40
Välkommen! ሓበሬታ ንሓደስቲ ናብ ሃልምስታድን ሽወደንን ንዝመጹ እንቋዕ ብድሓን መጻእኩም!

Information till dig som är nyanländ i Halmstad och Sverige - tigrinja

Embed Size (px)

DESCRIPTION

ሓበሬታ ንሓደስቲ ናብ ሃልምስታድን ሽወደንን ንዝመጹ

Citation preview

Page 1: Information till dig som är nyanländ i Halmstad och Sverige - tigrinja

Välkommen!

ሓበሬታ ንሓደስቲ ናብ ሃልምስታድን ሽወደንን ንዝመጹ

እንቋዕ ብድሓን መጻእኩም!

Page 2: Information till dig som är nyanländ i Halmstad och Sverige - tigrinja

2 ኣብ ሃልምስታድ “ካርለከን” ዝበሃል ወረዳ ኣሎ=ምስ ፍቕሪ

Page 3: Information till dig som är nyanländ i Halmstad och Sverige - tigrinja

3

26 16

20

13

28

ኣዳለውቲ፡ ብምምሕዳር ሃልምስታድግራፊክስ ለይኣይ ኣውት: መክስዝተሓትመሉ፡ታበርግ ሜድያ ግሩብስእልታት፡ ፓትሪክ ሌናርዶሶን፡ጀስፐር ሞሊን፡ቢልድብያርድ ሹተርስቶክምንጪን ዌብስያትን፡ arbetsförmedlingen.se, bibliotek.halmstad.se, forsakringskassan.se, gamedifacket.nu, halmstad.se, halmstadarena.se, hfab.se, hh.se, hlt.se, informationssverige.se, kommun.redcross.se/halmstad, korkortsportalen.se, krosatagen.se, kvinnojourenhalmstad.se, landguiden.se, migrationsverket.se, oresundstag.se, regionhalland.se, riksdagen.se, svenskakyrkan.se/halmstad, sweden.se, umo.se.

ትሕዝቶ

እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም 4

ሃልምስታድ

ኣገደስቲ ቁጽሪ ተሌፎናት 7ካርታ ሃልምስታድ 11ስፖርት 12መጓዓዝያ 14ወለንታውያን ውድባት 15ኣገልግሎት ጥዕና 16ቤት ትምህርታትን ትምህርትን 19ቁጠባ ናይ ሃልምስተድ 21

ሽወደን

ሓቅታት ብዛዕባ ሽወደን 23ውሕስነት ጽርግያ 26

ናይ ነባርነት ፍቓድ

ንነባርነት ፍቓድ ምጽባይ 30ናይ ነባርነት ፍቓድ ክትረክብ ከለኻ 34

ዘይተጻሓፈ ሕግታት 39

Page 4: Information till dig som är nyanländ i Halmstad och Sverige - tigrinja

44

ናብ ሽወደንን ሃልምስታድን ከም ሓድሽ ኣታዊ መጠን ብዙሕ ሕቶታት ክህልወካ ይኽእል እዩ። በዚ ብሮሸር ተሓገዝና ድማ ነዚ ዘለናዮ ሓድሽ ዓዲን ከባብን ክንፈለጥ ክሕግዘና ተስፋ ንገብር። ሕጂ ኣቲኻ ኣለኻ እሞ ኩነታትካ ከመይ ኣሎ? ዝኾነ ሕቶታት ምዝህልወካ ናበይ ትኸይድ? ናይ ሽወደን ኣገባብ ትምህርቲ ከመይ እዩ? ሃልምስታድ እንታይ እያ ክትቅርበለካ? ነዚኦምን ካልኦት ተውሰኽቲ ሕቶታትና ክምልስ ኣዩ።

ምምሕዳር ሃልምስታድ መርሓባ ኢሉ ክቅበለካ እዩ!

እንቋዕናብሽወደንንሃልምስታድንብደሓንመጻእ

Page 5: Information till dig som är nyanländ i Halmstad och Sverige - tigrinja

5

Halmstad

Stockholm

5

እንቋዕናብሽወደንንሃልምስታድንብደሓንመጻእ

Page 6: Information till dig som är nyanländ i Halmstad och Sverige - tigrinja

6Halmstad

Page 7: Information till dig som är nyanländ i Halmstad och Sverige - tigrinja

7Halmstad 7

112 ስኦስ-ሓደገኛ ንሂወት ዝፈታተን፡ፖሊስ፡መጥፋእቲ ሓዊ፡ኣምቡላንስ

114 14 ፖሊስ፡ህጹጽ ዝይኮነ

1177 ሓበሬታ ኣገልግሎት ጥዕና፡24 ሰዓት ኣብ መዓልቲ

113 13 ሓበሬታ ምስ ንደሊ ኣብ ግዜ ሓደጋን ቅልውላውን

0771-235 235 ወኪል ስደተኛ ሽወደንሓበሬታ ብዛዕባ ነባርነትካ ኣብ ሽወደን

035-13 70 00 ምምሕዳር ሃልምስታድ

ኣገደስቲ ቁጽሪ ተሌፎናት

Page 8: Information till dig som är nyanländ i Halmstad och Sverige - tigrinja

ስቶርጋተን ኣብ ሃልምስታድ - ናይ ኣጋር ጎደና ምስ ድንኳውንትን ቤት መግብን

Page 9: Information till dig som är nyanländ i Halmstad och Sverige - tigrinja

9

ኣርማ ናይ ሃልምስታድ ሰለስተ ኣኽሊል ልቢ ዘለዎ እዩ። ሓደ ካብ ክለሳ ሓሳባት ከምዘምልክቶ እቶም ኣርማታት መበቆሎም ኣብ 13 ክፍለ ዘመን ናይ ሆላንድ ንጉስ ካብ ዝነበረ እዩ።ኣብ እቲ ማሕተሙ ሰለስተ ልቢ ኔርዎ።ኣብ እ’ዚ ግዜ ክኣ እዚ ሰለስቲ ልቢ ናይ ሃልምስታድ ራኢ ብዝብለጸ ተፈላጥነት ናይ እታ ከተማ ዝውክል እዩ።

ሃልምስታድ

ከተማ ሃልምስታድ ልዕሊ 700 ዕድመ ኣለዋ። ከምኡውን ብታሪኽ ሃብታም እያ። እዛ ከተማ ክሳብ 1658 ኣካል ዴንማርክ እያ ኔራ። እዛ ከተማ ሕውስዋስ ናይ ሓደስቲን ኣረገውቲን ህንጻታት ኣለዋ። ከምኡውን ፈለግ ኒሳን ነታ ከተማ ናብ ምብራቅን ምዕራብን ይመቕላ። እታ ከተማ ዓቢ ወደብ ክህልዋ ከሎ፡ዝኣቱን ዝወጸን ናይ ኢንዳስትሪ ኣገልግሎት ይህብ። ከተማ ሃልምስታድ፡ ብዮንቨርስቲ ፡ናይ ዋኒን መንፈስ፡ ብሉጻት መዘናጊዒታት እውን ፍልጥቲ እያ። እቲ ብዝሑ ዕምቆት ዘይብሉ ገማግም ባሕራ ኣብ ግዜ ሓጋይ ብዙሓት በጻሕቲ ይስሕብ።

ትርኢታት

ኖረፖርት መእተዊ ናይ እታ ከተማ ኮይኑ ኣብ 17 ክፍለ ዘመን ዝተደኮነ ኣብ ማእከል ሃልምስታድ ቀንዲ ፍሉጥ ቦታ እዩ። በቲ ሓደ ወገኑ ናይ መእተዊ እንተሪኢና እቲ ጎደና ናይ ማርሻቤዲ ድኳናት ኣለዎ። ብቲ ካልእ ሸነኩ ክኣ ኖረ ካርትስ ዝብሃል መዐሸጊ ምስ ውቁብ ዝኮነ ናይ እግሪ መንገዲ ምስ ፈለግ ኒሳን ዝለገበ ኣለዎ። ጋልበርገት ድሕሪ ሆስፕታል ዘሎ ዝላዓለ ቦታ ኮይኑ ሃልንደጋርደን ዝብሃል ቁሉዕ ዝኮነ ቤተ-መዘከር ኣለዎ። እዚ ቦታ ክኣ ቦታ ባህልን ታሪኽን ኮይኑ ውቁብ ዝኮነ ተፈጥራዊ ኣቃውማ ዘለዎ እዩ። ካብ እታ ከተማ ወጻኢና እንተርኢና ክኣ ብዝሒ ዘልዎ ሰሓቢ ዝኮነ ተፈጥራዊ ጸጋታትን ናይ እቲ ዞባ ፍርያት ሕርሻ ዝሸይጥ ድኳውንቲ ኣለዎ።

ባህሊ

ናይ እታ ከተማ ቤት-ንባብ ምስ ማራክን ውቁብን ኣርክቴክት ምኳኑ ዝተደኮነሉ ቦታ እውን ኣብ ማእክል እታ ከተማ ብምኳኑ ንበጻሕቲ ሰሓቢ ይገብሮ። እዚ ቤት-ንባብ ድማ ንቆልዕን ዓበይቲን ዝኸውን ፡ናይ ዜና፡ጽውጽዋይ፡ኣስተምህሮ፡ ኣዳራሽ ስእሊ ዘጠቃልል ክፍልታት ኣለዎ። ከተማ ሃልምስታድ ብስእልታትን ኣደራሽ ስእልታት ዝደመቀት እያ። ከምኡውን ትያተርን ሲነማ ሮዳ ክዋርን ዝባሃል ኣለዋ።

Page 10: Information till dig som är nyanländ i Halmstad och Sverige - tigrinja

10

ገማግም ባሕሪ

ገማግም ሃልምስታድ ሸጓሹግን ኣጸደፍን ዝሓቆፈ ንዊሕ ኪሎሜትር ዝሽፍን ናይ ሑጻ ገማግም ዝለዎ ንመሐንበሲ ምቹእ ቦታ እዩ። ከሙእውን ንስንኩላተን ንዕሩክትን ዝኽወን ብዝሒ ዘለዎ ገማግም ባሕሪ ኣለዎ። ኦስትራ ስትራደንን ስቫርጃረቸለን ኣብ ቲሎሳንድ ዝርከብ ክም ኣብነት ክንወስዶ ንክእል ኢና።

