተኰረ ንጥፈታት ክሰላሰል ምጽንሑ ጠቒሶም፡ እቲ ሕጂ ብኮማዊ ውዳበ ዝዕመም ዘሎ ዕዮ፡ ምግፋሕን ምምድማድን ጸበብቲ ጽርግያታትን ምሕጻር ጥውይዋይ ዝበዝሖ መስመራትን ከምዘጠቓልል ገሊጾም። ኣብ ናቕፋን ማእከልን ህዝባዊ ማእቶት ይካየድ ኣሎ ተሳተፍቲ፡ ዘካይድዎ ዘለዉ ዕማም ንዝነበሮም ጸገም መጓዓዝያ ዘቃልል ምዃኑ ጠቒሶም፡ እቲ ጽርግያ ብተራ መሳርሒታት ማእቶት ነባሪ ጽገና ክግበረሉ ስለዘይክእል ግዳ፡ ዝምልከቶም ኣካላት ቈላሕታ ክገብሩሉ ሓቲቶም። ንሳቶም ወሲኾም፡ ካብ ናቕፋ ናብ ንኡስ ዞባ ኣዶብሓ ዝኣቱ 72 ኪሎ-ሚተር ጽርግያ፡ ብምትሕብባር ነበርቲ ክልቲኡ ንኡሳን ዞባታት ከምእተጸገነ ሓቢሮም። ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ዞባ ማእከል ናብ 2ይ ገጽ ይቕጽል ስ/ዮናታን የዕብዮ ስ/መድህኑ ዓሳማ መርሃዊ ቅዱስ ሻምፕዮን ...

ዓንሰባ - ሕማም ዓሶ ኣብ ደረጃ ምጥፋእ በጺሑ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_26062018.pdf · “ዘለካ ተወከፍ እንተዘይብልካ ኣይትሰከፍ”

  • Upload
    others

  • View
    40

  • Download
    0

Embed Size (px)

Citation preview

Page 1: ዓንሰባ - ሕማም ዓሶ ኣብ ደረጃ ምጥፋእ በጺሑ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_26062018.pdf · “ዘለካ ተወከፍ እንተዘይብልካ ኣይትሰከፍ”

መበል 27 ዓመት ቁ.256 ሰሉስ 26 ሰነ 2018 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ

ገጽ 3 ገጽ 4 ገጽ 5 ገጽ 6 ገጽ 9

ሓዳጋት ንኹን

ስለምታይ ቈርበትና

....

‘መመፍትሕካ ... ሽፋ ሹም ዑመር...

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ዜጋታት፡ ብምኽንያት 20 ሰነ - መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ ዘካየድዎ ናይ ዝኽሪ መደብ፡ “ምንባይ ስድራ ሰማእታት ንመንግስቲ ጥራይ ዝግደፍ ጾር ኣይኮነን” ብምባል፡ ገንዘባዊ ኣበርክቶ ገይሮም።ኤርትራውያን ነበርቲ ኩወይት፡

“ስዉኣትና ብግብሪ ይደበሱ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ሽምዓ ብምውላዕ ሰማእታቶም ኣብ ዝዘከሩሉ ስነ-ስርዓት፡ ሓንቲ ስድራ-ቤት 50 ሽሕ ዶላር ከተወፊ እንከላ፡ ነፍሲ-ወከፍ ስራሕ ዘለዎ ዜጋ ድማ ካብ ደሞዙ

ዜጋታት፡ ማዕከን ሕድሪ ሰማእታት ንምስሳን ኣበርክቶኦም የዕዝዙውሱን ስልዒት ከበርክት ተሰማሚዖም።ኣባላት ውዳበታት ሓፋሽ፡ ማሕበረኮም፡

ውልቀ-ሰባት፡ ከምኡ’ውን ቤተ-ክርስትያን ኣቡነ-ኣረጋውን ቅዱስ ሚካኤልን - ካርቱምን ከባቢኣን ሱዳን ድማ፡ ልዕሊ 9 ሽሕን 600ን ዶላር ወፍዮም።ኣባላት ኤርትራዊ ማሕበረ-ኮም ኣብ

ፐርዝ - ኣውስትራልያ፡ ብወፈያን ጨረታን ልዕሊ 4,400 ዶላር ኣውስትራልያ ከወፍዩ እንከለዉ፡ ሽድሽተ ዜጋታት ንሽድሽተ ስድራቤታት ስዉኣት ንኽልተ ዓመት ናይ ምእላይ ሓላፍነት ወሲዶም።

ኤርትራውያን ነበርቲ ከለንን ከባቢኣን - ጀርመን ድማ፡ 1,100 ዩሮ ኣበርኪቶም።ኤርትራውያን ነበርቲ ሪፓብሊክ

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሕድሪ ሰማእታት ንምትግባር መብጽዓኦም ዳግም ኣብ ዘሐደሱሉ ኣጋጣሚ፡ ንመሰሰኒ ማዕከን ሕድሪ ሰማእታት ዝውዕል ልዕሊ 61 ሽሕን 500ን ራንድ፡ ኣብ ከተማ ቦስተን - ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነብሩ ዜጋታት ድማ ንተመሳሳሊ ዕላማ 17 ሽሕ ዶላር ወፍዮም። ***

ኣብ ናቕፋ እትርከብ ኣሕዳሪት ቤት-ትምህርቲ ስነ-ኪነት ዊና፡ ንኽልተ ዓመት ዘምሃረቶም 44 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 151 ተመሃሮ፡ ብሰርትፊኬት ኣመሪቓ።ኣብ’ቲ ናይ መመረቕታ ሰነ-ስርዓት፡

ዳይረክተር’ታ ቤት-ትምህርቲ ኣቶ ቃልኣብ ዘርኡ፡ ተመረቕቲ - 20 ብዕረያ መኪና፡ 16 ብስራሓት ሓጺን፡ 21 ብጽርበት ዕንጸይቲ፡ 18 ብስራሓት ህንጻ፡ 17 ብጽርበት ሓጺን፡ 21 ብኤለክትሪክ፡ 21 ብቅየሳ፡ 17 ድማ ብንድፊ ከምእተመረቑ ሓቢሩ።

ቤት-ትምህርቲ ስነ-ኪነት ዊና 151 ተመሃሮ ኣመሪቓ

ተመሃሮ ዝቐሰሙዎ ትምህርቲ መበገሲ ምዃኑ ተገንዚቦም፡ ሞያኦም ንምዕባይ ከይተሓለሉ ክነጥፉ ዘዘኻኸረ ኣቶ ቃልኣብ፡ ዘምሃሮም ህዝብን ሃገርን ንምኽሓስ፡ ኣብ ዝሰላሰል ሃገራዊ መደባት ልምዓት እጃሞም ከዕዝዙ ተላብዩ።ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ - ኣብ

1985 ኣገልግሎት ክትህብ ዝጀመረት ቤት-ትምህርቲ ስነ-ኪነት ዊና፡ ዛጊት 730 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 2,905 ተመሃሮ ብሰርቲፊኬት ኣመሪቓ ኣላ። ***

ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ንቕሓት ህዝቢ ኣብ ምክልኻል ጠንቂን ሳዕቤናትን ሕማም ዓሶ ብምብራኹ፡ ቀረብ መድሃኒትን መመርመሪ መሳርሒታትን ብምምልኡ፡ ከምኡ’ውን ናሙስያ ብሰፊሑ ብምዝርግሑ፡ እቲ ሕማም ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ናብ ደረጃ ምጥፋእ ከምዝበጽሐ ተገሊጹ። ብምውህሃድ ዝተፈላለዩ ኣካላት

ንዝተሰላሰለ ዕማማት ንምግምጋምን ኣብ መጻኢ ዝትግበር ዕዮ ንምንዳፍን - ብ18 ሰነ ኣብ ከተማ ከረን ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ዓንሰባ ዶክተር ከሰተብርሃን ሰሎሞን፡ ኣብ’ቲ ተመዝጊቡ ዘሎ ዓቢ ዓወት፡ ተራ መሻርኽቲን ሕብረተሰብን ዕዙዝ ምንባሩ ጠቒሱ፡ ዓሶ ንምጥፋእ ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ፡ ውህደትን ምትሕብባርን ብዝለዓለ ክድፋሉ ምዃኑ ሓቢሩ። ሓላፊ ምቍጽጻር ዓሶ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ

ኪሮስ ሰረቐ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ሕማም ዓሶ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ገለብ፡ ሓልሓል፡ ዒላ-በርዕድን ዓዲ-ተከሌዛንን ኣብ ደረጃ ምጥፋእ ከምዝበጽሐ፡ ኣብ ዝተረፋ ንኡሳን ዞባታት ከኣ ኣብ ቅድመ-ምጥፋእ ከምዝርከብ ኣረዲኡ። ብመሰረት ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ኣብ 1998

ብደረጃ ዞባ በቲ ሕማም ካብ ዝተለኽፉ ልዕሊ 97 ሽሕ ሰባት፡ 63 ከምዝሞቱ፡ ኣብ 2017 ግን ቊጽሪ ሕሙማት ናብ 1600 ክወርድ እንከሎ፡ መጠን ሞት ናብ ባዶ ከምዝወረደ በሪሁ። ኣብ ምቊጽጻር ሕማም ዓሶ ጐሊሖም

ዝርኣዩ ጸገማት፡ ቅልጡፍ ሕክምና ዘይምግባር፡ ናሙስያ ብስሩዕ ዘይምጥቃም፡ ቦታታት መፋረዪ ጣንጡ ዘይምክትታልን ዘይምጽራይን፡ ከምኡ’ውን ወከልቲ ጥዕና ዓዲ ምስ ስርሖም ዝዳረግ ሞሳ ዘይምርካቦም

ዓንሰባ - ሕማም ዓሶ ኣብ ደረጃ ምጥፋእ በጺሑ

ምዃኖም እውን ተገሊጹ።ተሳተፍቲ፡ ሕማም ዓሶን ዳንግ ፊቨርን

- ‘ዌልካም’ ንህዝቢ የደናግር ብምህላዉ፡ ቀጻሊ ኣስተምህሮታት ክወሃብ፡ ምውጋድ ከሚካላት ብዝለዓለ ክድፋኣሉ፡ ወከልቲ ጥዕና ዓዲ ዝተባብዑሉ መንገዲ ክናደ ዝብሉን ካልኦትን ሕቶታት ኣቕሪቦም።ኣብ መወዳእታ፡ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ

ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ተስፋጼን ግርማይ፡ ተረኺቡ ዘሎ ውጽኢት ተዓቂቡ፡ ሕማም ዓሶ ምሉእ ብምሉእ ንኽጠፍእ፡ ኩሎም መሻርኽቲ ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ ተላብዩ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ናቕፋ - ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ በያን፡ ማሬት፡ ባቕላ፡ እንድላልን ላባን፡ ናብ ዓድታቶም ዘእቱ 135 ኪሎ-ሜተር ናይ ሓመድ ጽርግያ ብወፈራታት ይጽግኑ ኣለዉ።እቲ ሓምሻይ ወርሑ ኣቚጺሩ ዘሎ

ስራሕ፡ ካብ ምምሕዳር ከባቢ በያን ተበጊሱ፡ ብከተማ ናቕፋ ሓሊፉ ናብ ማሬት፡ ባቕላ፡ እንድላልን ላባን ዝበጽሕ’ዩ።ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ያቆብ

እድሪስን ሓላፊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣቶ ተስፋይ እዮብን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ብቐንዱ ኣብ ምስራሕ ከትርታትን ዛላታትን፡ ከምኡ’ውን ምጽጋን ጽርግያታት ዘተኰረ ንጥፈታት ክሰላሰል ምጽንሑ ጠቒሶም፡ እቲ ሕጂ ብኮማዊ ውዳበ ዝዕመም ዘሎ ዕዮ፡ ምግፋሕን ምምድማድን ጸበብቲ ጽርግያታትን ምሕጻር ጥውይዋይ ዝበዝሖ መስመራትን ከምዘጠቓልል ገሊጾም።

ኣብ ናቕፋን ማእከልን ህዝባዊ ማእቶት ይካየድ ኣሎተሳተፍቲ፡ ዘካይድዎ ዘለዉ ዕማም

ንዝነበሮም ጸገም መጓዓዝያ ዘቃልል ምዃኑ ጠቒሶም፡ እቲ ጽርግያ ብተራ መሳርሒታት ማእቶት ነባሪ ጽገና

ክግበረሉ ስለዘይክእል ግዳ፡ ዝምልከቶም ኣካላት ቈላሕታ ክገብሩሉ ሓቲቶም።ንሳቶም ወሲኾም፡ ካብ ናቕፋ ናብ

ንኡስ ዞባ ኣዶብሓ ዝኣቱ 72 ኪሎ-ሚተር

ጽርግያ፡ ብምትሕብባር ነበርቲ ክልቲኡ ንኡሳን ዞባታት ከምእተጸገነ ሓቢሮም።ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ዞባ ማእከል

ናብ 2ይ ገጽ ይቕጽል

ስ/ዮናታን የዕብዮ

ስ/መድህኑ ዓሳማ

መርሃዊ ቅዱስ ሻምፕዮን ...

Page 2: ዓንሰባ - ሕማም ዓሶ ኣብ ደረጃ ምጥፋእ በጺሑ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_26062018.pdf · “ዘለካ ተወከፍ እንተዘይብልካ ኣይትሰከፍ”

ሓዳስ ኤርትራ 26 ሰነ 2018 - ገጽ 2 መበል 27 ዓመት ቁ.256

ሎሚ ኣብ ERI-TV ሰዓት መደብ12:00 ደኩመንታሪ 12:30 ዜና ትግርኛ12:50 ልዝብ መንእሰያት13:30 ዜና ዓረብ13:40 ዶክተራት ኣብ ስቱድዮ15:10 Sport highlights15:50 ደኩመንታሪ16:35 መደብ ስፖርት17:25 ናትራን18:15 ሄሎ ቆልዑ18:55 ሙ/ድራማ20:00 ዜና ትግረ 20:10 ተኸታታሊት ፊልም (ጅሮም10)21:00 ዜና ትግርኛ 21:25 ስፖትር22:00 ዜና ዓረብ 22:10 ሙ/ድራማ22:30 ዜና እንግሊዝ

ብዘይካ ሰኑይ መዓልታዊ እትሕተም ጋዜጣ

ምስጋና ተዓገስሰገን ሰረቐ

ኣስቴር ካሕሳይ

ኤደን ሃብተኣብሳራ ኣለም

ሰማያዊት ሓይለኣብ

ለይ-ኣውት

ሳምራዊት መለስ

ዋና ኣሰናዳኢ ኣስፍሃ ተኽለማርያም

ቍ.ስ 116266 / 201820(2220)

ቦርድ ምስንዳእ ብርሃነ ምሕረትኣብዮሴፍ ሃይለማርያም

ምሉእብርሃን ሃብተገብርኤልኤርምያስ ገብረልዑል

ሺሃብ ኣርኣያቍ.ስ 201820 (2214)

ፋክስ። 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. 247

ምዝርጋሕ ጋዜጣ ቍ.ስ. 200454-07121322

ምልክታ ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

መንእሰያት ምምሕዳር ከባቢ እምበይቶ - ንኡስ ዞባ ጋላ-ነፍሒ፡ ካብ 1500 ክሳብ 2000 ሰባት ክሕዝ ዝኽእል መድረኽ ክሰርሑ እንከለዉ፡ ኣስታት 350 ሜተር ኲብ እምኒ ከምዝኣከቡን ብዝናብ ዝዓነወ ኣባይቲ ከምዝጸገኑን ተፈሊጡ። ኣስታት

ኣብ ናቕፋን ማእከልን ህዝባዊ...5 ኪሎ-ሜተር ናይ ሓመድ ጽርግያ ድማ ብማሽነሪ ተጸጊኑ።ኣብ ንኡስ ዞባ ኣርባዕተ ኣስመራ

ብዝተሰላሰለ ወፈራዊ ማእቶት ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ፡ 5 ኪሎ-ሜተር ቅናታዊ ዛላ ከምእተሰርሐን 2,400

ጐዳጒዲ ንፈልሲታት ከምእተዳለወን፡ ከምኡ’ውን 460 ፈልሲታት ከምእተተኽለ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።እቲ ስራሕ፡ ኣብ ከባቢታት ቤት-ገርጊስ፡

ስካሪኮ፡ ቤተ-ክርስትያን ኪዳነ-ምህረትን ፓርክ ሰማእታትን እዩ ተኻይዱ።

ዘኽታማት ቈልዑ ብባህልን ክብርታትን ሕብረተሰቦም ተዀስኲሶም ብርእሰ-ተኣማንነት ክዓብዩ፡ ብዕዙዝ ተራ ኮም ሓያል ጻዕሪ ይካየድ ከምዘሎ፡ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ገሊጹ። ሓላፊ ሓለዋን ክንክንን ህጻናት ኣቶ

ተስፉ ሰለሙን፡ እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ትሕቲኡ ንዝእለዩ ዘኽታማት ቈልዑ፡ ካብ ተነጽሎ ተገላጊሎም ብስድራቤታዊ መልክዕ ንኽዓብዩን ኣብ’ቲ ዝድለ ደረጃ ንኽበጽሑን ኩሉንትናዊ ናብዮት ከምዝገብረሎም ሓቢሩ።እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ምእላይ

ዘኽታማት ዝኽተለን ሓሙሽተ ስትራተጂታት ከምዘለዋ፡ ንሳተን ድማ - መቕርብ ኣናዲኻ ምውጋን፡ መቕርብ ንዘይተረኽቦም - ብቕዓትን ቅርቡነትን ሓተትቲ ጥቡነት ብምርግጋጽ ብሕጋዊ መልክዕ ምርዓም፡ ብሞግዚትነት - ከም ወለዲ ኮይኖም ክሳብ ዓቕሞም ዘፍቅዶ ምስ ዝኣልዩ ምጽጋዕ፡ ከምኡ'ውን ስድራ-ቤታዊ ክንክን ዝገብር ጉጅለ ቈልዑ ብምቛም ምንባይ ምዃነን ኣረዲኡ።ብስድራ-ቤታዊ መልክዕ ንዘኽታማት

ምእላይ (Group Home)፡ መንግስቲ ምስ ምምሕዳራትን ኮምን ብምውህሃድ ኣብ 1997 ኣብ መንደፈራን ደቀምሓረን ከምዝጀመሮ፡ ኣድማዕነቱ ተራእዩ ድማ ኣብ ኩለን ዞባታት ብጠቕላላ 300 ዘኽታማት ዝሓቘፋ 22 ጉጅለታት ከምእተኸፍታ ዝሓበረ ኣቶ ተስፉ፡ ኣብ 2018 ግን እቶም ተኣልይቲ ናብ ስድራቤታት ተጸጊዖም ነብሶም ዝኽእሉሉ መደባት ስለዝተገብረሎም፡ ኣብ ኣርባዕተ ዞባታት ን67 ዘኽታማት ዝኣልያ 7 ጉጅለታት ጥራይ ከምዝተረፋ ገሊጹ።ኣብ ዞባታት ሰሜናውን ደቡባውን

ቀይሕ ባሕሪ፡ ህዝቢ ነቶም ዘኽታማት ናይ ምእላይ ምሉእ ሓላፍነት ስለዝወሰደ፡ እተን ቈይመን ዝነበራ ጉጅለታት ከምእተዓጽዋ ድማ ሓቢሩ።

ዘኽታማት ቈልዑ ብክብርታት ሕብረተሰቦም ተዀስኲሶም ንክዓብዩ ጻዕሪታት ይካየድ

ካብ 1ይ ገጽ ዝቀጸለ

ኣብ ንኡስ ዞባ ዳህላክ፡ ምንጪ ጽሩይ ዝስተ ማይ ንምውሓስ ዝካየድ ጻዕሪታት ክሕይል ነበርቲ ሓቲቶም።ዝሓለፈ ዓመታት ዝወቕዐ ዝናብ ኣዝዩ

ድሩት ብምንባሩ፡ ነዊሕ ሰዓታት ተጓዒዞም ጽሬቱ ዘይተሓለወ - ንሱ ድማ ውሑድ ማይ ይሰትዩ ምህላዎም ብምሕባር፡ መሰረታዊ ፍታሕ ክርከቦ ሓቲቶም።ሓላፊ ጨንፈር ማይ ዞባ ሰሜናዊ

ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ ጨንፈር ዞባ ደቡብ፡ ካብ 12 ንኡሳን ዞባታት ንዝተዋጽኣ 95 ደቂ-

ደቡብ - ደቂ-ኣንስትዮ ስንኩላን ኲናት ወለድ ዘይብሉ ልቓሕ ተዋሂቡወንኣንስትዮ ኣባላቱ፡ ልዕሊ 1.1 ሚልዮን ናቕፋ ወለድ ዘይብሉ ልቓሕ ሂቡ።እቲ ልቓሕ፡ ኣብ ንጥፈታት ንግድን

ሕርሻን ዝተመርኰሰ መነባብሮ ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ደቂ-ኣንስትዮ ንምምሕያሽ ዝዓለመ ኮይኑ፡ ንነፍሲ-ወከፈን 12,500 ናቕፋ ከምእተዋህበ ተፈሊጡ። ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ዝተኻየደ

ስነ-ስርዓት፡ ሓላፊ ጨንፈር ማሕበር ኣብ ዞባ ደቡብ ኣቶ ተስፋልደት መንግስቱ፡ ኩነታት ደቂ-ኣንስትዮ ስንኩላን ኲናት ብምጽናዕ፡ ኣብ ዝመረጻኦን ከድምዓሉ ዝኽእላን ዓውዲ ተዋፊረን መነባብሮአን ዘመሓይሻሉ ባይታ ንምጥጣሕ፡ ማሕበር

ብመንገዲ ናይ ልቓሕ መደባት ጻዕርታት የካይድ ከምዘሎ ገሊጹ።እቲ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ንኽዕወት፡

ንዝረኸባኦ ዕድላት ብግቡእ ክጥቀማሉ ብምዝኽኻር ድማ፡ ምትሕብባር ማሕበር ከምዘይፍለየን ኣረጋጊጹ። ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ብዓቕመን ክነጥፋሉ

ኣብ ዝኽእላ ንግዳውን ሕርሻውን ንኡስ ዋኒናት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምሕደራ ናይ ልቓሕ ገንዘብን ክግበር ኣብ ዘለዎ ጥንቃቐን፡ ብበዓል ሞያ ቊጠባ ኣስተምህሮ ተዋሂቡወን።

ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣቶ ሃብተጼን ብርሃነ፡ ጠንቂ ናይ’ቲ ኣብ ንኡስ ዞባ ዳህላክ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕጽረት ዝስተ ማይ፡ እቲ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናነከየ ክመጽእ ዝጸንሐ ትሕዝቶ ትሕትን ልዕልን ባይታዊ ማይ ምዃኑ ብምሕባር፡ ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ ንምውሓስ፡ ብደረጃ ሃገርን ዞባን ዝተኻየዱ ንርሑቕ ዝጠመቱ መጽናዕትታን ዝተታሕዙ ፕሮጀክትታትን ከምዘለዉን፡ ንትግባረኦም ዕቱብ ጻዕርታት ይካየድ ምህላዉን ገሊጹ። ካብ ከተማ ባጽዕ ንሸነኽ ሰሜናዊ

ምብራቕ ኣስታት 60 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ እትርከብ ንኡስ ዞባ ዳህላክ፡ ብምግፋፍ ዓሳ፡ ንኡስ ንግድን መጓሰን ዝናበራ ልዕሊ 600 ስድራ-ቤታት ይነብራኣ።

ነበርቲ ዳህላክ፡ ጽሩይ ማይ ንምውሓስ ጻዕሪታት ክሕይል ሓቲቶም

ኣገደስቲ ቴሌፎናትሆስፒታል ሓሊበት

18 54 00ሆስፒታል ኦሮታ20 19 17

ፖሊስ ኤርትራ12 77 99

ኮርፖሬሽን ኤለትሪክሲቲ

12 22 22ፋርማችያ ቁ. 1

127565መጥፋእቲ ሓዊ

202099ማሕበር ቀይሕ መስቀል

154633

ስ/ኣማረሽ ጸጋይ

Page 3: ዓንሰባ - ሕማም ዓሶ ኣብ ደረጃ ምጥፋእ በጺሑ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_26062018.pdf · “ዘለካ ተወከፍ እንተዘይብልካ ኣይትሰከፍ”