ናይከተማ ኣዳራሽ

ኣዳራሻትን ቤት-ጽሕፈት ምምሕዳር ናይ ሃልምስታድ ኣብ ስቶራ ቶርግ ዝብሃል ቦታ ይርከብ። እዚ ኣዳራሽ እዚ ናይ እዛ ከተማ ናይ ምምሕዳር ፖለቲከኛታትን ሓለፍተን ዝርከብሉ ቦታ እዩ። እዚ ቦታ እዚ ዝኮነ ሓፈሻዊ ሕቶ ወይ ሓለፍቲ ክትረክብ ኣብ ትደልየሉ እዋን ዝክየዶ ቦታ እዩ።

ሰዓታት ምብጻሕሰኑይ-ሓሙስ 8:00-17:00 ዓርቢ 8:00-16:00 ተሌፎን ወይ ኢሜል ክትገብር ይከኣል ቴለ፡ 035-13 70 00 ሰዓታት ተሌፎን፡ሰኑይ-ሓሙስ 8:00-19:00ዓርቢ 8:00-16:00ኢሜይል፡ [email protected]

ንምምሕዳር ሃልምስታድ ርኸቦም

ሃልምስታድ ዲሬክት ንሕቶታትና ብዛዕባ እቲ ምምሕዳር ብኸመይ ከምዝሰርሕ ክምልሰልና እዩ። እቲ መቐበሊ ኣጋይሽና ድማ ኣብ ውሽጢ ናይ እታ ከተማ ኣዳራሽ ይርከብ።

Page 11: Information till dig som är nyanländ i Halmstad och Sverige - tigrinja

11

Halmstads kommun ligger i

Hallands län på svenska väst-kusten. Med sina drygt 96 000 invånare är Halmstad Sveriges 19:e största kommun. I norr gränsar Halmstad mot Falkenberg och i söder mot Laholm. Halmstad ligger mitt i mellan Göteborg och Malmö.

Halmstads kommun 11

Page 12: Information till dig som är nyanländ i Halmstad och Sverige - tigrinja

12

ስፖርትኣብ ሃልምስታድ ብዙሕ ዓይነት ስፖርት ክትጻወት ትኽእል። ዋላ እቲ ነኣሽቱ ቦታታት ናይ እቲ ምምሕዳር ኩዑሶ እግሪን ናይ ምውስዋስ ኣካልት ኣገልግሎት ክህብ እዩ። እዛ ከተማ ስለስተ ፍሉጣት ክለባት ኣለዋኣ። እታ ናይ ኩዑሶ እግሪ ጋንታ ህብክ ትባሃል ኮይና ጽወትኣ ኣብ ኦርጃንስ ቫል ተካይድ። እታ ናይ ኢድ ዳርባ ትጻወት ጋንታ ህክ ድሮት ትባሃል። እታ ናይ ቃርሳ በረድ ትጻወት ጋንታ ክኣ ሃልምስታድ ሃመር ትባሃል ጋንታ እያ። እዘን ክልተ ጋንታት ጸውታታተን ኣብ ሃልምስታድ ኣሪና የካይዳ።

ማሕበራት

ኣብ ሽወደን ናይ ስፖርትን ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታት ብማሕበራት ይውደብ። እቲ ማሕበር ድማ ብወለንተኛታት ውልቀሰባት ኣብ ትርፊ ግዚኦም ንቲ ማሕበር ይመርሕዎ። እዚ ክንብል ክለና እቲ ንጥፈታት ኣብ ግዜ ቀዳመ ሰንበት፡ድሕሪ ቀትሪን ምሸተን እዩ ዝካየድ።

ንጥፈታት

ኣብ ሃልምስታድ ብዝሒ ዘልዎም ዝተፈላለዩ ማሕበራት ኣለዎም። ሳዕስዒት፡ጸወታ ጎልፍ፡ምወሳወሲ ኣካላት፡ካርተ ንነፍስወክፍ መጻወቲ ዝከዎን ገለ ነገር ኣለዎ። ኣብ ሃልምስታድ ብዝሒ ዘለዋ ናይ ጅም ማእክል ሃልዩ ኣብ እዚ ማእክል ክኣ ስብ ዝደልዩ ብውልቂ ወይ ብጉጅለ ኣካላዊ ምንቅስቃስ ክገብር ይኽእል። ኩሎም ቆልዑ ሽወደን ኣብ ትምህርቲ ግድን ምሕንባስ ስለዝማሃሩ ምሕንባስ ይኽእሉ። ንቆልዑን ንዓበይቲን ኣብ ከረምቲ ኣብ ውሽጢ፡ ኣብ ሓጋይ ክኣ ኣብ ደገ ናይ ምሕንባስ ትምህርቲ ይዋሃብ።

ናይ ደገ ንጥፈታት

ዘብዘብ ምባል ፡ብሽክለታ ምዝዋር ናብ ተፈጥራዊ ቦታታት ምኻድ ትፈቱ ዶ?ኣብ ግዜ ከረምቲ ምሽርታት’ ከ ትፈቱ ዶ? ኣብ ሽወደን ሓጹር ክሳብ ዘይብሉ ነጻ ኮንካ ናብ ዝደልካዮ ጫካታት፡መሬት ክትከይድ ይካኣል እዩ። ኣብ ሃልምስታድ ብዝሒ ዘልዎ ዘብዘብ ትብለሉ፡ብሽክለታ ትዝውረሉ ቦታታት ኣለዎ።

Page 13: Information till dig som är nyanländ i Halmstad och Sverige - tigrinja

13

ኦርጃንስ ቫልኦርጃንስ ቫል ሓደ ካብ እስቶድዮማት ኮይኑ ኣብ 1958 ናይ ዓለም ወርልድ ካብ ዘኣንገደ እዩ። ኣብ እዚ ግዜ ክኣ ቀንዲ ሜዳ ናይ ጋንታ ህብክን ሃልማላን እዩ።

ሃልምስታድ ኣረናሃልምስተድ ኣሪና መስረት ናይ 30 ዝተፈላለዩ ማሕበራት እዩ። እቲ ገዛዊቲ ክኣ ዝተፈላለዩ ናይ ስፖርት ኣዳራሻት፡መዘናግዒ ባስካታት፡መሐንብሲ ባስካ፡መዐሸጊ፡መወሳወሲ ኣካላት ካለኦትን ኣለዎ። እቲ ቀንዲ ኣደራሽ ክኣ ንኤግዝብሺን፡ኮንሰርትን ንግዳዊ ምርኢት ወዘተ ይካየደሉ።

Page 14: Information till dig som är nyanländ i Halmstad och Sverige - tigrinja

14

መጓዓዝያኣብ ሃልምስታድ ካብን ናብን፡ ብምኪና፡ ብኣውቶቡስ ባቡሩን ኣየርን ክትጓዓዝ ትክእል። እቲ ዝበለጸ ኣብ እቲ ከተማ ብእግሪ ፡ናይ ከትማ ኣውቶቡስን ብሽክለታን ትገብሮ ጉዑዞ እዩ። ሃልምስታድ ብዙሕ ገንዘብ ብምፍሳስ ብሉጽ ዝኮነ ናይ ብሽክለታ መጓዓዝያ ጽርግያ ብምስራሕ ነናይ ብሽክለታ ጉዑዞ ውሑስ ይገብሮ። ናይ ብሽክለታ ትጓዘሉ ዘርኢ ካርታ ስለዘሎ ካብ ቤት-ጽሕፈት ቱሪዝም ክትወስድ ትኽእል።

www.destinationhalmstad.se

ኣውቶቡስ

ኣብ ሃልምስታድ ናይ ከተማን ናይ ዞባ ዝኾና ኣውቶቡሳት ሃልየን ናብ ከተማን ሓውሲ ከተማን ኣብ እቲ ዞባ ይጓዓዛ። እቲ ዝበለጸን ዝሓሰርን ናይ መጓዓዝያ ካርድ ብጥረ-ገንዘብ ትገዝኦ እዩ። ኣብ ኣውቶቡስ ተሰቂልካ ትኬት ብምግዛእ ክትጓዓዝ ትኽእል። ከሙኡውን ናይ ሞባይል ኣገባብ ተጠቂምካ ብናይ ባንክ ካርድ ወይ ናይ ጉዑዞ ክርድ ጥራሕ ብምጥቃም ክትከፍል ትኽእል። ካብ 0-6 ዓመት ዝዕድሞኦም ምዝኸፍል እኹል ስብ ይኸዱ እንተሃለዮም ሕሳብ ኣይከፍሉን እዮም። ካብ 7-20 ዝዕድሞኦም ድማ ናይ መንእሰይ ሕሳብ ይክፍሉ። ዝኾነ ልዕሊ 20 ዝኾነ ዕድሙኡ ድማ ከም ዓቢ ይከፍል። እዚ ትኬት እዚ ክኣ 1-2.5 ስዓታት ኣብ ክንደይ ዞባታት ከምዝበጻሕካ ምርኩስ ጌሩ ኣገልግሎት ይህብ። ልዕሊ ደረት ናይ እቲ ትኬት ኣይትጓዓዝ። ልዕሊ ደረት ናይ ትኬት ምስትጥቀም ተቀጻጻሪ ምስዝረክበካ ተወሳኪ ክፍሊት ክትከፍል የገድደካ። ኣብ ዝቅጽል ፌርማታ ክትወርድ ምስትደሊ ነታ ቀያሕ ነገር ጽቀጣ። ብዛዕባ ኣውቶቡሳት ዝርዝራዊ ሓበሬታ ስለዘሎ ካብ ሃላንደስትራፊከንስ ዌብሳይት ብምፍታሽ ክትረክቦ ትኽእል።

www.hallandstrafiken.se0771-33 10 30

Page 15: Information till dig som är nyanländ i Halmstad och Sverige - tigrinja

15

ወለንታዊያን ውድባትኣብ ምምሕዳር ሃልምስታድ ብወለንተኛታት ዝካየድ ዝተፈላለየ ውድባት ኣሎ። እዚ ክኣ ዝተፈላለየ ኣኼባታት ይገብር እሞ ሰባት የራኽብ።

ናይ ሽወደን ቀይሕ መስቀል ሃልምስታድ

ቀይሕ መስቀል ኣብ ዓለም ንጽጉማት ሰባት ሓገዝ ይገብር። ኣብ እዚ ርዱኡን ተደነጋጺ ዝኮነ ሓገዝ ክትረኽብ ትኽእል።ቴሌ፡ 035-17 88 65

ኣምንስቲ ሃላንድ

ኣምስ ኢንተርናሽናል ናይ ዓለም ውድብ ኮይኑ ንሰባዊ መስል ዝጣበቕ ውድብ እዩ።

0430-223 64

ክቪኖጆረን ቪክቶርላ

ክቪኖጆረን ውድብ ኮይኑ ንደንቅስትዮን ቆልዑን ኣብ ገዛ ዝወረዶም ምፍርራህን ዓመጽን ንምሕጋዝ ዝቆመ እዩ። እዚ ክኣ ምስጢራዊነት ዘድልዮ ስራሕ እዩ።

035-12 88 88

ርፍስል ሃላንድ

ርፍስል ውድብ ኮይኑ ኣብ ክንዲ ሓደ ጸወታ ዘሎዎም፡ክልተጸወታ ዘለዎም ዝውክል እዩ። እዚ ውድብ ክኣ ነፍሲ ውክፍ ማዕረ ዝኮነ ፡ዕድል፡መሰልን ግዴታን ዝህብ ኣዩ።

0722-63 20 42

ድህር ሃልምስታድ-ሃይልተ-ላሆልም

ድህር ውድብ ኮይኑ ሕብረተሰብ ብዝየዝኮነ ጸገም ንኽንቀሳቀስ ዝሕግዝ ውድብ እዩ። ሰባት ምስ ምንቅስቃስ ዝተኣሳሰር ኣካላዊ ድካማት ከምኡውን ናይ መብጽሒ ሽግር ምዝህልዎም እዚ ውድብ ይሕግዞም።

035-15 22 75

ኣየር

ካብ ከተማ ሃልምስታድ ተበገስካ ናይ ውሽጢ ሃገር በረራ ተጠቂምካ ናብ ስቶኮሉም ኣርላንዳ፡ስቶኮሉም ብሮማን ካልማርን ክትበርር ትኽእል።

ባቡራት

ኣብ ሃልምስታድ ብሉጽ ዝኮነ ካብን ናብን ዘራክብ ናይ ባቡር መጓዓዝያ ክይኑ ብዝሒ ዘለዎ መናሃርያ ናብ፡ማልሞ፡ጉተንበርግን ስቶኮሉም ዝወስድ ኣለዎ። ከሙኡውን ናብ ናእሽቱ ከተማታት ከም ጆንኮፒንግ፡ቫክስጆ ዝከዳ ባቡራት ኣለዎኦ።እቲ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ብዝተፈላለዩ ናይ ባቡር ካፓኒታት ይካየድ። ከሙ ስለዝኮነ ትኬት ኣብ ትግዝኣሉ እዋን ናይ እቲ ካምፓኒ ውብስያት ክምትጥቀም ኣብ ኣእምሮኻ ክህሉ ኣለዎ።

www.sj.se www.krosatagen.se www.oresundstag.se

Page 16: Information till dig som är nyanländ i Halmstad och Sverige - tigrinja

16

ኣገልግሎትጥዕና

ናብይ ከምትኸይድ

* ኣብ ገጽ 31 ብዛዕባ LMA ዝምልከት ሓበሬታ ኣሎ።.

ናይ ሃልምስታድ ህዝባዊ ኣግልግሎት ጥዕና ብዞባ ሃላንድ እዩ ዝዋሃብ።ሓታቲ ዑቑባ ኮንካ እኮል ስብ ምስትከውን ህጹጽ ዝኮነ ናይ ሕክምናዊ ኣገልግሎትን ክንክን ስኒን ከምኡውን ክጽበ ዝይኽእል ሕማም ምስትሓምም ኣገልግሎት ጥዕና ክትረኽብ ትኽእል።ንቆጽሮ ዝኸውን 25-50 SEK ትከፍል። ቆልዑን መንስያት ክሳብ ደቂ 20 ዝኮኑ ነጻ ዝኮነ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ይረክቡ።ኣብ ናይ ስኒ ክኣ ክሳብ 19 ዕድመ ነጻ ሕክምናዊ ኣገለግሎት ይረክቡ።

ቆጸሮ ግበር

ናይ ሕክምና ስኒን ኣገልግሎት ጥዕና ቆጸሮ ምግባር የድለየካ። በቲ ቆጸሮ ዝተተሓዘለካ መሰረት ኣብ ግዜካ ምምጻእ የድልየካ። እንተደንጉኻ ግን ብቴሎፎን ነቲ ቆጾሮ ክትስርዞ ኣለካ።

ካብ ቶርጓማይ ሓገዝ ርኸብ

ብቴሌፎን ቆጸሮ ኣብ ትግብረሉ ግዜ ሓገዝ ናይ ቶርጓማይ ዘድልየካ ኣንተኮይኑ ከምዘድለየካ ሓብር።

LMA ካርድኻ ተማላኣዮ

ናብ ኣገልግሎት ጥዕና ኣብ ትክደሉ እዋን ልማ ካርድ ኣገዳሲ ስለዝኾነ ተማላኣዮ።

ሓላፍነትሚስጢራውነት

ኣባልት ጥዕናን ተርጎምቲን ነቲ ምስጢራውነት ኣካል ስርሖም ክውስድዎ ይግባእ። እዚ ማለት ክኣ ብዘይ ፍቓድ ሕሙም ሓበሬታ ንካልእ ክንገር የብሉን። ነቲ ናይ ጥዕናዊ ኩነታትካ ነቲ ኣባል ጥዕና ትነግሮ ነቲ ኣብ ሽወደን ትነብሮ ብዝኾነ ኣይጸልዮን እዩ።

Page 17: Information till dig som är nyanländ i Halmstad och Sverige - tigrinja

1717

ማእክልጥዕና

ንስኻ ወይ ዝኮነ ኣብል ስድራኻ ምዝሓምም ናብ ማእከል ጥዕና ክትከይድ ኣለካ። እዚ ማእከል ጥዕና ከም ንእሽቶ ሆስፕታል ኮይኑ ኣገልግሎት ጥዕና ብዶክቶራቱ፡ ብነርሳቱን ብካልኦት ኣባላት እቲ ሕክምና ኣገልግሎት ጥዕና ይህብ።ነፍሲወከፍ ማእክል ጥዕና ፍሉይ ዝኮነ ናይ ቆልዑ ክንክን ይህብ። ናብ እዚ ማእክል ጥዕና እቲ ቆልዓ ክሳብ 6 ዓመት ዝኸውን እዩ። ከሙኡውንናይኣእሙራዊሓገዝኣብእቲማእክልክትረክብትኽእልኢኻ።ኣገዳሲምዝኸውንእውንብክኢላናይስነ-ኣእምሮሕክምናዊኣገልግሎትይዋሃበካእዩ።እዚማእክልክኣነዞምኣብላዕሊዝተጠቅሱኣብምፍዋስክሕግዘናይኽእልእዩ።

ክንክንስኒ

ንስካ ወይ ዝኮነ ኣብል ስድራኻ ስኑ ምዝሓምም ንዕዑ ዝቆመ ፍሉይ ናይ ስኒ ሕክምና ስለዘሎ ናብኡ ኬድና ኣገልግሎት ክንረክብ ንክእል

ክትፈልጥ ጽቡቅ እዩ

Page 18: Information till dig som är nyanländ i Halmstad och Sverige - tigrinja

18

ናይደቀንስትዮኣገልግሎትጥዕና

እዚናይደቅንስትዮማእከልጥዕናናይመሓረስቲ ሃሊዎነፍሰ-ጾርደቅንስትዮቅድሚምሕራሰን ኩነታትጥዕነኣንክፍልጣንምክሪክረኽባ ይኽእላ።ንቆጸሮዝምልከትኣብእዚማእከል ትሕተቶክፍሊት የለን።

ናይመንስያትክልኒክ

ናይመንእስያትፍሉይሕክምናኣገልግሎትዝህብኮይኑካብ13-23 ክልልዕድመዘለዉመንእሰያትኣገልግሎትጥዕናይህብ።ዝኮነሕቶሕዝናናብእዚማእክልጥዕናክንከይድንኽእልኢና።ኣብእዚማኣክልክኣዶክቶራት፡መሕረስቲንኣማኸርቲንኣለውዎ።ንቆጸሮኣብዝምለከትክኣዝኮነክፍሊትኣይትከፍልንኢኻ።

ንምኽሪ ብዝምልከት ብቁጽሪ ተሌ፡ 1177 ደውል

ኩሉ ግዜ ብ1177 ብምድዋል ዝደልኻዮ ምኽሪ ካብ ኢንግሊሽን ሽወደንን ትመልኽ ነርስ ክትረክቦ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ብትኽክል ዝደለኻዮ ክሊንክ ንኽትረኽቦ እውን ክሕግዘካ እዩ።

ብኸቢድ እንተሓሚምካ ወይ እንተቆሲልካ ብ 112 ደውል።

ብኸቢድምስትሓምምወይምስትቆስልናብሆስፕታልክፍሊሓደጋንህጹጽሓገዝንኪድ።ህጹጽረድኢትምስትደሊ 112 ደውል።

ዝያዳ ሓበረታን ዝርዝራውን ምስትደሊ

ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ እቲ ማኣከል ጥዕና ምስትደሊ ብዚ ዝስዕብ ወብሳይይት ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ።