ሓዳስ ኤርትራ 26 ሰነ 2018 - ገጽ 3 መበል 27 ዓመት ቁ.256

ዮሴፍ ሃይለማርያም[email protected]

በዓል ሓዳር ኩን ምስ ሓዳርካ ዝተፈላለኻን ከምኡ’ውን ክትምርዖ ኣብ ጕዕዞ ዘለኻን፡ ብዘየገድስ ሕጕስ ሰብ ክትከውን ፍጹም ዝምድና ኣይኰነን ዘድልየካ። ኣብ ዝምድናኻ ሕጕስ ክትከውን እቲ ዘድሊ ፍቕሪ ምህላው ጥራይ’ዩ። ‘ፍጹም ዝድምና ስለዘይብለይ’የ ኣብ ሓዳረይ ሕማቕ ዘለኹ’ ኣይትበል። በቲ ሎሚ ወኒንካዮን እተስተማቕሮን ዘለኻ ፍቕሪ ጥራይ ተሓጐስ። እቲ ብንእሽቶ ነገር ምምስጋን ዝለመደ ሰብ’ዩ ዓቢ ነገር ምስ ረኸበ’ውን ዘመስግንን ዝሕጐስን። ስለዚ፡ ነቲ ኣብ ቅድመኻ ዘሎ ነገር ብኸመይ ተድንቖ ተመሃር። ብሕድሪኡ ብዘለካ ክትዓግብን ኣመስጋኒ ክትከውንን ኢኻ። እዚ ኸኣ ኣብ ዝምድናኻ እወታዊ ኣጠማምታ ክህልወካን ሕጕስ ሂወት ክትመርሕን የኽእለካ። “ዘለካ ተወከፍ እንተዘይብልካ

ኣይትሰከፍ” ከምዝበሃል፡ በታ ዘላትካ ተዋሳእ። ብዘለካ ተሓጐስ። ብሓጺሩ፡ ሓጐስ ከተስተማቕር ናይ ፍቕሪ ህይወትካ ዘይኰነ ኣብ ፍቕሪ ዘለካ ኣጠማምታ ኢኻ ክትልውጥ ዘለካ። እዘን ዝስዕባ ሓሙሽተ ነጥብታት ነቲ ሎሚ እትነብሮ ዘለኻ ህይወት እናስተማቐርካ ኣብ ሓዳርካ

ፍቕሪ ዝዓሰሎ ሕጕስ ሂወት ክትመርሕ ዝሕግዛ’የን - ብዝግባእ ተረድኣየን። 1. ኵሉ ሰብ ብሉጽ ጐድኒ

ኣለዎ - ብሉጽ ጐድንኻ ርኸብ ኵሉ ሰብ ኣብ ሂወቱ ትዕበ ትንኣስ

ብሉጽ ጐድኒ ኣለዎ። ነዛ ብልጽቲ ጐድኑ ክፈልጣ ድማ ግዴታ ኣለዎ። ነዛ ብልጽቲ ጐድኑ ብምልላይ’ዩ ምስ ሰባት ብኸመይ ከም ዝዋሳእ ፈሊጡ ክጕዓዝ ዝኽእል። ንዓኣ ዘይምልላይ ግን ምስ ብሉጽ ጐድኑ ኣብ ምድንጋር ክነብር ይግደድ። ክልተ መጻምድቲ፡ ኣብ ዝምድና ፍቕራዊ ሂወቶም ኣየና’ዩ እቲ ብሉጽ ጐድኖም ኣለልዮም’ዮም ክዋስኡ ዝግባእ። ንኣብነት መዓስ ኢኻ ርህሩህን ፈቃርን፡ ህዱእን እወታዊን ትኸውን? ብሉጽ ጐድንኻ እንተኣለሊኻ ብኸመይ ብጽቡቕ ከም እትዋሳእ’ዩ ዝሕግዘካ። ከምኡ’ውን ኣበየናይ መዓልቲ’ዩ ሕጕስን ትስፉውን ስምዒት ዝህልወካ ምልላይ ጽቡቕ ጐድንኻ ኣብ ረብሓኻ ከተውዕሎ የኽእለካ። ስለዚ፡ ኣብ ጕዕዞ ዝምድናታትካ ፍቕሪ ዝመልኦ ሓጐስ ንኸስተማቕር ንሓይሊ ጽቡቕ ጐድኒኻ ኣለሊዮ። 2. ንገዛኻ እንታይ ሒዝካ

ከምትኣቱ ፍለጥ ትሕዝቶ ንዝምድና መጻምድቲ

ንገዛእ ነብሱ ዘየፍቅር ሰብ፡ ንኻልኦት ከፍቅር ኣይክእልን’ዩ። ኣብ ገዛና ተለማሚድናዮ ዝዓበና ነገር ኢና፡ ኣብ ሕብረተሰብና እነንጸባርቖ። ደረጃ ኣተሓሳስባና’ውን ብኣኡ መንጸር’ዩ ዝውሰን። ንኣብነት፡ ንዓበይቲ ኣብ ምኽባርን ምፍቓርን ዘለና ሓይሊ፡ ኣብ’ቲ ዝዓበናሉ ክብሪታትን ስነ-ምግባርን ከባቢናን ሕብረተሰብናን እዩ ዝርኰስ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ብጻዕሩ ዝነብር፣

ብሓባር ዚቃለስን ዚሃንጽን፣ ክብርታቱ ዓቂቡ ዝጓዓዝ፣ ንእምነቱ፡ ባህሉን ወግዑን ዘኽብር ምዃኑ ሓደ ካብ’ቲ ዘሐብነና እዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ሓዳግን ይቕረ በሃልን እዩ። እዚ፡ ኣብ ንሓድሕዱ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ብቕልጽሙ ዝሰዓሮም ገዛእቱን ጸላእቱን ከይተረፈ ኣንጸባሪቕዎ’ዩ። ምስ ሰባት ኣብ እንገራጨወሉ እዋን፡

ሓያሎ ጸገማት ከጋጥመና ይኽእሉ’ዮም። ሰባት ፍጹማት ስለ ዘይኰንና ክንበዳደል ንቡር’ዩ። ስለዚ፡ ብእንፍጽሞም ጌጋታት፡ ንገዛእ ነብስና እናወቐስና ተመሊስና ናብ ዘይተድለየ ባእስን ናይ ሂወት ህልኽን ኣብ ክንዲ ንኣቱ፡ ብዕርቂ ተደቓቒስና ሰለማዊ መነባብሮና ክንመርሕ’ዩ ዘለና። እዚ ከኣ’ዩ እቲ ሰላምን ሩፍታን ዝመልኦ ጥዕና ዝህበና። ምጭኽኻን ግን ካባና ክርሕቕ ጥራይ’ዩ ዘለዎ። ባህልናን እምነትናን’ውን ኣይኰነን። ገለ ግዜ ግን፡ ኣብ ጕዳይ ዕርቂን ሰለማዊ ፍትሕን፡ ምጭኽኻን ምርኣይ ንቡር ተርእዩ ኰይኑ ይርከብ ኣሎ። ይቕረ! ይቕረ! ኣብ ክንዲ ምብህሃል፡ ጕዳያት እናተዓባበኻ፡ ፈቐዶ ኣብያተ ሕግን ቤት ፍርድን ኰለል ምባል እንታይ ኣምጽኦ? እዚ ኸ እንትርፎ ግዜኻን ጒልበትካን ምብኻን፡ ነቲ ዝነበረካ ፍቕሪ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ እናኣእተወ ዘይተደልየ ጽልኢ ካብ ምንጋስ ሓሊፉ ካልእ እንታይ ፋይዳ ኣለዎ? ስለዚ፡ ቅልጡፍ ቆላሕታን ፍወሳን ከድልዮ’ዩ። ከይኰነ ወግን ከይፈረሰ ጸግን ከምዝበሃል፡ ንምጭኽኻንን ንዝበደለካ ይቕረ ዘይምብህሃልን ስቕ ኢልካ ምርኣይን ሸለል ምባልን፡ ነቲ ዘለና ክብርታት ሕብረተሰብና፡ እናሸፋፈነ ከየቕህሞ ንንቅሓሉ።“ኣነዶ ከምዚ እብሃል” እናበልካ፡ ንዕሽነት

ሰባት ክትዝርዝር ካብ ምውዓል፡ ገዛእ ነብስኻ ምፍላጥ ዝበለጸ ምስጢር ዓወት ምዃኑ ክኢላታት ስነ-ልቦና ዘተሓሳስብዎ ነጥቢ’ዩ። ዓበይቲ በደላት ክበጽሑና ወይ ከጋጥሙና ይኽእሉ’ዮም። ነዚኣቶም ግን፡ ብይቕሬታ እንተሓለፍናዮም’ዩ እቲ ዝሓይሽን መፍትሒ ዝርከቦን። ኣብ ሕነ ምፍዳይን ንዝጸልኡና ምጽላእን ከይኣተና፡ ካብ እከይ ኣተሓሳስባታት ክንርሕቕ ይግበኣና። “መወዳእታኡ የጸብቆ!” ዝብል

ብሂል ኣለና። እዚ ብሂል ኣቦታትና’ዚ፡ ኵሉ’ቲ ዘጋጥመና ክፉእ ነገር ናብ ሰናይና ክቕየረልና ዝእንፍት ምንዮት’ዩ። ዝበደለ ይቕሬታ ክሓትት ዝተበደለ ብንጹህ ልቢ “ይቕረ ይኹንካ!” ክብል ሞራላዊ ግዴታ’ዩ። ከምቲ ምስ በደልና ካብ ካልኦት ምሕረት እንደልን እንሓትትን፡ ንሕና ድማ ነቲ ዝበደለና ሕድገት እንተገበርናሉ ዝበለጸ ዝምድና ኣብ ምምስራት’ዩ ዝሕግዘና። “እንካ ዘይብልሲ ሃበኒ መን ኣልመዶ” ከም ዝበሃል፡ ከምቲ ካልኦት ሰባት ክገብሩልና እንደልዮ፡ ንሕና’ውን ንኻልኦት ከምኡ ንግበረሎም። ናይ በይንኻ ሰላም ሒዝካ ክትነብር ምፍታን ጽቡቕ ኣይኰነን ጥራይ ዘይኰነ፡ ግብራዊ’ውን ኣይኰነን።

ንዅሉ ባእስን ጽልእን ብይቕረታ ክትምውሶ’ዩ ዘለካ። እዚ ከኣ’ዩ፡ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብካ ብዝግባእ ተማሕቢርካ ክትነብር ዘኽእለካ። ይቕረ ምባል ኣዝዩ ክቡር ዋጋ

ኣለዋ። እቲ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብካ ዘኽብረካ ጭዋ ባህሊ’ውን ንሱ’ዩ። ምስ ሰብ ነገርና ምዝርራብ ከቖጥዓና የብሉን። ንውሽጣዊ ስምዒትና ተቖጻጺርና፡ ምስቲ ጸኒሑ ቅሳነት ዝኸልኣና ጕዳይ ፊት-ንፊት ብትብዓት ክንገጥሞ ኣለና። ከምኡ ምግባርና፡ ብኻልኦት ሰባት ከም ምልክት ሕምቀት ክረአ ይኽእል ይኸውን። ውሳነና ግን፡ ነቶም ሕማቓት ኣብ ግምት ዘእተወ ከም ዘይኰነ ንነብስና ከነእምና ኣለና። እቲ እንገብሮ ዘለና ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብን ሕግን ቅኑዕ ምዃኑ ጥራይ ክንኣምነሉ ኣለና። ሕድገት ምግባር ድማ፡ ብቐዳምነት ንዓና’ዩ ዘቕስነናን ዝሃንጸናን። ክስዕበና ካብ ዝኽእል ሕማቕ ነገራት’ውን የድሕነና። ሓቂ ይሓይሽ፡ ዝበደለካ ይቕረ ምባል፡ መድሃኒት ሕልና’ዩ።እቲ ቀንዲን መሰረታዊን መለክዒ

ልቦና፡ ከም ሰብ ሓዳግ ምዃን’ዩ። ጽቡቕ ነገር፡ ምስ ሰብ’ዩ ዝጽንብረካ። ጽቡቕ ነገር ክረክብ ሃርር ዘይብል

ሓዳጋት ንኹን

ብቐጥታ ክጸልዎ ግድን ስለዝዀነ፡ መጻምድቲ ቊጠባዊ ትሕዝቶ ሓዳሮም ንምምሕያሽ ኢድን ጓንቲን ኰይኖም’ዮም ክሰርሑ ዘለዎም። ትሕዝቶ ቤቱ ክልውጥ ዘይጽዕር፡ ሃጓፋት ቤቱ ክመልእ ዘይጽዕት ሰብኣይ ይኹን ሰበይቲ ሓዳር የገድሶ’ዩ ኢልካ ክትዛረበሉ ዝክኣል ኣይኰነን። ከምዚ ምግባር ነቲ ኣብ መንጎ መጻምድቲ ዝህሉ ዝምድና ብእወታ’ዩ ዝጸልዎ። ኢድን ጓንቲን ኰይኖም ናብራኦም ከመሓይሹ ዝጽዕቱ መጻምድቲ፡ ሓያል ዝምድናን ፍቕራዊ ሂወትን ኣለዎም። ስለዚ፡ ሓጐስ ዘለዎ ዝምድና ንኽህልወካ ንቤትካ እንታይ ሒዝካ ከም እትኣቱ ፍለጥ። ኣብ ጣውላ መኣድኻ ዝቕረብ ትሕዝቶ ክትልውጦ ጸዓር። “ንገዛይ እንታይ ሒዘ ምስ ዝኣቱ’ዩ ዝምድናና ዝተርር?’’ ኢልካ ወትሩ ክትሓስብ ኣለካ።

3. ንፍልልያትኩም ተቐበሎ ሰብኣይን ሰበይቲን ኣካላውን

ድሌታውን ፍልልያት’ዮም ዝውንኑ። ፍልልያቶም ጽባቐኦምን ንረብሓ ክልቲኦምን ምዃኑ ኣሚኖም ድማ ብፍልልያቶም ክመሳገኑ’ዩ ዘለዎም። እቲ ሰብኣይ ዝደልዮን ዝውንኖን ንሰበይቱ ክህባ እንከሎ፡ ንሳ ድማ ከምኡ እቲ እትደልዮን እትውንኖን ንሰብኣያ ትህቦ።

ዝምድናኦም ድማ ሓጐስን መቐረትን ዝመልኦ ይኸውን። ደቂ-ሰብ ፍልልያት ስለዘለና

ኢና ንሓድሕድና እናተመሃሃርናን እናተፋቐርናን እንነብር። ክልተ መጻምዲ ድማ ዝውንንዎ ፍልልያት መሰረት ፍቕሮምን ሓዳሮምን ምዃኑ ፈሊጦም ክጕዓዙ ኣለዎም - እቲ ምንታይ ፍልልያት ምህላው መልክዕ ጽባቐኦም ስለዝዀነ።4. ኣብ ፍቕሪ ዝመልኦ

ሂወት መዓልታዊ ሓድሽ ነገር ከምእትመሃርዝሓለፈ ተመኩሮ ጽቡቕ ይኹን

ሕማቕ ብዘየገድስ ትምህርቲ ክቕሰሞ ግድን’ዩ። ሰባት ድማ ካብ ሕሉፍ ተመኩሮና ኢና እንመሃር። ዓወት ከኣ ካብ ድምር ናይቲ ኣብ መዓልታዊ ውድቀትና እንመሃሮ ጥበብን ተመኩሮን’ያ እትርከብ። ንዅሉ’ቲ መዓልታዊ ዘጋጥመካ ከም ሰናይ ሓሲብካ ብፍቕሪ (ብእወታዊ ዝምድና) ተመላለስ። ሓይሊ እወታዊ ዝምድና ብፍቕሪ ምምልላስ ስለዝዀነ፡ ኣብ ዕለታዊ ጕዕዞኻ ሓድሽ ነገር ክትመሃርን ሕጕስ ዝምድና ከተስተማቕርን ኢኻ። ***

ሓይሊ እወታዊ ዝምድና

ክህልወና’ውን ኣይክእልን። ከምቲ ንሕና ጽቡቕ ክንረክብ እንደሊ፡ ካልኦት ከምኡ ከምዝደልዩ ምርዳእ ከኣ፡ ምስ ሰባት ዘለና ፍቕሪ’ዩ ዘብዝሓልና። እስከ፡ ነብስና ኣብ ቦታ ናይቲ ጌጋ ዝፈጸመ ሰብ ንደቓይቕ ንርኣያን ነቐምጣን!ዝበደሉና ሰባት፡ ጸገም ዘለዎም

እንተዀይኖም፡ ጸገሞም ክንፈትሕ ንበገስ። ዓቕሞም ትሑት እንተዀይኑ ክንርድኣሎም ንፈትን። ብዘለና ዓቕሚ’ውን ንሓግዞም። ሰላም፡ ተሓጋጊዝካ ብፍቕሪ ምንባር’ዩ። ካብ ሕማቕ ዝርከብ ጽቡቕ ካብ ዘይሃለወ፡ ንጽቡቕ ከነናድያ ንሃቅን። ናይ ግዜኡ ረብሓ ኣየታልለና። ጐነጽን ጭካነን መፍቲሒ ከይኑ ኣይፈልጥን’ዩ። ኣብ ባልናን ክብረታት ሕብረተሰብና’ውን ኣይጸንሓናን። ስለዚ፡ ነዚ ረዚን ክብርና ሓሊና ደኣ ንኺድ። እቲ ምንታይ፡ ክብርታት ሕብረተሰብናን ጭውነት ባህልናን እውን እንተዀነ፡ ዕርቂ፡ ሰላም፡ ሕድገትን ይቕረ ምባልን እዮም ዝምህሩና።

ገዛኢ ገብሪሂወት (ካብ ከረን)ምንጪ፡ መጽሔት ተሃድሶ - ጥቅምቲ

2016

ሳምፓውሊ መዝነቱ ክሓድግ ጥርዓኖም የቕርቡ ምህላዎም ይንገር ኣሎ፣ ከም ማሸራኖ ዝኣመሰሉ ተጻወትቲ ኣብታ ጋንታ ዝኾነ ሓርጎጽጎጽ ከምዘየለ እኳ እንተሓበሩ፡ መራኸቢ ብዙሃን ግና ቀንዲ ጠንቂ ስዕረት ናይታ ጋንታ ሳምፓውሊ ዝወስዶም ስጉምትታት ምዃኖም ይሕበር፣ ዝኾነ ኮይኑ፡ ሳምፓውሊ፡ ሎሚ ኣብ ኣሰላልፋ ጋንታኡ ለውጢ ከካይድ ምዃኑ ይንገር ኣሎ፣ ኣንጻር ክሮኦሽያ ዓቢ ጌጋ ዝፈጸመ ሓላዊ ልዳት ኣርጀንቲና ዊሊ ካባሌኦ ድማ ናይ ምልሳፉ ተኽእሎ ኣብ ምልክት ሕቶምህላዉ ይሕበር፣ ብተወሳኺ፡ ዲማርያን ባኔጋን እውን ናይ ምስላፍ ዕድል ክህልዎም ትጽቢት ኣሎ፣ ሂጕየን እውን ንኣጉዌሮ ተኪኡ መስመር ምጥቃዕ ናይታ ጋንታ ክመርሕ ከምዝኽእል መራኸቢ ብዙሃን ትማሊ ኣማስያአን ሓቢረን፣ ናይጀርያን ኣርጀንቲና ሎሚ ንሓሙሻይ ግዚአን እየን ኣብ ውድድር ዋንጫ ዓለም ክራኸባ፣ ናይጀርያ ናብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ውድድራት ዋንጫ ዓለም 2002፡ 2010፡ 2014 ከምኡ ድማ ናብ 2018 ድሕሪ ምሕላፋ፡ ኣርጀንቲናን ኣብ እትርከቦ ምድብ እያ ተወዚዓ፣ ኣብ 1994 እውን ኣብ ሓደ ምድብ እየን ነይረን፣ ኣብ 2002ን 2010ን ግጥማ 1ብ0፡ ኣብ 1994 2ብ1 ከምኡ ድማ ኣብ 2014 3ብ2 ዝተሳዕረት ናይጀርያ፡ ምስ ኣርጀንቲና ብተደጋጋሚ ብምርኻባ ዝተለማመዳ ትመስልስ፣ + ናይጀርያን ኣርጀንቲናን ኣብ

ዝርከባኦ ምድብ ዝርከባ ኣይስላንድን ክሮኦሽያን እውን ግጥም ክህልወን እዩ፣ ተኸላኻሊ ኣይስላንድ ራግናር ሲጉርድሰን ኣንጻር ናይጀርያ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ብዝገጠሞ ማህሰይቲ ርእሲ፡ ሎሚ ናይ ምስላፉ ተኽእሎ ኣጠራጣሪ እዩ ዘሎ፣ ብወገን እታ ናብ ግጥም ኣውዲቕካ

ምሕላፍ ምዝላላ ዘፍለጠት ክሮኦሽያ፡ ሓያለ ናይ ተጻወትቲ ለውጢ ክህሉ ትጽቢት ኣሎ፣ በዚ ድማ ኣሰልጣኒ ዳሊች፡ ንኣጥቃዒ ክራማሪች ናይ ምስላፍ ዕድል ክህቦ ትጽቢት ኣሎ፣ ከም ኢቫን ራኪቲች፡ ራቢች፡ ማንዙኪች፡ ብሮዞቪችን ኮርሉካን ዝኣመሰሉ ተጻወትቲ ኣቐዲሞም ዝተሰማዓሎም ብምዃኖም ሎሚ ከይስለፉ ይኽእሉ እዮም፣+ በልጁም ንቱኒዝያ 5ብ2 ኣብ

ዝሰዓረትሉ ጸወታ ክልተ ሸቶታት ዘመዝገበ ሮመሉ ሉካኩ ኣብ ብርኩ መጠናዊ ማህሰይቲ ከምዝገጠሞ ይንገር ኣሎ፣ ብዘይካ’ዚ፡ ሮመሉ ሉካኩ ኣብ ታሪኽ ውድድር ዋንጫ ዓለም ሓያለ ክብረወሰን ክሰብር ከምዝኽእል ዲደር ድሮግባ ገሊጹ፣+ ኮሎምብያ ብጃፓን ኣብ ዝተሳዕረትሉ

ግጥም ብቐይሕ ካርድ ካብ ሜዳ ዝተባረረ ሳንቸዝ፡ ናይ መፈራሂ ቃላት ብደቂ ሃገሩ በጺሕዎ ይርከብ፣ እቲ ክሳብ ክንቀትለካ ኢና ዝብል መፈራርሂ ዝሰዓቦ ኮሎምብያዊ ጉዳዩ ብፖሊስ ምክትታል እኳ ይግበረሉ እንተሎ፡ እታ ጋንታ ኣብ ልዕሊ ፖላንድ ንዘመገበቶ ናይ 3ብ0 ዓወት ነቲ ተጻዋታይ ብምውፋይ ነቲ ውጥረት ከተፍኩስ ትፍትን ምህላዋ ተሓቢሩ፣ ኣብ 1994፡ ኮሎምብያዊ ኤስኮባር፡ ናብ ገዛእ ልዳቱ ሸቶ ብምምዝጋቡ ድሕሪ 10 መዓልታት ኣብ ሃገሩ ብጥይት ከምዝተቐትለ ይዝከር፣+ ተጻዋታይ ጀርመን ሰባስትያን

ሩዲ፡ ሃገሩ ጽባሕ ምስ ደቡብ ኮርያ ኣብ እተካይዶ ግጥም ዋንጫ ዓለም 2018 ኣብ ኣፍንጫኡ ብዝገጠሞ ማህሰይቲ ናይ ምስላፉ ተኽእሎ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣትዩ፣ ብመንጽሩ፡ ማት ሁመልስ ምሉእ ልምምድ ምክያዱን ነቲ ግጥም ድማ ድልዊ ምህላዉን ኣሰልጣኒ ጀርመን ጀዋኪም ሎው ሓቢሩ፣

ተወሳኺ . . .