Page 19: Information till dig som är nyanländ i Halmstad och Sverige - tigrinja

19

ቤት-ትምህርታትን ትምህርትንትምህርቲ ንቆልዑ ካብ ክልል ዕድመ 7-16 ዘለዉ ግድን ብሽወደን ቋንቋ ይዋሃብ። ነቶም ትሕቲ 6 ዓመት ዝለዉ ቆልዑ ክኣ ቅደመ -ትምህርቲ ዝብሃል ይማሃሩ። ነቶም ልዕሊ 16 ዝኮኑ መንስያት ድማ ናይ ዝላዓለ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ይዋሃቦም። ነቶም ዓበይቲ ድማ ፍሉይ ናይ ትምህርቲ ሓገዝ ቋንቋ ሽወደን ብመልክዕ ሽወደን ንስደተኛ ብዝብል ይዳለወሎም።

ቅድመ-ትምህርቲ ቆልዑ 1-5

ምምሕዳር ሃልምስታድ ህዝባዊ ዝኮነ ቅድመ ትምህርቲ ንቆልዑ ብምቅራብ ካብ 3-5 ዕድመ ዘለዉ ን 15 ስዓት ዝክውን ኣብ ሰሙን ይምህር። እዚ ክኣ ዋላ ስድራቢቶም ኣብ ስርሓ ኣይዋፈሩ ይካየድ።ትጽበዮ ግዜ እውን ኣሎ።

Page 20: Information till dig som är nyanländ i Halmstad och Sverige - tigrinja

20

ግዴታ ትምህርቲ ዕድመ 7-16

ግዴታ ትምህርቲ ንብሎ ንኩሎም ካብ7-16 ክልል ዕድመ ዘለዉ ዘስገደድ ትምህርቲ እዩ። እዚ ክኣ ናይ 9 ዓመት ዝድልዮ ትምህርቲ ኮይኑ ቀውዒን ጽድያን ኣብ ውሽጡ ዝሓቁፍ እዩ።ኣብ ትምህርቲ ናይ ህላውነት ሕቶ ነቶም ናይ ነባርነት ፍቓድ ዘይብሎም ቁልዑ ግዴታ ኣይኮነን ግን ኣብ ግዚኡ ኣግለግሎት ትምህርቲ ይረክቡ።

ዮንቨርስቲ ሃልምስታድ

ድሕሪ ካልኣይ ደረጃ ምውዳእካ ኣብ ሃልምስታድ ናይ ዝላዓለ ትምህርትካ ክትከታተል ቀረባን ኣብ ኢድካን እዩ። ኣብ እቲ ዮንቨርስቲ ድማ ልዕሊ 8900 ዝኮኑ ተማሃሮ ልዕሊ 40 ዝክወን ዓውደ ትምህርቲ ይኸታተሉ። ኣብ ላዕላዋይ ትኻላት ትምህርቲ ክትማህርን ክተመልኽተን ኣንትኮንካ ግድን ናይ ነባርነት ፍቓድ ክህልወካ ኣለዎ።

www.hih.se

ክላስ ቅድመ-ትምህርቲ-ዕድመ 6

ኣብ ግዜ ቀውዒ ዕድሙኡ 6 ዝኮነ ቆልዓ ብወለንታካ ናይ ቅድመ-ትምህርቲ ትምህርቲ ከተጀምሮ ይኻኣል እዩ።እዚ ክኣ ነቲ ቆልዓ ከም መስጋገሪ ካብ ቅድመ-ትምህርቲ ናብ ትምህርቲ ኮይኑ ጽወታን ክእልተን ሓዋዊሱ ናይ ምምሃር ድሌቱ ክብ ዘብል እዩ። እቲ ቅድመ-ትምህርቲ ነቲ ናይ 1 ዓመት ግዴታ ትምህርቲ ጽቡቅ ሰረት እዩ።

ላዕለዋይ ትምህርቲ ካልኣይ ደርጃ/መእተዊ ቋንቋ ንመንእሰያት 16-19

እዚ ላዕላዋይ ትምህርቲ ነቲ ግዴታ ትምህርቲ ምስሓለፍካዮ ብወለንታካ ትምሃሮ ትምህርቲ ኣዩ። እቲ ትምህርቲ ካልኣይ ደርጃ ንስለስተ ዓመት ዝጸንሕ ትምህርቲ ኣዩ። ከሙኡውን ንሞያ ወይ መዳለዊ ናብ ዝላዓለ ኣብ ምምራጽ ዝሕግዝ ኣዩ። ነቶም ናይ ግዴታ ትምህርቲ ዝይሓለፉ መንሰያት ክኣ ምእተዊ መደባት ይስራዓሎም። ነቶም ሓደስቲ ናብ እቲ ዓዲ ዝኣተው ኣብ ክልል ዕድመ 16-19 ዘልዉ ክኣ መእተዊ ቋንቋ ይማሃሩ። ልዕሊ 18 ምስትከውን ትምህርቲ ክትጅምር እንተኮንካ ናይ መንበሪ ፍቓድ ክህልወካ ኣለዎ። እቲ ናይ መእተዊ ቋንቋ ነቶም መንእሰያት ብቋንቋ ሽወደን ስልጠና ይህብ። ከሙኡውን ስልጠና ናይ ካልኦት ዓውድታት ስለዝህብ ናብ ዝላዓለ ትምህርቲ ወይ ስራሕ ከሰጋግረካ ይኽእል።

www.svenskaskolan.se

Page 21: Information till dig som är nyanländ i Halmstad och Sverige - tigrinja

21

ቁጠባሃልምስታድሃልምስታድ ኣብ ዝተፈላለየ ቁጠባ ዝተሞርኮሱ ናኣሽቱን ማእከሎት ዝኮኑ ዋኒናት ቢዝነስ ኣለዋ። ልዕሊ 75% ካብ እቲ ብዝነስ ልዕሊ 10 ሰራሕተኛ ኣለዎ። እቶም ዋሃብቲ ኣግልግሎት ዝኮኑ ትካላት ኣዝዮም ውርያት ኮይኖም ንግዶም ዝውስኽ ዘሎ እዩ። ሃልምስታድ ዝተደኮኖሉ ቦታ ንብዙሓት ፋብሪካታትን ሎጂስትካትን ነቲ ቦታ መሪጾም ወፍሮም ኣብ እቲ ቦታ ክገብርዎ ኣኪኢልዎም እዩ። ካብ እቲ ፍሉጥ ዝኾነ ናይ እታ ከተማ ኢንድስትሪ ቱሪዝም እዩ። ናይ ሃልምስታድ ነበርቲ ኣብ ግዜ ሓጋይ ብዕጽፊ ይውስክ። ሃልምስታድ ከም ናይ ዞባ ማእከል ናይ እቲ ሃገር ምምሕዳር ቦርድ ፡ኮንስል ፡ሆስፒታል ኣብኣ ይርኸብ። እቶም ዝበዝሑ ስርሕተኛታ ናይ ምምሕዳርን ናይ ሃገር ኮንስል እዮም። ካባ ናይ ሽወደን ውተሃድራት ኣውን ሓደ ኣሃዱ ኣብኣ ይርከብ።

ሃልምስታድናይባህሊቤት-ትምህርቲ

እዛ ናይ ባህሊ ቤት-ትምህርቲ ንቆልዑን መንእሰያት ኣብ ክልል ዕድመ 0-19 ዘለዉ ኣብ ግዜ ዕርፍቶም ን ዝተፈላለዩ መስርሒታት ሙዚቃ፡ ሳዕሲዒት፡ደርፊ፡ትወናን ናይ ኣቲ ዓዲ ክምሃሩ ዕድል ዝከፍት ቤት-ትምህርቲ ኣዩ። ነቲ ክእለት ሙዚቃ ንምዕባይ እቲ ቤት-ትምህርቲ ኣብ ኦርኬትስትራን መዝሙሩን ኣተኩሩ ይምህር።ትጽበየሉ ግዜ ክኣ ኣሎ።

Halmstads kommun

Box 153, 301 05 Halmstadቴለ፡ 035-13 70 [email protected]

ትምህርቲንዓበይቲ/ ሽወደንንስደተኛ(SFI)

ሓንሳብ ናይ መንበሪ ፍቓድ ምስ ረኸብካ ምምሕዳር ሃልምስታድ ሓላፍነት ወሲዱ ናይ ሽወደን ቋንቋ ብሽወደን ንሰደትኛ ብዝብል መደብ ትምህርቲ ከምትማሃር ይገብር። ዝኮነ ሽወደን ቋንቁኡ ዘይኮነ ኣብ ኣቲ መደብ ትምህርቲ ክሳተፍ ይክእል እዩ። ኣብ ምምሕዳር ሃልምስተድ ግድን ክትመዝገብ ኣለካ።ኣቲ ትምህርቲ ክኣ ብነጻ ይዋሃብ። ነቲ ቋንቋ ክትምለኮ ምእንቲ ግዜ ከይወሰድካ ኣብ ኣቲ መደብ ትምህርቲ ተሳታፊ ክትከውን ኣገዳሲ እዩ።

እቲ ምምልካት ናብ ኣዚ መደብ ትምህርቲ ብመንገዲ ምምሕዳር ሃልምስታድ ይካየድ።

Page 22: Information till dig som är nyanländ i Halmstad och Sverige - tigrinja

22

ሽወድን ኣዝዩ ውቁብ ዝኮነ ገጠራት ዘለዋ ኣዝዩ ብዙሕ ዝኮነ ጫካታትን ቀላያትን ዘለዋ ሃገር እያ። እዛ ሃገር ግን ብሙዚቃ፡ምህዞታት፡ስፖርትታትን ቀንዲ ካንባኒታት እውን ኣብ ቀዳምነት ትስራዕ ናይ ሰሜን ኣውሮፓ ሃገር እያ። ሽወደን ዝተፈላለየ ኪሊማ ዘልዋ ኣብ ግዜ ሓጋይ ምቆት ዘለዋ ብርሃን፣ ኣብ ግዜ ክረምቲ ድማ ዝሑል፡ ጸለማት በረድዘለዎ እዩ።

ሽወደን

Page 23: Information till dig som är nyanländ i Halmstad och Sverige - tigrinja

2323

ሽወደን

ሓቅታትብዛዕባሽወደንብዝሒ ህዝቢ፡ 9.7 ሚልዮን (2015)ስፍሓት፡ 407፣340 ትርቢዒት ክሊሜተርርእሰ ከተማ፡ ስቶኮሉምቅዋም፡ ምልካዊ ቅዋምገንዘብ፡ ናይ ሽወደን ክሮነርቀዳማይ ሚኒስተር፡ስተፋን ሎፍቨንመራሒ መንግስቲ፡ ንጉስ ካረል XVI ጉስታቭ

Page 24: Information till dig som är nyanländ i Halmstad och Sverige - tigrinja

24

ቅዋምሽወደን መናርካዊ ዝኮነ ቅዏም ዘለዋ ሃገር እያ። እዚ ማለት ድማ ኣታ ሃገር ብንጉስ ትምራሕ ኮይና እቲ ንጉስ ግን ብዙሕ ስልጣን የብሉን። እቲ ስልጣን ክኣ ኣብ ኢድ ሪኪስዳግ ክዩኑ ብባይቶ ዝምረጽ እዩ። እቲ መንግስቲ ክኣ ብውሳኔ ናይ ሪኪስዳግ ይምራሕ። ሪክስዳግ ናይ ሽወደን ሕጊ የርቅቕ፡ ውሳኔ ናይ ርኪስዳግ ኣብ ሙሉእ እቲ ሃገር ዝሰርሕን ናይ ኣታ ሃገር ገንዘብ ብከመይ ይማቃራሕ ዝውስን ኣካል ኢዩ።

ክልኩላት ዝኾኑ• ኣብ ሽወደንኣካላዊመቅጻዕቲካብ 1979 ጀሚሩክልኩልእዩ።እዚክንብልከለናወለዲንደቆምብፊዝካላዊንኣእሙራዊንክቀጽዕዎምየብሎምን።

• ኣብ ሽወደንናይመፍረኣክላትሰብዝግበርምቁራጽካብ 1982 ጀሚሩክልኩልእዩ።

• ኣብ ሽወደንመሸጣሓሺሽክልኩልእዩ።ሰባትውልፋትናይሓሺሽክኮኑኣየፍቅድንእዩ።

• ኣልኮልን ሽጋራንንልዕሊ 18 ዝዕድሞኦምክወስድዎየፍቅድእዩ።

www.informationsverige.se

ቅዋማዊ ሕግታትሽወደን ንዲሞክራሲ ዝከላኸሉ ኣርባዕተ ቅዋማዊ ሕግታት ኣለዋ። ከምኡ ውን ምስ ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ኣድልዎን ዝተኣሳሰሩ ሕግታት ኣለዋ።

ቅዋማዊ ሕጊ፡

እቲ ኣቃውማ መንግስቲ ማለት እታ ሃገር ብከመይ ትማሓደር: እቶም ዲምክራሳዊ መሰላትና እንታይ እዮም: ስልጣንብከመይ ይማቃራሕ: ነዚ ዝገልጽን ዝምለስን እዩ።

ናይ ፕረስ ናጽነትናይ ፕረስ ናጽነት ክንብል ከለና ሓበሬታ ክንዝረግሕን ክንሓትምን ክንክእል ከለና እዩ። እቲ በዓል ስልጣን ነቲ ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ኣቀዲሙ ንክምርምሮን ሰንሱር ክገብሮ መሰል ምዘይህልዎ እዩ።

መሰረታዊ ሕጊ ኣብ ሓሳብካ ምግላጽብዘይ ዝኮነ መቅጻዕቲ ዝደለካዮ ሓሳብ ክትዛረብን ክትዝርግሕን ምኽኣል እዚ ክንብል ከለና ክኣ ንዝኮነ ሰብ ብዘይምንእኣስ እዩ ክክወን ዘለዎ።

ናይ ምትክኻእ ስልጣንነቲ ንጉስ ወይ ንግስቲ ናብ ስልጣን ዘመጽኦ ሕጊ ኢዩ። እቲ ንጉስ ወይ ንግስቲ ነቲ መንግስቲ ዝውክል ኮይኑ ግን ስልጣን ዘይብሉ እዩ።

Page 25: Information till dig som är nyanländ i Halmstad och Sverige - tigrinja

2525

ኣብ ሽወደን ናይ ህዝባዊ ኣገልግሎት ናይ ምርካብ መሰል

እዚ መስል ንዝኮነ ዜጋ ናብ ገጠር ናይ ምካድ መስል ዝውህብን ዝኮነ ናይ በረኻ ዕንበባ፡ቃንጥሻ ንከልዕል መስል ዝውህብ እዩ። እዚ ክንብል ከለና ግን ኣብ ገለ ናይ ህዝባዊ ኣገልግሎት ደረት ኣለዎ። ነፍሲ ወከፍ ስብ ክኣ እንስሳ ዘገዳምን ተፈጥራዊ ነገር ናይ ምዕቃብ ግዴታ ኣለዎ። ነቲ ሕዙእ ዝኮነ ኣግራባት ክትዕንዎ የብልካን።.

www.naturvardsverket.se

ናይ ዕድመ ደረትደረት ዕድመ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ይፈላለ እዩ። ኣብ ሽወደን እንተወሲድና 18 ዕድመ እንተጌርካ ናይ ምድማጽ መስል ይህልወካ።

ዕድመኻ 1515 ዕድመ ምስገበርካ ሓላፍነት ዝሰማዓካ ዕድመ እዩ። ገበን ምስትፍጽም ብገበንካ ትቅጻዕ። ከም ሕጊ ሽወደን ትሕቲ 15 ዝዕድሙ ጽወታዊ ስጋ ክፍጽም የብሉን። ትሕቲ 15 ዕድሙኡ ምዝዋር ክጅምር ይኽእል።.

ዕድመኻ 16 ኣብ እዚ ዕድመ ናትካ ትካል ክምወን ንምምርሒ ፍቓድ ክተምልክት ትኽእል። ፍኩስ ዝበላ ሞተርሳይክልን መኪናን ክትማሃር ትኽእል።

ዕድመኻ 18 ኣብ ኣዚ ዕድመ እዚ እኹል ሰብ ትኮነሉ እዩ። እዚ ዕድመ ክትምርዓወሉ ትኽእል ዕድመ እዩ። ኣብ እዚ ዕድመ ድማ ሽጋራ ክትገዝን ክተደምጽን ትኽእል። ኣብ እዚ ዕድመ እዚ እውን ናይ ምምሪሒ ፍቓድ ፈተና ክትወስድ ትኽእል። ኣብ ቤትምግቢ ድኳናት ብምኻድ ኣልኮል ወይ ቢራ ክትገዝእ ትኽእል።

ዕድመኻ 20ዕድመኻ 20 ምስዝከውን ኣብ ሲስተምቦላጀት ከድካ ኣልኮል ክትዕድግ ትኽእል።

ፈስቲቫላ

ዋላ እኳ እታ ሃገር ኣብ ሃይማኖት ኣይትገደስ ናይ ሽወደን ህዝባዊ ብዓላት ብመሰረቱ ናይ ክርስትና መበቆል ኣለዎም። እቲ ዝብለጸ ናይ ስድራቤት ብዓል ድማ ናይ ክሪስማስ በዓል ኮይኑ ዝያዳ ኣብ ድሮ ይባዓል። ፋሲካ፡ሓዲሽ ዓመት፡ዊልበርጊስ ናይት፡መፋርቅ ሓጋይ ኣብ ድሮ ስድራቤታትን ኣዕርኩቲን ዝራከብሉ ኣጋጣሚ እዩ። ናይ ሽወደን ሃገራዊ መዓልቲ 6 ሰነ እዩ።

Page 26: Information till dig som är nyanländ i Halmstad och Sverige - tigrinja

26

ውሕስነት ጽርግያናይ ኣጋር መንገድታትኣብሽወደንኣብግዜከረምቲጸልማትእዩ።ኣብጻዕቂመካይንዘልዎቦታኣብትንቀሳቀሰሉእዋንኣንጸባራቂተጠቀም።ኣብትጓዓዘሉግዜማርሻበዲወይመንገዲብሽክለታተጠቀም።ኣብናይስረገላመንገዲእንተሃልካጸጋማይውግንሕዝምእንቲነተንናባካዝመጻክትርኢን። ክትሰግርምስትደሊነቲመስግሪኢሉዝተገብረምልክትተጠቂምካስገር።ነዚተጠቂምካኣብትስግረሉመራሕቲመካይንቀዳምነትይህቡኻ።ቀይሕሴማፎሮተወሊዑከሎክትሰግርኣይትፈተን።በቲናይመካይንዝኸዳሉቦታእንተስጊርካግን E4 E6 E20 ክትቅጻዕትኽእል።

ዓንኬላዊ መንገዲኣብ ሃልምስታድ ብዙሓት ዓንኬል መንገድታት ኣሎ። እቲ ሴማፎሮ ኣንቲክሎካይዝ ይኽይድ። ስለ’ዚ መኪና ኣብ ትዝውረሉ ግዜ ኣብ ኣቲ ዓንኬል ቦታ ሃብ።

መስቀላዊ መስገሪኣብ እቲ መስገሪ መክይን ቀዳምነት ንኣጋር ክህባ ኣለወን

ቀዳምነት ሃብመስቀላዊ መንገዲ ንዝሰግር ቀዳምነት ሃብ

ደው በልኩሉ ግዚ ሙሉእ ብሙሉእ ድው በል

ሓደ መንገዲእቲ ሰማፍሮ ናብ ኣንጻራዊ ኣንፈት ክንጋዓዝ ጥራሕ የፍቅደልና።

ምዝዋርኣብ ሽወደን መኪና ክትሕዝን ምምርሒ ፍቓድ ክህልወካ እንተኮይኑ ዕድመካ ልዕሊ 18 ክኸውን ኣለዎ። ናይ ካልእ ሃገር ምምርሒ ፍቓድ ምዝህልዎካ ንሓደ ዓመት ክስርሕ ይኽእል። ብናይ ሕጊ ሽወደን ኣብ ስዊዲን ብየማናይ ኢና ንዝውር። ሓደ ዘዋራይ መኪና ክሳብ 0.2ሜግሊ ዝዓቀኑ ኣልኮል ኣብ ደሙ ክሳብ ዘሎ ክዝውር ይኽእል። ኣብ ደሙ ዘሎ ኣልኮል ልዕሊ 1ሜግሊ ምዝዝክወን ግን ከም ኣዝዩ ዝሰተየ መራሒ መኪና ስለዝውሰድ ኣብ ፍርዲ ቀሪቡ ክሳብ እስራት ክብየነሉ ይክእል።

ናይ እግሪን ናይ ብሽክለታ መንገዲናይ እግሪን ናይ ብሽክለታ መንገዲ ፈላልዮ.