ካብ 9ይ ገጽ ዝቐጸለ

Page 4: ዓንሰባ - ሕማም ዓሶ ኣብ ደረጃ ምጥፋእ በጺሑ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_26062018.pdf · “ዘለካ ተወከፍ እንተዘይብልካ ኣይትሰከፍ”

ሓዳስ ኤርትራ 26 ሰነ 2018 - ገጽ 4 መበል 27 ዓመት ቁ.256

ህይወትን ምድርን ይመሳሰላ እየን። ክልተአን ብጽቡቕን ሕማቕን ዝመልኣ፣ ውረድ ደይብ ዓቐበ-ቁልቊል ዝመንገደን፣ እናሻዕ ምስ በርበርካየን ትሕዝቶአን ኰነ ምስጢረን እናተጋህደልካ ዝኸይድ፣ ምስ ንቕሓት ዝያዳ ዝንጽራ ክልተ ገጽ። ህይወት ግድል እያ። ግድል ማለት ድማ ዘይተፈልጠ፣ ዘይተነጸረ ምስጢር ማለት እዩ። ንኽትፈልጦ ናይ ግድን ምፍትሑ ዘድልየካ፣ ንምፍትሑ ድማ መፍትሕ ክህልወካ ዝሓትት። እቲ መፍትሕ ግዳ፡ ምንባብን ምምርማርን እዩ - ካልእ ኣይኮነን። ንጥፈታትና ምስ ምንቃሕን

ዘይምንቃሕን ክተኣሳሰር ግድን’ዩ - ምስ ድንቁርና ምዕባለ የለን። ትምህርቲ እዩ ከም እትምዕብልን ከም እትስጉምን ዝገብረካ። ትምህርቲ’ውን ቀጻሊ ደኣ’ምበር ኣብ ሓደ ደው ዝብል ኣይኰነን። መሃይምነት ምጥፋእ ማለት - ፊደላትን ኣሃዛትን ምቑጻር፣ ምምሃር ድማ ደረጃታት ትምህርቲ ምሕኳር ጥራይ ኣኻሊ ኣይመስለንን። ኪኖ’ዚ ብውልቂ ይኹን ብእኩብ ንምንባብ ባህሉ ዝገበሮ ሕብረተሰብ እዩ - ስልጡንን ምስ ዓለሙ ተመዓራርዩ ዝኸይድን። ስፍሓት ዝንበብ፦ እዛ ትቕጽል ዛንታ፣

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ሚኪኤል ገብረንጉስ ዝተባህለ ብጻየይ ኣንቢቡ ዘለቀሓኒ እያ። ሓደ ንብምሉኡ ፍልጠትን ፍጥረትን ዓለም እናመዝገበ፡ ፈቐዶኡ ዘወን ዝብል ዝነበረ ናይ እዋኑ ስሙይ ፈላስፋ፣ ንዝረኸቦ እናመዝገበ ኣብ ሓደ ዓቢ ቀላይ በጽሐ። ኣብቲ ቀላይ ሓደ ሰብ ብስባር እንቋቚሖ ጭሩ ገይሩ፡ ነቲ ቀላይ ክጭንጒዖ ይጸንሖ’ሞ ኣመና ተገሪሙ - “እንታይ ኢኻ ትገብር ዘለኻ?” ክብል ይሓቶ። ወዮ ተሓታቲ፡ “ነዚ ቀላይ ይጭንጒዖ” መለሰሉ። ወዮ ውሩይ ፈላስፋ ጐሮሮኡ ስሒሉ ንዘሎ ሰብ ከስምዕ - “ኣንታ ንዑ ጉድ ዝዀነ ዕሽነት ርኣዩ!” ክብል ጸውዐ። ንዕሽነት’ቲ ዝጭንጉዕ ዝነበረ እናኣርኣየ ድማ - “ስራሕ ጽሉላት ኢኻ ትገብር ዘሎኻ። በዚኣ ጨንጒዕካ ነዚ ቀላይ ክትውደኦ ክትሓስብ ቁሩብ’ዶ ኣእምሮ የብልካን እዩ?” በሎ - ኣብቲ ዘዝረኸቦ ዝምዝግበሉ ማህደር፡ ዕሽነት ናይ’ቲ ሰብኣይ እናመዝገበ። ወዮ ዝጭንጉዕ ዝነበረ ሰብኣይ ድማ - “ከመይ ዘይሓስብ፣ ንስኻ’ኳ በዛ ንእሽቶ ኣእምሮኻ ንኹሉ ኣብ ምድርን ሰማይን ዘሎ ፍልጠትን ፍጥረትን ክትምዝግብ ህርድግ ትብል ዘሎኻ?!” መለሰሉ። እቲ ዝተወርየሉ ፈላስፋ፡ “ኣማን ብኣማን ረቲዕካኒ” ኢሉ ኣብ ብርኩ ሰገደ፣ ነቲ መዝጊብዎ ዝነበረ ዕሽነት ናይ‘ቲ ሰብኣይ ድማ ደምሰሶ። ኩልና እቶም ፊደላትን ኣሃዛትን

እንቘጽር፡ ይውሓድ ይብዛሕ ትምህርቲ ረኺብና ኢና። የግዳስ ልምዲ ምንባብ፡ ካብ ብቘልዓና ኣትሒዝና እናተለማመድናዮ ዘይክንመጽእ ንጸንሕ’ሞ፡ ዳሕራይ ምጅማሩ ዓቐብ ይዀነና። ካብ ፈለማ ደረጃታት ትምህርትና ኣትሒዝና ክንለማመዶ ዘሎና እምበኣር እዚ’ዩ። መማህራን ካብቲ ዝብሉናን ኣብ ሰሌዳ ዝጽሕፉልናን ጥራይ ስለዝፍትኑና፣ ካልእ ምግንጻል ዘየድልየና ኰይኑ እናተሰማዓና ዝዓበና ኣሎና። እዚ ድማ ንምንባብ

ክንለምዶ ዓቐብ ይገብሮ።ምንባብ፡ ኣድማሳዊ ረብሓ’ዩ። ንኹሉ

ተጠቃሚ ብማዕረ ጸጋኡ ዘካፍል፣ ሓባራዊ መግቢ ሓባራዊ ሽሻይ እዩ። ፍልጠት ረቂቕ ነገር ስለዝኾነ፡ ረቂቕ መጊቡ ናይ መንፈስ ብርታዐ እውን ይህብ። ሓደ ሰብ ጥዑይ ክበሃል እንተዀይኑ፡ ኣካላውን መንፈሳውን ጥዕና ክህልዎ ኣለዎ። ‘ጥዑይ ኣካል ካብ ጥዑይ ኣእምሮ’ እዩ። ጥዑይ ኣእምሮ ድማ ካብ ንፉዕ ኣንባቢ። እንተዘይ ኣንበብካ’ኸ እንታይ

ትኸውን?፦ ‘ዋላ ሓንቲ’ ዝብል ጽሑፍ ሓደ እዋን ኣብ ጋዜጣ ኣንቢበ ነይረ። የግዳስ ‘ሓበሬታን ፍልጠትን ይጐድለካ’

ወሲኹ’ባ እቲ ጸሓፊ ተዓሪቑኒ። ዘንብብ ክንብል ከሎና ግና፡ ኩሉ ኣንቢቡ መጽሓፍ ንዝወደአ ማለተይ ኣይኰንኩን። “እንታይ ርኢኻ ዘይኰነስ እንታይ ኣስተውዒልካ እዩ” ዝብል ኣዘራርባ ኣሎ። ኣብቲ ዝረኣኻዮ ፍረ-ነገር ተዓዚብካ’ዶ ንምባል እዩ። ንኹሉ ንርእዮ’ምበር መዓስ ነቕልበሉ። ብኣየናይ ቋንቋ ዝተጻሕፈ ነንብብ?፦

ሓደ ግዜ ዊንታ ዝተባህለት ሰብ፡ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ‘ዓምዲ ሕብራዊት ብርዒ’፡ ብዛዕባ ምንባብ ኣብ ዝጸሓፈቶ ዓንቀጽ ሓደ ሓበሬታ ሂባትና። ኣብ ኣውቶቡስ ዝረኸበቶ ደራሲ ምዃኑ ዝሓበረትና ሰብ - ናይ እንግሊዝ መጻሕፍቲ ጥራይ ከም ዘንብብ ገሊጹላ። ንባዕላ ኣብ ድርሰታቱ ዘለዋ ኣድናቖት ከምዝገለጸትሉ፡ ብትግርኛ ዝተጻሕፉ መጻሕፍቲ ዘይምንባቡ ግን ከም ዘሕመማ ነጊራትና። ከምዚ ዓይነት ኣብ ብዙሓት ዘጋጥም እዩ’ሞ ከሕምም የብሉን። እንቋዕ ደኣ ሓደ ካብቶም ሃበርም ኣንበብቲ ኰነ እምበር፡ ደስ ዝበሎ የንብብ። እዚ ሰብ’ዚ ኣብ ምንባብ ምርጫኡ

እዩ ገይሩ። እንተተጋግዩ ድማ መጽሓፍ እንታይ ይሰኣኖ፣ ባዕሉ ጌጋኡ ኣብቲ ዘንብቦ ክረኽቦ እዩ። ካብኡ ንጽበዮ፣ ካብቶም ዘንብቦም ናይ እንግሊዝ መጻሕፍቲ፣ ንዓና ዝዀኑ ሓበሬታታትን ፍልጠትን እንተዀነ እነሀ ብኸፈር፣ እንተዘይ ኰነ ድማ ብመዝርኢቶ ወይ መዝረዊቶ ፈይ ከብለልና ኢና እንጽበ። ዝጽሕፈልና ብትግርኛ እንተዀይኑ ግና፣ ናይ ግድን ትግርኛ ምንባብ ከድልዮ ምዃኑ ነገንዝቦ። ኣብ ትግርኛ ሓንቲ

ብግቡእ ዘይተሰኹዐት ፊደል፣ ምሉእ ሓሳብ ተዕኑ ምዃና’ኳ ክፈልጥ ይኽእል። ንሕና ድማ ከምኡ ዓይነት ጌጋታት ዝወሓዶ ጽሑፉ ነንብብ። ነዚ ድማ እቶም ዘንብቦም መጻሕፍቲ ክነግሩዎ ይኽእሉ ወይ እውን ኣይገበሮን እምበር፡ ቀደም ኣንቢብዎም ይኸውን። ትግርኛ ንምጽሓፍ ግና ናይ ግድን ትግርኛ ምንባብ የድልየካ።እዚ ክብል ከለኹ፣ ምስሉይነት

ከምዘሎ ከይጠቐስኩ ክሓልፍ ኣይደልን። ብትግርኛ ካብ ዝተጻሕፈ ወይ ዝተተርጐመ መጻሕፍቲ፣ ከም ለሓዂ-ጤል ልሑኽ ጸኒሖም - ነቲ ሓበሬታ ብእንግሊዝ ኣንቢቦም ዝረኸብዎ ምዃኑ ዝዛረቡ ኣለዉ። ከም ኣብነት you can win እትብል ናይ ሺቭ ኬራ፡ “ክትዕወት

ትኽእል ኢኻ” ብዝብል ኣርእስቲ ብኣፎና ቸርነት ናብ ትግርኛ ዝተተርጎመት መጽሓፍ ኣላ። ከም ካብ ትሕዝቶ’ዛ መጽሓፍ እዚኣ ገይሩ ተቘናጪሉ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራን ካልእን ዝተጻሕፈ ትሕዝቶ ካልኦት መጻሕፍቲ ውሑድ እዩ። እቶም ካብታ መጽሓፍ ዝተወከሱ ግና፡ ካብ ነታ “ክትዕወት ትኽእል ኢኻ” ትብል ናይ ትግርኛ ምጥቃስ፣ “you can win” ኢሎም ብእንግሊዝን ንሺቭ ኬራን ምንጪ ይጠቕሱ። ካብ ዘጋጠሙኒ ሓደ ጥራይ፡ “ብትግርኛ’ውን ተተርጒማ ርእየያ ኣለኹ” ኢሉ ጠቒስዋ። ግና ብሓቂ’ዶ ነታ ናይ እንግሊዝ እዮም ኣንቢቦም? ኣይብልን። ከመይ፡ እቲ ኣብ ጋዜጣ ዝተጻሕፈ ትሕዝቶ’ታ መጽሓፍ ካብታ ብትግርኛ ዝተጻሕፈት ከምዘለዎ ዝሰገረ ኰይኑ ኢኻ ትረኽቦ። ገለ ድማ ቁሩብ ለውጢ ዘለዎ።ካብቲ ዘገርም፣ መጽሓፍ “ክትዕወት

ትኽእል ኢኻ” ገለ ካብ ትሕዝቶታታ ብዛዕባ ዘይንስኻ ምምሳል ዝገልጽ እዩ። ኣብነት ንምጥቃስ፣ ኣብ ሓደ ቤት-ጽሕፈት ክሰርሕ ዝተመደበ ሓድሽ ሓላፊ፣ ኣብ ቤት-ጽሕፈቱ ጋሻ ይዅሕኰሖ’ሞ፡ ንዓኡ እቶ ኢሉ ቀልጢፉ ለዓት ቴሌፎን ብምልዓል ማዕረ ክንደይ ኣገዳሲ ሰብ እዩ ንምርኣይ፣ ነቲ ጋሻ ኮፍ በል ከይበለ ትም ኢሉ ይልፍልፍ። ድሕሪ ርብዒ ሰዓት ዝኸውን ድማ፡ ነቲ ለዓት ተሌፎን ናብ ቦታኡ መሊሱ ነቲ ጋሻ “እንታይ ክሰምዓካ” ይብሎ። እቲ ጋሻ ከኣ “ነዛ ክትዛረበላ ዝጸናሕካ ዝተበላሸወት ተሌፎን ከዐሪ ዝተልኣኽኩ እየ” በሎ። እዚ’ዶ ዘይ’ዚ። በታ ብልሽውቲ ተሌፎን እዩ ዘይንሱ ክመስል - እቲ ናይ ብሓቂ

ንሱ ኣርእዩ። ስለዚ ድማ ብትግርኛ ዝኣኽሎም ኣንቢቦም ኣነ ብትግርኛ ዝተጻሕፉ ኣየንብብን እየ ዝብሉ ከም ዘለዉ እውን እንተተረዲኡና፡ ኣነ’ውን ሕጉስ ኢለ ኣለኹ። ልዕሊ ኹሉ ድማ ኣንበብቲ ብምዃኖም። መጽሓፍቲ ትግርኛ እንተደኣ

ድኹማት ኰይኖም፡ ስለምንታይ እዮም ደኺሞም ክትፈልጥ ከተንብቦም እዩ ዘሎካ። ድኽመት ዘይፈልጥ ብልጫ ኣይፈጥርን እዩ። ጸሓፊ ኰይንካ ትግርኛ እናፈለጥካ ብመሰረቱ ዘይምንባቦም ግና መልክዕ የብሉን። ንጸሓፊ ኩሉ እዩ ዘገድሶ። ሓደ ጸሓፊ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ብጣዕምን መልክዕን ኣዘናትዋኡ ዘይኰነ ብዝህቦ ትምህርቲ እዩ ዝምዘን። ንሕብረተሰብካ ክትምህር

እንተኰይንካ ከኣ ብቋንቋኡ ቀርበሉ። ይትረፍ ትግርኛ እናኣንበቡ ትግርኛ

ኣየንብብን’የ ዝብሉ፣ ኣረቂ እናሰተዩ ብዛዕባ ጉድኣት ኣረቂ ዝጽሕፉን ዝዛረቡን ጸሓፍቲ እውን ይገጥሙኻ እዮም። ብኣኣቶም ከይተገደስካ እምበኣር፡ ነቲ ዝበልዎ ጥራይ ኣንብብ። ሓደ ሓኪም ሽጋራ ስለዝሰሓበ ንስኻ ግድን ሽጋራ ከተትክኽ ኣሎ’ኳ ማለት ኣይኰነን። ኣብ ጽሑፍ ድማ፡ እቲ ዝተጻሕፈ እዩ ዘገድሰካ እምበር እቲ ጸሓፊ ኣይኰነን። ፍልጠት፡ ሓበሬታ፡ ንምርካብ ወይ

ድማ ንምዝናይ ኢና እነንብብ። ኪኖ እዚ ካልእ እንታይ ክህሉ ኢሉ። እቲ ኣገዳሲ’ምበኣር እቲ ድሌትና ንረኽበሉ መጽሓፍ እዩ። ስለ’ዚ ናይ ትግርኛ መጻሕፍቲ እውን ንኸምዚ ኢሎም ዝተጻሕፉ እዮም እምበር ካብዚ ወጻኢ ኣይኰኑን። ልክዕ እዩ፣ ኣብ ሕትመት ዓለም ኣመና ዝሰጐምና ኣይኰንናን። ኣማሪጽካ ትረኽቦም መጻሕፍቲ ዘይክርከቡ ይኽእሉ። ክንእመኖ ዘሎና እዩ። ግና ነቶም ዘለዉ’ኸ ንጐዮም’ዶ ኣሎና? እዩ እቲ ሕቶ። ብድብድቡ፡ ንቋንቋናን መጻሕፍትናን ብሓደ ቦምባ ምድብዳቦም ኣይግባእን። ከም ዓለሞም እዮም ልዕልን ትሕትን። ክንግንዘቦ ዘሎና ኣንባቢ እንተበዚሑ ጽቡቓት መጻሕፍቲ ድማ ይስስኑ ምዃኖም እዩ። ኣንበብቲን መጻሕፍትን ከኣ ይስስኑ ኣለዉ። እንተዀነ፣ እንምነዮ ብዝሒ ጥራይ ዘይኰነስ ጽባቐ ድማ ክህልዎም ኣለዎ።መን’ዩ ከንብብ ዘለዎ? ፦ ኣብ ጉዳይ

ኣንበብቲ መን’ዩ ከንብብ ዘለዎ ተባሂሉ እውን ይዝረብ እዩ። ስነ-ጥበባውያን ድማ ዝያዳ ይሕመዩ። ብወገነይ ከምዚ ዓይነት

ሞያ ዘለዎ እዩ ቀንዲ ኣንባቢ ክኸውን ዘለዎ ኢልካ ኣርዑት ተውድቐሉ የለን እብል። ኩሉ ከንብብ ኣለዎ። ሎሚ፣ ምንባብ ዘየሀብትሞ ሞያ ወይ ከየንበብካ ዘገልግለካ ስራሕ እስከ ንጥቀስ። ብኣይ ወገን ኣይረኸብኩን። ስለምንታይ ደኣ’ሞ ንስነ-ጥበባውያን? ብፍላይ ከኣ ንጸሓፍቲ። ንሳቶም ነቲ ክንበብ ዘለዎ መጽሓፍ ስለ ዝጽሕፉ፣ ወይ ፊልም ኰነ ግጥሚ ስለዝደርሱ፣ ንተዋሰኦታት ንሳቶም ስለዝዓዩዎም - ልክዕ። እሞ እዚኣቶም ስለዘየንበቡ’ኸ እቲ ሓጥያት ንዓኣቶም ጥራይ ዲና ከነሰክሞም። ዘይምንባቦም ንሳቶም ጥራይ ድዮም ዝውቀሱ። ግና ኸኣስ እንተዘይ ኣንበቡስ ድማ

ኣብኣ ኣላ። ከም ኩሉ ስራሑ ዝፈዀሰ’ሞ ፎእ ዝተባህለ፣ መሽረፈት ዝዀነ ስራሕ ምስ ሰርሑ ኣብኣ ይረኽብዋ። ዓለም ውድድር እያ። ብፍላይ ዓለም ስነ-ጥበብ። እንተዘይተወዳዲሮም ይተርፉ። ክሓልፉ እንተዀይኖም ከንብቡ ኣለዎም። ኣብ‘ቲ ካልእ ባይታ እውን ሎሚ ቅድድም እዩ ዘሎ። ከም መካይን ፎርሙላ ዋን ምሕንባብ። ሓኪም ይኹን መሃንድስ ሓረስታይ ይኹን ነዳቓይ ሎሚ ዘመን ብሃውሪ ዕየ ኣይኰነን። ጽፈትን ጽባቐን እዩ ዝርኢ። ነዚ ንምብቃዕ ድማ ምንባብ የድሊ። እቲ ንስነ-ጥበባውያን ተጠቃዕቲ ዝገብሮም ግና ባዕሉ እቲ መበሃሃሊ ንሳቶም ስራሖም ዘርእዩሉ፣ ናብ ኩሉ ዝተቓልዐ ስለዝዀነ ከይከውን። ዘይ ከም ብጀካ እታ ናይ ሞያኡ መጽሓፍ ካልእ መጽሓፍ ግንጽል ዘየብል መካኒክ፣ ሓኪም፣ ናይ ሕርሻ በዓል ሞያ፣ ወተሃደር ኰነ ሰብ ካልእ ሞያ ፋስን ጎዞሞን ናይ ዘይምንባቡ ክሲ ፋይልን ኣብ ልዕሊኡ ይወድቁ። በቲ ሓደ ሸነኽ ንጸሓፍቲ ከንብቡ ዝጽቀጠሉ - እቲ ካልእ ዘንብብ፣ ስራሕ ስነ-ጥበብ ዝዕዘብ፣ ጽቡቕ ስራሖም ክርእን ክዕዘብን ትጽቢት ዝተገብረሎም መማህራን ስለዝዀኑ ድዩ? ካብ ካልኦት’ከ መን ሕማቕ ስራሕ ክርኢ ይደሊ። ልክዕ ስነ-ጥበባውያን ደረስቲ ጸሓፍቲ ተዋሳእቲ መማህራን ሕብረተሰብ እዮም። መማህራን ድማ ብዝግባእ ተዳልዮም ንክፍሊ ክኣትዉ ኣለዎም። ንሓደ ጸሓፊ ምንባብ ኣመና የገድሶ

እዩ። እቲ ኣቐዲመ ዝበልኩዎ ፈሊኻ እትጠቕሶ የለን ንምባል’የ። ሓደ ጸሓፊ እንተደኣ ኣንቢቡ ስራሓቱ ምዙንን ዝተጸንዐን እዩ ዝኸውን። ኣብ ክንዲ በቲ ዝመስሎ፣ በቲ ክዀኖ ዘለዎ ክጽሕፎ ይሕግዞ። ከመይሲ፣ ካብ በሊሕ ጸሓፊ መጽሓፉ ይልብም። መጽሓፉ ናይ በይኑ ፍልጠት ጥራይ ኣይኰነን፣ ሳላ ዘንበበ ናይ ብዙሓት ውህሉል ፍልጠት ዝሓዘ’ዩ። ዝያዳ ዘንብብ ጸሓፊ ድማ፡ ካብ ለባም መጽሓፍ ዝልብም መጽሓፍ ይሓትም። ብሓፈሻ ዝዀነ ኣንባቢ ዕዉት እዩ። ምንባብ ከኣ ንዝዀነ ዝተዓደለ ንኹሉ ዝኸፍት መፍትሕ ኩሉ እዩ። ስለ’ዚ መመፍትሕካ ምሓዝ፣ ጭብጥ ኣቢልካ እኳ ደኣ። ከመይ - በታ ንካልእ ዝተዋህበት ልክዕ ነታ ናትካ እትመስል መፍትሕ ገይርካ፣ ንኹሉ ማዕጾታትካ ክትከፍት ከምዘይትኽእል ምዝካር ኣገዳሲ እዩ።

ጴጥሮስ ተፈሪ ጐስጓስን ሓበሬታን ክ/ሰ 11 - ሓዋጹ

‘መመፍትሕካ ምሓዝ’

Page 5: ዓንሰባ - ሕማም ዓሶ ኣብ ደረጃ ምጥፋእ በጺሑ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_26062018.pdf · “ዘለካ ተወከፍ እንተዘይብልካ ኣይትሰከፍ”