Page 27: Information till dig som är nyanländ i Halmstad och Sverige - tigrinja

2727

ቀዳምነት ሃብመስቀላዊ መንገዲ ንዝሰግር ቀዳምነት ሃብ

ናይ እግሪን ናይ ብሽክለታ መንገዲናይ እግሪን ናይ ብሽክለታ መንገዲ ፈላልዮ.

ብሽክለታዝተፈልየ ናይ ብሽክለታ መንገዲ ምዝይህሉ የማናይ ወገን ናይ ጽርግያ ሒዝካ ተጓዓዝ። ብተመሳሳሊ ክልተ ዝእግሮም ሞተር ሳይክል ብከሙ ክኸዱ ኣለዎም። ነፍሲ ወከፍ ትሕቲ 15 ዝዕድሙ ብሽክለታ ኣብ ዝዝውረሉ ወይ ምስ ካልእ ሰብ ኣብ ዝጓራበተሉ ናይ ሓጺን ቆቡዕ ቅጥቀም ኣለዎ። ልዕሊ 15 ምስትኸውን ካልእ ቆልዓ ትሕቲ 10 ዓመት ብውሑስ ክተጓራብቶም ይካኣል ኣዩ። ነቶም ናሽቱ ቆሉዑ ክተጓራብት ምስትደሊ ናይ ህጻናት ኮፍ መበሊ ተጠቀም። እታ ትዝውራ ብሽክለታ ቃጭልን ፍራቻ ክህልዋ ኣለዎ። ኣብ ጸልማት ብሽክለታ ኣብ ትዝውረሉ ግዜ ናይ ቅድሚት ጻዕዳ ወይ ብጫ መብራህቲ ተጠቀም። ሳሓቲ ኣወን ቀይሕ መብራህቲ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ።

ቆልዑ ትሕቲ 12 ዝዕድምኦም ኣብ መካይን ዝበዝሕሉ ከባቢ ብሽክለታ ክዝውሩ ኣይፍቀደሎምን እዩ።

Page 28: Information till dig som är nyanländ i Halmstad och Sverige - tigrinja

2828

Page 29: Information till dig som är nyanländ i Halmstad och Sverige - tigrinja

2929

መንበሪ ፍቓድ

Page 30: Information till dig som är nyanländ i Halmstad och Sverige - tigrinja

30

ንናይ መንበሪ ፍቓድ ምጽባይ

ሓተቲ ዑቕባ

ኣብ እዚ ግዜ እዚ ኣብ ምምሕዳር ሃልምስታድ ንብዙሓት ጉጅለታት ስደተኛታት ከእንግድ ዝኽእል መአንገዲ ቦታ ኣለዎ። ከሙእውን ብዙሓት ሓተቲ ዕቑባ ኣብ ናቶም መአንገዲ ዝእንገዱ ኣለዉ።. ኣለዉ። ኣብ ክልቲኡ ዘሎ ኣእንግዶት ዘጠቃልሎ ይፈላለ እዩ። ኣብ ገለ ምግቢ ክቅርብሉካ ከለው ኣብ ገል ክኣ ባዕልኻ ተዳሊ። እቲ ሰብ ንእንጉደቱ ዝምለከት ተሓታቲ ይክወን ወይ እቲ ወኪል ስደተኛ ሓበሬታ ብምሃብ ኣብ ኩሉ ኣንታይ ኣገባብ ክክተል

ከምዝለዎ ይመርሖ።

ብዘይ ዝስድራ ዝመጹ ቆልዑን መንእሰያትን

ብዘይስድራ ዝመጹ ቆልዑን መንእስያትን ክንብል ከለና ቆልዑ ካልእ ዜጋ ኮይኖም ዕድሞኦም ትሕቲ 18 ኮይኑ ብዘይ ስድሮም ናብ ሽወደን ዝመጹ እዮም። ነዞም ስባት እዚኦም ድማ ብቀጥታ ምምሕዳር ብመንገዲ ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክትትል ይግበረሎም። እቲ መሓብራዊ ኣገልግሎት ኣሞንጎ ኣቶም ዓበይቲ ከምዝዕርፉ ብምግባር ሓላፍነት ክወስድሎም ይገብር። እቶም ዓበይቲ ድማ ሕጋዊያን ምጉዚት ናይ ኣቶም ቆልዑን መንእስያት ኮይኖም ሕጋዊ ዝኮነ ውሳኔ ይወስዱ።. ምምሕዳር ሃልምስታድ ብመንገዲ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝማሓደር ብዝሒ ዘለዎ መእንገዲ ቦታ ኣለዎ። እዚ መእንገዲ ድማ ነቶም ብዝይስድራ ዝመጹ ቆልዑን መንእሰያት ስደትኛታት ኣገልግሎት ይህብ።

Page 31: Information till dig som är nyanländ i Halmstad och Sverige - tigrinja

31

ካርድ ልማ

ኣብ ሽወደን ዑቑባ ኣብ ትሓተሉ እዋን መጀምርታ ናይ ተፈላጥነት ይዋሃበካ። ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ድማ ካርድ ልማ ይውሃበካ።እዚ ክኣ ነቲ ናይ ተፈላጥነት ይትኽእ። ልማ ካርድ ወረቀት መንነት ዝይኮነ ከም ሓታቲ ዕቑባ ኣብ እቲ ሃገር ዝፍለጠካን ኣብ ምጽባይ ዘለካ ምኳንካ ዝሕብር እዩ።.

እዚ ወኪል ስደተኛ ትካል ኮይኑ ናይ ዑቑባ ኣተሓታትታ ኣገባብ ሓበሬታ ዘልዎ ኣዩ። ኣብ እቲ ተመልክቶ ኣውን ጉዳይካ ሪኡ ውሳኔ ዝህብ ትካል እዩ። እቲ ናይ ዕቑባ መስርሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ ብፍላይ መንነትካ ባዕልኻ ምስዝይተነጽር፡ምክንያት ዕቑባ ትሓተሉ፡ብዝሒ ሓተቲ ዑቑባ ገለ ካብ ነቲ መስርሕ ዘደናጉይዎ እዮም። ኣብ ሽወደን ብዙሓት ሰባት ዕቑባ ይሓቱን ጉዳዮም ክኣ ከይተራኣየ ንነዊሕ ግዜ ይጸንሕ። ኣቡኡ ክትህሉ ኣገዳሲ እዩ። ብዙሓት ሰባት ዕቑባ ኣብ ዝሓትሉ እዋን ናይ ሕጊ ሓገዝ ስለዝግበረሎም ኣቲ ወኪል ስድተኛ ወጻኢታት ክገብር ይግደድ። ንፍሲ ወከፍ ሰራሕተኛ ናይ ወኪል ስደተኛ ኣብ ስርሑ ምስጥራዊነት ክህልዎን ነቲ ዕቑባ ዝሓተት ዘሎ መን እዩ ንምንታይ ዕቑባ ይሓትት ኣሎ ንካልኦት ክነግረሉ የብሉን።

ቴለ፡0771-235 235

ዝኽፈተሉ ሰዓታት፡ስኑይ--ክሳብ ዓርቢ፡ 9፡00-ክሳብ 15፡00

www.migrationsverket.se

እቲ ምምሕዳር ውለንተኛታት ብምውዳብ

ንሓተትቲ ዕቑባ ብመንገዲ፡ ናይ ቋንቋ መሓዙት፡ቋንቋ ክፍሊትን

ምዝንጋዕን ከምዝሕገዙ ይገብር። ወኪል ስደተኛ

Page 32: Information till dig som är nyanländ i Halmstad och Sverige - tigrinja

32

ፋይናንሳዊ ደገፍ

ፋይናንሳዊ ሓገዝ ናብ ወኪል ስደተኛ ብምምልካት ክትረኽብ ትኽእል። እቲ መዓልታዊ ዝዋሃበካ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ፡ንክዳንካ፡ንጫማካ፡ንሕክምናካ፡ንመድሃኒትካ፡ንክንክን ስንካ፡ንጽሬትካ፡ንሃልኽትካ፡ንመዘናጊዒኻ እትገብሮ ውጻኢታት ክኣኽለካ

ኣለዎ።እዚ ገንዝብ ኢዚ ክኣ ኣብ ኢካ ባንከን ብሽምካ ሕሳብ ብምኽፋት ክተቀምጦ ትኽእል። ወኪል ስደተኛ ጥራሕ ኣብ እቲ ሕሳብካ ገንዘብ ከቀምጡ ዝኽእሉ። ወኪል ስደትኛ ዝህበካ ገንዘብ ብናይ ባንክ ካርድ ተጠቂምካ ካብ እቲ ባንክ ክትጥቀም ይካኣል። እቲ ናይ ባንክ ካርድ ገንዘብ ክትክፍልን ካብ