ሓዳስ ኤርትራ 26 ሰነ 2018 - ገጽ 5 መበል 27 ዓመት ቁ.256

ህዝባዊ ግንባር፡ ነቲ መደብ ብዘይ ወዓል ሕደር ከተግብሮ ነቐለ። እቶም ነብሶም ብውሽጢ ዝሓቕዮም ዝነበረ ኣዘዝቲ ናይቲ ኣብ ጐድኒ ጸላኢ ዝዓጠቐ ሓይሊ፡ ታሪኾም ከሐድሱ ቃል ኣተዉ። እንተላይ እቶም “ሰለስተ ኣርካናት!”። ሰራዊት ሻዕብያ ናብቲ ዝዓስከሩሉ ከባቢ ቀሪቡ ጥይት “ቶግ!” እንተ ኣቢሉ፡ ንእለት ቦታ ክኸፍቱሉ ምዃኖም ተሰማምዑ። ብሸነኽ ደቡብ ሓላፊ ስለያ ዞባ ደቡብ ዝነበረ ተጋዳላይ ፍስሃየ (ኣፍሮ) እውን፡ ኣብ ሰንዓፈ ዘለዉ ወዶገባ ተመሳሳሊ ስጕምቲ ክወስዱ ተሰማሚዖም ከም ዘለዉ ሓበረ። ከምዚ እንተ ዀይኑ፡ ሰንዓፈን ዓዲቐይሕን ኣብ ናይ ቋሕ - ሰም ግዜ ብህዝባዊ ግንባር ክተሓዛ ይኽእላ እየን። ምኽንያቱ፡ ክልተአን ከተማታት ብሓደ ብርጌድ ናይ ጸላኢ እየን ዝሕለዋ ዝነበራ። እቲ ሓደ ብርጌድ ከኣ፡ ነቶም ኣብ ሶይራን ቆሓይቶን ዝነበሩ ልዕሊ 800 ዕጡቓት ኤርትራውያን ኣሚኑ’ዩ “ኣለኹ!” ዝብል ዝነበረ። እቶም ኣብ መስመር ክድዓት ኰይኖም ገበናት ክፍጽሙ ዝጸንሑ ኣዘዝቲ፡ “ክሳብ ክንደይ ኣብ ቃሎም ክጸንዑ እዮም?” ዝብል ሕቶ ግን፡ ዕለተ - ትግባረ ጥራሕ ዝምልሶ ነበረ።ኣስመላሽ ገብረመስቀል (ወዲ-ሓፍቲ)፡

ካብ መሪሕነት ህ.ግ፡ እዚ ዝስዕብ መምርሒን ሓበሬታን መጾኦ።“ብምስጢር ሒዝካዮ ጸኒሕካ ናይ

ዜሮ ሰዓት ምስ ተነግረካ እተተግብሮ እዩ። እታ ዝበልናያ ስራሕ ክትፍጸም’ያ። ጸሃየ መኮነን (ወዲ-መኮነን)፡ ታንከኛታትን መድፍዓጂታትን ሒዙ፡ ብትግራይ ተጠውዩ፡ ዓድግራትን ዛላምበሳን ክበጽሕ’ዩ። ወያነ ኣብኡ ታንክታት ከጽንሑሉ እዮም። ብርጌድ 96 ካብዚ ክሰግር’ዩ። ድሮ ዝሰገራ ክልተ በጦሎኒታት ኮማንዶ ካብ ጾሮና ናብ ዛላምበሳ ክድይባ እየን። ናይ ዜሮ ሰዓት ምስ ተነግሮም ከኣ ኵሎም ተወሃሂዶም፡ ካብ ዛላምበሳ ተበጊሶም ብሰንዓፈ መጥቃዕቲ ክጅምሩ እዮም። ስለዚ ንስኻትኩም ከምታ ዝበልኩማ፡ ብሰንዓፈ ተዅሲ ምስ ተጀመረ፡ እቶም ናይ ሶይራን ቆሓይቶን ኣኣብ ዘለዉዎ ከም ዘስቅጡ ክትገብሩ ኣለኩም።”ኣስመላሽ ወዲ-ሓፍቲ፡ መሪሕነት ህ.ግ፡

ዝያዳ ኣብታ ንሳቶም ዝሃቡዎ ሓበሬታ ተሞርኲሱ ናይ መጥቃዕቲ ውጥን ከምዘውጽአ ብምግምጋም፡ ከቢድ ሓላፍነት ኣብ ዝባኑ ክጸዓን ተሰምዖ። እዛ መደብ’ዚኣ፡ ከምቲ ዝተሓሰበ እንተ ዘይከይዳ፡ መጥቃዕቲ ህዝባዊ ግንባር ይፈሽል’ኳ እንተ ዘይተባህለ፡ ምድንጓያት ከጓንፎ ይኽእል’ዩ። ክንዮ’ዚ ድማ፡ እቶም 800 ኤርትራውያን ኣብ ጐድኒ ጸላኢ ኰይኖም ኣንጻር ህዝባዊ ግንባር እንተ ተዋጊኦም፡ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ዘይተደልየ ምፍሳስ ደም ክስዕብ’ዩ። እዚ ሓደጋታት’ዚ ክውገድ እምበኣር፡ መደብ ቆሓይቶን ሶይራን ግድን ክትዕወት ኣለዋ። ኣብዚ ዕማም’ዚ ልዑል ተራ ክጻወት ዝኽእል፡ እቲ ልዕሊ ኵሎም ናይ ቦታን ቋንቋን ፍልጠትን ካልእን ልዑል ብቕዓት ዝነበሮ ተጋዳላይ ሽፋ ነበረ። ***ሽፋ ሹም ዑመር ሱሌማን ብ1947 ኣብ

ባክነፍ ዝተባህለት ቁሸት - ከባቢ ቆሓይቶ - ተወልደ። ካብ 1966 - 1970 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ኣብ ከባቢ’ቲ ዝተወልደሉን ዝዓበየሉን ቦታ፡ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ከም ልጅና፡ ኣብ ገለ እዋን ከኣ ከም ህዝባዊ ሚሊሻ ኰይኑ ሰርሐ። ኣብዚ ዝተጠቕሰ እዋናት ኣብቲ ከባቢ ኣንጻር መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየዱ 6-7 ዝዀኑ ውግኣት ተሳቲፉ እዩ። ብ1969 ጸላኢ፡ ሽፋ ምስ ተ.ሓ.ኤ.

ይተሓባበር ምንባሩ ስለ ዝፈለጠ፡ ኣሲሩ ናብ ኣስመራ፡ “ኣጂፕ” ወሰዶ። ይዅን’ምበር፡ ከም ጠበቓ ኰይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ዓቢይ ሓዉ ኣብ ኣስመራ ስለ ዝጸንሐን ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ከኣ ደሓን ዝዀነ ርክባት ስለ ዝነበሮን፡ ላዕልን ታሕትን ኢሉ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣውጽኦ። ሽፋ ምስ ተመልሰ፡ ኣብቲ ዝነበሮ ጎቦታት ቆሓይቶ ተጋዳላይ ተ.ሓ.ኤ. ኰይኑ ቃልሱ ቀጸለ። ክሳዕ 1980 ከኣ ኣብኡ ጸንሐ። ኣብ 1980፡ ውግእ ሕድሕድ ዳግማይ

ተባርዐ’ሞ፡ ተ.ሓ.ኤ. ብሓይልታት ህ.ግ. ተደፊኡ፡ ካብቲ ቦታ ናብ ባርካ ወረደ። ተጋዳላይ ሽፋ ምስኦም ንባርካ ክወርድ ኣይመረጸን። ኣብቲ ቦታ ተሪፉ፡ ሓላፍነት ናይ ብምሉኡ’ቲ ውድብ ኣብቲ ከባቢ ገዲፍዎ ዝኸደ ኣጽዋር ተሰከመ። ሽፋ ኣብ ከባቢ ቆሓይቶ ምህላዉ ምስ

ተፈልጠ፡ ኣሃዱታት ህ.ግ ኢዱ ንኽህብ ክሓታኦ ተንቀሳቐሳ። እንተዀነ፡ ባህርያዊ ኣቀማምጣ እቲ ከባቢ፡ ከምኡ ኢሎም ንዘንቀዱ ሰባት ግርም መሓብኦ ብምዃኑን፡ ሽፋ ኸኣ ካበይ ናበይ ከም ዝስወር ዝፈልጥ ቀንዲ ወዲ-ዓዲ ስለ ዝነበረን፡ እተን ኣሃዱታት ሓያለ ወፍርታት ገይረን ክረኽባኦ ኣይከኣላን። ህዝባዊ ግንባር፡ ንሽፋ ክኸስሮ ኣይደለየን። ከዐውቶ ዝኽእል ካልእ ሜላ ፈጠረ። ለሚኖም ዘምጽእዎ ሽማግለታት ምልኣኽ። መጀመርታ ዛበጣ ዝተባህለ ተጋዳላይን ሓላፊ ዞባን ብጾቱን፡ ንሽፋ ይቐርብዎ’ዮም ዝበሃሉ ሰባት እናናደዩ፡ ኣስማት ኣብ ህ.ግ. ናይ ዘለዉ ዝፈልጦም ሰባት ብምጥቃስ እዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ሰደዱሉ።“ከማኻ ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ነይርና ኢና።

እታ ውድብ ንሰውራ ኤርትራ ክተዐውቶ ከም ዘይትኽእል ስለ ዝገምገምና ኢና ናብ ህ.ግ. ሰጊርና። ንስኻ ድማ ምእንቲ ናጽነት ንነዊሕ እዋን ዝተቓለስካ ኢኻ። ሕጂ ባህግኻ ክዉን ዝኸውን ናብ ህ.ግ. ተጸንቢርካ እጃምካ ምስ እተበርክት እዩ።”እዚ ጻዕሪ’ዚ እናተኻየደ ከሎ፡ ኣባል

ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈት ተጋዳላይ ስብሓት ኤፍረም ናብ ፎሮ መጸ። ምስ ዓበይቲ ዓዲ ናይቲ ከባቢ ብምዝታይ ከኣ፡ “ሽፋ፡ ንሰውራ ኤርትራ ብዙሕ ክሰርሓሉ ዝኽእልን ክኽሰር ዘይብሉን ሰብ ስለ ዝዀነ፡” ኣእሚኖም ከምጽእዎ፡ ሽማግለታት ለኣኸ። እቲ ዝተወስደ ሜላ ተዓዊቱ ከኣ ሽፋ፡ በቶም ዝተላእኩሉ ሽማግለታት ተሰንዩ፡ ኣብ ቅድሚ ተጋዳላይ ስብሓትን ብጾቱን ቀረበ። ኣካላቱ ሸጥ ዝበለ፡ 1.85 ሜትሮ ዝቑመቱ ውጹእ ጸሊም፡ ፍቱው መንእሰይ እዩ። ሓንጎፋይ ኢሎም ተቐበልዎ። ተጋዳላይ ህ.ግ ኰይኑ ቃልሱ ክቕጽል ድማ ሓተትዎ። ንሱ ግን፡ “ደኺመ ስለ ዘለኹ

ቃልሲ ክቕጽል ኣይክእልን’የ፡ ይኣኽለኒ!” በለ። ተጋዳላይ ስብሓት፡ “ናይ ግድን ክትቅጽል ኢኻ፡ መን ምስ ኣዕረፈ ደኣ ከተዕርፍ!” ብምባል ስለ ዘእመኖ ግን ምግዳሉ ክቕጽል ተሰማምዐ።ድሕሪ’ዚ ሽፋ ናብቲ ዝነበሮ ቦታ

ተመሊሱ፡ ንዅሉ’ቲ ኣብ ጽኑዕ በዓቲታት ተሓቢኡ ዝነበረ ናይ ተ.ሓ.ኤ. በብዓይነቱ ብረታት - ብ18 ኣግማል ጽዒኑ - ናብ ህ.ግ. ኣረከቦ። ኣብቲ ከባቢ ኰይኑ ቃልሱ ንኽቕጽል ድማ ኣብ ክፍሊ ህዝባዊ ምምሕዳር ናይቲ ዞባ ተመደበ።ሶይራ ቆሓይቶ፡ ከስዐ ኣደ ጉራምራዓመተ 1981፡ ተ.ሓ.ኤ. ናብ ሱዳን

ዝኣተወትሉ፡ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ሓደን ወሳንን ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ግንባር - ህ.ግ - ቃልሱ ዝቕጽለሉ ባይታ ዝተፈጥረላ ዓመት’ያ። ካልእ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ዝጀመረን ድሕሪኡ’ውን መልክዓቱ እናቐያየረ ዝቐጸለን ተርእዮ ድማ፡ ብምኽንያት ህላወ ህ.ግ ተጎልቢቡ ዝነበረ፡ ግን ከኣ ብውሽጢ ውሽጢ ክኸይድ ዝጸንሐ ናይ ክድዓት መስመር ናብ ቃልዕ ምውጽኡ እዩ።እቲ ብኸም በዓል ዓሊ ሒጎ ዝተባህሉ

ሰበ ስልጣን፡ ካብ እዋን ስርዓት ሃይለስላሰ ኣትሒዙ፡ “ነጭ ለባሽ” ብዝብል ስም ኣብ ከባቢ ዓዲቐይሕ ክተኣኻኸብ ዝጸንሐ መስመር ክድዓት ዝሓዘ ዕጡቕ ሓይሊ፡ ካብ እዋን ስትራተጂያዊ ምዝላቕ - 1978 - እውን “ወዶገባ” ዝበሃሉ ናብ ጸላኢ ኢዶም ዝሃቡ ተጋደልቲ በብቝሩብ ተደመርዎ’ሞ ቍጽሩ እናበዝሐ ከደ። ኣብ 1981 ብርክት ዝበሉ ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ. ነበር ስለ ዝተወሰኽዎ ድማ ገዚፍ ሓይሊ ኰነ። ሰለስተ ምኩራትን ገዳይምን ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ. ነበር ከኣ ላዕለዎት መራሕቲ ናይቲ ዕጡቕ ሓይሊ ኰይኖም ንህ.ግ ከጥፍኡ ኣብ ጎቦታት ሶይራን ቆሓይቶን ዓረዱ።ስርዓት ደርግ፡ ነዚ ዕድል’ዚ ጽቡቕ

ገይሩ ክምዝምዞ፡ ብውሽጢ-ውሽጢ ሰራም ዝዀነ ጎስጓሳት ከም ዝካየድ ገበረ። ትሕተ ሃገራውን ሃይማኖታውን ስምዒታት ተኻወሱ። “ህ.ግ ናይ ክርስትያን ውድብ እያ። ናትና ውድብ ተ.ሓ.ኤ. እያ ነይራ። ንሳ ኸኣ ህ.ግ ምስ ወያነ ተሓባቢሩ ኣጥፊእዋ። ስለዚ ሕጂ ህ.ግ ክትጠፍእ ኣለዋ...!” ዝብሉ ሃይማኖታዊ መልክዕ ዝሓዙ ዘመተታት፡ ትሑት ንቕሓት ኣብ ዘለዎም ደቂ’ቲ ከባቢ ባይታ ረኸቡ። እዞም ሰለስተ ምኩራት ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ. ነበር ንባዕሎም’ውን በዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ዝተጸልዉን፡ ኣብ ልዕሊ ህ.ግ ክሑን ጽልኢ ዝነበሮምን እዮም። በቲ ካልእ ሸነኽ ግን፡ ምስኦም ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ዝነበረ ተጋዳላይ ሽፋ ዑመር፡ ኣብ ቅኑዕ ሃገራዊ መስመር ተሰሊፉ፡ ካብ 1966 ወዲ 19 ዓመት ከሎ ዝጀመሮ ሃገራዊ ቃልሲ ከይበተኸ ምግዳሉ ክቕጽል ነቐለ። ሽፋን እዞም ዝተጠቕሱ ከዳዓትን፡ ኣብ ሓንቲ ውድብ ዝነበሩ ጥራሕ ኣይኰኑን። ኣብ ሓደ ከባቢ ዝዓበዩ’ውን እዮም። ነቲ ዝዓበዩሉ ቦታን ክሳብ’ቲ ምብራቓዊ ጐላጉል ዝዝርጋሕ ከባቢኡን ብማዕረ ይፈልጥዎ። ጎቦታት ሶይራን ቆሓይቶን፡ ስንጭሮኡን በዓትታቱን ብማዕረ ተጓዒዞምሉን ደቂሶምሉን እዮም። ኣብዚ ከባቢ’ዚ ዝርከብ ህዝቢ ከኣ ብማዕረ ሓብሒቡ ዘዕበዮም ወገኖም እዩ። “ከስዐ ኣደ ጉራምራ” ከም ዝበሃል ግን፡ እዞም ደቂ ሓደ ከባቢ፡ ኣብ ክልተ ኣንጻር ደንበታት - ሃገርነትን ክድዓትን - ተሰሊፎም፡ ናይ መን ሰዓረ ቅልስ ጀመሩ።

ተጋዳላይ ሽፋ፡ ኣብ ህዝባዊ ምምሕዳር ተመዲቡ ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ እዋን፡ መንፍዓቱን ተቐባልነቱን እናለዓለ ከደ። ሳላቲ ጽቡቕ ኣበርክቶኡ ድማ መራሕ ጕጅለ፡ መራሕ መስርዕ፡ እናዀነ ብሓላፍነት ደረጃ’ውን ሰርሐ’ሞ፡ ህቡብነቱ እናዓበየ ከይዱ ኣብ ኣእዛን ጸላኢ በጽሐ። እቶም ንተጋደልቲ ኣጥቂዖም ሽመት ክውስኹ ሃነፍነፍ ዝብሉ ዝነበሩ ከዳዓት ከኣ፡ ንሽፋ ቀዳማይ ታርጌቶም ገይሮም ክሃድንዎ ጀመሩ። ምዃን ምስ ኣበዮም፡ ዓንጽ-ዓንጾ ንማዕጾ ከም ዝበሃል፡ ኣብ 1983 ገዛኡን ንብረቱን ብሓዊ ብምቅጻል፡ ጥሪቱ ራሰዩ።እቶም የማናይ ኢድ ናይ ጸላኢ

ብምዃን ገበናት ዝፍጽሙ ዝነበሩ ተረርቲ ልቢ፡ ሃድኖም ናብ ሽፋ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ናብ ኵሎም ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባርን ውድባቱን ዝቐንዐ’ዩ ነይሩ። ኣብ 1982 ሓደ ተጋዳላይ ኣብ ናባጋደ ዝተባህለ ቦታ ኣብ ድብያ ኣእትዮም ቀተሉ። ካልእ ኣባል ሽማግለ-ብድሆ ህ.ግ እውን፡ ብተመሳሳሊ መገዲ ሂወቱ ሰኣነ። ገበነኛታት፡ ገበኖም እናኣዛየድዎ ኸዱ። ዓድታት ምቅጻል፡ ህዝቢ ምብስባስ፡ ነቶጕቲ ምጽዋድ፡ ተጋደልቲ ኣብ ድብያ ኣእቲኻ ምቕታል፡ ስራሕና ኢሎም ሓዙዎ።ቀደም፡ ካብ ስግር ብዝመጽኡ ወረርቲ

ገበን ዝፍጸመሉ ዝነበረ ምድረ-ሳሆ፡ ሽዑ ብገዛእ ደቁ ተመሳሳሊ ገበን ክወርዶ ረኣየ። ኣብ 1879፡ ብራእሲ ኣሉላ ዝእዘዝ፡ ብላታ ገብሩ ዝተባህለ ትግራዋይ፡ ሓይልታቱ ጠራኒፉ ከንበርክኽ ኣብ ዝመጽኣሉ፡ ህዝቢ ሳሆ ኣብ ሮብሮብያ ገጢሙ ከም ዘይሰዓሮ፡ ኣብ ደንበ ክድዓት ተሰሊፎም መሬት ኣይትጽርና ብዝብሉ ደቂ-ዓዲ ተሰራጠየ። ብኸም በዓል ሹም ኣቡበከር ናስር፡ ሹም ዑመር ሱሌማን፡ ሹም ዑመረዲን ኢብራሂም፡ ሹም ሙሳ ኣሕመድን ካልኦትን እናተመርሐ፡ ብውሑድ ተዋጋእን ብረትን ግን ከኣ ብዓቢ ቆራጽነት፡ ኣብ ልዕሊ ወራሪ ሰራዊት ኣሉላ ሰፍ ዘይብል ክሳራ ዘውረደ ተባዕ ህዝቢ ሳሆ፡ ሕጂ ብግልባጡ፡ ኣብ ደንበ ክድዓት ብዝተሰለፉ ደቁ፡ ደም ክነብዕን ከስተንትንን ተራእየ። እዞም ከድዓት፡ ኣብ 1984 ኣብ ከባቢ ሮብሮብያ (ሩባ-ሓዳስ) ንዝረኸብዎም ካድረታት ህ.ግ ኣብ ድብያ ኣእትዮም ኣጥፊኦሞም እዮም። ኣብ 1967 ከምኡ’ውን ኣብ 1972

ብስርዓት ሃይለስላሰ ኣብ ህዝቢ ሳሆ ዝወረደ ግፍዕታት ነይሩ እዩ። እዞም ዜጋታቶም ዘበሳብሱ ከዳዓት፡ ብንእስነቶም ዘርከቡሉን ጽቡቕ ገይሮም ዝዝክርዎን ናይ ቀረባ ፍጻመታት ከኣ እዩ። ኣብ 1967 “ሸሃይ’ዶ ክስታናይ?” እናተባህለ፡ ማዕተብ ዘለዎ ክድሕን፡ ማዕተብ ዘይብሉ ከኣ ክሕረድ፡ ብሰንኪ’ዚ ድማ ካብ ብሶንኪ ምዝልዛል ዝደሓና ኣደታት፡ መሽብሓት ብማዕተብ ቀይረን ዝኸዳሉ እዋን ከም ዝነበረ፡ እዞም ከዳዓት፡ ብውሑዱ ብኣፈ-ታሪኽ ጽቡቕ ገይሮም ይፈልጥዎ እዮም። ኣብ 1972፡ ኣብ ሮብሮብያ 23 ሰባት፡ ካብ ዋጦ ክሳብ ዲዖት ኣብ ዘሎ ቦታታት ድማ 16 ኣሕዋቶም ብጸላኢ ምቕታሎም’ሞ ኸኣ ኣጸቢቖም ብኣካል ዘርከቡሉ ዘስካሕክሕ ፍጻመ እዩ። እዞም ነዚ ታሪኽ’ዚ ዝረስዑን ኰነ ኢሎም ዝኸሓዱን ከዳዓት’ምበኣር፡ ምሳኦም ዝነበረ ተጋዳላይ፡ ገለ ብደረጃ ውድብ ገለ ድማ ብውልቁ ናብቲ ሃገራዊ ደምበ እናተጸንበረ ቃልሱ ኣብ ዘበራትዓሉ ዝነበረ እዋን፡ ነቶም ናይ ቀደም ደመኛታት ኣመና ዘሐጕስ ናይ ጥፍኣት ጎደና ተኸተሉ።ተጋዳላይ ሽፋ ብኣንጻሩ፡ ምስ ብጾቱ

ኰይኑ፡ እጅገኡ ሰብሲቡ ይጠማጠም

ሽፋ ሹም ዑመር፡ ወፍሪ ሶይራ-ቆሓይቶ! ነበረ። ብሰንኪ ምብስባስ ናይዞም ከዳዓት ካብ ዓዱ - ባክነፍ - ናብ ፎሮ ወሪዳ ትቕመጥ ዝነበረት በዓልቲ ቤቱ፡ ሰለስተ ቈልዑ ገዲፋትሉ ስለ ዝሞተት፡ ከቢድ ማሕበራዊ ጸቕጢ’ኳ እንተ ነበሮ፡ በዚ ከይተሰነፈን ብዘይምሕላልን ንኸዳዓት ብእኡ ኣቢሉ ኸኣ ንመግዛእቲ ክስዕር ይቃለስ ነበረ።

ይቕጽል. . .

ማህደር ጀጋኑሺሃብ ኣርኣያ

ሰለሞን ድራር

መድሕንሽዑ ዘይከም ሎሚ፡ ሎሚ ዘይከም

ሽዑ

ዛንታ ይኹን’ምበር መዓስ ተረሲዑ።

እቲ ዘይረሳዕ ፈለግ ንብዓት ኣህዛብ

ዕጥቂ መድሕን እቲ ወርቃዊ ሕዛብ

እቲ ዘይርሳዕ ሽርክነት ንዱያት

ህድማ ጸሓይ ስቕታ ናይ ሰማያት

ከመይ ክርስዖ?!