ሕሳብካ ገንዘብ ብመንገዲ ኣትምስ ክተውጺእ የኽእለካ። እቲ ናይ ባንክ ካርድ ናይ ውልቅካ ነብረት ስለዝኮነ ብጽቡቅ ሓዞ። ኣጋጣሚ እቲ ናይ ባንክ ካርድ ምስዝጠፍኣካ ወይ ምዝስረቀካ ነቲ ሕሳብ ክትዓጽዎ ኣለካ።ነቲ ባንክ ሕሳብካ ንምዕጻው ነቲ ጉዳያካ ሒዝዎ ዘሎ ሰርሓተኛ ናይ ወኪል ስደተኛ ክትሕብሮ ኣለካ።ንኣይከን ባንክ ብ ተሌ፡033-47 47 90 ብምድዋል ነቲ ባንክ ሕሳብካ ክትዕጽዎ ትኽእል። እቲ ኣይከንባንከን ነቲ ሕሳብ ምእንቲ ክዓጽዎ ኮድካ ወይ ናይ ካርድ ቁጽርኻ ኽትሕብሮም ኣለካ። ናይ እዚ ኮድ ክኣ ምስቲ ካርድ ዝዋሃበካ ስታሪ ተጻሒፉ ስለዝሎ ካቡኡ ክትወስዶ ይኻኣል። እቲ ካርድ ናይ ባንክ ምስጠፋኣካ ናትካ ሓለፍነት ስለዝኮነ ብቁጽሪ ተሌ፡114 14 ደዊልካ ንፖሊስ ክትሕብር ይግባእ።ሓዲሽ ካርድ ክትውስድ ምእንቲ ካብ ኣቲ እንዳፖሊስ ምሰነይታ ወረቐት ናብ ወኪል ስደተኛምውሳድ የድልየካ።

Page 33: Information till dig som är nyanländ i Halmstad och Sverige - tigrinja

33

ስራሕ ኣብ ግዜ ናይ ዕቑባ መስርሕ ምሕታት

ነቲ ናይ ዑቑባ ምሕታት ኣንዳተካየድ ከሎ ንንፈስካ ባዕልካ ክትሕግዛ ኣለካ። ነዚ ንክትገብር ክኣ ገንዘብ ኣንዳቆጠብካ ወይ እንዳሰራሕካ እዩ። ሓታቲ ዕቑባ ኮንካ ናይ ምስራሕ መሰል ምእንቲ ክህልወካ እቲ ወረቐት መንነትካ ዝተረጋገጸ ክክውን ኣለዎ። ከሙኡውን እቲ ዝመልከትካዮ ወረቐት ቅቡልን ናብ ሽወደን ዝተረከበ ምዝከውን እዩ። ነቲ ኩነታት ትበቅዕ ምስ ኮንካ ናይ ልማ ካርድን ናይ ስራሕ ፍቓድ ካብ ወኪል ስደተኛ ይዋሃበካ። እዚ ክኣ ክሳብ ናይ መንበሪ ፍቓድ ውይ ነቲ ሃገር ትልቅቅ የገልግለካ። ምኒስትሪ ዕዮ ናይ እቲ ሃገር ናይ መንበሪ ፍቓድ ምስተውሃብካ ስራሕ ክትረኽብ ይሕግዘካ። ስራሕ ምስ ረከብካ ነቲ ኣስራሒኻ ልማ ካርድ ወይ ናይ መንበሪ ፍቓድካ ክተርእዮ ኣለካ። እቲ ዝስራሓካ ሰነድ ናይ ዝጀመራካዮን ዝወዳክሉን ክሕዞ ኣለዎ። እቲ ኣስራሒካ እውን ንቲ ኣሳሳይካ ስራሕ ከምዝረኸብካ ክሕብሮ ኣለዎ።

ኣበል ናይ ገዛ

ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ኣብ ትሰርሓሉ እዋን ብምምልካት ኣብል ናይ ገዛ ክትረኽብ ትክእል ኢኻ።

እዋናዊ ሓበሬታ ምስትደሊ ንወኪል ስደተኛ ክትረክቦም ትክኣል

www.migrationsverket.se

Page 34: Information till dig som är nyanländ i Halmstad och Sverige - tigrinja

34

ናይ ነባርነት ፍቓድ ክትረክብ ከለኻ

Page 35: Information till dig som är nyanländ i Halmstad och Sverige - tigrinja

35

ፍቓድ ነባርነት

ናይ መንበሪ ፍቓድ ብውሳኔ ወኪል ስደተኛ ይዋሃብ። ናይ ነባርነት ፍቓድ ኣብ ዝዋሃበካ ግዜ፡ ካርድ ምስእሉ፡ዓሸራ ኢድ ከመረጋገጺ ተወሲዱ ኣብ ሽወድን ክትነብር ትኽእል። እቲ ዝዋሃበካ ካርድ ክሳብ 5 ዓመት ኣገልግሎት ይህልዎ ብድሕሪኡ ክኣ ክትሕድሶ ትክእል ኢካ። እቲ ካርድ ከም መንነት ወረቐት ኣየገልግልን ኣዩ። ናይ መንበሪ ፍቓድ ምስተዋሃበካ ልክዕ ከም እቶም ሽወድናውያን ነበርቲ ናይ ምምሕዳር ዝቕርቦ ኣገልግሎት ትረኽብ። ንኣብነት ቅድመ-ትምህርቲ፡ክፍሊት ንዓበይቲ ሽውደናውያን ከሙኡውን ቑልጡፍ ተበግሶ ውሲዱ ገዛ ኣብ ምርካብ ይሕግዘካ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚ እቲ ወኪል ስደተኛ ነቲ ንመንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ዘመልከትካዮ ቁቡል ኣይክውንን። እዚ ክኣ ክሳብ ምስጓግ ክበጽሕ ይኽእል።ንዝላዓለ ሓበሬታ ንወኪል ስደትኛ ክትውከስ ትኽእል።

መንበሪ ፍቓድካ ክስረዝ ይኽእል

ኣብ እቲ ተመልክቶ ሓሶት ዝኮነ ሓበሬታ ምስትስፍር ፡ገበን ምስትፍጽም ናይ ነባርነት ፍቓድካ ክስረዝ ይኽእል እዩ። ከሙኡውን ካብ ሽወደን ወጻኢ ንክልተ ዓመት ምስትቅመጥ ናይ ነባርነት ፍቓድካ ይስረዝ። ካብ እቲ ዝተቀበልካሉ እዋን ጀመርካ ንነዊሕ ግዜ ምዘይትሕድሶ ናይ መንበሪ ፍቓድካ ክስረዝ ይኽእል።

ምውናን መእንገዲ

ሓንሳብ ናይ መንበሪ ፍቓድ ምስረኸብካ ክሳብ መንበሪ ገዛ ዝዋሃበካ ኣብ እቲ ናይ ወኪል ስደተኛ ዝቅርቦ ምዕረፊ ትጸንሕ።እቲ ገዛ ብመንገዲ ህዝባዊ ኣገልግሎት ስራሕ ትረኽብ። ገዛ ትንመብረሉ እውን እቲ ክራዩ ርትዓዊ ድዩ ኣይኮነ ክተረጋግጾ ከሙኡውን እቲ ዉዑል ሕጋዊ ምኳኑ ክተረጋግጹ ኣለኩም። ኣብ ኣእምሪኩም ክተጽነሕዎ ዝግባኣኩም መንበሪ ገዛ ኣብ ሃልምስታድ ክትረክብ ከቢድ ስለዝኮነ ግዜ ዝወስድ መስርሕ ኢዩ። ሓንሳብ ነቲ ወኪል ስደተኛ ዝቀረብልካ ገድፍካ ባዕልካ ናብ ዝረኸብካዮ ገዛ ቀይርካ እቲ ዝቀየርካዮ ገዛ ምዘይስማማዓካ ናብ እቲ ወኪል ስደተኛ ዝቀረቦ መአንገዲ ቦታ ኣብ ውሽጢ ወርሒ ክትምለስ ትኽእል ኢኻ ። ልዕሊ ወርሒ ምስትገብር ግን ሓዲሽ ገዛ ኣብ ምርኻብ ናትካ ሓላፍነት እዩ።

Page 36: Information till dig som är nyanländ i Halmstad och Sverige - tigrinja

36

ማሕበራዊ ድሕነት

ሓንሳብ ኣብ ቅጸራ ህዝቢን ናይ ሽወደን ወኪል ግብሪ ምስተመዝገብካ ናብ ወኪል ማሕበራዊ ኢንሹራንስ ምምዝጋብ እውን ናይ ሽወደን ማሕበራዊ ጸጥታ ተጠቃሚ ክትክውን ትኽእል ኢኻ። እቲ መሓበራዊ ጽጥታ ንናይ ስድራቤት ፋናንሳዊ ኩነታት ክውሕስን ከሙውን ኣካላዊ ድካም ዘለዉ እውን ፍይናንሳዊ ውሕስነት ይህብ። እቲ ጉድያካ ካብ እቲ ዝግቦኦ ንላዕሊ ከይሳሓብ ምእንቲ ሙሉእ ሰነዳትካ ሒዝካ ናብ ወኪል ማሕበራዊ መድሕን ብምርካብ ጉዳይካ ከምዝወእዳእ ክትገብር ይካኣል እዩ።. ኣብ ሽወድን ኣብዝኣተከሉ ጥሮታ ወጺካ እንተመጺኻ ድሕሪ መንበሪ ፍቓድ ምርካብካ ብቐጥታ ምስ ናይ ሽወደን ወኪል ጥሮታ ብምርኻብ ካቡኡ ናይ ጥሮታ መስለካ ክትረክብ ትክእል ኢኻ።

ወኪል ማሕበራዊ መድሕን ኣብ ሃልምስታድ፡ 0771-524 524

www.forsakringskassan.se/sprak

እቲ መእተዊ መደባት ምስ ሕብረተሰብ ሽወደን ንምወሃድ ዝሕገዝ ንጥፈታት ዘጠቃልል እዩ። ከሙውን እቲ መደብ ስራሕ ኣብ ምርካብን ነፍስካ ንክትኽእል ይሕግዘካ። ነቲ ናይ መእትዊ መድባት ዕላሙኡ ናብ ሽወደን ንዝመጹ ሓደስቲ ኣብ ክልል ዕድመ20-64 ዝኮኑ ናይ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ክም ስደተኛታት ውሕስነት ከምዝረኽቡ ዝገብር እዩ።እቲ መደብ እውን ነቶም ብዘይስድራ ዝመጹ መንእሰያት ኣብ ክልል 18-19 ይጠቃልል። ኣቀዲሙ ናብ ሽወደን ዝመጸ ምሳካ ዝመድና ሃልይዎ ኣብ እቲ መደብ እቱው እንትኮይኑ ነዓኻ ክእትወካ ይኽእል እዩ። ምሉእ መዓልቲ ትሰርሕ፡ናይ ካልኣይ ደረጃ፡ንስካ ትኣልዮም ጥዕና ዘይብሎም ልዕሊ 65 ዝኮኑ ናብ መእተዊ መድባት ክትወስድ ኣይትግደድን ኢኻ።