እቲ ዘይረሳዕ ስእሊ፡ ስቅያት መንደቑ

ዝደጋገም ድምጺ፡ መድሕን ኣብ

ምውዳቑ

ቅጅል ይብለኒ’ሞ ፈንጢሱ መቓብር

ግዜይ ሎሚ እንከሎስ ኣብ ግዜኡ

እነብር

ሽዑ፡

ካብ ንእኽለ-ማይ ንዝኽሩ

ካብ ንዝኽሩ ንፍቕሩ

መሊሰ’ሞ እዝክር

መንእሰይ ምንባሩ ጥራይ ድዩ

እቲ ምስጢር? ብምባል አስተንትን

ብራኸ እምነቱ ክበጽሖ እፍትን

ንሱ ግን ዘይ ከማይ ዘይፈልጥ

ኦሮማይ

ንሱ ዘይከም ኣነ ብትብዓት ዝቃነ

እናኾነ

ማዕበል ዝኽሩ ነውጺ እነፈጠረ

መድሕን በይኑ ብዘይ ሓደ መብረ

ኣብ ደንበ ሞት ብትብዓት ምቛሙ

ሓደ እንከሎ ምስ ኣእላፍ ምግጣሙ

እሞ ይዝክር

ኒሐይ ዕጽፊ ይውስኽ መመሊሰ

ይሃጥር!

… ሽዑ… !

ውሽጠይ ፍርቀ-ፍርቂ ተባዓን

ፈራሕን

ፎእ ኢለ እንዕቆ እቐንእ ብመድሕን

መድሕን ፈቃር ብነጠብጣብ ደሙ

መድሕን ሃያብ ሃዋርያት ሰላሙ

ዝሓደሮም ለይቲ ብኣፍ ጾሙ

ዝሓዀረም ኣኽራን ምስ ድኻሙ

ንጽህና እምነቱ ኣልቦ በሰር

ክርስዖ እንተበልኩ ኣብ ዝኽሩ እእሰር

እቲ ዘይረሳዕ ስእሊ ስቅያት መንደቑ

ዝደጋገም ድምጺ መድሕን ኣብ

ምውዳቑ

ቅጅል ይብለኒ’ሞ ፈንጢሱ መቓብር

ግዜ ሎሚ እንከሎስ ኣብ ግዜኡ

እነብር

…ሽዑ…

እናረሃጽኩ ድኻም ምጽብጻበይ

እናተኮስኩ ክነብር ምሕሳበይ

ኩለንትናይ መድሕን ዘይምምሳለይ

ልክዕ

ይጸለኣ’ዛ ነብሰይ ይስእነላ መልክዕ።

ገብርሂወት ጸሃየ

Page 6: ዓንሰባ - ሕማም ዓሶ ኣብ ደረጃ ምጥፋእ በጺሑ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_26062018.pdf · “ዘለካ ተወከፍ እንተዘይብልካ ኣይትሰከፍ”

ሓዳስ ኤርትራ 26 ሰነ 2018 - ገጽ 6 መበል 27 ዓመት ቁ.256

ብሌን፡ ዋላ’ኳ ብኣካል ኣይንራኸብ’ምበር፡ ብመንፈስሲ ተፈላሊና ኣይንፈልጥን ኢና። ከም ትምኒተይ ኣብ ጐንኺ ክህሉ’ኳ እንተዀነ ባህገይ፡ ግን ኣይተኻእለን ዘሎ። እዚ ግዝያዊ ምፍልላይ ንዘለና ልባዊ ርክብ መሊሱ ዘሐይሎ’ምበር፡ ዘላሕልሕ ከም ዘይከውን በዓል ምሉእ እምነት’የ።ዋላ’ኳ ግዝያዊ ናይ ስራሕ ምፍልላይና ብናፍቖት ሓሚሱና እንተሃለወ፡ ዘሕለፍናዮ

ምቁር ፍቕራዊ እዋን እናዘከርና ባህታና ንመልእ። ትዝክሪዶ ሓደ ምሸት ትርኽብ ከነብልን ዝናብ ክዘንብን ሓደ ክኸውን። ነቲ ዝነበረ ማይ ክንህረሞ ስለ ዝመረጽና ተሓቛቚፍና ፍሉይን ተዘካርን ፍቕሪ ንኸነሕልፍ መንገዲ ጸሪጉልና’ዩ። ብድሕሪ’ዛ ዕለት ልብታትና ብዘይ መጠን ክደላለያን፡ ንኽራኸባ ልዕሊ መጠን ክተሃራረፋን ግዜ ኣይወሰደለንን።ከምቲ ኩሉ ግዜ፡’ፍቕሪ በቲ ዝኽፈሎ መስዋእቲ’ዩ ሰራውሩ ዝድልድል፡’ ከም ዝበሃል

ኣብ ዝሃለና ንሃሉ ንፍቕርና ዝያዳ ክብርን ሓልዮትን ምልጋስ ክጐድል የብሉን። ምስ ምዕራብ ጸሓይ ዝያዳ’ዩ ፍቕርና መሊሱ ክዂላዕን ክደምቕን ዘለዎ።መርከብ ፍቕርና መዓስ ብዘየገድስ ሓደ መዓልቲ ኣብቲ ውቁብ ስፍርኣ ከም

ትኣኻኽበና ጥርጣረ የብለይን። ኣብ ውሽጠይ ዝጋማዳሕ ዘሎ ማዕበል ፍቕርኺ መቐረቱ ፍጹም ተኣምራት’ዩ። ልበይ ኣብ ዝሃለወት ትሃሉ ኣብ ዝኽራ ኣለኺ።እቲ ፈጺሙ ካብ ምቁር ዝኽርኺ ንኻልኢት ክርሕቕ ዘይደሊ ውሽጠይ፡ ንህይወት

ምሳኺ ከም ገነት’ዩ ዘስተማቕራ። መሳዅቲ ልበይ ብሃረርታ ናፍቖት ተሓሚሱ’ኳ እንተዀነ፡’ግዜ ዘይስዕሮ የለን፡’ብምባል ከም ሓለንጊ ንዝገርፈና ዘሎ ጽምዋ ሓንሳብን መሓዋሩን ከም ንስዕሮ እመኒ ጥራይ። ዋጋ’ቲ ንኸፍሎ ዘለና ፍቕርን መስዋእትን ከም ንሓፍስ ፈጺመ ተጠራጢረ ኣይፈልጥን። ኣጆኺ ፍቕረይ!

ደብዳበ ፍቕሪ

ግዜ ዘይስዕሮ የለን

ሓድነት ኣእምሮ

ኣብ ዓለም፡ ካብቲ ኣደናቒ ዝዀነ ነገራት እቲ ናይ ኣዕዋፍ ሓባራዊ ምንፋርን ምንቅስቓስን’ዩ። ዕስለ ኣዕዋፍ (ክሳብ 50,000 ብዝሒ ዘለወን) ከም ሓንቲ ዑፍ ኰይነን ክንቀሳቐሳ ከለዋ ምዕዛብ የገርም’ዩ። ንኣብነት እቲ ናይ ዕስለ ግንባር ብቕጽበት ንየማን ጥውይ ክብል ኰሎ፡ እቲ ደጀን

ኣብ ዳሕረዋይ ገበር ናይ መጽሓፍቲ፡ ኣብ ዝተዓሸገ መግብታትን ካልእን፡ ነዚ ኣብ ስእሊ እትርእይዎ ዘለኹም ቅርጺ ዝሓዘ ሽራጥ ሕንጻጻት ኣስተብሂልኩም ትዀኑ ኢኹም። እዚ ሕንጻጻት’ዚ እንታይ’ዩ ምስጢሩ? ብቛንቋ እንግሊዝ’ባር ኮድ’ እዩ ዝበሃል።

ንዕኡ ከተንብብ ተባሂላ ብእተሰርሐት ኤለክትሮኒካዊት መሳርሒት ምስ ዝሕለፍ ከኣ ናይቲ ኣቕሓ ዓይነትን ዋጋን ናብ ኮምፒዩተር ይሓልፍ።ኣብ ዕዳጋታቶም ባር ኮድ ከተኣታትዉ

ዝጀመሩ ቀዳሞት ሰባት ኣመሪካውያን’ዮም። ኣብ 1973 ዓ.ም ኣመሪካውያን ወነንቲ ሱፐር ማርኬት፡ ኣብቲ ንመሸጣ ዘቕረብዎ ኣቕሑ ባር ኮድ ከም ዝልጠፎ ብምግባር ብዝግባእ ክቆጻጸርዎ ጀመሩ። ቀጺሎም ፋብሪካታት፡ ሆስፒታላት፡ ኣብያተ ንባብን ካልኦት ትካላትን ነቲ ኣገባብ ክጥቀሙሉ ተራእዩ።መካይን ዘፍርያ ትካላት፡ ንሞተረታት

መካይን ንምቁጽጻር ባር ኮድ ይጥቀማ እየን። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ሞተረ ኣብ መኪና ቅድሚ ምግጣሙ፡ ‘ስካነር’ ብዝተባህለት መሳርሒት ተነቢቡ ናየነይተን መኪና ሞተረ ይኹን ካልእ ዓበይቲ ማሽነሪታትን ንብረት ደቀቕቲ ናይ ኤለትሮኒካዊ ኣቕሑትን ከም ዝልለ ይግበር ኣሎ፡፡እዚ ብመልክዕ ሽራጥ ሓበሬታ ዝህብ

ሕንጻጻት’ዚ ኣብዚ ምዕቡል ዘመን ናይ ቴክኖሎጂ እዋን፡ ንመስርሕ ምሻጥን ምምዝጋብን ኣቕሓ ከኣ ብዝተዓጻጸፈ መጠን ዘቃልል ምህዞ ኰይኑ ኣሎ።

ቈርበትና ብኽልተ ቀጸላታት ዝቘመ’ዩ። ግዳማዊ (Epidermis)፡ ውሽጣዊ (Dermis) ተባሂሎም ድማ ይጽውዑ። ኣብ ግዜ ንእስነት ቈርበትና ልሙጽን ዝተወጠረን’ዩ። ዕድመ እናደፋእና ኣብ እንኸደሉ ግዜ ግን ግዳማዊ ቀጸላ ቀስ ብቐስ ክዓጥርን ክጨማደድን ንርእዮ። ቀንዲ ምኽንያት ናይ’ዚ ድማ፡ ዕድመ እናደፋእና ምስ እንኸይድ እቲ ንቈርበትና ወጢሩ ዝሕዝ ኮሌጅን ዝተባህለ ፕሮቲን ስለዝዳኸም፡ ከምኡ’ውን እቶም ንላዕለዋይ ክፋል ቈርበትና ዘቚሙ ካብ’ቲ ውሽጣዊ ቀጸላ ቈርበትና ዝምንጭው ዋህዮታት እናወሓዱ ስለዝኸዱ’ዩ። ብተወሳኺ፡ እቶም ንቈርበትና ንኽውጠርን ንኽልስልስን ዝሕግዝዎ ስብሓዊ ጽክታት ቁጽሮም ምስ ዕድመ እናወሓደ ይኸይድ’ሞ፡ እቲ ንሳቶም ዝህብዎ ጥቕሚ’ውን ይውሕድ። በዚ መጠን ቈርበትና ይነቅጽ።

ከኣ፡ ብኸመይ መንገዲ ሓበሬታ ከም ዝቕበል ብዘይተፈልጠ ምስጢር ብሓደ እዋን ንየማን የብሎ። ክልተ ወይ ሰለስተ ኪ.ሜትር ካብቲ ግንባር ርሒቑ ዝርከብ ደጀን ዕስለ ኣዕዋፍ፡ ከመይ ገይሩ ናይቲ ግንባር ምጥዋይ ይፈልጦ? 50 ሽሕ ኣዕዋፍከ ከመይ ገይረን’የን ብሓንሳብ

ንየማን ወይ ንጸጋም፡ ንላዕሊ ወይ ንታሕቲ ዘብላ? ተመራመርቲ ናይዚ ዓውዲ ከም ዝገልጽዎ፡’እቲ ዕሰለ ኣዕዋፍ ኣብ ሓደ ህሞት ሓድነት ኣእምሮ ይፈጥር’ዩ፡’ ዝብል እዩ። ብሓጺሩ 50 ሽሕ ኣዕዋፍ ውልቃዊ ኣእምሮአን ብሓደ ቃኒየንኦ ማለት’ዩ፡፡ በዚ መሰረት’ዚ ኣብ ክንዲ 50 ሽሕ ዝተፈላለየ ኣእምሮታት፡ ሓደ ስሙር ኣእምሮ ተፈጢሩ ክበሃል ይከኣል፡፡እዚ ተርእዮ’ዚ ኣብ ደቂ-ሰባት’ውን

ክፍጠር ይከኣል’ዩ። ግንከ ደቂ-ሰባት ኣብቲ ደረጃ’ቲ ቅድሚ ምብጻሕና ሓያሎ ክንሓልፎ ዘለና መሰናኽል ኣሎ። ኣብቲ ደረጃ’ቲ ምስ በጻሕና ግን፡ ፍጹም ሓድነት ከነረጋግጽ ኢና፡፡

ባር ኮድ

ምጭምዳድ ናይ ቈርበትና ግን ብዝያዳ ኣብ ገጽና’ዩ ዝፍለጥ። እዚ ዝዀነሉ፡ ገጽና ምስ ዝተፈላለየ ኩነታት ኣየር ብቐጻሊ እስር ፍትሕ ስለእነብሎ’ዩ። እዚ ምንቅስቓስ’ዚ ነቲ ምጭምዳድ ዝያዳ’ዩ ዘቀላጥፎ። ሓዘን፡ ሕርቃን፡ ሓጐስ …ወዘተ. ዝኣመሰሉ ኩነታት ምስ ዘጋጥሙና ስምዒትና ኣብ ገጽና ይንበብ’ዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ምዕጣር ኣዝዩ የቀላጥፎ።

ምንጪ፡- ኩሪዩት ፋክት

ንጋድም1. መኣከቢ ማይ3. ኣርማና ኤርትራ ዝዀነት እንስሳ5. ማይ እንረኽበሉ መስመር8. መትከል፡ ኣረኣእያ9. ብሃንደበት ፍግም በለ፡ ፈንጠቕ በለ10. ጽሑፍ ንውሽጥኻ ምድጋም 12. ሰለስተ ብጣልያን13. ኣዝዩ ትሑት ቃና ዝፈጥር፡ ናይ ነሃስ

ጥሩምባ15. ኣብ ጸብሕን ጥጥቖን ዝኣቱ ጠቓሚ

ዓይነት ጥረ19. ሰላሳ መዓልቲ20. እንዳ መጎጎ22. ክንዲ ጤል ትኣክል እትብላዕ ጤል

በረኻ23. ዝበዝሐ ናይ ስምዒት ህዋስና ዝርከብሉ

ኣካል24. ብርሃን ክብረኽበሉ ዝተሰርሐ25. ደስ፡ ባህ26. ሒዙ ከደ፡ ተማልአ27. መልሲ ዝደሊ28.ኔርካ ናብ ዕዉር (ምስላ)29. ንጓል ደብል፡ ንወዲ ______31. ካብ ዝኸዶ ተመልሰ32. ሪጋ፡ መስርዕ33. ድልየት፡ ባህጊ፡ ሃረርታ34. ትሓይሽ፡ ትነፍዕ35. ካብ ብሄረ ኤርትራ37. ህግር፡ ውርስ፡ ርስይ38. መብሰሊ መግቢ40. ዙረት፡ ጒዕዞ ናይ ዝዀነ ይኹን ነገር41. ብድድ

ንትኹል

1. ከተማ ዞባ ጋሽ ባርካ2. ኣብ ካልኣይ ተርታ ዝርከብ ፊደል3. መንግስተ ሰማይ4. ዋንጫ፡ ዕንጸይታዊ ወይ ብረታዊ

መደገፊ5. ንመዕለሊ እንቀልዋ6. ዝለል7. ቤት መስተ9. ዓነወ፡ ሃደሽ በለ11. ኣቦ ብኣጸዋውዓ ከተማ14. ከፈተ፡ ጋህ ኣበለ16. ካብ ቆርበት ዝወጽእ ረሳሕ ፈሳሲ17. ዓቢ ዘይኮነ18. ብኢድ ወይ ማሽን ኣቚሑ ንስራሕ19. ትንዕ፡ ክትሃርም ምፍታን21. መባእስቲ ጀሪ22. ኣሰር23. በኣሰ25. ደስታ፡ ባህታ27. ኣብ ግዜ ጾም ብላዕ መግቢ30. ጒሕጒሕ፡ ብጅሩግ31. ጽሕፋዊ ድርሰት33. ዜና፡ ሓበሬታ36. ዕንብረ፡ ጽልግልግታ37. ብጽሒት፡ እጃም፡ ናትካ

ሕቶ እተመሳቐለ ቃላት

መም ያቆብ መርሃዊ

* ጩራ ጸሓይ ናብ መሬት ክበጽሕ ኣስታት 8 ደቓይቕን 17 ካልኢታትን ከም ዝወስደሉ* ንመጀመርታ DNA ዝዳህሰሰ ሰብ ፍረድሪክ ሚሸልር ኰይኑ ኣብ 1869 እዩ* ኣብ ዓለም ዓመታዊ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ክስተታት ምንቅጥቃጥ መሬት

ከምዘጋጥም* ቴርሞሜተር ኣብ 1607 ብጋሊልዮ ከም ዝተማህዘት* ሓደ ዋህዮ ናይ ደም መላእ ኣካላት ወዲ-ሰብ ክዘውር 60 ካልኢታት ጥራሕ

ከምዘድልዮ* ኣብ ኣካል ወዲ-ሰብ ዝርከቡ ሻምብቆታት ደም ኣስታት 96,556 ኪ.ሜትር ዝኸውን

ቁመት ከምዘለዎም

ትፈልጡዶ?

ኩርናዕ ካሜራ

ጆሜ/ ደጀን ተኽለ

ስለምታይ ቈርበትና ይዓጥር?

Page 7: ዓንሰባ - ሕማም ዓሶ ኣብ ደረጃ ምጥፋእ በጺሑ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_26062018.pdf · “ዘለካ ተወከፍ እንተዘይብልካ ኣይትሰከፍ”

ሓዳስ ኤርትራ 26 ሰነ 2018 - ገጽ 7 መበል 27 ዓመት ቁ.256

Page 8: ዓንሰባ - ሕማም ዓሶ ኣብ ደረጃ ምጥፋእ በጺሑ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_26062018.pdf · “ዘለካ ተወከፍ እንተዘይብልካ ኣይትሰከፍ”

ሓዳስ ኤርትራ 26 ሰነ 2018 - ገጽ 8 መበል 27 ዓመት ቁ.256

ንዓኣቶም ዝተዋህበ ኣብ ቀጻሊ ምቅይያር ዝፍጠር ዝተፈላለየ ጽባቐ፣ ኣባጅጎ ነዞም ብኣምሳሉ ዝፈጠረና ደቂ ሰብ እኳ ኣይዓደሎን። ንዓይኒኻ ኰነ ልብኻ ዝመልእ ርብዒ ሰዓት ኣብ ዘይኣክል ዝለዋወጥ እምብዛ ሰሓቢ ጽባቐ’ዩ። ኣካ ነቲኣቶምስ እንተዀይኑልካ መሸራሸሪኻ እንተትገብሮም። ኣበየ ኣበይ ዘለዉ እዮምከዶ በልኩም። ገለስ እምበር ድሮ ፈሊጥኩሞም ትህልዉ። ግና፡ ንምንታይ ደኣ ክሳብ ሎሚ ብዛዕባኦም ገለ ዘይበልኩም?እቶም መሰረታውያን ደበናታት ኣብ

ሰለስተ ማለት በረኽቲ፡ ማእከሎት፡ ከምኡ እውን ዝተሓቱ ተባሂሎም በብደረጃኦም ዝከፋፈሉ ዓሰርተ ዓይነት ዝዀኑ እዮም። እቶም ኣብ ዝተሓተ ብራኸ ዘለዉ ኩምራታት ደበና ድማ’ዮም እቶም መሰጥትን ኣመና ሰሓቢ ጽባቐ ዘለዎምን ብምዃን፡ ብዛዕባኦም ክነውግዕ ዝደረኹና። ካብኣቶም ድማ እቶም ብቕርጺ ብርስን ዝልለዩ፡ ብዘልማድ UFO [undefined Flying object] ተባሂሎም ንዝጽውዑ ኣብ ኣድማስና ይህልዉ እዮም ተባሂሎም ዝጥርጠሩ ግና፡ ክሳብ ሎሚ ዋላ “ዝሰምዕ እንተሎ ይመልስ” ተባሂሉ ብሓምሳ ቋንቋታት ዓለምና ተላኢኹሎም ዘይመለሱ፡ ዘይተለለዩ በረርቲ ኣካላት ወይ ግዛዓት መጓዓዓዝቲ ዝዀና ተሽኸርከርቲ ንዝተዋህበ ምስሊ ዝመስሉ፡ ሰብ ከምኪሙ ከም ዝሰነዖም ምሒር ኣደነቕቲ ዝዀኑ ደበናታት ይርከብዎም። ካብ’ዞም ዕምባባታት ሰማይ፡ ገሊኣቶም

ኣብ ዝዀነ እዋን ህላወኦም ዘየረጋግጹ ሳሕቲ ዝረኣዩ ወይ ዘይልሙዳት እዮም። የግዳስ ኣብ ዝተፈልየ ሸነኽ ዘህርር ትርኢት ዝፈጥሩ ምስ ምዃኖም ተናፈቕቲ። እንተ እቶም ኣመና ዘይልሙዳት ወይ ነይሮም ነይሮም ድሕሪ ነዊሕ ዝረኣዩ ዋላ’ኳ መሰጥቲን ፍሉይ ዝዀነ ትርኢት ዘለዎምን እንተዀኑ፡ ይትረፉና ስሞም ተላዒሉ ኢልካ ዘይምንፋቖም። ካብ ምምጻኦምስ ዘይምምጻኦም ይሕሸና። እዞም ዓይነት እዚኣቶም ምስ ሕንፍሽፍሽ ኩነታት ኣየር ዝመጽኡ፡ ብግዜ ሆቦብላ ዝፍጠሩ፡ መዓት ሒዞም ዝውለዱ ሓደገኛታት ብምዃኖም፡ ነቲ ሒዘሞ ዝመጽኡ መዓት ተጻዊሩ ክዕዘቦም ንዝኸኣለ ምርኣዮም’ኳ ባህ ዘብሉ እንተዀኑ፡ ሰሪ ዘሰንዮም ዘይመጸበቒኦም ግና ክመጽኡ ኣይብሃጉን።ደበናታት ብሉጻት ፎቶግራፋት

ንምስኣል ልዑል ኣበርክቶ እዩ ዘለዎም። ዝዀነ ሰማይ ድሕረ ባይታ ዘለዎ ስእሊ እንዶ ንተዓዘብ። ብዘይጥርጥር ኣብነታት ናይ’ቶም ብሞያውያን ሰኣልቲ ዝለዓሉ ናይ ተፈጥሮ ፎቶግራፋት ጽባቐ ዘልብሱ እዮም። ደበና ዘይብሉ ሰማይስ ኣይምዕርግን ሰማይ ብኣኣቶም’ዩ ዝግርም። ኣብ ዝዀነ ናይ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ብዝተፈላለየ ቅርጽን መልክዕን ናይ ዝንቀሳቐስ ደበና ንዕዘብ ኢና። ንሳቶም ነቲ ስራሕ ድሕረ-ባይታ ብምዃን ክሳብ ክንደይ ጽባቐ ይህብዎ ድማ ዘካትዕ ኣይኰነን። ምስ ኩነታት ኣየርን ቅርጺ መሬትን ተፈታዊ ኣሳእል እዮም ዝፈጥሩ። እንተዀነ ምስ’ዞም ክስርሑን ክፍንጥሑን ግዜ ዘይህቡ ደበናታት እናተቐዳደምካ መሰጥቲ ኣሳእል ክትስእል ቀሊል ዕማም ኣይኰነን። ይኹን ደኣምበር ነቲ ጽባቐኦም ኣብ ዘጋጥመና፡ ማዕረ እቲ ሽዑ እንሕጐሰሉ ስኢልና ከነትርፎ እዩ ዝላቦ እቲ ዓሰርተታት ጽቡቓት ኣሳእል ደበናታት ብምስኣል ናብ Hongkiat.com

ስሉስ ኩርናዕ በርሙዳ ትሪያንግል፡ (Bermuda tringle) ብሰይጣናዊ ስሉስ ኩርናዕ’ውን ይፍለጥ’ዩ። በርሙዳ ትሪያንግል ኣብ ውቅያኖስ ዝርከብ ቦታ’ዩ። እዚ ኣብ ሰሜን ኣትላንትካዊ ውቅያኖስ ኣብ ደባብዊ ምብራቕ ፍሎሪዳ (ሕ.መ. ኣመሪካ) ዝርከብ ቦታ፡ ብዙሓት መራኽብን ነፈርትን አሰረን ዘጥፍአ ቦታ’ዩ። እዚ ደኣ ይኹን እምበር ብዙሓት ንግዳውን ወተሃደራውን መራኽብን፡ ነፈርትን ካብን ናብን ብዘይ ዋላ ሓደ ጸገም በዚ መስመር’ዚ ክሓልፋ ይረአያ ኣለዋ። ብዙሓት ሰባት ንምጥፋእ ነፈርትን

መራኽብን ኣብ ስሉሳዊ ኩርናዕ በርሙዳ ትሪያንግል ሓደ ፍሉይ ኩነትን ትንግርትን’ዩ ዝብል፡ ጽውጽዋያዊ እምነታት’ዩ ዘለዎም። ገለ ውሑዳት መራሕቲ መራኽብን ነፈርትን ብረድዮ ናይ ጭንቀት መልእኽታት እናመሓላለፉ

ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ዝለኣኸ Awais Imram ዝተብሃለ ሰኣላይ ።ብዛዓባ ዓዲ ሃገር ርእዮምን

ኣስተባሂሎምን ዝበልዎን ዝሰኣልዎን እየ ከልዕል ዝጸናሕኩ። ካብ እንዳማተይ ናብ ናተይ ተመሊሰ እነሀኹ። ናብ’ዞም ዝብጽሑናን ክንበጽሖም እንኽእልን

ደበናታት ዓድና፣ ደበናታት ወርቅን ብሩርን። እንተዀነ ንዓታቶም ምቕዳመይ ምስ ሓጥያት ኣይጸብጸብ። ኣነስ ሓበሬታ ንምሃብን ንምህብታምን እየ ካብ ጎግል መርበብ ሓበሬታ ዝተለቃሕኩ። መን ይፈልጥ ኣነን ንስኻትኩምን’ውነ ነዞም ናይ ባዕልና ንጎግል ነለቀሖ ንኸውን። ነዞም ኣብ ሃገርና ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ምስ ህጥራን-ባሕሪ፡ ባሕሪ ምስ ጐሰዐ መጻእና መጻእና ዝብሉ ተቐሪብኩም ጸኒሕኩም ብምስኣል ንከብሒታት ሰነዳትና መሊእኹም ንጎግል ኣብ ዘዳለዎም ከብሕታት ትኽዝኑ ሃበርም እኳ ምምጻኦም ሕጂ ክዀነልኩም ትወናወኑ ትህልዉ። ካብ ተፈጥሮ ዝሃቦ ንላዕሊ፡ ሰብ ዝፈጠሮ

ጽባቐ ክንደየናይ ከይህሉ። ሰብስ ነቲ ዘዝረኣዮ ቀቀዲሑ እዩ ናብ ኵሉ ክርእዮ ዝኽእል ዘባዝሕ’ምበር ክሳብ ሕጂ ዝፈጠሮ የሎን። ግዳ ኣካል’ቲ ተፈጥሮኣዊ ጽባቐ ምዃኑ እዩ። እንተዀነ ከምዞም ደበናታት ወርቅን ብሩርን ኣይምዕርግን። ከም ሰማይን ምድርን ዝምልክዕ የሎን። ሓንቲ ሃገር ድማ በዞም ተፈጥሮ ዝዓደላ ዝተፈላለዩ ጽባቐ ሃብታምን ንበጻሕቲ ሰሓቢትን ትኸውን። የግዳስ ነቶም ዘለዉዋ ሰሓብቲ መልክዓታ ቀቀዲሕካ ኵሉ ንኽላለዮም ምዝርጋሕ ግደ ህዝባ እዩ። ገለ ካብ’ቶም ንዓና ንበጻሕቲ ሰሓብቲ ክዀኑልና ዝኽእሉ ጽባቐታት ሃገርና እምበኣር እዞም ወቕታውያን ደበናታት እዚኣቶም እዮም። ሃገርና ምስ’ቲ ዘለዋ ትዕድልቲ ክልተ ክረምቲ፡ ኣብ ክልተኡ ክረምቲታት ዝረኣዩ ደበናታት ነናቶም መልክዕ ዘለዎም እዮም። እዞም ደበናታት ወርቅን ብሩርን ድማ፡ እቲ ሓደ ገጽ ምዃኖም’ዩ። ምስ ባሕሪ ክረምቲ ይመጽኡ። እቶም ናይ ክረምቲ እውን ኣብ ካልእ ሸነኽ ሃገርና ኰይንካ ምስ ትዕዘቦም ከምዚኣቶም ጽባቐ ክህልዎም ይኽእልዶ ዋላስ ኣይክእልን፡ እንድዒ ጸሓይ ክትዓርብ እንከላ ግና ዝያዳ ኣብ ምዕራባዊ ሃገርና ከም ትውቅብ ኣስተብሂለ’ለኹ።እንተ እዞም ካብ ወርሒ ጥቅምቲ

ጀሚሮም ምስ ክራማት ባሕሪ ዝመጽኡ ውቁባት ደበናታት፡ ካብ ዕምቈት ንላዕሊ ክወጽኡ ከለዉ፡ ኣብ ኵሉ ኰይንካ ዝረኣዩ ኣይኰኑን። ኣብ ጋላ ነፍሒን ንኡስ ዞባ

በሪኽን ሰረጀቓን ምናልባት ድማ ድሕር ኢልካ ኣብ ንኡስ ዞባ ሎጎ ዓንሰባ ድማ ይረኣዩ ይዀኑ። ኣስመራ ድማ፡ በቲ ከተማዊ ጽባቐ ዓይኑ ዓዊሩ ደኒኑ ከይከደ ክሳዱ ኣንቃዕሪሩ ዝጥምት እንተተረኺቡ እነና ከይበልዎ ኣይተርፉን። እቲ ካልእ ፍሉይነቶም እዚ ጽባቐኦም ኣብ ዝዀነ ሰዓት ዝርከብ ኣይኰነን። ጸሓይ ኣብ ምዕራባ፡ እቲ ወርቃዊ ጩራታት ንድሕሪት ተመሊሱ

ኣብ ዝባኖም ኣብ ዝዓርፈሉ እዩ። ኣቤት ሽዑ እንተደኣ ዝናብ ክሃርም ጀሚሩ’ሞ በርቂ ክበርቕ እንተተራእዩ ዝያዳ ጽባቐኦም ይደምቕ። ነዋሕቲ ሰንሰለታዊ ኣኽራናት ወርቅን ብሩርን እዮም ዝመስሉ።ኣቤት እባ እቲ ጽባቐኦም። ካብ ታሕቲ

ፈሎቕሎቕ እናበሉ ንላዕሊ ክወጽኡ ከለዉ ዝህልዎም ጽባቐ፡ ጠሚትካዮም ዝጽገቡ ኣይኰኑን። ሰማይ ባሕሪ ክመስል ሰማያዊ

ምስሊ ኣብ ዝረኣየሉ እዞም ደበናታት ንላዕሊ እናተሰብሰቡ እናተሰብሰቡ ይድይቡ፡ ንሓድሕዶም ክጋጨዉ ከለዉ ድማ ኣብ ጥርዞም ስሕለት ዝመስል ዝተፈላለየ ቅርጺ ይህቡ። በቲ ሓደ ሸነኽ ብሩር፡ በቲ ሓደ ድማ ወርቂ ዝመስሉ ደበናት ኣብ ሓደ እዋን ትዕዘብ። በቲ ካልእ’ውን ብርሃን ጸሓይ ዘይዓረፎ ጠቃር ፈሓም ዝመስል ደበና ይረአ። እዞም ዝተፈላለየ ቅርጺ

ዝሓዙ ኩምራታት ወይ ጎቦታት ደበና፡ ኣብ ቀጻሊ ምቅይያር ብምዃን ዝተፈላለየ ቅርጺ ክፈጥሩ ከለዉ፡ እቲ ወርቃዊ ወይ ድማ ብሩራዊ ፍኹስ ዝበለ ምስሉን ሰሓብነቱን ዘየጥፍአ’ኳ እንተዀነ፡ እቲ ጸሊም ደበና ግና ክብድ ይብል። እዚ ኵሉ ትርኢት ጸሓይ ቅድሚ ምዕራባ ኣብ ዘሎ ግዜ ከምልጠካ የብሉን።እዚ እዞም ደበናታት እዚኣቶም ንላዕሊ

ደበናታት ወርቅን ብሩርን

ከም ዝጠፍኡ’ውን ይንገር። ነዞም ዝጠፍኡ ሰባትን ንብረትን ንምድላይ ኣብ ዝተገብረ ሓያል ናይ ፈተሻ መጽናዕትታት ገለ በጻብዕቲ ዝቝጸሩ ብሂወት፡ ገለ ድማ ሬሳኦም ተረኺቡ። ድሕሪ ነዊሕ እዋን ገለ ስብርባር ናይ ኣካላት መራኽብ ከም ዝተረኽበ’ውን ይንገር። ገለ ውሑዳት ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት

ባሕሪ ከም ዝብልዎ እንተኾይኑ ግና፡ ንምጥፋእ (ምጥሓል) ናይ’ዘን መራኽብን ነፈርትን ሓያል ሰላሕታ ማዕበል ወይ ንታሕቲ ኣስጢሙ ወይ ጸቒጡ ዝሕዝ ንፋሳት ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝብል እምነትን መግለጽን’ዩ ዘለዎም። ቅልጡፍ ናይ ባሕሪ ማዕበል ከኣ ነቲ ስብርባር ካብ ቦታ ሓደጋ ኣርሒቑ ይወስዶ ይብሉ። ብጠቕላላ ስፍሓት በርሙዳ ትራንግል ልዕሊ 1,1140,000 ትር.ኪ/ሜተር ይበጽሕ። እዚ ስሉስ ኩርናዕ’ዚ፡ ብሓሳብ

በርሙዳ ትሪያንግልደቂ ሰባት ዝተሳእለ ቅርጺ ደኣምበር ናይ ብሓቂ ተፈጥሮኣዊ ቅርጺ ኣይኮነን። እዚ ሓሳባዊ ስሉስ ኩርናዕ’ዚ ካብ በልቨርን ኣውስትራልያን ካብኡ ድማ ናብ ፓርቶሪኮ ስዒቡ ናብ ፍሎሪዳ ዝሽፍን’ዩ። ኣቃውማኡ ድማ’ዩ በርሙዳ ትሪያንግል ዝብል ስም (መጸውዒ) ኣውሂብዎ። ኣብ በርሙዳ ትሪያንግል እታ ናይ

ፈለማ ናይ ምጥፋእ ክስተት ዝተራእያ ወርሒ፡ ኣብ መጋቢት 1918 ዓ.ም እዩ። ብድሕሪ‘ዚ ተደጋጋሚ ዘጋጠመ ዘደንጹ ፍጻመ ድማ፡ ኣብ’ዚ ዝተጠቕሰ ቦታ ክሳብ ሕጂ ዘካትዕ ዛዕባ ኮይኑ ኣሎ። ካልእ በርሙዳ ዝብሃል ኣስታት 300 ደሴታት ዝሓቘፈ ቦታ’ውን ኣሎ። ካብ’ዘን ደሴታት እተን 20 ጥራይ’ዩ ሰብ ዝቕመጠለን። ስፍሓተን 53 ኪ /ሜተር ክኸውን እንከሎ፡ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ድማ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዓባይ ብሪጣንያ ይርከባ።

ዝግንፍሉሉ ከባቢ፡ ካብ ሰሜናዊ ምዕራብ ንደቡባዊ ምብራቕ ዝተዘርገሑ ናይ ባሕሪ ጎቦታት፡ ኣብ’ዚ ዝተብሃለ ኣዋርሕ ብግመ ዝተሸፈኑ እዮም። ንሳቶም ብጀካ እዚ ብኻልእ ምዕሩግ ተፈጥሮኣዊ ጽባቐን ሃብትን እውን ፍሉጣት እዮም። እዞም ደበናታት እምበኣር ብጀካ እቲ ጸሓይ ኣብ ምዕራባ ዘሎዎም ጽባቐ ኣብ ግዜ ቀትሪ ኰነ ንግሆ እውን ካልእ ናይ ገዛእ ርእሶም ጽባቐ ኣለዎም። ነዚ ብዕሙራት ኣግራብ ዝተሸፈነ ከባቢ፡ ዘለዎ ባህርያዊ ትዕድልቲ ኣብ መሬት ጥራይ ተወሲኑ ስለዘይተረፈ እዩ፡ እዚ ናይ ሃዋህው ጫካን ጽባቐን እውን ዝተገዝመ። እቲ ከባቢ ብልዕሊኡ ኣብ ሄሊኮፕተር ኰይንካ ክትጥምቶ ከለኻ በረድ ዝተነጽፎ እዩ ዝመስል። ሓቒቕ ዝመስል ሻሽ ዘንጸፍካሉ ጻዕዳ ሰማይ ከኣ’ባ ኰይኑ ይረኣየካ። እምበኣር ጽባቐ ናይ’ዞም ደበናታት እዚኣቶም ሓደ ርእሱ ዝኸኣለ መስሕብ ቱሪዝም እዩ። እንተነፊዕናስ ከመዮ ኣብ ከም ግብጺ ዝኣመሰላ ንርእዮ ብናይ ባሉን መጓዓዝያ ብላዕሊ ላዕሊ ሰለለል እናበልካ ንምዕዛብ ብዝጥዕም እንተደኣ ኣዋዲድናሉስ ይትረፍ ጓኖት በጻሕቲስ፡ መን እዩ ብመኪና ንፍልፍል ሰለሙና ጥራይ ምምልላስ ገዲፉ፡ ዝወሃብ ሂቡ ናብኡ ገጹ ክሓኩርን ላዕሊ ላዕሊ ሸነን ክብልን ዘይደሊ ወዲ ዓዲ። እወ ናብ’ዚ ብላዕሉ ብጫካታት ደበና ብታሕቱ ብጫካታት ኣግራብ ዝወቀበ ስፍራ፡ ኣብ ሓደ እዋን ንኽልተኡ፡ ንላዕሊን ንታሕትን እናወረድካን እናደየብካን ክትዕዘቦ ዘኽእል ገነት። ክልተ ሰማይ፡ ሓደ ብልዕለኻ ሓደ ብትሕተኻ ዝረኣየሉ ሃዋህው።

ጴጥሮስ ተፈሪ (ወዲ ቀሺ) ጎስጓስን ሓብሬታን ክ/ሰ 11- ሓዋጹ

ኣብርሃም ዘርአ

Page 9: ዓንሰባ - ሕማም ዓሶ ኣብ ደረጃ ምጥፋእ በጺሑ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_26062018.pdf · “ዘለካ ተወከፍ እንተዘይብልካ ኣይትሰከፍ”

ሓዳስ ኤርትራ 26 ሰነ 2018 - ገጽ 9 መበል 27 ዓመት ቁ.256

ኤርምያስ ገብረልዑል [email protected]

መደብ ጸወታሎሚ

ዋንጫ ዓለም 2018ምድብ ሰለስተ

ኣውስትራልያ -ፔሩ 5፡00ዴንማርክ - ፈረንሳ 5፡00

ምድብ ኣርባዕተኣይስላንድ - ክሮኦሽያ 9፡00ናይጀርያ - ኣርጀንቲና 9፡00

ውድድር ሻምፕዮን ክለባት ኵዕሶ እግሪ ሱፐር ዲቪዥን ‘ኤ’ ዞባ ማእከል ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ስታድዪም ኣስመራ ብሰለስተን ግጥማት ኣብ ዝቐጸለሉ፡ ቲራቮሎ ንገዛባንዳን ከምኡ ድማ ኣዱሊስ ንኣስመራቢራ ብተመሳሳሊ ውጽኢት 1ብ0 ክስዕረአን እንከለዋ፡ ደንደን ድማ ንሰገን ኮንስትራኽሽን 3ብ0 ብገፊሕ ተዓዊታትላ፣ፈላም ዝገጠማ ጋንታታት ንንኡሳን

ምምሕዳራት ዝወከላ ቲራቮሎን ገዛባንዳን እየን ነይረን፣ እዘን ጋንታታት ንናይ ቀዳማይ ፍርቂ ጸወታ ሸቶ ብዘምምዝጋብ እየን ፈጺመናኦ፣ ኣብ ካልኣይ ፍርቂ ግና ቲራቮሎ ብመገዲ ዳንኤል ጸጋይ ኣብ መበል 69 ደቒቕ ብዘመዝገበታ ሸቶ 1ብ0 ተዓዊታ፣ ቀጺለን ዝገጠማ ጋንታታት ሳልሰይቲን

ራብዓይቲን ደረጃ ዝሓዛ ኣዱሊስን ኣስመራ ቢራን እየን ነይረን፣ እዘን ጋንታታት እውን ንቀዳማይ ፍርቂ ናይ ጸወታአን ሸቶ ከየመዝገባ እየን ካብ ሜዳ ወጺአን፣ ድሕሪ ዕረፍቲ ኣብ ዝቐጸለ ጸወታ፡ ኣዱሊስ

ናብ ልዳት ኣስመራ ቢራ ኣብ ዝተጸገዐትሉ ኣብ መበል 46 ደቒቕ እቲ በዓል ውዕለታ ዝኾነ ኣማኑኤል ደምሴ ብዘቑጸራ እንኮ ሸቶ ተዓዊታ፣ እዛ ሸቶ መበል 12 ሸቶኡ ኮይና ድማ ተመዝጊባ’ላ፣ ኣዱሊስ 32 ነጥቢ ኣዋሃሊላ ትርከብ፣ሳልሳይ ጸወታ ናይቲ ዕለት፡ ካልኣይ ደረጃ

ዝሓዘት ደንደን ምስ ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ ዘላ ሰገን ኮንስትራክሽን እዩ ነይሩ፣ ደንደን፡ ናብ ሰገን ተጥቃዓሉ ኣብ ዝነበረት ህሞት ናይ መኣዝን ቅላዕ ዝረኸበ መደሃኔ ስዩም ተቐቢሉ ኣብ መበል 20 ደቒቕ ምስ ሰኪዔት ብምርኻ፡ ደንደን 1ብ0 መሪሕነት ሓዘት፣ ተጻወትቲ ደንደን ንሸቶታትቶም

ንምድልዳል ንልዳት ሰገን ወረሩ፣ ኣብ 30 ደቒቕ ድማ ሮቤል ኪዳኔ ተዓጺፋ ዝመጸቶ ኩዕሶ ናብ ሸቶ ቀየራ። ደንደን 2ብ0 መሪሕነት ሒዛ ንዕረፍቲ ወጸት፣ኣብ ካልኣይ እብረ፡ ተዋዳዳርነት ሰገን

ኮንስትራክሽን ካብ ናይ ቅድሚ ዕረፍቲ ዘሓሸ ነይሩ ክበሃል ይከኣል፣ ይኹን እምበር፡ ደንደን ኣብ መበል 81

ደቒቕ መድሃኔ ስዩም ንጋንታኡ ሳልሰይቲ ንዑኡ ድማ ካልኣይቲ ሸቶ እትኾኖ ኣመዝገበ፣ 3ብ0 ዝተዓወተት ደንደን፡ 35 ነጥቢ

ብምውህላል ነታ ብሰለስተ ነጥቢ እትመርሓ ቀይሕባሕሪ ሓሙስ እተካይዶ ውጺኢታ ከተማዕዱ እያ፣ ግጥም ሻምፕዮና ኵዕሶ እግሪ ዞባ ማእከል፡

ጽባሕ ሓሙስ ካብ ሰዓት 2፡00 ድሕሪ ቐትሪ ጀሚሩ ኣርባዕተ ኣስመራ ምስ ኩባንያ ሰምበል ከምኡ ድማ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ኣልታሕሪር ብዘካይዳኦ ግጥም ክቕጽል እዩ፣

ደንደን፡ ኣዱሊስን ቲራቮሎን ተዓዊተን

ተወሳኺ . . .+ ሎሚ ምሸት ኣብ ዝካየድ ሳልሳይ ናይ

ምድብ ግጥም፡ ተጻዋታይ ኣውስትራልያ ኣንድሪው ናቦት ሃገሩ ምስ ፔሩ ኣብ እተካይዶ ግጥም ኣብ መንኩቡ ብዝገጠሞ ማህሰይቲ ኣይክስለፍን እዩ፣ ቶሚ ጁሪክ፡ ጂሚ ማክላረንን ቲም ካሂልን ግና ኣብዚ ንኣውስትራልያ ክትዕወት ጥራይ ዘገድድ (ናብ ዝቕጽል ጸወታ ንምሕላፍ) እጃም ክህልዎም ትጽቢት ኣሎ፣ ኣውስትራልያ ዋላ’ውን ኣብ ልዕሊ ፔሩ ትተዓወት፡ ዴንማር ብፈረንሳ ክትሰዓር ከድልያ እዩ፣ ብመንጽሩ፡ ተጻዋታይ ፔሩ ጀፈርሰን ፋርፋን ኣብ እዋን ልምምድ ኣብ ርእሱ ብዝገጠሞ ማህሰይቲ ኣብ ናይ ሎሚ ሳልሳይ ጸወታ ናይ ምድብ ከምዘይህሉ ተሓቢሩ፣ እዚ ወዲ 33 ዓመት ተጻዋታይ ክለብ ሎኮሞቲቭ ሞስኮ፡ ምስ ወዲ ጋንታኡ ኣብ

ዝተጋጨወሉ ህሞት ንሒደት ደቓይቕ ውኑ ኣጥፊኡ ምንባሩን ክሳብ ሆስፒታል ድማ ከምዝተዓቑበን ይንገር፣ ብፈረንሳን ዴንማርክን ብተመሳሳሊ ውጽኢት 1ብ0 ዝተሳዕረት ፔሩ፡ ዋላ’ኳ ናብ ግጥም ኣውዲቕካ ምሕላፍ ናይ ምዝላላ ተእኽእሎ እንተቐሃመ፡ ሎሚ ሳልሳይ ናይ ምድብ ጸወታኣ ኣንጻር ኣውስትራልያ ከተካይድ ግድን እዩ፣ ኣብዚ ግጥም ድማ ካብዚ ናይ ሎኮሞቲቭ ተጻዋታይ ዝኾነ ኣገልግሎት ከምዘይትረክብ ኣቐዲማ ተፍልጥ፣+ ኣብ ካልእ ጸወታ ናይ ምድብ ሰለስተ፡

ኤውሮጳውያን ሃገራት ዴንማርክን ፈረንሳን ክራኸባ እየን፣ ክልተ ብጫ ካርድ ዘለዎ ተጻዋታይ ዴንማርክ ዩሱፍ ፖውልሰን ኣብዚ ግጥም’ዚ ኣይክስለፍን እዩ፣ በዚ ድማ ቦታኡ ብማርቲን ብራይዝዌይት

ክሽፈን እዩ፣ ብዘይካ’ዚ ኣብ መሰንገለኡ ከቢድ ማህሰይቲ ዝገጠሞ ዊልያን ክቪስት እውን ኣብዚ ግጥም’ዚ ማልያ ዴንማርክ ኣይክወድን እዩ፣ ፈረንሳዊ ኣሰልጣኒ ዲደር ዴሻምፕ፡ ንፖል ፖግባ ከዕርፎ ከምዝኽእል ይነግር ኣሎ፣ ብተመሳሳሊ እውን ማቱዲ፣ እዞም ተጻወትቲ ኣብ ዝሓለፈ ጸወታታት ዝተሰመዓሎም እዮም፣ ንምድብ ሰለስተ ብሽዱሽተ ነጥቢ ትመርሕ ዘላ ፈረንሳ፡ ካብ ምድባ ብቐዳምነት ንምሕላፍ ሎሚ እንተወሓደ ማዕረ ክትፈላለ ኣለዋ፣ ፈረንሳን ዴንማርክን ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም ክልተ ግዜ ተራኺበን ነይረን፣ ኣብ 1998 ፈረንሳ 2ብ1 ክትዕወት እንከላ፡ ኣብ 2002 ድማ ዴንማርክ ብናይ 2ብ0 ውጽኢት ላዕለዋይ ኢድ ሒዛ ነይራ፣ + ሎሚ፡ ኣብ ውድድር ዋንጫ ዓለም