ዕድመ ናብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ስራሕ

ሓንስባ ናይ ነባርነት ፍቓድ ምስወሰድካ ብናይ ህዝባዊ ስራሕ ኣገልግሎት ተዓዲምካ ኣብ ኣኼባ ክትሳተፍ ትኽእል። እቲ ህዝባዊ ኣገልግሎት ስራሕ መንግስታዊ ባዓል መዚ ኮይኑ ንስደተኛታት ደልይቲ ስራሓን ኣስራሓትን ብሓንሳብ የራኽብ። ከይዓደሙካ ነነዊሕ ግዜ ኣብ ዝጸንሑሉ ግዜ ባዕልኻ ን ህዝባዊ ኣገልግሎት ስራሕ ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ። ኣብ እዚ ናይ ምእተዊ ትገብሮ ኣኼባ ንስካን ናይ ስራሕ ኣመኻሪካ ብዛዕባ ናይ መጻኢ መድብ ስራሕካ ኣብ ሽወደን ክትሕንጺጽ ትኽእል ኢኻ። ዝኮነ ስርተፊከት ወይ ናይ ስራሕ ምስክርነት

ናይ መላለዪ መደባትምዝገባ ህዝቢ

ናይ መንበሪ ፍቓድ ምስረኸብካ ነቲ ናይ ሽወደን ወኪል ግብሪ ግድን ክትረኽቦ ኣለካ ምእንቲ ኣብ ቆጾራ ህዝቢ ክትመዝገብ። ዋላ እኳ ነቲ ናይ ምምዝጋብ ውሳኔ ኣብ ኢድ ወኪል ስደተኛ ይኩን መንበሪ ፍቓድካ ተመላኣዮ። ዝኮነ ሰነድ ናይ ዓድኻ ኣብ ኢድካ ዘለዎ ምምላእ እውን ኣብ መንነትካ ምርግጋጽ ሓጋዚ እዩ። ሓንሳብ ኣብ ቆጸራ ህዝቢ ምስተመዝገብካ ናትካ ዝኮነ መንነት ቁጽሪ ይውሃበካ።እዚ ናይ መንነት ቁጽሪ ከም መንነት ኮይኑ ዝተነድፈ ኣዩ። እዚ ውልቃዊ መንነት ቁጽሪ ምስዝኮነ ባዓል መዚ፡ሕሳብ ባንክ፡ ወረቐት መንነት ኣብ ምሕታት ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ቆጾሮ ህዝቢ ምስትመዝገብ ናይ ሽወድን ማሕበራዊ ጸጥታ ኣገልግሎት ክትረኽብ ይሕግዘካ። ናይ ሽወድን ውኪል ግብሪ ምስ ናይ ወኪል ማሓብራዊ መድሕን ብምትሕግጋዝ ሕቶ ምዝህልወካ ሕቶታትካ ኣብ ምምላስ ይሕግዘካ።

ናይ ሽወድን ውኪል ግብሪ ኣብ ሃልምስታድ፡ 0771-567 567

www.skatteverket.se

Page 37: Information till dig som är nyanländ i Halmstad och Sverige - tigrinja

37

ካብ ዝሓለፈ ስራሕካ ወይ ትምህርትካ ምስዝህልወካ ናብ እቲ ኣኼባ ክተማልኦ ትኽእል ኢኻ። እቲ ኣኬባ ናይ መእተዊ መደባት ዘለዎ ኮይኑ ሙሉ ግዜ ዝጠልብ እዩ። እቲ መደብ ክኣ ንክልተ ዓመት ኣገልግሎት ይህልዎ።ኣብ እቲ መእተዊ መደባት ምስታፍ ኣግደዳሲ ኮይኑ ዘይምስታፍ ግን ኣብ ናይ እቲ መድብ ናይ መስታፍ ተክእሎካ ከዳናጉየካ ይኽእል።

ኻሕሳ

ነቲ መድብ ኣብ ትኸታተለሉ እዋን ናይ ኻሕሳ ጉብእካ ይሕለወልካ እዩ። እቲ ኻሕሳ ኣብ ምሉእ ሽወደን ሓደ እዩ። ዋላእኳ እቲ ካሕሳ ክንደይ ከምዝኽፈለኻ ብህዝባዊ ኣገልግሎት ስራሕ ዝውሰን ይኹን ድኣ እምበር እቲ ክፍሊት ብወኪል መሓበራዊ መድሕን ይኽፈል። ምስቲ ናይ ምእተዊ መድባት ዝተሳሰር ፍለይ ዝበለ ናይ መኽሓሲ ቕጥዒ ኣለዎ።ሓደ ካቡኡ ናይ ገዛ ኣበል ኮይኑ ነቶም ንበይኖም ኣብ ገዝኦም ዝቅመጡን ነቶም ኣብ ቆጸራ ህዝቢ ዝተመዝገቡ እዩ። እቲ ካልእ ክኣ ነቶም ምስ ደቆም ኣብ ገዝኦም ዝቅመጡ ናይ ምእተዊ ምመላእታ እዩ።ነዚ ኣበል ንምርካብ ንህዝባዊ ኣገልግሎት ክተምልክት ትኽእል ኢኻ።

ናይ ህዝባዊ ኣገልግሎት ስራሕ ኣብ ሃልምስታድ ተሌ፡ 0771-60 00 00

www.arbetsformedlingen.se

ንህዝባዊ ኣገልግሎት ስራሕን ወኪል ማሕበራዊ መድሕን ዝኮነ ለዊጢ ምስትገብር ምሕባሮም ኣገዳሲ እዩ።

Page 38: Information till dig som är nyanländ i Halmstad och Sverige - tigrinja

ሰባት ኣብ ዝራከብሉ ልክዕ ከምካልኦት ሃገራት ሽወደን ዝተፈላለዩ ዝይተጻሕፉ ሕግታት ኣለዉዋ።ንሰባት ሰላም ኣብ ትብለሉ ግዜ የማናይ ኢድካ ሰደድካ ነቲ ናይ ካልእ ሰብ ኢድ ጨቢጥካ ስላም ትብል።

Page 39: Information till dig som är nyanländ i Halmstad och Sverige - tigrinja

39

ዘይተጻሓፉ ሕግታት• ንሰባት ኣብ ትላለየሉ እዋን ናይ ሽወደን ቃል ተጠቀም ብፍላይ ናይ ሽወደን ቃል ዱ ልዕሊ ፍሮማል ኒ ተጠቀም ዋላ ነቲ ሰብ ንመጀመርታ ትርኽቦ ሃሉ

• ናይ ኣኼባ ወይ ቆጸሮ ምዝህልዎካ ኣብ ግዜኻ ተረከብ

• ናይ ቁጽሪ ትኬት ወሲድካ ኣብ ሪጋኻ ኮንካ ተጸበ። እዚ ክኣ ብዝሒ ዘልዎም ሰባት ንሓደ ዓይነት ኣገልግሎት ኣብዝጽበይሉ ግዜ እዩ። ቁጽሪ ትኬት ምዝይህሉ ኣብ መስርዕካ ኮንካ ተጸበ

• እቲ ስሩዕ ሰዓታት ምግቢ፡ ቁርሲ፡6፡30-9፡00 ምሳሕ፡11፡30-14፡00 ድራር፡ 17፡00-20፡00 ኣብ መዓልቲ ስራሕ። ኣብ ግዜ ቀዳመ ሰንበት እቲ ሰዓታት ይፈላለ

• ኣዝዩ ልሙድ እዩ ድሕሪ ቀትሪ ናይ ቡን ዕረፍቲ 15፡00

• ርስሓት ናብ ገዛ ናይ ካልኦት ወልቀሰባት ምእንቲ ከይተምጽእ ጫማካ ኣውጺኢካ እቶ

• ንዳሰብ ገዛ ካብ ምድዋልን ምኩሕኳን ተቆጠብ ቅድሚ 9፡00 ድሕሪ 21፡00

ልሙድ

ቃላት ኢንግል ሽወደን

እወ Ja ጃ

ኖኖ Nej ነጅ

ሃለው Hej ሂጅ

ድሓን ኩን Hejdå ሀጀዳ

ከመይ ሓዲርኻ Godmorgon ጉድሞርጎን

ብሩክ ለይቲ Godnatt ጎድናትዳሓር

የራእየና Vi ses ቪሰስ

የቐንየለይ Tack ታክ

ገንዘብካ Varsågod ቫራስጎድ

ብጃካ Snälla ስናላ

ይቅሬታ Ursäkta ዩርሳክታ

ጽቡቅ Bra ብራ

ሕማቕ Dåligt ዳሊግት

ሓገዝ Hjälp ህጃልፕ

ልሙድ ሓረጋት

ከመይ ኣለኻ? Hur mår du? ሁርማርዱ?

ኣበይ እዩ?Var ligger…?ቫርሊገር?

ሰዓት ክንደይ ኮይኑ? Vad är klockan? ቫዳርክሎካን?

ተቆንዝየ ኣለኹJag har ont ጃግሃሮንት

ይደሊ---Jag skulle vilja ha... ጃግስኩለ ቪልጃ ሃ

Page 40: Information till dig som är nyanländ i Halmstad och Sverige - tigrinja

Halmstads kommun

Box 153, 301 05 Halmstad · ኣድራሻ: Rådhuset

ቴለ፡ 035-13 70 00 · [email protected] · www.halmstad.se