2018 ኣዝዩ ኣገዳሲ ግጥም ምስ ናይጀርያ እተካይድ ኣርጀንቲና፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ናይ ምድብ ጸወታኣ ብዘርኣየቶ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ዝኾነ ትሑት ብቕዓትን ውጽኢትን ንሓያለ ደገፍታ ኣቕሒራ ትርከብ፣ ነዛ ሃገራዊት ጋንታ ንምድጋፍ ኣብ ሩስያ ዝርከብ ህቡብ ተጻዋታይ ነበር ዲያጎ ኣርማንዶ ማራዶና፡ ኣብ ካምፖ ናይታ ሃገራዊት ጋንታ ብኣካል ተረኺቡ ‘ሓጺር ለበዋ’ ከስምዕ ይሓትት ከምዘሎ ተሓቢሩ፣ ብፍላይ፡ ብክሮኦሽያ ድሕሪ ሃደሽደሽ ምባላ፡ ማራዶና፡ “እዞም ተጻወትቲ ወኒ ስኢኖም ኣለዉ፣ ትሕቲ ብቕዓት ይጻወቱ ብምህላዎም ኣዝየ እሓዝን” ክብል ርእይቶኡ ሂቡ ነይሩ፣ ናብ ካምፖ ኣርጀንቲና ተጓዒዝካ “ምስ ናይጀርያ ንዝህልዎም ጸወታ እንታይ ምበልካዮም?” ተባሂሉ ምስ ተሓተተ። “ማልያ ኣርጀንቲና፡ ክቡር ምዃኑ ምገለጽኩሎም” ክብል ትማሊ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቐትሪ ተሰሚዑ፣ “ነዛ ማልያ ዝወደየ ተጻዋታይ፡ ብክሮኦሽያ ክሰዓር . . . ዘሕዝን እዩ፣ ጀርመን፡ ብራዚል፡ ሆላንድ ወይ እውን እስጳኛ እንተዝኾና . . .” ክብል ይውስኽ - እቲ ኣብ 1986 ምስ ኣርጀንቲና ዋንጫ ዓለም ዘልዓለን ተዓዋቲ ወርቂ ጫማ ዝኾነን በሃር ኣርጀንቲናዊ ማራዶና፣ እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ሓያለ ተጻወትቲ ኣርጀንቲና ዓላሚኦም

መርሃዊ ቅዱስመርሃዊ ቅዱስሻምፕዮን ኤርትራ 2018 ኮይኑ

ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ብሽክለታ ንሻምፕዮን ኤርትራ 2018፡ ተቐዳዳማይ ክለብ ዳይመንሽን ዳታ መርሃዊ ቅዱስ ንወዲ ጋንታኡ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር ኣኸቲሉ ዘውዲ ደፊኡ፣

እቲ ቁንጹብ ተቐዳዳማይ ክለብ ዳይመንሽን ዳታ፡ 17 ዙርያታት ኣብ ዝተሰልዓሉ ውድድር (ሓደ ዙርያ 10 ኪሎሜተር ይሽፍን)፡ ጸወታ ንኽፍጸም ኣርባዕተ ዙርያታት ምስ ተረፎ ኣብ ዓቐብ ፎርቶ ድሕሪ ዘካየዶ መጥቃዕቲ እዩ ነቲ ዓወት ኣመዝጊቡ፣

ኣብዚ ዝሓሸ ኣወዳድባ ከምዝተራእየሉ ዝተገምገመ ሃገራዊ ውድድር ሻምፕዮን ብሽክለታ 2018፡ ካብ ኣፍደገ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ተበጊሱ ብሲነማ ካፒቶል፡ ሚኒስትሪ ዜና፡ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ሚካኤል፡ 2ይ ደረጃ ቤ/ትምህርቲ ቀይሕ-ባሕሪ፡ ሽዳ፡ ሲቲ ፓርክ-ሽዳ-ኢንሹራንስ-ሞኖፖሊዮ-ሲፓ፡ ቶፕ 5 ሆቴል-ማይጃሕጃሕ፡ ናይስ፡ ማይጭሆት ሚዛን፡ ባር ትረስቴለ ኣቢሉ ብኣፍደገ ባንክ ኣባይቲ ናብ ጎደና ሓርነት ኣብ ዝሕወስ መስመር እዩ ተኻይዱ፣

ብዘይካ ተቐዳደምቲ ናይተን ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ዞባታት፡ ካልኦት ዞባታትን ፕሮፈሽናል ተቐዳደምቲን ዝተሳተፋኦ ናይ 170 ኪሎሜተር ጸወታ ከም ተቐዳዳማይ ክለብ ስታርት ጉስቶ ዮናታን ሃይለ፥ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር፥ ተቐዳዳማይ ክለብ ኤሪተል ዘመንፈስ ሰለሙን፥ ኣባል ክለብ ኮፊደስ ዳንኤል ተኽለሃይምኖን ገለ ካብቶም ኣብ ቀዳሞት ዙርያታት ንጸወታ ክቕልሱ ዝፈተኑ እዮም፣ ጸወታ ንኽዛዘም እውን 10 ዙርያታት ምስ ተረፎ ሲራክ ተስፎም ዘካየዶ ናይ ምህዳም ፈተነ እውን ዳሕረወይቲ ዓባይ ጉጅለ ፋሕ ፋሕ ክትብል

ብምግዳዱ ተጠቃሲ እዩ፣ውድድር ንኽፍጸም ኣርባዕተ ዙርያታት ምስ

ተረፎ፡ መርሃዊን ሮቤል ተወልደን መራሒት ጉጅለ መስረቱ፣ መትከል እዮብ፡ ኣማኑኤል ገብረእጊዝኣብሄር፡ ዳንኤል ሃብተሚካኤል - ኤሪተል፡ ተስፎም ዑቕባማርያም ዝርከብዋ ጉጅለ ድማ ትስዕቦም፣ መርሃዊ ንሮቤል ረጥሪጥዎ ድሕሪ ምኻዱ፡ ነታ ካልኣይቲ ጉጅለ (ዳንኤል፡ መትከል ናይ ክለብ ትሬንጋኑ፡ ኣማኑኤልን ድሒሩ ሮቤል ዝተጸምበራ) ጉጅለ ክሳብ ናይ 53 ካልኢት ጋግ ከንጽፈላ ክኢሉ ነይሩ እዩ፣ እታ ዳሕረወይቲ ጉጅለ ብመትከል ናይ ምቕላስ ስራሕ ኣብ ዝፈጸመትሉ፡ ኣማኑኤል ተወንጨፈ፣ ግዜ ከይወሰደ ድማ ምስ መርሃዊ ተጸምበር፣

ክልቲኦም ተቐዳደምቲ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ናብ መዛዘሚ ሕንጻጽ ኣብ ዘምርሑሉ ድማ መርሃዊ ዕዉት ኮነ፣ ድሒራ ውድድራ ካብ ዝፈጸመት ጉጅለ መትከል እዮብ ሳልሳይ ተርታ ሒዙ፣

ድሕሪ እቲ ውድድር፡ መርሃዊ ምስ ደቂ ጋንታኡ ናይ ሓባር ጸወታ ከምዝተጻወቱን ንዕኡ ከዐውቱ ከኣ ኣቐዲሞም ምውጣኖምን ሓቢሩ፣

ኣብ መወዳእታ ዙርያታት ብሉጽ ብቕዓት ብምርኣይ ንቅድሚት ንምምጻእ ጻዕሪ ዘካየደ ተቐዳዳማይ ኣስቤኮ ሄኖክ ምሉእ ብርሃን ተዓዋቲ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ቅልስ ክኸውን እንከሎ፡ ዓወት ሃብቶም ካብ ክለብ ፖላርቴክ ከምኡ ድማ ሮቤል ተወልደ ካብ ክለብ ሰምበል ካልኣይን ሳልሳይን ኮይኖም፣

ኣብ ናይ ጁንየር ደቂ ተባዕትዮ፡ ቀዲሙ ቮላታ ዘካየደ ናትናኤል ኣብርሃም ካብ ደንደን ንቢንያም ግርማይ - ኣብሴኮን ዩኤል ኣስመሮም ደንደንን ኣኸቲሉ ሻምፕዮን 2018 ኮይኑ፣

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ ኤሊት። ተቐዳዳሚት ክለብ ዓራግ ሞሳና ደበሳይ ናይ ኣስታት 8 ደቓይቕ ጋግ ንመወዳድርታ ብምንጻፍ ሻምፕዮን ኤርትራ ኮይና፣ ጓል ጋንታኣ ወጋሕታ ገብርሂወት ካልኣይቲ ክትወጽእ እንከላ፡ ናይ ጋላ ነፍሒ ተቐዳዳሚት ወሓዚት ኪዳነ ሳልሰይቲ ኮይና፣

ወጋሕታ ኣብ ቅልስ ትሕቲ 23 ዓመት ሻምፕዮን ክትኸውን እንከላ፡ ጓል ጋንታኣ ዝናብ ፍጹም ካልኣይቲ፡ ትዕግስቲ ገብርሂወት ካብ ጋላ ነፍሒ ድማ ሳልሳይ ተርታ ሒዛ፣

ኣብ ውድድር ጁንየር ደቂ ኣንስትዮ፡ ዳናይት ጸጋይ ካብ ጋላ ነፍሒ ሻምፕዮን ክትኸውን እንከላ፡ ተቐዳደምቲ ደንደን ዳናይት ማርቆስን ዮርዳኖስ ርእሶምን ድማ ካልኣይትን ሳልሰይትን ኮይነን፣

ብሓፈሻ፡ እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ዝሓሸ ውዳበ ከምተራእዮ ይግምገም፣ ይኹን እምበር፡ ብፍላይ ኣብ ውድድር ደቂ ተባዕትዮ ተቐዳደምቲ ናይ ዓበይቲ፡ ሻምፕዮና ንኹሉ ተቐዳዳማይ ዝምልከት ክንሱ፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ጀሚሩ ዘረአ ናይ ስጋይ ስጋኻን ድኽመት ናይ ምዕዋት ወኒ (ንኽስቶ እያ ትግብኦ ብዘምስል)ን ንሓያለ ኣፍቀርቲ ስፖርት ከቕሕር ጸኒሑን ኣሎን፣

ኡራጓይ፡ ብቕዓታ ኣመስኪራትማሊ ምሸት ኣብ ዝተኻየደ ሳልሳይን

ዛዛሚን ግጥም ናይ ምድብ ውድድር ዋንጫ ዓለም 2018፡ ኣአንጋዲት ሃገራት ሩስያ ዋላ’ኳ ናብ ግጥም ኣውዲቕካ ምሕላፋ እንተረጋገጸት፡ ብኡራጓል 3ብ0 ብምርትዓ ንደገፍታ ኣቖጢዓ፣ ብዘይካ’ዚ፡ ምትራፈን ካብ ዘፍለጣ ምስሪን ስዑድ ዓረብን፡ ስዑድ ዓረብ 2ብ1 ተዓዊታ፣ኣብ መበል 22 ደቒቕ ካብ መሓመድ

ሳላሕ ብዝረኸበታ ሸቶ መሪሕነት

ዝሓዘት ምስሪ፡ ኣብ መወዳእታ ደቓይቕ ናይ ቀዳማይ ፍርቂ ተጻዋታይ ስዑድ ዓረብ ብምገዲ ፍጹም ቅላዕ ብዘቑጸረላ ሸቶ ተመዓራርያ ናብ ዕረፍቲ ወጺኣ፣ ኣብ ጸወታ ኣብ ምዝዛሙ ከኣ ዳውሳሪ ካልኣይቲ ሸቶ ንስዑድ ዓረብ ብምምዝጋቡ ምስሪ ብዘይ ነጥቢ ናብ ሃገራ ክትምለስ ኣገዲድዋ፣ኣብዚ ጸወታ፡ ዝገደመ ተጻዋታይ

ውድድር ዋንጫ ዓለም ኮይኑ ክብረወሰን

ሒዙ ዝርከብ ወዲ 45 ዓመት ምስራዊ ሓላዊ ልዳት ኢሳም ኤል ሃዳሪ ካብ ፈሓድ ሙዋላድ ንዝተቐልዓትሉ ፍጹም ቅላዕ ብምምካኑ ካልእ ኣርእስቲ ሰሪሑ፣ እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ስዋረዝን ካቫኒን

ሓሓደ ሸቶታት ኣብ ዘመገብሉ ናይ ትማሊ ምሸት ጸወታ፡ ኡራጓይ ኣብ ልዕሊ ሩስያ 3ብ0 ብምዕዋት ብቕዓታ ኣመስኪራ፣ ኣብቲ ሩስያ ንምዱብ ግዚኣ

ብ10 ተጻወትቲ ዝፈጸመትሉ ግጥም፡ ቸርይሸቭ ኣብ መበል 23 ደቒቕ ዘቑጸራ ሸቶ ጋንታኡ 3ብ0 ክትሰዓር ኣገዲድዋ፣በዚ ናይ ትማሊ ውጽኢት፡ ኡራጓይ

ብትሸዓተ ነጥቢ ኣብ ምድብ ሓደ ጸብለል ክትብል እንከላ፡ ሩስያ ብሽዱሽተ ነጥቢ ካልኣይቲ፡ ስዑድ ዓረብ ብሰለስተ ከምኡ ድማ ምስሪ ብዘይ ነጥቢ ንናይ ምድብ ጸወታ ጉዕዞአን ፈጺመን፣ ናብ 3ይ ገጽ ይቕጽል

Page 10: ዓንሰባ - ሕማም ዓሶ ኣብ ደረጃ ምጥፋእ በጺሑ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_26062018.pdf · “ዘለካ ተወከፍ እንተዘይብልካ ኣይትሰከፍ”

ሓዳስ ኤርትራ 26 ሰነ 2018 - ገጽ 10 መበል 27 ዓመት ቁ.256

U.S. Embassy Asmara

VACANCY ANNOUNCEMENT Announcement Number: Asmara-2018-10Position Title: RegisteredNurseOpening Period: June11,2018–July11,2018Series/Grade: LE-510-9(FSN-9) DurationAppointment: Indefinite subject to successfulcompletionofprobationaryperiod

Summary:TheU.S.MissioninAsmara,EritreaisseekingeligibleandqualifiedapplicantsforthepositionofRegisteredNurse.Theworkscheduleforthispositionis: Full Time (40 hours perweek)

Supervisory Position: No

Duties:Theincumbentservesasthepost’snursewithresponsibilitiesthat include the medical care of Mission employees and eligiblefamilymembersunderMEDapprovedclinicalguidelines,aswellasmaintenance and inventory of all medical equipment and supplies,implementation of a robust vaccination program, administration ofgroupandindividualhealtheducationprograms,andmedicalemergencycontingencyplanning for theMission. The incumbentwillwork intheHealthUnitundertheclinicalsupervisionoftheRegionalMedicalOfficer (RMO) and administrative supervision of the ManagementOfficer.

Qualification Requirements

EDUCATION: Degree(RNLevel)inNursingorDiploma/CertificateequivalentfromanaccreditedSchoolofNursing. Mustpossessandmaintain a validnursing licenseor a current unrestrictedRegisteredNursinglicensefromthehostnation,countryoforigin,ortheU.S.

EXPERIENCE:Aminimumof2yearsofpost-qualificationworkasaprofessionalnurseisrequired.

LANGUAGE: Level III (Good Working Knowledge) Reading/Writing/Speaking English is required. Level IV (Fluent) Reading/WritingSpeakingTigrinyaisrequired.(Thismaybetested.)

SKILLS AND ABILITIES:

Thepositionrequiresstronginterpersonalskillsandaclient-orienteddisposition capable of dealing with a complexity of interactivechallengesindifficultandemotionalsituations.Mustmaintaincurrentknowledgeoflocalandregionalmedicalservicesthatcanprovidecareforallacuitylevels,includingvettedspecialistsandhospitals.

Mustbeabletoperformbasicwordprocessingoncomputer.Qualifications:Allapplicantsunderconsiderationwillberequiredtopassmedicalandsecuritycertifications.

How to Apply:ApplicantsmustsubmitaUniversalApplicationforEmployment(DS-174)andSupplementalNarrativeForm,whichareavailableonourwebsiteathttps://er.usembassy.gov/embassy/jobs/

To apply for this position, applicants should submit the documentslistedbelowto

HumanResourcesOfficeMailingAddress:U.S.Embassy,P.O.Box211 E-mailAddress:[email protected] indicate thepositiontitleinthesubjectline.

Required Documents: Please provide the required documentationlistedbelowwithyourapplication:

•DS-174•SupplementalNarrativeForm•ProofofEducation•Proofofnursinglicense•ProofofreleasefromNationalService

For further information: the complete vacancy announcement andpositiondescriptionlistingalloftheduties,responsibilities,requiredqualifications,etc.maybeobtainedbycontactingtheHumanResourcesoffice or by vising ourwebsite at https://er.usembassy.gov/embassy/jobs/

ቤተልሄም ታደሰ

- እምነት

ኣማኑኤል

ሊድያ ስ

ልጣን

ሃገራዊ ማሕበር ብድሆ ኤርትራኩሉ መዳያዊ ሓቅታት ኤች.ኣይ.ቪ/ኤይድስ ንምፍላጥ ናብ ሃገራዊ

ማሕበር ብድሆ ኤርትራ ኣገልግሎት ምኽሪ ብቴሌፎን ደውሉ።

ሰዓታት ስራሕ ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ንግሆካብ 8፡00 - 12፡00 ቅ/ቀትሪ ምሸት ድማ ካብ 2፡00 - 6፡00 ድ.ቀትሪ ብቁ.ስልኪ 110179 ደውሉ።

ቁ.ሳ.ፖስጣ 5537፡ E-mail፦[email protected]

ስቕታ ጎዳኢ ስለዝኾነ፡ ብዛዕባ ኤች.ኣይ.ቪ ብግልጺ ንዘራረብ!!!

ዞባ ደቡብ ዓዲ ዃላወ/ሮ ለተርፍኤል ገ/ሚካኤል ወልደኪዳን፡ ስም

ኣደይ ንግስቲ ገ/ሄር ልችሽፋረ ምባል ተሪፉ፡ ተኽኣ ፍረዝጊ ወልደገብርኤል ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን6/8/18 ኣብ ቤ/ፍ 1ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ሰንዓፈወ/ሮ ርግኣት ጡናዊ፡ ስም ትሕቲ ዕድመ ጓለይ

ሰሳይት ፍስሃጽዮን ምባል ተሪፉ፡ ፍናን ፍስሃጽዮን ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን9/7/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ዓዲ ቐይሕሓጎስ ኪሮስ ገብረስላሴ ምባል ተሪፉ፡ መትከል

ኪሮስ ገብረስላሴ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን17/7/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ከተማ ድባርዋ

ኣቶ ግርማይ ኣርኣያ ወረደቃል፡ ወላዲተይ ወ/ሮ ሃንሱ ተስፋይ ኪዳነ ስለዝሞተት፡ ኣነ ምስ 6 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን20/7/18 ኣብ ቤ/ፍ 1ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ገዳም ደብረ ቁስቋም ቅድስቲ ማርያም ድባርዋ ብወኪሎም መም/ስምኦን ነጸረኣብ ኣቢሎም፡ ብወሃቢት ውህብቶ ወ/ሮ ጽገወይኒ ክፍሉ ሓይሎም ዝተወሃብናዮ ውህብቶ ይጽደቐልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን30/7/18 ኣብ ቤ/ፍ 1ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ወ/ሮ ሰናይት ገብረሂወት ገብረዮሃንስ ብወኪላ ኢያሱ ጸጉ ዓንደመስቀል ኣቢላ፡ ኣደይ ሓረጉ ኣርኣያ ገብረመድህን ስለዝሞተት፡ ኣነ ጥራይ ወራሲት ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን18/7/18 ኣብ ቤ/ፍ 2ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ከተማ ደቀምሓረ

ኣቶ ገብረእግዚኣብሄር ተኽለሃዋርያት ተኽለማርያም፡ ወለደይ ቀሺ ተኽለሃዋርያት ተኽለማርያምን ቅድሳን ኣበይነይሩን ስለዝሞቱ፡ ኣነ ምስ 1 መዋቲት ሓፍተይ፡ 1 ተተካኢ ወዳን ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን23/7/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓዲመንጎቲ

ወ/ሮ ብሪ ተወልደ ወልደማርያም፡ ሚሊ ዘሙይ መንጉስቱ ስለዝሞተት፡ ኣነ ጥራይ ወራሲት ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን27/7/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ደብረ1.ወ/ሮ መርሃዊት ዘርኣብሩኽ ገብሪሂወት 2.ወ/ሮ

ልቺ ተወልደ ተጠናተ፡ ኣቦና ዘርኣብሩኽ ገብሪሂወት ስለዝሞተ፡ ንሕና 11 ደቁ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን14/7/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ተሰነይ ዞባ መስከረም

ወ/ሮ ዮርዳኖስ ኣማኑኤል ኪዳነ፡ ተጸዋዒ በዓል-ቤተይ ኣቶ ምሕረትኣብ ግደይ ናይዝጊ ምቕማጡ ዓዲጥልያን ኮይኑ፡ ን2 ዓመት ዝኣክል ደሃይ ሰለዘጥፍአ፣ ተጸዋዒ ብኣካል ወይ ሕጋዊ ወኪል፡ ን21/7/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። እንተዘይቀሪብኩም ግን ቤ/ፍ ጉዳይኩም ክርእዮ ምዃኑ ንሕብር።

Page 11: ዓንሰባ - ሕማም ዓሶ ኣብ ደረጃ ምጥፋእ በጺሑ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_26062018.pdf · “ዘለካ ተወከፍ እንተዘይብልካ ኣይትሰከፍ”

ሓዳስ ኤርትራ 26 ሰነ 2018 - ገጽ 11 መበል 27 ዓመት ቁ.256

ብመስዋእቲ ዘፍቅራን ዘኽብራን በዓልቲ-ቤተይ ተጋዳሊት ሓጎሳ (ጽንዓት) ደብረጼየን

ወልድሃንስ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ክሳብ መቓብር ሓርበኛታት መቐርካ ንኡስ ዞባ ሎጎ ዓንሰባ ብምኻድ ዘቃበርኩምና፡ ከምኡ’ውን ዝፈትዎን ዘፍቅሮን ወድና ኣኽሊሉ ነጋሽ ኣስመላሽ ብድንገት ኣብ ስዊዘርላንድ ዝዓረፈ፡

ሬሳ ምልኣኽ ብንዋትኩምን ጉልበትኩምን ዝተሓባበርኩም፡ ኣብ

መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ተቐቢልኩም፡ ብጉልበትኩምን መኪናኹም፡ ክሳብ ደቂ ሽሓይ

ንኡስ ዞባ ለጎ ዓንሰባ ዘቃበርኩምናን ብኣካል ብምምልላስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ብቴሌፎን ዘጸናናዕኩምና፡ ፈተውቲ ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ነመስግን።

ነጋሽ ኣስመላሽ ተኽለሚካኤል ደቁን ምስ ምሉኣት ስድራን

ብሞት ኣዚና እነፍቅራ ክብርቲ ኣደና ወ/ሮ ኣለማሽ ደግያት ስብሃቱ ዮሃንስ በዓልቲ-ቤቶም ንነፍስሄር ደግያት ተፈሪ ወ/ሚካኤል ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ከምኡ’ውን ክሳብ ዓዲ ቀይሕ ኬድኩም ዘቃበርኩምናን ኣብ ግዜ ሓዘንና ብኣካል ብቴሌፎንን ፋክስን ኢ-መይልን ዘጸናናዕኩምና፡ ቤተሰብን ፈተውትን የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ብልቢ ነመስግን።

ኩሎም ደቀንን ምሉኣት ስድራቤትን

ብዕረፍቲ ናይ ዕድመ በዓል ጸጋ በዓል-ቤተይ ኣቶ ወልዳይ መዓሾ ዝተሰመዓና ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ግዜ ሕማሙ ዝበጻሕኩምና፡ ኣብ ዓዲ ሻኻ ሓመድ ኣዳም ዘላበስኩምና፡ ኣብ ገዛና ብምምልላስን ካብ ውሽጥን ወጻእን ብቴሌፎን ዘጸናናዕኩምናን ምስጋናና እናቕረብና ሓዘንና ከምዝዓጸና ንገልጽ።

በዓልቲ-ቤቱ ወ/ሮ ምዕራፍ ሃብተጼንምስ ደቁን ስድራቤትን

ብዕረፍቲ ክብርቲ ወላዲትና ወ/ሮ ደሃብ ዑቕባጋብር ሽከር ኣብ እዋን ሕማማ ዝበጻሕኩማ፡ ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብራ ዘቃበርኩምናን ኣብ ቤትና ብምምልላስ ከምኡ’ውን ካብ ውሽጥን ወጻእን ብቴሌፎን ዘጸናናዕኩምናን ቤተ-ክህነት፡ ኣዝማድ፡ ፈተውቲ፡ ኣዕሩኽ፡ መሓዙትን መሳርሕትን የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ከምዝዓጸና ንገልጽ።

ደቃ ምስ ምሉኣት ስድራ-ቤት

ብድንገታዊ ሞት ዘፍቅራ ለዋህ በዓልቲ-ቤተይ ወ/ሮ ብርኽቲ ኣብርሃ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ክሳብ ድርኮ ንኡስ ዞባ እምኒ ሓይሊ ብምኻድ ዘቃበርኩምና፡ ከምኡ’ውን ተወከልቲ ቤ/ጽ ፓትርያርክን ገዳም ደብረሲናን ኣብ ገዛና ብምምጻእ ንዝተረብረልና፡ ምጽንናዕ ብልቢ እናኣመስገንና፡ ኣብ ወጻኢ እትርከቡ ቤተሰብን ፈተውትን ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ብቴሌፎን ናይ ሓዘንና ተኻፋልነትኩም ዝገለጽኩም፡ ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ከምዝዓጸና ብኣኽብሮት ንገልጽ።

በዓል-ቤታ ኣቶ ኣስመላሽ ሃይለምስ ደቀይን ምሉኣት ስድራቤትን

ብመስዋእቲ ኣዚና እነፍቅራ ኣደናን ሓፍትናን ገዲም ተጋዳሊት ሉኡላ መንግስቱ ካሕሳይ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ግዜ ሕማማን ዕረፍታን ተቐማጦን ኤምባሲን ኤርትራ ዋሽንግቶን ዲሲ - ቨርጂንያ ዘጸናናዕኩምናን ዘቃበርኩምናን ካብ ውሽጥን ደገን ኣብ ኣስመራን ከረንን ብኣካል ዝተመላለስኩም፡ ብቴሌፎን ዘጸናናዕኩምናን መጋድልታን ፈተውታን ኩሉኹም፡ ሕሰም ኣይትርከቡ የቐንየልና እናበልና ሓዘንና ከምዝዓጸና ንገልጽ።

ደቃን የሕዋታን ምስ ምሉኣት ስድራቤትን

ብዕረፍቲ ብልቢ እነፍቅራ ኣደና ወ/ሮ ተመርጻ ተስፋሚካኤል ኣስገደ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ግዜ ሕማማ ዝበጻሕኩማን ምስ ዓረፈት ዘቃበርኩምና፡ ኣብ ገዛ ብምምልላስን ካብ ውሽጥን ወጻእን ብቴሌፎን ዘጸናናዕኩምና፡ የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ከምዝዓጸና ብኣኽብሮት ንሕብር።

ደቃ ምስ ምሉእ ስድራቤት

ብሞት ክብርቲ ኣደና ወ/ሮ ንጽሃ ወልደገብርኤል ገደ ዝተሰመዓና ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ መቓብር ቤት-ጊዮርጊስ ኣስመራ ዘቃበርኩምናን ኣብ ገዛና ብምምልላስን ካብ ውሽጥን ወጻእን ብቴሌፎን ዘጸናናዕኩምናን የቐንየልና እናበልና ሓዘንና ከምዝዓጸና ንገልጽ።

ምሉኣት ስድራቤት

ብዕረፍቲ ክብርትን ዘፍቅራን በዓልቲ-ቤተይ ወ/ሮ ሮማ ወልደገርጊሽ ኣስመላሽ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽኩ፡ ኣብ ግዜ ሕማማ ኣብ ሆስፒታልን ገዛን ዝተመላለስኩም፡ ኣብ ግዜ ዕረፍታ ክሳብ ጸዓዘጋ ብምኻድ ዘቃበርኩምናን ዝተመላለስኩምን ካብ ውሽጥን ወጻእን ብቴሌፎን ዘጸናናዕኩምና፡ ቤተሰብን ፈተውትን የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ንዓጹ።

በዓል-ቤታ ኣቶ ኣስመላሽ ግደይ ምስ ምሉኣት ስድራቤት

ብመስዋእቲ ብልቢ ዘፍቅሮ ክቡር በዓል-ቤተይ ሌ/ኮ ኣሳየሀኝ ሃይለ ንጉሰ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ግዜ ሕማሙ ዝተመላለስኩም፡ ከምኡ’ውን ኣብ ግዜ መስዋእቱ ዘቃበርኩምናን ብኣካል ብምምልላስን ካብ ውሽጥን ወጻእን ቴሌፎን ብምድዋል ዘጸናናዕኩምናን ቤተሰብን መሳርሕቱን መቓልስቱን ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ምስጋናና ነቕርብ።

በዓልቲ-ቤቱ መም/ርግበ በላይ ምስ ደቀይን ምሉኣት ስድራቤትን

ብሞት ክቡር ኣቦናን ሓውናን ኣቶ በረኸትኣብ ባይሩ ኣረስዕ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ክሳብ ጸዓዘጋ ዘቃበርኩምናን ኣብ ገዛና ብምምልላስን ካብ ውሽጥን ወጻእን ብቴሌፎን ይኹን ኢ-መይል ዘጸናናዕኩምና፡ ከምኡ’ውን ቤተ-ክርስትያን መ/ኣለም ሎሳንጀሎስ ካሊፎርኒያን ኩሎም ተቐማጦ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ዝገበርኩምልና ምትሕብባር፡ የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ምስጋናና ነቕርበልኩም።

ስድራቤት ባይሩ መረስዕ

ሓራጅ1ይ ቤት ፍርዲ ዞባ ማእከል ኣብ መንጎ ብፍ/በ/መሰል ወ/ሮ ትርሓስ ኣስገዶምን ብፍ/በ/ዕዳ ኣቶ ምስግና

ጉልበትን ብዝተፈጥረ ናይ ገዛ ክርክር፡ ኣብ ኣስመራ ሰምበል ጎደና 835-14 1ቁ/ገዛ 28 ከባቢ መወዳእታ ፌርማታ ኣውቶቡስ ሰምበል ብሓራጅ ተሽይጡ ብጽሒቶም ብገንዘብ ክማቐሉ ስለዝኣዘዘ፡ እዚ 3 ዓበይቲ ክፍልታትን 3 ተሓጋገዝቲ ክፍልታትን ብክኢላ መበገሲ ዋጋ 176,280.37 (ሓደ ሚእትን ሰብዓን ሽድሽተን ሽሕን ክልተ ሚእትን ሰማንያን ናቕፋ 37%) ተገሚቱ። ስለ’ዚ ኣብ ናይ’ዚ ዝተጠቕሰ ገዛ ዝግበር ሓራጅ ክሳተፍ ዝደሊ ናይ’ቲ ንመወዳደሪ ዝረቑጦ መጠን ገንዘብ ብኣሃዝን ብቁጽርን ብምጽሓፍ ብዕሹግ ሰታሪት ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቁ/62 ኣብ ዝተዳለወ ሳጹን የእቱ። ኣብ ዕለት ሓራጅ ድማ ¼ ናይ’ዚ መበገሲ ተዋሂቡ ዘሎ ዋጋ ብስሙ ዝተዳለወ መጣቐሚ ቡክ ወይ ብስም ፈ/ፍርዲ C.P.O ኣስሪሑ ባዕሉ ወይ ሕጋዊ ወኪሉ ብምቕራብ ክወዳደር ይኽእል።

- ዕለት ሓራጅ፦ 23/07/2018- ቦታ ሓራጅ፦ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቁ.27- ሰዓት ሓራጅ፦ 3፡00 - 4፡00 ድ/ቀትሪ ተወሳኺ ሓበሬታ ክወስድ ዝደሊ ኣብ ላዕልዋይ ቤት ፍርዲ ቁ.65 ብምቕራብ ክውከስ ይኽእል። ነዚ

ሓራጅ ዝቃወም፡ ካብ ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ መአገዲ የቕርብ። መአገዲ እንተዘየቕሪቡ ሓራጅ ደው ኣይብልን።

ቤ/ጽ ዋ/ፈ/ፍርዲ

Page 12: ዓንሰባ - ሕማም ዓሶ ኣብ ደረጃ ምጥፋእ በጺሑ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_26062018.pdf · “ዘለካ ተወከፍ እንተዘይብልካ ኣይትሰከፍ”

ሓዳስ ኤርትራ 26 ሰነ 2018 - ገጽ 12 መበል 27 ዓመት ቁ.256

Sabur Printing ServicesSabur Printing Services

ብርሃነ ምሕረትኣብ

ፋርማሲ ቪያ ጅዳ

ተረኛ ፋርማሲ ጎደና ቁ.ስልኪ ጎደና ስጋለት ቀጣን ቁ.-6 (ቪያ ጅዳ) 0713800226/6/2018

ዕለት

ፋርማሲ ቁ.1 መዓልታውን ለይታውን ኣገልግሎት ትህብ ቁ.ቴሌፎን 127565

ኣመሪካ ንፕረዚደንት ርእሰ ምምሕዳር ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስ ንምእላይ ትሰርሕ ምህላዋ ፍልስጤማውያን ሰብ መዚ ከሲሶም።“ምምሕዳር ትራምፕ ነቲ ማእከላይ

መርገጺ ዝኽተል ወገን ፍልስጤም ንምዕናዉ ይሰርሕ ኣሎ” ዝበለ ላዕለዋይ ፍልስጤማዊ በዓል-ስልጣን ሳኢብ ዒራቓት፡ ኣመሪካ ንፕረዚደንት ማሕሙድ ዓባስ ንምእላይ ብወግዒ ትንቀሳቐስ ምህላዋ ከሲሱ።እቲ ላዕለዋይ ፍልስጤማዊ ተዛታዪ

ነቲ ክሲ ዘቕርብ ዘሎ፡ ድሕር’ቲ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ትራምፕ ጃረድ ኩሽነር፡ ኣብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ብምብጻሕ ምስ መራሕቲ እስራኤል፡ ዮርዳኖስ፡ ቐጠር፡ ምስሪን ስዑዲ ዓረብን ድሕሪ ዘካየዶ ርክብ እዩ። “ መሪሕነት ፍልስጤማውያን ኣብ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝተመርኰሰ ኣጠቓላሊ ሰላም ብምጥላቡ ጥራይ፡ ግዳይ ዕልዋ ኣመሪካ ይኸውን

“ኣመሪካ ንዓባስ ክትኣልዮ ትጽዕር ኣላ” ሰብ መዚ ፍልስጤም

ኮንጎ፡ ኣባል ውድብ ለኣኽቲ ነዳዲ ኰይና

ኣሎ” ብምባል ገሊጹ።ፍልስጤማዊ ተዛታዪ ሳኢብ ዒራቓት፡

ምምሕዳር ትራምፕ ኣቐዲሙ ንየሩሳሌም ከም ርእሰ ከተማ እየሩሳሌም ምቕባሉ ኣብ ጉዳይ ሰላም ናይቲ ዞባ ዝዀነ ተራ ክህልዋ ከም ዘይኰነ ሓቢሩ። በዚ ድማ እታ ሃገር ኣብ ጉዳይ ማእከላይ ምብራቕ ካብ መስመር ልዝብ ናብ መስመር ትእዛዝ ክትሰግር ከም

ኣብ ቱርኪ ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ፕረዚደንት’ታ ሃገር ጣይብ ኤርዶጋን ብዓብላሊ ድምጺ ከም እተዓወተ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ሓቢሩ።ኣገልግሎት ዜና ቱርኪ - ኣናዶሉ ኣብ

ዝዘርገሖ ዜና፡ 99 ሚእታዊት ድምጺ ድሮ ከም እተቖጽረን ጣይብ ኤርዶጋን 53 ሚእታዊት ክረክብ እንከሎ፡ ቀንዲ መወዳድርቱ ሙሃረም ኢንክ 31 ሚእታዊት ጥራይ ከም ዝረኸበን ድሮ’ውን ስዕረቱ ተቐቢሉ፡ ንመወዳድርቱ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ከም ዝለኣኸን ኣፍሊጡ።ኣብቲ ምርጫ ከም እተዓወተ ዝንገረሉ

ዘሎ ፕረዚደንት ረሲብ ጣይብ ኤርዶጋን፡ ብመሰረት ረኺብዎ ዘሎ ብዝሒ ድምጺ፡ ንዝመጽእ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ስልጣን መሪሕነት ከም ዝቕጽል ምንጭታት’ታ ሃገር ሓቢሮም።ኣብቲ ምርጫ ዝተወዳደሩ ካልኦት

ኣርባዕተ ሕጹያት ነፍሲ ወከፎም ትሕቲ 8.4 ሚእታዊት ድምጺ ምርካቦም ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ።ጸብጻባት ቱርኪ ከም ዘነጸሩዎ፡ ኣብ

ምርጫ ቱርኪ፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ 293 መናብር ባይቶ ክዕወት እንከሎ ተቓዋሚ ሰልፊ ድማ 146 መናብር ጥራይ ረኺቡ።

ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣባል ውድብ ሃገራት ለኣኽቲ ነዳዲ (OPEC) ኰይና።እቲ ውድብ ኣብ ቪየና - ኦስትርያ ኣብ

ዘካየዶ ኣኼባ ንሕቶ ኣባልነት ናይታ ሃገር ከም ዝተቐበሎን ከም ሓዳስ ኣባሉ ኣብ መዝገብ ከም ዘስፈራን ኣፍሊጡ።ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ገማግም ባሲን

ጥራይ መዓልታዊ ክሳብ 25 ሽሕ በርሚል ንሰደድ ትልእኽ ዘላ ኮንጎ - ብራዛቪል፡ ኣብ ምብራቓዊ’ታ ሃገር ዝተረኽበ ልዑል መጠን ዘለዎ ዕቑር ጸጋታት ነዳዲ ከተውጽኦ እንተጀሚራ እታ ሃገር ኣብ ማእከላይን ደቡብን ኣፍሪቃ ድሕሪ ኣንጎላ ዝዓበየት ለኣኺት ነዳዲ ክትከውን ዘኽእል እዩ።መንግስቲ ኮንጎ ኣብ መጀመርያ ናይዚ

ዓመት’ዚ ናብ ውድብ ለኣኽቲ ነዳዲ ኣብ ዘቕረቦ ናይ ኣባልነት ሕቶ፡ ኣብ ውሽጢ’ዚ

ዓመት’ዚ መዓልታዊ 350 ሽሕ በርሚል ነዳዲ ንምፍራይ መደባት ከም ዝሓንጸጸ ገሊጹ።እንተዀነ እቲ ኣብ ምራብቓዊ

ሸነኽ ናይታ ሃገር ዝርከብ ዕቚር ሃብቲ፡ ብዩኔስኮ ኣብ ዝተመዝገበ ሃገራዊ ሕዛእቲ ስለዝርከብ፡ ንምዕዳኑ እታ ሃገር ሓያሎ መስርሕ ክተተኣታቱ ከም ዘድልያ

ብመሰረት ኣብ ቅዋም ቱርኪ ተኣታትዩ ዘሎ ሓድሽ ምምሕያሽ፡ ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተር ተሰሪዙ፡ ኣብ ክንዳኡ ፕረዚደንት’ታ ሃገር ብቐጥታ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ክሸይም፡ ኣብ ሕጋዊ ስርዓት ቀጥታዊ ምትእትታው ክገብርን ኣዋጅ ህጹጽ ድንጋገ ከተግብርን ስልጣን ኣለዎ። በዚ ድማ ዳግማይ ተመሪጹ ዘሎ ፕረዚደንት ጣይብ ኤርዶጋን፡ ኣብ ጉዳያት’ታ ሃገር ዓቢ ናይ ምውሳን ስልጣን ተቐቢሉ ምህላዉ እቲ ጸብጻብ የረድእ።ፕረዚደንት ኤርዶጋን ንደገፍቱ ኣብ

ዘስመዖ መደረ፡ ኣንጻር ግብረ-ሽበራውያን ኣትሪሩ ከም ዝቃለስን፡ ሃገሩ ኣብ ሶርያ ተካይዶ ዘላ ወተሃደራዊ ስርሒት ከም እትደፍኣሉን ቃል ኣትዩ። “ነቲ ዞባ ካብ ሽበራውያን ሓራ ብምውጻእ ሶርያውያን ስደተኛታት ናብ መሬቶም ከም ዝምለሱ ክንገብር ኢና” ብምባል ድማ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ሰራዊት ቱርኪ ኣብ ሶርያ ከም ዝቕጽል ኣነጺሩ።ኣብ 2016 ፍሹል ፈተነ ዕልዋ

ዝተኻየደሉ ጣይብ ኤርዶጋን ኣብ መሪሕነት ን15 ዓመታት ከም ዝሰርሐን ኣብ 14 መስርሕ ምርጫታት’ታ ሃገር ከም እተዓወተን ይፍለጥ። ***

ቱርኪ - ጣይብ ኤርዶጋን ዳግማይ ተዓዊቱ

ዝመረጸት ኣረዲኡ።ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ እየሩሳሌም

ድሕሪ ዝወሰደቶ ውሳነ፡ ፕረዚደንት ፍልስጤማውያን ማሕሙድ ዓባስ ምሉእ ብምሉእ ርክቡ ምስታ ሃገር ከም ዘቋረጸ ጸብጻባት ይሕብሩ።ፍልስጤማውያን፡ ንምብራቓዊ

እየሩሳሌም ከም ናይ መጻኢት ርእሰ ከተማኦም ከም ዝቘጽሩዋ ይፍለጥ።

ክኢላታት የገንዝቡ።ኣብ 1960 ኣብ ባቕዳድ - ዒራቕ

ዝተመስረተ ውድብ ለኣኽቲ ነዳዲ ኣብዚ እዋን’ዚ 15 ኣባላት ኣለዋኦ። እቲ ኣብ ዋጋታት ነዳዲ ሓያል ጽልዋ ከም ዘለዎ ዝንገረሉ ውድብ ካብ ኣባላቱ ክልተ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ፡ ሸዱሽተ ኣብ ኤስያ፡ ሸውዓተ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ይርከባ።

ኣብ ብሪጣንያ ዝነብር ወዲ 47 ዓመት ዓዚዝ ራሕማን ይበሃል። እቲ ሰብኣይ ንገዛእ በዓልቲ ቤቱ ከም እስርቲ ብምሓዙ’ዩ፡ ኣብዚ ቅንያት’ዚ መዛረቢ ማዕከናት ዜና ኮይኑ ዘሎ። ጓል 36 ዓመት ዘኒት ቢቢ ዝተባህለት በዓልቲ ቤቱ ብመሰረት ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ 16 ዓመት ምሉእ ካብ መንበሪ ገዛኣ ከይትወጽእ ብሰብኣያ ተኸልኪላ ጸኒሓ። በዓል ቤታ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ገዛ ሓዪሩዋ ከይኣክል ብቐጻሊ ይሃርማን ይጸርፋን። ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን እውን፡ ኣብ ገዛ ዓጽዩዋ ንዓሰርተ መዓልቲ ናብ ግሪኽ ንዙረት ከይዱ። ድሒራ ከም ዝፈለጠቶ፡ ካልእ ሰበይቲ ንኽምርዖ’ዩ መደቡ። ዘኒት ኣማስያኡ፡ ብሓገዝ ጎረባብቲ ካብቲ ዝተሓየረትሉ መንበሪ ገዛኣ ናጻ ክትወጽእ ክኢላ። ንፖሊስ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ተሌፎን ክትጥቀም ኣይፍቀደላን እዩ። ሰብኣያ ምስ ስድራቤታ ከይትራኸብ ከም ዝኸልከላ ትዛረብ። ዝሓለፈ 10 ዓመት ምስ ዝዀነ ኣባል ስድራቤታ ብተሌፎን ይኹን ብኣካል ተራኺባ ከም ዘይትፈልጥ እያ ትሕብር። ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ፡ እቲ ገበነኛ ኣስታት 4 ዓመት ክእሰር ፈሪዱዎ።

ተወሳኺ

መንግስቲ ናይጀርያ፡ ኣብ ማእከላይ ከባቢታት’ታ ሃገር ድሕሪ ዝተወለዐ ቀቢላዊ ግጭት፡ ኣብ ሰለስተ ዞባታት ሕላፍ ሰዓት ከም ዝኣወጀ ተሓቢሩ። ብመሰረት’ቲ ኣዋጅ ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ካብ ሰዓት 6 ንግሆ ክሳብ 6 ምሸት ጥራይ እዮም ክንቀሳቐሱ ዝፍቀደሎም።መንግስቲ ነዚ ኣዋጅ ዘተግብር ዘሎ

ዝሓለፈ ሰሙን ኣብቲ ከባቢ፡ ኣብ መንጎ በሮምን ፉላኒን ዝተባህሉ ቀቢላታት

ብዝተወለዐ ግጭት ብውሕዱ 86 ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም እዩ።እቲ ግጭት፡ ካብ ቀቢላ በሮም ዝዀኑ

ሓረስቶት ኣብ ልዕሊ’ቶም ሰበኽ-ሳግማዊ መናባብሮ ዝመርሑ ቀቢላ ፉላኒ መጥቃዕቲ ብምፍናው ንሓሙሽተ ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም ከም እተወለዐ ምንጭታት’ቲ ከባቢ ሓቢሮም። ኣብ ናይጀርያ፡ ኣብ መንጎ ተወላዶ ቀቢላ በሮምን ፉላኒን ብዝውላዕ ቀጻሊ ግጭት

ናይጀርያ ሕላፍ ሰዓት ትእውጅህይወት ሓያሎ ሰባት ከም ዝጠፍእ ጸብጻባት እቶም ምንጭታት የረድኡ።ኮሚሽነር ፖሊስ ናይጀርያ ከም

ዝሓበሮ፡ በቲ ግጭት፡ ኣብ ሪያም፡ ባሪኪን ላዲን ጆስን ዝተባህላ ዓድታት 50 ኣባይቲ ተቓጺሉ። ኣብቲ ከባቢ ሕግን ስርዓትን ንምውሓስ ድማ ሓያሎ ኣባላት ፖሊስ ተዋፊሮም ከም ዘለዉ እቲ ኮሚሽነር ኣረዲኡ።ኣብ ማእከላይ ናይጀርያ ኣብ መንጎ

ቀቢላታት በሮምን ፉላኒን ብዋንነት ናይ ሕርሻ መሬትን ምንጪ ማይን ዝተላዕለ ንዓመታት ዝቐጸለ ግጭት ከም እተራእየን ነቲ ሽግር ንምፍትሑ ብመንግስቲ ዝተወስደ ኣድማዒ ስጉምቲ ከም ዘየለን ጸብጻባት የመልክቱ።መንግስቲ ናይጀርያ ኣቓልቦኡ ኣብ

ሰሜናዊ’ታ ሃገር ናብ ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ጉጅለ ቦኮ ሓራምን ኣብ ደቡባዊ’ታ ሃገር ናብ ዝርከቡ ዕጡቓት ኒጀር ደልታን ተመቓቒሉ ብምህላዉ፡ ነቲ ኣብ ማእከላይ’ታ ሃገር ዝውላዕ ዘሎ ቀቢላዊ ግጭት ግቡእ ምላሽ ክህቦ ከም ዘይከኣለ’ዩ ዝእመን።